
ብ ተስፋኒውስ (ትርጉም)፡
ውግዕ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክካየድ ከሎ ኣነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢዬ ነይረ።
ሓደ ቐዳም ምሸት፡ ኣብ ከባቢ ወሎ ሰፈር አብ ዝርከብ ሓደ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ክለብ ምስተኣለኹ ፡ ሓደ ዘስሕቅ ጉዳይ የጋጥመኒ። አብቲ ክለብ ብምሸት መብዛሕትኡ ግዜ ዘጻውትዎ ናይ ኣመሓርኛ ደርፍታት ኢዩ ኔሩ። ኣብ ሞንጎ`ውን ንኣመል ናይ ትግርኛን ኦሮምኛን ደርፍታት ይሕወሰሉ ኢዩ።
ሪጋ ሓሊዩ ናይ ትግርኛ ደርፊ ምጽዋት ምስተጀመረ፡ እቲ በኣጋጣሚ ዝተመርጸ ደርፊ ናይ ወዲ ትኹል `ማርቸዲስ ሸዊት` ዝብል ኮይኑ ተረኽበ። ትሕዝቶ ናይቲ ደርፊ ብሓጺሩ ፡ `ጅግና ህዝባዊ ግንባር (ሻዕቢያ) ኣብ ዝኾነ ቦታ እንዳተወንጨፈ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዓወት ይዓትር ኣሎ።` ዝብል ድማ ነበረ።
እቲ ሙዚቃ ዘጻውት ዲጄ ፡ ቋንቋ ትግርኛ ከምዘይፈልጥ ርዱእ ነይሩ። ቋንቋ ትግርኛ እንተዝፈልጥ ኔሩ ፡ ኣብ ግዜ ዄናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዚ ዝበለ ደርፊ ኣይምመረጸን ኔሩ። ኣብቲ ምሸት ትግርኛ ዝዛረብ ሰብውን ዘሎ ኣይመሰለኒን። ወዮ ሰብ ኣዲስ ኣበባ ብረሓጽ ክሳብ ዝጥልቕዩ ብደርፊ ወዲ ትኹል ክስዕስዑ እንዳ ራእኹ ክዛናጋዕ ኣምሲዬ። ቋንቋ ዘይምፍላጥ ዓሻ ይገብረካ እንድዩ ተባሒሉ።
ምዝንጋዐይ ወዲአ ቅድሚ ምውጻአይ፡ ነቲ በኣል ዲጄ ትሕዝቶ ናይቲ ከጻውቶ ዝጸንሐ ደርፊ ይፈልጦ እንተነይሩ ሓተትኩዎ። ከምዘይፈልጦ ምስ ሓበረኒ ኣሕጽር ኣቢለ ተርጎምኩሉ። ነጊረዮ ምስወዳእኩ ፡ የእዳዉ በኣል ዲጄ ከንቐጥቕጣ ጀመራ። እንዳሰሓቕኩ ክወጽእ ምስጀመርኩ ፡ ንኢደይ ሒዙ ከምዚ ክብል ሓተተኒ፦
`ንስኻ ሓደ ካብኦም ዲኻ?`
`ካብ ኣየኖት?`
`ካብ መንግሲቲ?`
`ኣይኮንኩን። ካብቶም ልዕሊኦም ዘለዉ ኢዬ።`
ንርዕሲ ጨጉሩ እንዳደረዘ ድማ ተዛረበ፥
`ብዘይምፍላጥ ዝገበርኩዎ ኢዩ። ስለዝሓበርካኒ ብጣዕሚ የመስግነካ። ምናልባት ተጋሩ ኣብዚ እንተሊዮም ኮይኖም ግና፡ ከምዚ ኮነ ኢለ ዝገበርኩዎ ክመስሎም ይኽእል፡` ኢሉኒ ብዝተጨነቐ መንፈስ።
`እይትሕሰብ። ከምእተጋገኻ ይፈልጡ ኢዮም።` ብምባል ድሕሪ ምጽንናዕ ወጺአ ከድኩ።
= = = =
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ክልተ ተመሳሳልቲ ኣጋጣሚታት ድማ ኣጓነፋኒ።
