
ብ ገብረንጉስ መስመር፡
ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብዙሕ ዓመታትት ዝወሰድን፣ ብዙሕ መስዋእትነት ዝተኸፍሎ ነጻነትና ንክጉዕጹጹ ዝተፈላለየ እከይ ተግባራት ካብ ምግባር ጌና ኣይተዓገሱን ዘለዉ። መእተዊ ዝኾኖም ነቓዕ ስለ ዝሰኣኑ እቲ ሕጂ ዝወስዱዎ ዘለዉ ምርጫ ሃሱሳት ደቂ ሃገር ከም መሳርሒ ተጠቒምካ ንህዝብና ብወገንን ዓለትን ክምዝበታተንን፣ ንሰላም ሃገርናን ህዝብናን ከምዝዝረግ ምግባርን’ዩ።
እቶም ነዚ ዝህንዱሱ ዘለዉ ሓያላን መንግስታት ብዓቢኡ ከኣ መንግስቲ ኣሜሪካ ንጃንዳ ወያኔ ከም ቀዳማይ መሳርሒ ብምዕሳብ መንግቲ ኤርትራ ገምጢልካ ንዕኦም ዝምእዘዝ ባምቡላዊ መንግስቲ ንምቛም ምዃኑ ባዕሎም ኣንዳዕዲዖም ዝዛረቡሉ ዘለዉ ጉዳይ እዩ። መንግስቲ ምቕያር ዘይምቕያር ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ጉዳይ ድኣምበር ንኻልእ መንግስታት ይኹን ሃገራት ዝምልከት ኣይኮነን።
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ዝዛረበሉ ዘሎ ጸረ ሃገርን መንግስቲ ኤርትራን ካብቲ መንጉስቱ ሃይለማርያም ኣብ ዕርበቱ ዝለፍለፎ ዘይፍለ መደረ’ዩ። ንሕና ግን ኣብ ክንዲ ብሓምሓም ከውሒ ክትጨድድ ትፍትን፡ ኣቓልቦኻ ነቶም ብጥሜት ዝሳቐዩን ዝሞቱን ዘለዉ ንጹሃት ኢትዮጵያውያን እንተ ተተኩርን ደቆም ከም ደቅኻ እንተትርእዮምን ንሶም ምደሓኑ ኣምላኽ’ውን ምተሓጎሰልካ ንብል።
ናይ ወያኔ ዝኾነ ምኾነ ፡ እቲ ኣዝዩ ዘሕንኽ ግን ናይቶም ብወያኔ ተዓሲቦም ጸረ እቲ ሓያል ገድሊ መኪቱ ከቢድ መስዋእትነት ከፊሉ ልእላውነቱ ዘረጋገጸ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳግመ ባርነትን መስዋእትነትን ንክኣቱ መሳርሒ ናይ ብዕሱብ ዝተዓስቡ ኤርትራውያን’ዩ። ገለ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራውነት ኣጽሊሎም ዘይ ኤርትራውያን፣ ገለ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ እከይ ተግባር ዝፈጸሙ ብገበን ዝሕተቱ፣ ገለውን ጽምኢ ስልጣኖም ንምርዋይ ሕጊ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ስለ ዘየፍቀደሎም ዝኾብለሉ ምዃኖም እዩ።
