ኤርትራዊ ኣይትተሃመል፡ ሓርገጽ’ውን ክውሕጠካ እንዳደልለየ’ዩ እንዳምቧሀቐ ዝነብዕ (Part-I)

News Opinions ትግርኛ
ኤርትራዊ ሕጂው'ን ኣይትተሃመል
ኤርትራዊ ሕጂው’ን ኣይትተሃመል

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፡

ኣቲ ንኤርትራ ዶባታ ኣነጺሩ፡ ከም ሃገር ዝሰረታ ፋሺሽት ኢጣልያ፡ ብናይ ኪዳን ሓይልታት ኣብ ድሮ ምስዓሩ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ኪዳን ሓይልታት ኣባል ዝኾነት እንግሊዝ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰማይ ሰማይ ብዝበራ ነፈርቲ ገይራ፡ ከምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዘለዎ ወረቓቕቲ ብሰማያት ኤርትራ ናብ መሬት ኤርትራ ዘርጊሓ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝበጽሕ ገይራ ነይራ። ትሕዝቶ መልእኽቲ ናይ ዝተዘርገሐ ወረቓቕቲ ኸአ ከምዚ ዝብል ኢዩ ነይሩ፦ 

” ኦ ህዝቢ ኤርትራ፥ ፋሽሽቲ ኢጣሊያ ኣብ ልዕሌኻ ዘውረዶ ኣደራዕን ስቓይን ጸበባን ተረዲእና፥ ከም ኩለን ነጻ ዝወጻ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነትካ ንኽትጎናጸፍ ክንተሓባበረካን ክንፈቕደልካን ኢና። እቲ ሕጂ ካባኻ እንጽበዮ ነገረ እንተሃልዩ፡ ምሉእ ዓቕምኻን ሃምኻን ጉልበትካን ንብረትካን ኣብ ጎኒ ሰራዊት እንግሊዝ ተሰሊፍካ፡ ኣንጻር ሰራዊት ፋሽሽቲ ኢጣሊያ ክትዓጥቕን ክትቃለስን ኢዩ። ድሕሪ እዚ ዝተርፈካ የለን። ናጽነትካ ኣብ ጽባሕ ስዕረት ፍሽሽቲ ኢጣሊያ መሪቕና ከነረክበካ ኢና።”

ህዝቢ ኤርትራ ግን እንግሊዛውያን ናጽነት ክህብዎ ኢሉ ዘይኮነ፥ ቅድሚኦም ጀሚሩ ኣንጻር ፋሽሽቲ ኢጣሊያ፡ ምእንቲ ክብሪ ሓርነቱን ሉኡላዊ ነጻንቱን ሓርነታዊ መሰላቱን ተቓሊሱን ኣቃሊሱን ኢዩ። ሽዑ ኢዮም ከኣ ሓርበኛ ተቓላሳይ ደግያት ባህታ ሓጎስ (ኣባ0ጥመር ሓው ግምጁ) ከምዚ ዝበሉ፥-

Download (PDF, 472KB)