እቲ መጀመሪያ ዝጋጠመኒ፡ ካብ ኣስመራ ዉጽእ ኢልካ ኣብ ዉሽጢ ጫካ ኣብ ዝተደኾነት ሓንቲ ናይ መዘናግዒ ማእከል`ዩ ኔይሩ። ኣብቲ ክለብ ዝተፈላለየ ሕውስዋስ ደርፍታት ተወሊኡ ይድረፍ ኔሩ። ኣብ ሞንጎ ድማ ናይ ቴዲ ኣፍሮ `ኣበባዮ ሆይ` ዝብል ደርፊ ተወለዐ። ቴዲ ነቲ ደርፉ `ትንሳኤ ኢትዮጲያ` እንዳበለ ኢዩ ዝጅምር ነይሩ። እቶም ዓማዊል ኤርትራውያን መንእሰያት ፡ ነቲ ቋንቋ ዋላዃ እንተዘይሰምዑዎ ፡ ብናይ ቴዲ ኣፍሮ ደርፊ ተመሲጦም ኣብ ፍጹም ምዝንጋዕ እዮም ኔሮም። ኣብ ሞንጎ እዚ ፡ ነታ ደርፊ ትቛጻጸር ንዝነበረት ተሓዝ ገንዘብ ጸዊዔ ሓተትኹዋ፥
`ትርጉም ናይዛ ደርፊ`ዶ ትፈልጥያ?`
`ኣምሓርኛ ኣይፈልጥን ኢዬ።` ኢላ ከተብቅዕ እቲ ደራፊ ግና ቴዲ ኣፍሮ ከምዝበሃል ነጊራትኒ።
`ጽቡቕ ኣሎኺ! እቲ ደራፊ ቲድሮስ ኣፍሮ ኢዩ ዝበሃል። ንፉእ ደራፋይ ድም ኢዩ። እንተኾነ እዚ ደራፋይ በቲ ግጥምታቱ ጌሩ እንታይ ይብለኪ ከምዘሎ ግን ክነግረኪ።`
`ንኤርትራ ብጓል ፡ ን ኢትዮጲያ ድማ ብወዲ ኣምሲሉ ዝደርፎ ፖለቲካዊ ትርጉም ድማ ኣለዎ። `ኤርትራ ኣካል ኢትዮጲያ ኢያ` ካብ ዝብል ዝጸንሐ ደርፊ ዝቐጸለ ድማ ኢዩ። ንዳህላክ ከልዕል እንከሎ ንናይ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ማለቱ ኢዩ። `ናብ ዳህላክ ከይደ ገዛይ ዝሰርሓሉ ዘመን ክመጽእ`ዩ ዝብል ትንቢቱ `ንናይ ኢትዮጲያ ትንሳኤ` ምዃኑ ኢዩ። ብምባል ኣሕጽር ኣቢለ ንናይ ቴዲ ኣፍሮ ሙዚቃታትን ሕቡእ መልእኽትታቶምን ተርጔመላ።
ጓል ግራ ኣተዋ። እንተኾነ ሓሳባ ከይቀየረት ብቐጥታ ናብቲ ናይ ሙዚቃ ቴፕ ብምኻድ ነቲ ደርፊ ኣቛረጸቶ። ኣብክንድኡ ናይ ሄለን መለስ ደርፊ ከተጻውት ጀመረት። ኣብዚ ግዜ`ዚ በቲ ደርፊ ተመሲጦም ዝጸንሑ መንእሰያት ኣብታ ተሓዝ ገንዘብ ከእዘምዝሙ ሰማዕኩ፡፡ እቶም ዓበይቲ ግና “ጽቡቕ ገበርኪ” ዝኣይነቱ ምልክት ሓቡዋ።
ኣብ ጥቓይ ተቐሚጡ ዝነበረ መንእሰይ ናባይ ምጥማት ምሰብዘሐ ድማ ኣዛረብኩዎ፥
`በቲ ደርፊ ምቁራጽ ባሕ ኣይበለካን?`
`እንታይ ኢኻ ኢልካያ ነታ ጓል? ክብል ሓተተኒ።`
`ትርጉም ናይቲ ደርፊ ኢየ ነጊረያ።`
`እንታይ`ዩ ናይቲ ደርፊ ትርጉሙ?`
ብሽም ስነ ጥበብ ፡ ኣብ ልዕሌና ናይ ዝፍተን ዘሎ ናይ ስነ ኣእምራዊ ዄናት ብሓጺሩ ኣረዳእኩዎ።
ነቲ ሒዙዎ ዝጸንሐ ሲጋራ ምዕግ ምዕግ ድሕሪ ምግባር ክምዚ ድማ በለኒ፥
`ኣነ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣይፈልጥን ኢዬ። ቴዲ ክደርፍ እንከሎ ግን ደስ`ዩ ዝብለኒ። ደርፍታት ቴዲ ብዛዕባ ፍቕሪ ከምዝኾኑ`ውን ካልኦት ሰባት ነጊሮምኒ ኢዮም። እዚ ንስኻ ትብሎ ዘሎኻ ግና ቅድም ሕጂ ዝኾነ ካልእ ሰብ ክዛረብ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ከምዝሰማዕኩዎ `ሕዝብታት ክልቲአን ሃገራት ብምቅርራብ` ብዝብል ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣወዲሶሞ ፡ ሽልማት ከማን ሒቦምዎ ኢዮም። እዚ ንስኻ ትብሎ ብፍጹም ሓቂ ኣይመስለንን፡`