እንተ እቶም ዝተፈላለዩ ምትእኽኻባት ንዲሞክራሲ ከም ስጋ ጉዚ እናተማቐሉ መጸውዒ ጉጂለታቶም ጌሮማ ዘለዉ፡ ሓንሳእ ሰሚርና ፡ ጽንሕ ኢሎም ከኣ ተፋላሊና እናበሉ ዝዝምሩ ዘለዉ፡ ንዘሎዎም ድኹም ዓቕሚ መግለጺ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ከምዘይክእል ክንፈልጥ የኽእለና። መንእሰያትናን ብሓፈሻ ኩሉ ህዝብናን ነዞም ንርእሶም ክጥርነፉ ዓቕምን ፍልጠት ዲሞክራሲ ዘይውንኑ ውልቐ ሰባት ወይ ጉጅለታት ስም ኣዕብዮም ብቁጽሮም ቁንጣሮ ህዝቢ ዘደናግሩ ዘለዉ ብዝግባእ ከነለልዮም መድረኽ ዝጠልቦ እዋን እዩ።
ዲሞክራሲ ትርጉሙ ሓደ’ዩ። ብዘሰማማዓካ ብሓባር ትሰርሕ፣ ነቲ ዘይትሳማማዓሉ ከኣ ብንጽህናን ብስነፍልጠታዊ ኣገባብን ትዛረበሉ፡ ትካታዓሉ ወይ ትዓግብ ወይ ከኣ ተዕግብ። ኣብ መወዳእታ ብዝበዝሔ ድምጺ ውሳኔ ይውሰን። እዚ እናኾነ ከሎ ግን ጉቡእ ኣገልግሎት ንህዝብኻን ሃገርካ እንዳሃብካ ዝግበር መስርሕ’ዩ። ሓሳበይ ብብዙሓት ስለ ተዓብለለ ካብ ሎሚ ንንዮው ጉጅለይ ካብዚ ጥርናፈ ወጺእና እሎና ዘብል መስርሕ ኣይኮነን። ሓሳብካ ስለ ዘይተሰምዔ ኮሪኻ ፈጨው ምባል ሕጊ ደሞክራሲ ኣይኮነን። ሕጊ ደሞክራሲ ኣብ ኣኸባ ዝተሰማማዕካሉ ኣብ ደገ ወጺእካ ኣነ እኳ ኣይሰማማዓሉን’የ ዘብል ኣምር ይብሉን።
1) ኣነ ደሞክራሲያዊ’የ ወይ ጉጅለና ዲሞክራሲያዊ ጉጅለ’ዩ እንዳበልካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈላሊ ኣብ ታሪኹ ዘይነበረ ዓሌታውን ወገናውን ፍልልያት እናፈጠርካ ሕቡእ ዝመስል ግን ከኣ ግሁድ ቅርሕንቲ ከተማዕብል ምፍታን።
2) ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን በቶም ቀደም ዝበደሉናን ዝዓመጹናን፣ ናጽነትና ዘይተዋሕጠሎም ገበቲ ዓለምና ብፍላይ ከኣ መንግስቲ ኣሜርካ ዝተፈብረኸ፡ መሰረታዊ ጭብጢ ዘይብሉ እገዳ ደጋፊ ምዃን።
3) ነቲ ሕብሪ ዓይኒ ኤርትራውያንን መበቆል ኤርትራ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ደስ ዘይበሎ ጃንዳ፡ ንብረቶም ገፊፉ፡ ስድራ በቶም ፈላልዩን ኣባሳቢሱን፡ ካብ ህጻን ቆልዓ ክሳብ ዝኣረገ ሽማግለ ብካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ወጻኢ ዝኾነ ኣገባብ ኣሽሓት ሰባት ዝሰጎገ፡ ጸግዒ ጌርካ ወዲ ዓሻ ክልተ ግዜ ይጽፋዕ ዝዓይነቱ ምስቶም ኣጋፋዕቲ ኮንካ ህዝቢኻ ምግፋዕ።
4) ነቶም ነዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ራህዋን ንክንርከብ ሂወቶም ከፊሎም ጸልማት ቀንጢጦም ብርሃን ነጻነት ዘጨበጡና ሰማእታትና፣ መቓብሮም ዝፈሓርን ኣዕጽምቶም ዝዛሕዝሔን ወያኔ ጸጊዕ ጌርካ፡ ንጸረ ህዝብን መንግስት ኤርትራን ምክልኻል ሓይልታትና ንምጥፋእ ዘዳለዎ ኣጀንዳ ሒዝካ ናይ ጥፍኣት ምእዙዝ ምዃን። ( ኣብዚ ወይ ኣቡኡ፣ ኣዲኡ፣ ሓብቱ ሓዉ፡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡ መተዓብይቱ፡ መማህርቱ መሳርሕቱ ካብኡ ሓሊፉ ወዲ ሃገሩ ዘይተሰውኦ/ኣ የሎን/ላን)
