ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

News Video ትግርኛ
ርክብ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ መንግስቲ ሃገር
ርክብ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ መንግስቲ ሃገር

ካብ ሚኒስትሪ ዜና

ረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብኣምባሳደር ኖርዮ ሙራያማ – ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣበ ንዝተመርሐ ጉጅለ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቀትሪ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ተቐቢሉ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ’ቲ ርክብ፡ ጃፓን ሓንቲ ካብ’ተን ብቊጠባን ቴክኖሎጂን ዝሰጐማ ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ 2016 ኣባል ባይቶ ጸጥታ እትኸውን ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ኣብ ምርግጋጽ ዞባዊ ሰላምን ልምዓት ኣፍሪቃን ዓቢ እጃም ክህልዋ ትጽቢት ኤርትራ ምዃኑ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ክልተኣዊ ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ ኤርትራን ጃፓንን እናማዕበለ ክኸይድ፡ ብቐንዱ ኣብ’ቲ ንክልተአን ሃገራት ዘርብሕ ጽላታት ሃብቲ ዓሳ፡ ዕደናን ምስናዕን ዘተኰረ ሽርክነት ክዓዝዝ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ኣምባሳደር ኖርዮ ሙራያማ ብወገኑ፡ ሃገሩ ከም ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንዝጸንሐ ብልጫታት ብምጥቃም፡ ክልተኣዊ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራን ኣበርክቶኣ ንምዕባለ ኣፍሪቃን ከተዕቢ ነቒላ ከምዘላ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ – ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርጊስ ተኽለሚካኤል፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ተረኺቦም ነይሮም።

Eritrea ERi-TV News (October 19, 2015) from EastAFRO on Vimeo.