ትም ስለዝበልኩ መልሲ ቐጺሉ፥
`ፊዮሪና ጓል ኣስመራ ዝብል ደርፉ ከመይ ፖለቲካ ክኸውን ከምዝክእል እስኪ ኣረዳኣኒ?` ክብል ድማ ሓተተኒ።
`ነወያኔ ንምሕራቕ ኢሉ ዝደረፎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፥ ወይውን ንሓንቲ ኤርትራዊት ስለዘፍቐረ ዝደረፎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብኣጠቓላሊ፡ ናይ ቴዲ ኣፍሮ ደርፍታት ናይ ፍቕሪ ኣይኾኑን። ንኣብነት `ጸሊም ሰብ` ዝብል ደርፉ ሰሚዕካዮ ዶ`ኔርካ? ብምባል ሓተትኩዎ።
`ሰሚዔዮ ኣለኹ። እንታይ ጸገም ኣለዎ?`
`ኣነ ከምዝርዳኣኒ ንናይ ኦሮሞ ህዝብታት ዘሕርቕ ደርፊ ኢዩ። ቴዲ ኣፍሮ ነቶም ኣብ ጥቑዑ ዝርከቡ ደቂ ኦሮሞ ከየኽበረን ከየፍቐረን ከመይ ጌሩ ርሑቕ ንዘለዎ ጉረባብቱ ይፈቱ ኢልካ ከመይ ትጽበ? ንናይ ጽባቐ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እንዳምሰለ ብዛዕባ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ኢዩ ዝደርፍ። ብዛዕባ ሰብ ከይኾነ ብዛዕባ መሬት፥ ብዛዕባ ባሕሪ ። ሓደ ሓደ ግሩሓት ደቂ`ዚ ኣዲ ፡ ናይቲ ደራፋይ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልምን መንፈስ ከይፈለጡ ሓቢሮም ድማ ይደርፉ…`
እቲ መንእሰይ ነቲ ምርድዳእ ናይ ምቕጻል ድሌት ኣየርኣየን። ገጹ ኣሰረለይ። ቕጭ ከምዘምጻእኩሉ ተረዲኡኒ። በዚ መንገዲ እንተቐጺለ ፡ ምስ ብዙሓት ፈተውቲ እቲ ደራፋይ ከምዝጋጮ ኣይሰሓትኩዎን። ብመንገዲ ድምጺ`ቲ ደራፋይ ኣቢሎም ነታ ሞይታ ዝተቐብረት ናይ ቐደም ኢትዮጲያ ንምምላስ ናይ ዝሕቅኑ ሃይልታት ሰይጣናዊ ድሌት ምዃኑ ምስተረድኡ ፡ ካብ ድቃሶም ከምዝባህርሩ ግና ርግጸኛ ኢዬ።
= = = =
ካልእ እዋን ድማ ኣብቲ ቲራቮሎ ዝርከብ ባር ኩርሲ ስሒብና ኣብ ጥቓ ባንኮኒ ኮፍ ኢልና ኔርና። ኣብ ጥቓይ ኮፍ ዝበለ ዕድሚኡ ዝደፍአ ሰብ ሞባይሉ ክትድዉል ከላ ናይ ጃኪ `ፊያሜታ` ደርፊ ከም ናይ መጸውዒ ድምጺ ተጠቂሙላ ነበረ። እቲ ሰብ ነቲ ናይ ስልኪ ጻውኢት ክሳብ ዝዉድእ ተጸብየ ከምዛ ዋዛ ኣዛረብኩዎ፥
`ናይ ቴሌፎንካ መጸውዒ ደርፊ ናይ መን ምዃኑ ትፈልጦ ዶ?`
ቁሩብ ድሕሪ ምስትምሳል፥
`ኣይፈልጦን`ዬ። ጓለይ ኢያ ገይራቶ።` መሊሱ ከምዚ ክብል ድማ ሓተተኒ፥ `… ንምንታይ ሓቲትካኒ?`
`ፌያሜታ ብዛዕባ ትበሃል ጓል ኣንስተይቲ ትፈልጥ እንተኾንካ ኢለ`ዬ` በልኩዎ።