5) ደቂ ኣንስትዮና ፍርቂ ገድሊና ከም ዝኾናን ብትብዓት መኪተን ዘስተንክር ቅያ ከምዝፈጸማ ዓለም ዝምስክሮ ሓቢእካ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። እዚ ክብል ከሎኹ ኣብ ሜዳ ዝተሰለፋን፣ ኣብ ከተማታት ተሰሪዔን፡ ኣብ ብልሒ መላጸ ጸላኢ ተተርኢሰን ክሳብ ክኸፍሎኦ ዘይደልያ ዋጋ ከፊለን ምእንቲ ሰውራታት ኤርትራ ሽቶኡ ክሃርም ፡ ሰነዳት ጸላኢ እናወሰዳ ንሰውራታት ኤርትራ ዝምግባ ዝነበራ፣ ሎሚ ብጉዕዙያት ባእታታት ስመን ከጸልሙ ክትሰምዕ ከሎኻ ዘሕዝን’ዩ፡ ግን ከኻ ዘገርም ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ባህርያት ጠላማት ኮምኡ ስለ ዝኾነ።
እቲ ቅኑዕ ኤርትራዊ ግን ኩሉ ጊዜ ብጓል ኣንስተይቲ ኤርትራዊት ኩሩዕን ሕቡንን እዩ። ( ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ኣሎ። ገለ ሰባት ህዝቢ ኤርትራ ብበረኻ ተጋዳላይ ብረት ሒዙ ንሞት ከም ቁቡል ወሲዱ ክቓለስ ከሎ፣ ብዓድታትን ከተማታትን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኮይኑ ክውፈ ከሎ፡ ገለውን እምንቶ ቃልሱ ከይከሓደ ንስደት ከይዱ ንገድሊ ትንፋስ ክኸውን ከሎ ፡ማለት ሰሪሑ/ሓ ገድሎ ክምግብን ክፍውስን ከሎ፡-(ኣብነት ኣደታት ዓዲ ጥልያን) ሓደ ክልተ ኣብ ኩሉ ዘይነበሩ፡ ፈቲኖም ዝተዓንቀፉ፣ ነጻነት ብህ.ግ ስለ ዝመጸት ኣብ ረፈረንዶም እወ ንናጽነት ካብ ምባል ዝሓንገዱ ሎሚ ተኣኻኺቦም ጸረ መንግስቲ ኤርትራ ደው ምባሎም ክትሰምዕ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዃ ይኹን እንበር ዘገርም’ እይኮነን)።
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ኩሉ ጽንኩር ቃልሲ ምቕላስ ዓወቱ ድሕሪ ምጭባጥ፡ ህ.ግ. በቲ ዝተረኽበ ዓወት ከይተዛነየ ረፈረንዶም ክካየድ’ዩ መደቡ ዘውጽኤ። ምክንያቱ ዓወቱ ድርዒ ክገብረሉ ስለ ዝደለየ። ካብዚ ንላዕሊ መሰል ሰቡ ዝሕሉ መንግዝቲ የለን። ረፈረንዶም እንተዘይግበር ኔሩ እዛ ሃገረ ሰማኣታት ሎሚ እንታይ ምኾነት ኢልካ ዘሕስብ ጉዳይ’ዩ።
6) ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ዝብላ ማሕበራት ኣለዋ። መሰል ናይ ወዲ ሰብ ክሕሎ ብሓሳብ ዝኾነ ሰብ ዝሰማማዓሉ ይመስለኒ። ኣብ ግብሪ ዘውዕልኦ ሃገራት’ውን ኣለዋ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ንመሰል ህዝባ ዝተቓለሰትን መሰሉ ክሕሎ ብውሕሉል ኣገባት ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘመስከረትን ሃገር እያ። ብዙሕ ክጥቀስ ይከኣል፡ ከም ኣብነት ግን ህዝባዊ ግንባር ነቶም ክሳብ ብዓለም ዝተወገዘ ጋዝ ተጠቒሞም ከጥፍኡና ዝፈተኑ ሰራዊ ደርግ ኣብ ዝተማረኹሉ ግዜ ብዓለምለኻዊ ዘፍቕዶ ሕጊ ናይ ኲናት ምሩኻት ኣተሓሕዛ ጥራሕ ዘይኮነ ሒዝዎም፣ እንኮላይ ብሕውነታዊ መንፈስ ዝሰፈኖ ኣገባብ ጌሩ’ዩ ሒዝዎም። ኣብቲ እዋን’ቲ ብዙሓት ካባና ካብኩቱር ግፍዒ ጸላኢ ተበጊስና ህ.ግ. ንዝወሰዶ ኣታሓሕዛ ሙሩኻት ኲናት ተቛውሞታትና ኣርኢና ኢና። ክሳብ ንሕና ንውድብና ክንሕግዝ እምበር ንቐተልትና ክንምግብ ፍቓደኛታት ኣይኮናን’ውን ተባሂሉ እዩ። (ኩሉ ብፍላይ ግን ህዝቢ ሽዕብ ብሂወቱ ብታንክታት ደርጊ ተጨፍሊቑ ኣካላቱ ከም ኤነትረ ዝረገጸቶ ከልቢ ዝተቐየረሉ ግዜ ስለ ዝነበረ)። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ እዋንቲ እንታይ በላ? ወይስ ብድሕሪኡ’የን ተመስሪተን። እዘን ብስም ኤርትራውያን ሰብኣዊ መሰል እናበላ መደልደሊ ግላዊ ናብረኤን ገረንኦ ዘለዋ ብዛዕባ’ዚ ተዛሪበንዶ ይፈልጣ?
7) ኤሪትራውያን ንሰብኣዊ መሰል ንጣበቕ ባሃልቲ፡
1./ ሰብኣዊ መሰል ምጥባቕ እንታይ ማለት’ዩ።
2./ መሰል ደቅሰባት ንክትጣበቕ እንታይ ክተማልእን ዓይነት ኣታሓሳስባ ክህልወካ ይግባእ።
3./ ንምንታይ ዘጋጠሞም ሰባት(ህዝቢ)ትጣበቕ።
4./ መዓስን ኣበይን ኮንካ ትጣበቕ።
5./ መጣብቕትኻ ብኸመይን ባዓልመንን ክኾኑ ይግባእ።
6./ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምንታይ ጽልዋታት ነጻ ክኾኑ ይግባእ።
7./ ቁጠባዊ ትሕዝቶኻ ምንጩ ካብ ምንታይ ነጻ ዝኾነ ክኸውን ኣለዎ።
8./ ተጽዕኖታት ብከመይ ትምክቶም። ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ክምለሱ ዘለዎም ኮይኑ ይስማዓኒ።
