
ብ ተስፋኒውስ (ትርጉም)፡
ካብ ድሬዳዋ ተበጊሶም ኣብ ገማግም ባህሪ ኤርትራ ዝዓለቡ MI-35 ዝኣይነተ ናይ ኢትዮጲያ ሄሊኮፕተራት ጉዳይ ንወያኔ ርዕሲ ሕማም ኮይነንኦ ቀንየን። መንነት ናይቶ ነተን ሄሊኮፕተራት ሒዞም ዝኣተዉ ኣባላት ሓይሊ አየር ኢትዮጲያ ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ተቓውሞ እንታይ ምዃኑውን ገና ኣይተፈልጠን። ምስኡ ብዝተሓሓዘ ፡ ሓይሊ አየር ኢትዮጲያ ፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ብዝኸፈአ መልክኡ ለሚሱ ምሕላዉ ሰነዳት ይሕብሩ። ደቂ ብሄረ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብረርቲ ነፈርቲ ኹናት ካብ ስራሕ ተኣሊዮም ኢዮም። ደቂ ትግራይ ኣብረርትን ቴክኒሻናትን ድማ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ብምዃኖም ፡ ነቲ ሓይሊ አየር ብትግራዎት ጥራሕ ከተንቀሳቕሶ ኣይከኣልን ኢዩ። ብፍላይ ቴክኒሻናት ዝበዝሑ ካብ ደቂ ኣምሓራን ኦሮሞን ኮይኑም ስለዝጸንሑ ፡ ወያነ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ይርከብ። ናይ ሓሶት ፌደራሊዝም ውጽኢት ድማ እዚ ኢዩ።
ምስቲ ድሕሪ 5ተ ወርሒ ዝካየድ ሃገራዊ ብርጫ ብዝተሓሓዘ ወያነ ማእለያ ዘይብሎም ፈተናታት ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ይጽበይዎ ኣለዉ። ህወሃትን ብአዴንን ብናይ ስልጣን ፍሕፍሐ ከምዝርከቡ ሰሙናዊ ዝንገረሉ ወረ ኢዩ። ኦህዴድ ካብ ጸዋታ ወጻኢ ኮይኑ ኣሎ። ደቡብ ህዝቦች ኣብቲ ጸዋታ ኣይነበሩን – የለዉን ድማ። ንኦህዴድ ከይሓዝካ ኣቦ መንበር ናይ ኢህወደግ (ጠቕላይ ሚኒስተር) ምዃን ከምዘይከኣል ርዱእ ኮይኑ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ፡ ህወሃትን ብኣዴንን ንናይ ኦህዴድ ኣባላት በብሓደ ናብ ነናቶም ውድብ ንምጽንባር ውሽጣዊ ቃልሲ የካይዳ ኣለዋ። ኦህዴድ ምእንቲ ርእሱ ከምዘይሓስብ ተገይሩ ስለዝተቆጸየ ፡ ኣብ ቕድሚኡ ዝጽበዮ ሕቶ “ንመን ከንግስ ?” ዝብል ጥራሕ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ፡ ከምቲ ንኦህዴድ ኣባላት ብቐረባ ዝፈልጦም ፡ ኣምሓራ ካብ ዝነግስ ወያነ ኣብ ስልጣን እንተዝጸንሕ ኢዮም ዝመርጹ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን`ዚ እቲ ቀንዲ ጸላዒ ወያነ እምበር ናይ ኣምሓራ ፖለቲከኛታት ከምዘይኮኑ ዝስሕትዎ ኣይመስለኒን። ወያኔ ምስዝወድቕ ፡ እቲ ሽግ ናበይ ገጹ ከምዝወድቕ ክፍለጥ ዘይምኽኣሉ ንነፍስ ወከፎም እውን እንተኾነ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ኢዩ። ኩነታት ተሻናኺሩ ኢዩ ዘሎ። ኣባላት ኦህዴድ ነሓድሕዶም ተረዳዲኦም እንተዝጥርነፉ ኔሮም ፡ ኣብ ልዕሊ ብኣዴንን ህውሃትን ጸቕጢ ክፈጥሩ ምኸኣሉ ኔሮም። ንኣብነት ኣባልነቶም ካብ ኢህወደግ እንተዘንሳሕቡ ፡ ሓያል ተቐናቐንቲ ክኾኑ ምኸኣሉ። ንነብሶም ካብ ኣባልነት ፓርላማ እንተዘግልሉ ድማ ፡ ወያነ ንህዝቢ ኦሮም ከኽብር ምጀመረ ኔሩ። እዚ ድማ ከምዚ `እንጀራ የለን እምበር ፡ ገለ ጽብሒ እንተዝህሉ` ዝኣይነት ዘረባ ኢዩ።
ኣባላት መሪሕነት ወያነውን ኣብ መስቀለኛ መንገዲ ኢዮም ዝርከቡ። ኣምሓራ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ፡ ኢትዮጲያ እንተትፈርስ ከምዝመርጹ ርዱእ እዩ። ናይ ስብሃት ነጋ መርገጺ ፍሉጥ ኢዩ። ሃይለማሪያምን ደመቀን (ካብ ኣገውን ወላይታን – ፕሮቴስታንትን እስላምን) ናብ ስልጣን ምስመጹ ፡ “ንናይ ኢትዮጲያ ስልጣን ካብ ኣምሓራይን ኦርቶዶስን ኣጽሪናዮ ኢና” ኢሉ ክዛረብ ብሬዲዮ ሰሚእናዮ ኢና። ሓቂ ይሓይሽ ዝተጋገየ ኣይመስለኒን። መንግስቱ ሃይለማሪያም ጀሚሩ ዘይፈጸሞ ናይ ኦርቶ – ኣማራ ቢሮክራሲ ፡ ወያነ ግርም ጌሩ ተግቢሩዎ ኢዩ። ስለዚ ፡ ብኣዴን (ናይ ኣምሓራ ፓርቲ ኢዩ እንተኢልና) ደላዩ ዋላ እንተገዓረ ንቤተ መንግስቲ ክኣቱ እቶም ካልኦት ብፍጹም ኣይፈቕዱሉን ኢዮም።
ህወሃት ንደብረጽዬን ናብ ቦታ ቀዳማይ ሚኒስቴርነት ክሓጽይዎ ይሓስቡ ከምዘለዉ ክናፈስ ዝቐነየ ወረ ሓቂ ኣይመስለኒን። ደብረጽዬን ናይ ቴክኒክ ሰብ ኢዩ። ንናይ ኢትዮጲያ ፖለቲካ ክመርሕ ዝኽእል ፖለቲከኛ ኣይኾነን። ኣብዚ እዋን`ዚ ህወሃት ናብ ስልጣን ከምጽኦ ዝኽእልን እቲ እንኮ ተቐባልነት ዘለዎ ሰብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሃኖም ጥራሕ ኢዩ። ትውልዱ ካብ ዓድዋ ኮይኑ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ከምዝኣበየ ዝንገረሉ ቴድሮስ ኣድሃኖም ፡ ኣብ ናይ መለስ ናይ ስልጣን መንበር ንምቕማጡ እንተኾይኑ ናይ ህወሃት ዕላማ ፡ ብዙሕ በዳሂ ጉዳይ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ቴድሮስ ኣድሃኖም ዝናኸስ ኣስናን የብሉን እንዳተባህለ ኢዩ ዝሕመ። ንኢትዮጲያ ንምምራሕ ድማ ዝነክስ ጥራሕ ከይኾነ ፡ ዝዝልዝልን ዝሓይኽን ኣስናን ምውናን የድሊ። ህወሃት ንቴድሮስ ኣድሃኖም ናብ ስልጣን ከምጽኡ ይምነዩ ይኾኑ። ቴድሮስ ነቲ ስልጣን እንተዝሕዝ ንህወሃት ጥቕሚ ኢዩ። ሓደገኛ ሳዕቤን`ውን የብሉን። ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ጫው ጫው ግና ኣይክእሉዎን ኢዮም። ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ንዝፍነወሎም ናይ ተቓውሞ ፕሮፓጋንዳ ክስከምዎ ምኽኣሎም ግን ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ስለዝኾነ ን ከም በኣል ሃይለማሪያም ደሳለ ወይውን ከምኡ ዝኣመሰለ ሕራይ ጎይታይ ኢሉ ዝግዛእ ኣገልጋሊ ሰብ እንዳለዋወጡ ፡ ብድሕሪት ድምጺ ኣጥፊኦም ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ይመርጹ`ውን ይኾኑ።
ሃይለማሪያም ብህወሃትን ብአዴንን ተኸቢቡ ክሰርሕ ቀንዩ ኣሎ። ንምክልኻል፥ ጸጥታን ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ክእዝዝ ኣይፍቀደሉን ኢዩ። ንመንግስቲ መንግስቲ ከብልዎ ዝኽእሉ ነዞም ሰለስተ ኣገደስቲ ቦታታት ብህወሃት ዝተታሓዙ ኢዮም። ኣብ ኢድ ጌታቸው ኣሰፋን ፡ ሳሞራ ዩኑስን ፡ ቴድሮስ ኣድሃኖምን ድማ ይርከቡ። ስለዝኾነ ድማ ሃይለማሪያም ምሽክናይ ስልጣን ኣልቦ ኮይኑ (ብጎይታ ፈቓድ) ዝተኣዘዞ ጥራሕ ክሰርሕ ጸኒሑ ኣሎ። እንተኾነ ሃይለማሪያም ኣይሓመቐን ነተን ዝተረፋ ናይ ምምሕዳር ቦታታት ብደቂ ደቡብ ከምዝምላእ ምግባሩ ኣይተረፈን። እዚ ኩነታትት ድማ ንነዊሕ እዋን ብ ደቂ ኣምሓራ ተታሒዙ ንዝጸንሐ ምምሕድራዊ ቦታታት ናይቲ ማእከላይ መንግስቲ እንዳዳኸሞ ስለዝኸይድ ፡ ንናይ ኣዲስ ኣበባ ሓይሊ ሰብ ቢሮክራሲ ሚዛን ዘትሕዝ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ፡ ወያነውን ኣይጸልኡዎን። ካብዚ ዝሓለፈ ሃይለማሪያም ክገብሮ ዝኽእል ዋላ ሓንቶ ነገር የለን። “ሃይለማሪያም ስኒ ኣብቂሉ`ሲ ንበኣል ኣባይ ጸሓዬ ምእዛዝ ይኣቢ ኣሎ” ንዝብል ወረ ንግዚኡ ንምእማን ኣጸጋሚ ኢዩ። ቁሩብ ምጽባይ ይሓይሽ።
