
ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ: ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ መርሃዊ ቁዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ መትከል ኢዮብን ዮናስ ተኸስተን ኣሰሊፋ ብኣሰልጣኒኣ ሳምሶን ሰሎሞንን ፕረሲደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ፡ ኣስመሮም ሃብተማርያም ተሰንያ ኣብ’ቲ ካብ 19-27 መስከረም ኣብ ከተማ ሪችሞንድ: ቨርጂንያ: ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ቅድድም ብሽክለታ ክትሳተፍ ኢያ።
ንኽብሪ ሃገራዊት ጋንታ፡ ረቡዕ (16 መስከረም) ናይ ምሸት ሰዓት 6: ናይመቐበሊ ስነስርዓት ኣብ ECCC, 600 L st NW, Washington, DC ከምኡውን ሰንበት (27 መስከረም) ናይ ምሸት ሰዓት 8 ድማ ምስ ጉጅለ ባህሊ ቀይሕ መሬት ኣብ Sheraton, 900 South Orme St, Arlington, VA ናይ መፋነዊ መደባት ተዳልዩ ኣሎ።
ሃገራዊት ጋንታ እትሳተፈሎም ውድድራትን መዓልታትን ሰዓታትን: ሰበ-ስልጣን ከተማ ሪችሞንድን ኣደለውቲ ሪችሞንድ 2015 ብዘውጽእዎ ሓበሬታ: መኻይን ኣበይ ገዲፍካ: ኣበይ ኰይንካ ቅድድም ክትርኢ ከምዝክኣልን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። ኩሉ ዝኽእል ዘበለ ኣብ ሪችሞንድ ተረኺቡ ተቐዳደምቲ ከተባብዕ እናተላቦና: እቶም ዘይንኽእል ከኣ ኣብቲ መቐበልን መፋነውን መደባት ተረኺብና ነዞም ኣብ ዝኸድዎ ቅያታት እናሰርሑ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘሐብኑ ዘለዉ መንእሰያትና ከነተባብዕ ሓደራ ንብል።