ነዚ ነጥብታት’ዚ ምርኩስ ብምግባር እዞም/ዚኤን ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ንመሰል ኤርትራውያን ዝብሃሉ ክርኢ ከሎኹ ነዘን ኣብ ላዕሊ ካብ 1 ክሳብ 8 ዘለዋ ነጥብታትን ካልኦትን ክምልሱ ብቕዓት ዘለዎም/ወን ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ኣገባብ ኣባጋግሶኦም ካብ ውልቓውን ድሑር ዝንባለታትን መርትዖ ዘይብሉ ሓሳባትን ዝተበገሰ እዩ። እኳድኣ ብሰንኪ እዚ ማሕበር’ዚን መወልቱን ዝፍንውዎ ግጉይን ዝንቡዕን ምስሊን ኩነታት ኤርትራን፣ ንክንደይ መንእሰያት ኣብ ፈቖዶ ምድረበዳታትን ሰላማዊ ውቅያኖስ ሂዎቶም ከም ዝጠፍእ ዝገበረ ማሕበር’ዩ። መስቶም ቀደም ንጥፍኣትና ዝተቓለሱ ተጻባእትና ብምትሕብባር ኣብ እከይ ተግባር ዝተዋፈረ ማሕበር’ዩ። ሎሚ ድማ ባዕዳውያን ሓይልታት መንነትታ ንምጥፋእ ምስ ዝሰርሑ ተጸጊዑ፡ ናይ ጥፍኣት ዕድመ እናዓደመ ካብ ሃገር ከምዝሞልቁን ኣብ ፈቖዶ በረኻታት ልብያን ሰላማዊ ውቅያኖስን ከም ዝጠፍኡ ዝገበረን ዝገብር ዘሎን ጉጅለ ጥፍኣት’ዩ።
ብኻልእ መዳይ መንእሰያትና ነቲ ሓርበኛታት ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ዝፈጸምዎ ጅግንነት ከይወርሱን፡ ነቲ ንመንእሰያትና ብነጻ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ትምህርትን ወዘተ… ተጠቀምቲ ንከይኮኑ፡ ንኢትዮጵያ ከምዝሰግሩ እናገበርካ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ወያኔ ኣደዳ ብስጭትን ጥሜትን ሕማምን ሞትን ከምዝኾኑ ዝገበረን ዝገብርን ዘሎን ጉጅለ’ዩ።
ኣብ ማዕስከር ስደተኛታት ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን መረረኦም ሰማይ ዓሪጉ ሰማዒ እዝኒ ሲኢኖም፡ ስሞም ኣብ ኤሮፓን ካናዳን ሕ.መ. ኣ. ኣካላቶም ድማ ኣብ ትግራይ ተዳጉኑ ንወያኔ መለመኒ ትዃቦ ኮይኑዋ ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ሓለፍቲ መዓስከር ስደተኛታት ወያኔ ብስም ኤርትራዊ ቤተሰቦም ንወጻኢ እናሰደዱ፡ ወዮም ተጣበቕቲ ኣፎም ጥርቅም። ምክንያቱ ኣብቲ ብወያኔ ዝዋሃቦም መምርሒ ስለ ዘየለ እናፈለጡዎ ኣይዛረቡሉን’ዮም። እዚ ጉጅለ’ዚ ፈተውቱን ጸላእቱን ንምልላይ ዓቕሚ ዘይብሉ፡ ድራር ከብዱ ዝመልኣሉ እንተረኺቡ ጥፍኣት ህዝቡ ዘይግድሶ ካብ ጽንዓትን ተባዕነትን ሕብረተሰቡ ሓንቲ ውርሻ ዘይወረሰ ዓቕሙ ትሕቲ ባዶ ዝኾነ ጉጅለ’ዩ። ንህዝብኻ ኣፉ ክንሎግሞ ኢና እናተባህለ ግርም ይሎጎም ምሳኹም ኣለኹ ዝብል ማሕበርዩ። ማሕበር ኢልካ ዝጽዋዕ እንተኾይኑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ Commission of Inquiry on Human Right in Eritrea