`ክበሃል ሰሚዔ ኣለኹ።` ኢሉኒ። ከምዚ ክብል ድማ ቀጺሉ፥ … `ኦሮማይ ናብ ዝበሓል መጽሓፍ እታ ቀንዲ ገጸባህርይ ምዃና ሰሚዐ ኣለኩ።`
ቁሩብ ድንጉይ ኢለ ድማ ከምዚ ክብል ነገርኩዎ፥
`ጽቡቕ ኣሎኻ። ናይ በኣሉ ግርማ – ኦሮማይ ገጸባህርይ ኢያ።`
ብድሕሪኡ ሱቕ ከኣ በልኩ። ኣነኳ ትም እንተበልኩ ፡ እቲ ካልኣየይ ምዝራብ ከምዝደሊ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ ነበርኩ። ከምእተጸበኩዎ፡ እቲ ሰብ ኩነታተይ እንተ ካብ ዘይምርዳእ ወይም ባሕ ስለዘይበሎ ጥራሕ ባዕሉ ክዛረብ ድማ ጀመረ፥
`እንታይ ክትብል ኢኻ ደሊኻ?`
`ኦሮማይ ዝብል መጽሓፍ ዶ ኣንቢብካዮ ኔርካ?`
`ኣየንበብኩዎን።`
`እንተተንብቦ ኔርካ ፊያሜታ ዝብል ደርፊ ን ሞባይልካ ናይ ጻውዒት መቐበሊ ድምጺ ክትገብሮ ኣይመፍቀድካን ኔርካ። ከምቲ እትፈልጦ ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ፡ ከም በኣል ጽገሬዳ፥ በኣል ፎዚያ፥ ደሃብን ዝኣመሰላ ንሰማያት ብካላሽኖም ዝሓረሳሉ ሃገር እያ። ኣብዛ ሃገር እዚያ ፡ ንከም በኣል ፊያሜታ ጊላይ ደርፊ ምድራፍ ኣዚዩ ዘሕፍር ከኣ ይመስለኒ። እንተኾነ ዝደለኻዮ ደርፊ ናይ ምስማእ መሰልካ ዝተሓለወ ኢዩ …`
ገጹ እስር ኣቢሉ ድማ ሓተተኒ፥
`ፊያሜታ መንያ ኔራ?`
`ኣይፈለጥካያን?`
`ኖ ፡ ከምዝበልኩኻ ነቲ መጽሓፍ ኣየንበብኩዎን።`
ብነዊሕ ድሕሪ ምስትንፋስ ድማ ነቲ ሕቶ መለስኩሉ፥
`ፊያሜታ ሓንቲ ኣመንዝራ ኢያ ኔራ።` በልኩዎ።
ፊያሜታ ኣብታ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ ፡ ክትስሕቅ፥ ክትሰቲ፥ ክተምንዝር፥ ክትሳዓዓም፥ ኮታስ ካብ ስነምግባርን ባሕልን ናይ ሓደ ኤርትራዊ ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ክትብዕልግ ጥራይ ኢያ ትረአ ዝነበረት። ንዝመለሰቶ ስረ ኣውጺኣ ብግቡእ ከማን ኣጺፋ ዘይተቐምጥ፥ ክዳን ናይ ምሕጻብ ልምዲ ከማን ዘይነበራ ፡ ካብተን ኢጣልያውያን፡ ላቡታና ቤላ ኮምቢሽታቶ ወይውን ሸርሙጣ ናይ ኮምቢሽታቶ ዝብሉወን ኣይነት ጓል ኢያ ኔራ።
ነዚ ምስ ኣብራህኩሉ ፡ ወዲ ብጽፍዒት ዝተሓረመ ክመስል ንነብሱ ክጭብጣ ድም ኣስተባሃልኩ።
ዋላ ሓንቲ ድማ ኣይበለን።
ኣነዉን ካብኡ ንላዕሊ ኣይቐጸልኩን። ቁሩብ ጸኒሑ ሒሳቡ ኸፊሉ ድማ ወጸ። ሰብኣይ ካብቲ ባር ምስ ወጸ ፡ ኣነ ድማ ብውሽጠይ ሰሓቕኩ። ኢደይ ድማ ናብ ጁባይ ብምስዳድ ነታ ብኽቡር ዝዓደኩዋ ፌራሪ ትባሓል ፒሮይ ኣውጻእኩ።
(ብ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ተስፋይ ገብርኣብ ዝተጽሓፈ)