መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ

ትግርኛ News

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ነቲ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ አንጦንዮስ፡ ብዘሕጉስ መንገዲ ኣብ መደምደምታ ምዕራፍ ሰላም ከምዝበጸሐ የበስር።

ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ላምን ምሕረትን እግዚኣብሔር ዝፈትዎ፡ ደቂ ሰባት ዝሰምሩሉ፡ መሰረት ሓድነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ነዚ ሓድነት`ዚ ንኽዕቅብን ንድህነት ቤተ ክርስቲያን ክብልን ቅድሚ ዓሰርት ዓመት ቅድሱ ሲኖዶስ፡ በቲ ዘረኸቦ ጉድለት ንሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ አንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ስዒሩ ካብ መንበሮም ከምዘውረዶም ይዝከር።

በብእዋኑ ምእንቲ ሰላምን ምሕረትን ቤተ ክርስቲያን፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኮነ ኮሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን በብዝከኣሎም ክጽዕሩ እዃ እንተ ጸንሑ፡ ኣብ መደምደምታ ግና ክብጻሕ ኣይተኻኣለን ነይሩ።

ጊዜ ገቢር ለእግዚኣብሔር እዩ እሞ እንሆ እዚ ብቅዱስ ሲኖዶስ ኮነ ብስምረት ገዳማት፡ ብጉባኤ ሊቃውንት ከምኡ`ውን ብዝምልከቶም ኣካላት ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ብዘሕጉስ መንገዲ ኣብ መደምደምታ ምዕራፍ ሰላም በጺሑ ምህላዉ ነበስር። ድህሪ ዝተገብረ ነዊሕ ዝርርርብን ዓሚቕ ዘተን፡ ባዕሎም ኣቡነ አንጦንዮስ፡ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ፓትርያርክ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝፈጸምዎን ምኽንያት መውረዲኦም ዝኾነን ጌጋታት ሓደ ብሓደ ብምጥቃስ `እዚ ኩሉ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዝገበርኩዎ ጌጋ ምዃኑ እናገለጽኩ፡ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያንን ንቅዱስ ሲኖዶስን ብልቢ ይቕሬታ እሓትት` ብምባል ብቓልን ጽሑፍን መረጋገጺ ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ከፍልጡ ከለዉ፡ `ብፍቕርን ስኒትን ሓቢረ ኪጓዓዝ ፈትየ ብምሉእ ልበይን ድሌተይን ይቕሬታ ዝሓተሉ ዘለኹ ምዃነይ ደጊመ ብዝተለምደ ክታመይ ኣረጋግጽ` ብምባል ሓቀኛ ኣባታዊ ተግባር ፈጺሞም።

ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ መፍቀሬ ምሕረት ብምዃኑ፡ ናቶም ይቕሬታ ተቐቢሉ፡ ንእኦም ኣብ ጉባኤኡ ኣጸዊዑ ምስ ኣባላቱ ልቢ ዝትንክፍ ናይ ሰላምን ፍቕርን ይቕረታን ምሕረትን መንፈሳዊ ተግባር ፈጺሙ።

እዚ ፍጻሜ`ዚ ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዘጽንዕ፡ ንምእመናን ምእመናትን ዝጥርንፍ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እናተዘከረ ዝነብር ዓቢይ ግብሪ ክኸውን ከሎ፡ ብኣንጻሩ ነቶም ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ዘየድልዩ ንሕቡእ ኣጀንዳታቶም መጋበሪያ ክኾኖም ንሕዝቢ ክርስቲያን ኪኸፋፍሉ ዝጸንሑ ኣካላት ግና ጉዶም ዘቃልዕ እዩ።

ብዓቢኡ ድማ እዚ ፍጻሜ`ዚ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በዚ ተበጊሳቶ ዘላ ሓድሽ እማመን ንጉዕዞ ትንሳኤን ንኹሉ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንገዳማታን ሊቃውንታን ብሓፈሻ ንኹሎም ደቃን ኣዋሓሒዳ ባዕላ ናይ ምርኣይን ጸገማታ ናይ ምፍታሕን ምሉእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘመልክት እዩ።

ኣብዚ ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተገብረ ጻዕሪ ምስኡ ሰሚሮም ዝጸዓሩ ስምረት ገዳማትን ሊቃወንት ሃገርን ካልኦትን ምስጋንኡ እናቕረበ፡ ከምኡ`ውን ነቲ ብመንግስታዊ ኣካል ዝተገብረ ኩሉ ዓይነት ምድግጋፍ ዘለዎ ኣኽብሮት እናገለጸ ንኹሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ስዩማን ወለዱ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን እንቋዕ ሓጎሰና ይብል።

ኣብዚ እግዚኣብሔር፡ ብጸሎትን ቃል ኪዳናን ቅድስት ድንግል ማሪያም ንሃገርና ብዝናመ ምሕረትን ብጠለ በረኸትን ዝባርኸሉ ዘሎ ምእታው ዘመነ ሱባዔ ፍልሰታ ለማሪያም ኢና ዘሎና እሞ፡ ኣዕዚዙ ጸጋኡ ክብዝሃልና ንእግዚኣብሔር ኣበርቲዕና ክንልምኖ እናዘካኸርና፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ድሕሪ ሱባኤ ከነቕርበልኩም ምዃና ነፍልጥ።

እግዚእብሔር ሰላሙ የብዝሓልና።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ኣስመራ – ኤርትራ

8 ነሓሰ 2016


eritrea-Synod1
eritrea-Synod2