ከቕርቦ ተዳልዩ ዘሎ ጸብጻብን እገዳ ከይለዓልን ካልእ ሓሶታት ክውሰኾ ዝጽውዕ ብተቓወምቲ ጸረ ሓፋሽ ንብዓት ሓርገጽ እናተነብዔ እዩ። ወያኔ 15,000,000 ህዝቢ ኢትዮጵያ ብጥምየት ተጠቂዑ እንከሎ ንዑኡ ክትዕንግል ኣብ ክንዲ ምሕሳባ ነዞም ጽባሕ ከም ዓፍራ ሃፊፎም ዝበኑ ኣንጻር መን ከም ዝቋወሙ ዘይፈልጡ ተቛወምቲ በሃልቲ ዕጥቂ ቅርሕንቲ እናዕጠቐት’ያ። ህዝቢ ኤርትራ እንዃንዶ ኣብ ነንሕድሕዱ ምስጓኖት’ውን ቅርሕንቲ ክፈጥር ዝደሊ ህዝቢ ኣይኮነነ።
ኣብነት ዝኾነና፡ ደርጊ ድሕሪ ተ.ሓ.ኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ፈጺማ ምውጽኣ ፡ ንህ.ግ. ኣብ ሰሙናት ዘይኮነ ኣብ ማዓልታት ክድምስሶ ከምዝኽእል ብኣዋጃቱን ዕጥቅታቱን ንህዝቢ ዓለም እናነገረ ሆይ ኢሉ ተሲኡ፡፡ ለኣንዴና ለመጨረሻ ኦሮማይ ዝብል ዘረባታት’ውን ተሰሚዑ።
ግንዛቢኡ ዝነበረ 1) ሰራዊት ተ.ሓ.ኤ. ፍርቂ ሰውራ ኤርትራ ስለ ዝነበረ 2) ህዝቢ ኤርትራ እንተወሓደ ፍርቂ ሰዓቢ ተ.ሓ.ኤ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ክልቲኡ ተደሚሩ ከም ዝጠፍኤን ቃልሱ ዝደምደመን ጌሩ ስለ ዝወሰዶ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዋላዃ ዘዝኣምኖ ውድብ እንተነበሮ ውግእ ሕድሕድውን መሪር እንተነበረ፣ መበገሲ ዓላማኡ ንናጽነት ኤርትራ ስለ ዝኾነ እንትርፎ ዉሑዳት ገዲፍካ፡ ህዝቢ ብሙሉኡ፡ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ ከኣ ኣብ ዝኸደ ከይዱ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕዋት ካብ መትከላዊ እምንቱኡ ነቕ ኣይበለ። ብንብረቱን ብጉልበቱን ብገንዘቡን ልክዕ ከምቶም ስሩዓት ህዝባዊ ግንባር ዘበርክትዎ ዝነበሩ ኣበርክቶ ኣብ ምብርካት’ዩ ተጸሚዱ። ምኽንያቱ፡ ብባህልና ኣሽንኳይዶ ኣብ ነንሕድሕዳ ዝፍጠር ጸግም ናይ ካልኦት ጸገም’ውን ናይ ምፍታሕ ዓቕምን ባሕልን ስለ ዘሎና። ኣብነት ዕርቂ ሱዳንን ተቓለስቲ ሰሜን ሱዳን።
ሎሚ ሃጸያውያን ሓይልታትን ሚድያታተንን ንሓቅን ሓቀኛን ኣይሰምዕኦን እየን። ጥቕምታት ኣጒሲመን ጸረ መንግስትኻን ህዝብኻን ከምትምክት’የን ዝገብራኻ። ጥቕመን ምስ ኣረጋገጻ ከኣ ከም ብላይ ክዳን ይድርብያኻ። ኣብነት መራሕ ግብጺ ነበር ሑሴን ሙባረክ ኣብታ ኣጣራዒት እዋን መንግስቲ ኣመሪካ እንታይ ገበሩዎ። ኣብ ናትና ምስ እንርኢ ኣኼባ ኣዋሳ እንታይ ኣፍረየ? ሓደ ክልተ ብጭቕ ከምዘብሉዎ ናይ ሕፍረት ኣኼባ ምንባሩ ትሰምዕ። ብመራሕቲ ወያኔ ኣይትረብሑን ተባሂልና ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ግፍዒ እናውረዱ ጫሞኦም ምልሓስ እንታይ ኣድለየ።
