ሌ/ጄነራል አበባው ታደሰ ንከይገይሽ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ጸጥታ ሓይልታት ተዓጊቱ

ሌ/ጄ አበባው ታደሰ፡ ብፍሉይ ትእዛዝ ሳሞራ ዩኑስ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጲያ ተሰጒጉ
ሌ/ጄ አበባው ታደሰ፡ ብፍሉይ ትእዛዝ ሳሞራ ዩኑስ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጲያ ተሰጒጉ

ተስፋኒውስ (ትርጉም)፡

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፡ እቲ እንኮ ትግራዋይ ዘይኮነ ጄነራል (ኣገው / ኣምሓራ) ፡ ጄ/ል አበባው ታደሰ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ወጻኢ ንምጋሽ ኣብ ዝፈተነሉ ፡ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ስርዓት ከም ዝተዓግተ ምንጭታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

ካብ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ መዝነቱ ፡ ብፍሉይ ትእዛዝ ጄ/ል ሳሞራ ዩኑስ ከምዝእለ ዝተገብረ ጄ/ል አበባው ታደሰ፡ ካብ ሃገር ንከይወጽእ ዝተኣገደሉ ምኽንያት ንጹር ከምዘይኮነ`ውን እቶም ምንጭታት ኣታሓሒዞም ሓቢሮም።

ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ምክላኽል ዝተፈላለየ ዘሰክፍን በዳህን ሕቶታት ከምዘሎ ብምግላጽ ፡ ንኢታማጆር ሹሙ ጄ/ል ሳሞራ ዩኑስ ትርር ዝበለ ሪፖርት ካብ ዘዳለዉ ሰለስተ ጄነራላት ፡ ጄ/ል ኣበባው ታደሰ ሓደ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይገልጽ። እቶም ክለተ ጄነራላት ድማ ጄ/ል ሰዓረን ፡ ጄ/ል ሞላን ከምዝኾኑ ይሕበር። እንተኾነ ፡ ካብ ሳሞራ ዩኑስ ዝረኸቡዎ መልሲ ግና «እዚ ሕቶ ናይ ትምክሕተኛታት እዩ፡ ጸገም የለን … » ዝብልን ነቲ ዘቕረቡዎ ሪፖርት ዘነኣእስን ከምዝነበረ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዞም ሰለስተ ጄነራላት ብመልሲ ሳሞራ ዩኑስ ኣዚዮም ከምዝጎሃዩን ከምዝሓረቑን ፡ ድሒሩ ኣንጻር ጄ/ል ሳሞራ ዩኑስ ምንቕስቓስ ከምዝጀመሩን ፡ እንተኾነ እቲ ሓበሬታ ብዘይተፈልጠ መንገዲ ናብ ጄ/ል ሳሞራ ምስበጽሐ፡ ብቕጽበት ፡ ንጄ/ል ሰዓረ ካብ ኣዛዚ ሰሜናዊ እዚ ፡ ንጄ/ል ሞላ ካብ ኣዛዚ ሃይሊ ኣየር ፡ ከምኡውን ንጄ/ል አበባው ከካብ መዝነቶም ክእለዩ ከምእተገብረን፡ ብፍላይ ጄ/ል አበባው፡ ቅድሚ 2ተ ወርሒ ፡ ካብ ሰራዊት ምኽልኻል ጠቕሊሉ ከምዝስጎግ ከምእተገብረ እቶም እሙናት ምንጭታት ብተወሳኺ ይሕብሩ።

ኣብ ክንዲ ጄ/ል ሰዓረ፡ ጄ/ል ገብራት ክትካእ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ጄ/ል ሞላ ድማ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣግኣዚ ዝነበረ ጄ/ል አደም መሓመድ ተተኪኦም ኣለዉ ፡፡ እቶም ዝደስከሉ 2ተ ጄነራላት ድማ ፡ ኣብ ትሕት ዝበለ ደረጃ ከም ተራ ናይ ምምሕዳር ሓለፍቲ ተገይሮም ተሸይሞም ኣለዎ።

ንጄኔራል ናይ ሙሻምን ምውራድን ስልጣን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኾነ እቲ ቕዋም ዋላኳ ብንጹር እንተጠቐሶ፡ ናይዞም ሰለስተ ጄኒራላት ጉዳይ ግን ብፍሉይ ትዕዛዝ ጄ/ል ሳሞራ ዩኑስ ስልጣኖም ከምእተቐንጠጠን፡ ካልኦት ጄነራላት ድማ ከምእተሾሙን፡ ከምኡውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ነቲ ጉዳይ ድሕሪ ኣዋርሕ ብወግዒ ከምዝፈልጥ ከምእተገብር`ውን እቲ ሓበሬታ ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ ጄ/ል አበባውን ጄ/ል ሰዓረን ካብቶም ብብልሽውና ዝተቛማጥዑ ኣዘዝቲ ሰራዊት እቲ ስርዓት ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።

ምንጪ ፡ ዘ-ሓበሻ