ኣቶ ሌንጮ ለታ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ንምስታፍ ናብ ፊንፊኔ (ኣዲስ ኣበባ ማለት`ዩ) ገጹ ክእለ ኢዩ ክበሓል ቀንዩ። ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ኣይተኻታተልኩዎን። ሌንጮ ጠቕሊሉ እንትዝኣቱ ግና ወያኔ ዝጉዳእ ኣምበር ዝጥቀም ኮይኑ ኣይስምኣኒን። ኣይኮነን ሌንጮ ኣትዩ ፡ መራራ ጉዲና ከማን እንዳተዋዘየ ኣብ ክንደይ ፈተና ኢዩ ዝእትዎም ኣሎ። ኣብቲ ምርጫ ንወያነ ክፋታተኖም ዝኽእል ሓደ ድማ መራራ ጉዲና ኢዩ። ስልጣን ክጭብጥ ኢዩ እኳ እንተዘይተብሓለ ቁሩብ ናይ ፓርላማ መናብር ከሕድጎም ይኽእል ኢዩ። ሌንጮ ሰሊጡዎ ፊንፊኔ እንተዝኣቱ`ሞ ነቲ መለኮታዊ ናይ ኦነግ ባንዴራ ከንበልብል እንተዝኽእል ፡ ነቲ ናይ ምርጫ ጸዋታ መወዓወዒ ምኾኖ። ወያኔ ድማ እታ ተካል ሕማም ወይቦ ምተለዓለቶም ኔራ።
ኣሜሪካውያን ንህወሃት ይድግፉ ከምዘለዉ ዝኸሃድ ኣይኮነን። ህወሃትውን እንተኾነ ንኣሜሪካ ክልተ ኢዶም ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሉም ኢዮም ሒቦምዋ። ኣሜሪካ ብናይ ህወሃት ኣመራርሓ ዝኣክል እዃ እንተተጠቐሙ ፡ ወያነ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ግና ይደልዩ ኢዮም ማለት ግን ኣይኮነን። “ሓደ ንዑስ ብሔር ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ጸኒሕኩም ኣለኹም። ኣብ ጸገም ከይኣተኹም ነቲ ስልጣን እንተ ኣረከብኩም ኢዩ ዝሓይሽ” እንዳበሉ ደጋጊሞም ኢዮም ምዒዶሞም። ወያነ ናይ ሕዝቢ ደገፍ ስለዘይብሉ ፡ ነታ ሃገር ደፊኡ ደፊኡ ናብ ጸድፊ ሸለው ከብላ ኢዩ ኢሎም ክሰግኡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣሜሪካውያን ከም በኣል ሰማያዊ ፓርቲ ንዝኣመሰላ ደጋጊፎም ናብ ስልጣን ከደይቡ ከምዝደልዩ ፍሉጥ ኢዩ።
ብዛዕባ ናይ ኦሮሞ ናጽነት ንዝሓስቡ መንእሰያት ግና ኣሜሪካ ኣዚዮም ኢዮም ዝፈርሑዎም። “ብናይ ሓድነት ኢትዮጲያ” ዝኣምን ፡ ብሕዝቢ ኦሮሞ ተቐባልነት ዘለዎ መንእሰይ ኦሮሞ ንምርካብ ክንደይ ፈተና ረኺቦም ኢዮም። ዝሰልጦም ድማ ኣይኮነን። ሓቂ`ዩ ንናይ ኦሮሞ ህዝቢ ዝውክል ሓቀኛ ሓይሊ ናብ ስልጣን ክሳብ ዘይመጸ ናይ ኢትዮጲያ ሃድነት ኣብ ሓደጋ ክምዝወድቕ ምዕራባውያን ኣጸቢቖም ተረዲኦምዎ ኣለዉ። እንተኾነ ፡ ኦሮሞ ካብቲ ዘለዎም ውሕሉል ኣቕሚ ነቲ ሓደ ዕስሪትውን ከምዘይተጠቐምሉ ኢዩ ዝእመን።