ኩላትና ኤርትራውያን ካብ ቅርሕንቲ ተበጊስና፡ ዘይወጽእ ጣዕሳ ካብ ምፍጻም ንቆጠብ። ምስ ባዕዳውያን ተሻሪክና ዘይንፈትዎ ሰብ ወይ ሰባት ወይ ብሄራት ከም ናይ ጠንቂ መበገሲ ጌርና ምስቶም ባዕዳውያን ግን ከኣ ኤርትራዊ ዝመስል ጉልቡባት ዝተጎልበቡ ጸላእትና ተሻሪኽና ሃገርናን ህዝብናን ዘዕኑ ነገራት ካብ ምግባር ንቆጠብ። ደጋጊምና ንሕሰብ። ሎሚ ዝተባህለ ነገር ዘይስማዕ የሎን። እቲ እንብሎ ብግህዶ ድኣምበር ወዲ ዓዲ እናፈተሽካ “እዚ መንግስቲ’ዚ ኣይውክለናን’ዩ፡ ኣሕዋትና ኣብ ስልጣን የሎዉን። ደቂ ዓዲከለ ስልጣን ሒዞሞ” እናተባህለ ንጉሩሃትን ስንኩፋትን ምድንጋር ንውልቅና ይኹን ንሃገርና እንትርፎ መስሓቕ ጸላእቲ ምዃን፡ ንነብስኻ ምድንጋርን ናብ ሃገር ኮነ ናብ ህዝቢ ዘምጽኦ ኣዎንታዊ ነገር የሎን፡፡ ካበየናይ ቦታ ኤርትራ ምዃን ብዘየገድስ ብቑዕ ሰብ፡ ኣብ ብቁዕ ቦታ ኮይኑ ከማሓድር፡ ብቕዓቱ ትሑት ዝኾነ ተማሂሩ ወይ ተሞኪሩ ኣብ ዝበቕዖ ቦታ ክሰርሕ መትከል መንግስቲ ኤርትራ’ዩ። ብዱሑር ዝምባለ ዝተላዕጠጠ ባእታ ግን ብቕዓቱን ፍልጠቱን ብዘየገድስ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ብቑዕ ኣይኮነን። ትምህርቲ ናይ ፍልጠት መዔቀኒ ድኣምበር ናይ ብቕዓት መለክዒ ኣይኮነን። ክሳብ ብቑዕ ስራሕ ዘይተሰርሔ። ከም ተሞኩሮ ገድልና ዝምስክሮ እቶም ሀ ሁ ዘይቆጸሮ፡ ብብቕዓት ስርሖም ግን ዓለም ዘስደመሙ ክንዝክር ይግብኣና። ንሕና ኤርትራውያን ኩሉ ህዝብና ክመሃር ንደሊ። መንግስቲ ከኣ ምስ ኩሉ ግዳማዊን ውሽጣዊ ተጻብኦታት ንብሙሉኡ ህዝቢ በብዓቕሙን ደረጅኡን የምህር ኣሎ። ህዝቢ ከኣ ብቕዓቱ ብተግባር በቲ ዝተሞኮሮን ዝተማህሮን የመስክር ኣሎ።
እዞም ሓደ ክልተ ሙሁራት ኤርትራውያን ንርእዮም ዘሎና ከም ኣብነት ክንጠቕስ ንኽእል።
ሀ) ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሙማቶም ሓንቲ ሃገር ኮይነን ክርእዩ ዝምነዩ ትሰምዕ። ብኣንጻሩ ከኣ ጀጋኑ ረሃጾም እንዳንጠብጥበ ኣብ ግዜ ዝጠልቦ ከኣ ደሞም እንዳዛረየ፡ ልዕላውነት ሃገር ከውሕሱ ንኹሉ ናብራን ትምህርትን ገዲፎም ሃገር ወይ መስዋእትነት ይብሉ ኣለዉ። ንኹን ቑንዓት ፈረድቲ መንዩ ንሃገርና ጥዕናኣ ንምውሓስ ብቑዕ።
