Gedem Cement Factory to Begin Production

Development News
Gedem goes production

Shabait.com

Gedem Cement Factory has carried out successful production experiment, and that it would soon supply products to the market, according to Mr. Habtemariam Fissehaye, project coordinator.

He pointed out that the factory is located at a site where the necessary raw materials are available. It has also easy access to power supply, in addition to land and sea transport services. The factory has already finalized the overall construction process and is making preparations to supply its products, Mr. Habtemariam added.

He further indicated that the factory is equipped with modern facilities, and that it has the capacity of producing 10,000 quintals of cement daily. Such products would be exported beyond meeting domestic demand.

Noting that it applies environmental-friendly technology, Mr. Habtemariam explained that the factory produces three types of cement namely, ordinary portland cement, sulphure-resistant cement and the polozaic one. In this connection, he said that the factory would concentrate more on the production of portland cement which used to be domestically produced and acquired export popularity as far as the Middle East.

(Source:  https://www.shabait.com/news/local-news/5376-gedem-cement-factory-about-to-supply-products-)

Tigrinya Version of the News

ፋብሪካ ቸሜንቶ ገደም፣ ዕውት ፈተነ ፍርያት ኣካዪዳ።

ፋብሪካ ቸሜንቶ ገደም፣ ዕውት ፈተነ ፍርያት ከምዘካየደን ኣብ ቀረባ እዋን ፍርያቱ ናብ ተጠቀምቲ ከቕርብ ምዃኑን፣ ኣወሃሃዲ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ ሃብተማርያም ፍስሃየ ገሊጹ።

ኣቶ ሃብተማርያም ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ትካል ንምስራሕ ቸሜንቶ ዘገልግል ጥረ ነገራት ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ተደኲኑ ብምህላዉ፣ ምንጪ ሓይሊ ኤለትሪሲቲ ብቐረባ ዝረክብ ብምዃኑ፣ ከምኡ’ውን ንመጓዓዝያ ባሕሪን ምድርን ምቹእ ስለዝኾነን ብልጫ ከምዘለዎ ጠቒሱ፣ ኣብዚ እዋንዚ ሓፈሻዊ ህንጸቱ ዛዚሙ – ዕውት ፈተነ ብምክያድ ምህርቱ ንምቕራብ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ሓቢሩ።ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ሃብተማርያም፣ ፋብሪካ ቼሜንቶ ገደም ዘመናዊ መሳርሒታት ዝዓጠቐት ምዃናን ዕለታዊ 10 ሽሕ ኩንታል ቸሜንቶ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዋን ክፍለጥ እንከሎ፣ ፍርያታ ንጠለባት ውሽጢ ሃገር ኣማሊኡ ንሰደድ ክቐንዕ ምዃኑ በሪሁ።

“እታ ፋብሪካ እትጥቀመሉ ተክኖሎጂ፣ ኣብ ምብካል ኣከባቢ ዘለዎ ተራ ዜሮ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ሃብተማርያም፣ ሰለስተ ዓይነት ማለት ኦርዲናሪ ፖርትላንድ ቸሜንቶ፣ ሳልፋይት ረዚስት ቸሜንቶን ፖሎዞይክ ቸሜንቶን ከምእተፍሪ፣ ኣብቲ ንብዙሕ እዋናት ኣብ ሃገርና ዝፈረየን ብመልክዕ ሰደድ ክሳብ ማእከላይ ምብራቕ ብምኻድ ጽቡቕ ስም ዘተረፈን ፕሮትላንድ ቸሜንቶ ብብዝሒ ናይ ምፍራይ መደብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ላዕለዋይ ክኢላ ሜካኒክ ናይታ ፋብሪካ ኣቶ ታደሰ ተኽለ ብወገኑ፣ እታ ሓዳስ ፋብሪካ ብዘለዋ ብቕዓት፣ ናይ ምፍራይ ዓቕሚን ዓጢቓቶ ዘላ ዘመናዊ ማሽነሪታትን፣ ምስ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ተመሳሰልቲ ፋብሪካታት ተወዳዳሪ ደረጃ ከምዘለዋ ኣነጺሩ።

ኣብ መወዳእታ፣ ኣወሃሃዲ ፕሮጀክት ፋብሪካ ቸሜንቶ ገደም ኣቶ ሃብተማርያም ፍስሃየ፣ ነታ ፋብሪካ ብብቕዓት ዘካይድ ዓቕሚ-ሰብ ፈርዩ ከምዘሎን ካብ ዝተፈላለያ ኮለጃት ዝመጹ ሓደስቲ ክኢላታት ዘድሊ ስልጠናታት ከምእተዋህቦምን ጠቒሱ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ፍርያታ ኪንዮ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኸይድ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።