ኣካይዳ ናይቶም ብ ኣንድነት ዝፍለጡ ናይ ፖለቲካ ሃይልታት እሞ ከምዚ ዝዋዘዩ ኾይኑ ኢዩ ዝስማኣኒ። ኣንዳርጋቸው ጽጌ ሓደ እዋን ፡ “ናጽነት ዘይፈልጡ ናይ ናጽነት ታቓለስቲ” ኢሉ ኔሩ። “ሓድነት ዘየልጡ ሃይልታት ሓድነት” ካብ ፕሮፓጋንዳ ሓሊፎም ምስጓም ኣይከኣሉን። ኢትዮጲያውነት ዋና ስኢኑ ኣሎ። ህይወቱ ኣይኮነን ድቃሱ ዝስዋኣሉ ይስእን ኣሎ። ጽግዕ ኢሉ ንዝርኣዮም እንዳ “ኣንድነት” ፡ ብ ጎንደርን ጎጃምን ፡ ብ ወሎን መንዝን ተመቓቒሎም ንሓድሕዶም ሓመድ ኢዮም ዝጋበሩ። ናይ ጎንደርን – ሽዋን ባዕሲ ከይፈትሑ ኦጋዴን ከም ኢትዮጲያዊ ክዝምር ይምነዩ። መብዛሕቱ ግዜ ኣምሓሩ ፖለቲከኛታታ፡ “ኦሮሞ የሕዋትና” ምባል የብዝሑ ኢዮም። ኣምሓሩ ፖለቲካኛታት ፡ “ፍርቒ ኦሮሞ ኢዬ” ምባል`ውን ኣብ ናይ ኣምሓሩ ፖለቲከኛታት ፋሽን ኮይኑ ኣሎ። ብንጻሩ ናይ ኦሮሞ ፖለቲከኛታት ፡ “ኣምሓርይ የሕዋትና ኢዮም” ዝብል ዘረባ ክጥቐሙ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። እቲ ሓደ ጠባራይ ዝመሰለሉ ምክንያት ግን እንታይ ኢዩ? ካብ ልቦም ስለዘይኾነ ይመስለኒ። “የሕዋትና” ትብል ዘረባ ናይ ምብጫው ኣይነት ኢያ። ንናይ ህዝቢ ኦሮሞ ስነ ልቦና ብዝምልከት “የቡርቃ ዝምታ” ኣብ ትብል መጽሓፈይ ግርም ጌረ ገሊጸዮም ስለዘለኹ፡ ንህዝቢ ኣምሓራ በኣል ውዕለት ዝኾንኩ ኮይኑ`ዩ ዝስመኣኒ።
ሕጅውን ነኣሕዋት ኣምሓሩ ፖለቲከኛታት ብግልጺ ክምዕዶም ይደሊ። ግዜ ይሓልፈኩም ኣሎ። ናይ ኣምሓሩ ፖለቲከኛታት ምስ ሽማግለታት ኦሮሞ ከይወኣልኩም ከይሓደርኩም ተረዳዲእኩም ክትሰርሑ እንተዘይፈቲንኩም ፡ ብርግጽ ግዜ ይሓልፈኩም ኣሎ። እቶም ሽማግሌታት ኦሮሞ እንተወሓደ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጲያውነት ኒሮም ኢዮም። ፈቲዮም ዲዮም ተገዲዶም ነታ ባንዴራ ዘሚሮም ኢዮም። እቲ ሓድሽ ወለዶ ኦሮሞ ግና ፡ ነቲ ኣረንጓዴ ቢጫ ቀይሕ ዝሕብሩ ባንዴራ ፍጹም ኢዩ ዝጸልኦ። ንኣምሓርኛ ምዝራብ ይጽየፍ። “ኢትዮጲያዊ ኢየ” ክብል`ውን ኣይደልን።
ናይ ኣንድነት ሓይልታት ሎሚ ካብ ድቃሶም ክበራበሩ ኣለዎም። መጥምቅ ዮሃንስ ፡ “እቲ ብድሕረይ ዝመጽእ ብሓዊ ከጥምቐኩም ኢዩ” ከምዝበሎ፡ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ትውልዲ ኦሮሞ ምስ ሓበሻ ብሓደ ኮፍ ኢሉ ክዘራረብ ብዛዕባ ምኽኣሉ ይጠራጠር ኢዬ።
ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ኣላህ ይሓግዘና። ኣሜን!
– – – –
ብ ተስፋይ ገብረኣብ (ናይ ኦሮሞ ሽሙ ጋዳ ገብረኣብ) ዝተጽሓፈ