ካብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፡
ሰናይ ቅንያት በዓል ነጻነት ክኾነልኩም ንምነ!!! ዝበሃል ስለ ዝተሳእነ ኣይኮናን ጠፊእና ጸኒሕና፡ ኣብ ካልእ ጽምዶ ስራሕ ስለ ዝተታሓዝና’ምበር። ታሪኽ ብመሰልቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ክውን ሓቅታቱ ኢዩ ክዝንቶ ዘለዎ። ነዚ እምነት እዚ ብምሓዝ ኢና ድማ፡ ንኹሎም ጉራቔናት ንመሰለት ክውንነቶም፡ በቲ ዝመስልዎ ሓቅታት ንምግላጽ እንምድብ ዘለና።
ተጻባኦታት ነዛ ጌና ሓዳስ ሃገር ዘላ ኤርትራ ንቡር ኢዮም ኮይኖም ዘለዉ። እንተ ናይቶም ነይርና እንዳበሉ ዝጸውይዎ ናይ ኢንኪሒራ ጽዋታትግን፡ ምናልባት ምስ ደቀሱ ንዖኦም ጥራይ ዘሐጉስ፡ ነቶም ለኣኽቶም ከኣ ዘደዓዕስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንሆአ እቲ ሓዊ እንታይ ምዃኑ ክንዝርዝሮ ኢና። ሰናይ ንባብ ንኹልኹም።