ለ) ኣብ ኤርትራ ደቀንስትዮ ይዕመጻ ዝብል ፈጠራ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ባሃልቲ ክስታት ክውረ ትሰምዕ። ፈጺሙ የሎን ክትብል ኣይከኣልን። ከም ተርእዮ ኣብ ኩሉ ዓለም ኣሎ። ባህርያዊ ስሕተት ካኣዩ። ኣብ ሃገርና ግን ከምዚ ዛመሰለ ጸገም ምስ ዝርከብ ብዘይ ውዓል ሕደር ብሕጊ እንዳባ ጉቡእ መዕረፊ ይግበረሉ። ኣብ ክሲ ከይተበጽሔ ብሕጊ እንዳባ ተመርሚሩ ንዓማጽን ተዓምጽን ክብረቶም ንምሕላው ቕኑዕን ሓቀኛን ፍታሕ ተጌሩ ተመርዕዮም ብሰላም ከም ዝነብሩ ይግበር። ብመርዓ ምስ ዘይሰማምዑ ዓማጺ ጉቡእ ካሕሳ ብምኽፋል ጉዳዮም ብሰላም ይድምደም። ኣብ ባህልና ከምዚ ሕጂ ብዕርቃኖም/ነን ዝቕልዑን/ዓን ዝበሃል ዘሎ ነገር የሎን።
ሕጂ ግን ትደልዮ ዓላማ ንምዕዋት መንነትካን ክብርኻን ንምሻጥ፣ ድሕር ዘይብሃሎ ግዜ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ንምጽላም ኢልካ ዝግበር ነብሰ ሕስረት ኣብ ልዕለኻን ልዕሊ ቤተሰብካን ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋታት ከይገመትካ ያኣይ ምዕብልና ተሓሲቡ ከምዚ እንተገበርኩ’የ ዝስማዓ ብዝብል ኣጉል ሓሳብን ፈጠራታት ክትሰምዕ ዘገርም ኣይኮነን። ጸላእቲ መንግስት ኤርትራ ክሳብ እቲ ዘይዕወት ዓላማኦም ዝበንን ከም መኽሰሲ ክጥቀሙሉ ክፍትኑ እዮም። ነዚ ግዕዙይ ተግባራት ብሓሶት ዝምስክሩሎም ካብ ምዕዳግ ዓዲ ኣይክውዕሉን’ዮም። ንኣብነት ወታሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ዒራቅ ንብዙሓት ደቀንስትዮ ኣባላሽዮም ብፍላይ ከኣ ንሓንቲ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ስድራኣ ኣባላሽዮም ቀቲሎም ደርቢዮማ። እዚ ብኹሉ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተመስከረ እዩ። Human Rights እንታይ ጌሮም? መንግስቲ ኣመሪካ ስለምንታይ ኣይተኸሰን?
ብኻልእ ወገን ኣብ ኣፍሪቓ ዋላውን ኣብ መብዛሕተን ሃገራት ዓለምና ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ሃገራት ሰላም ዝነገሳ ሃገር ምዃና ብብዙሓት ወጻእተኛታትን በጻሕትን ካብ ኣብኣ ዝበጽሑ ጋዜጠኛታት ዝተመስከረላ ሃገር’ያ። ኣብ ኤርትራ 24 ሰዓታት ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፣ ተባዕታይ ይኹን ኣንስታይ መን ኢኻ ናበይ ደሊኻ ዘይበሃለሉ ሃገር’ዩ። ከም ኩሉ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ንሕና ምንቀኛ ጎረቤት ከም ምህላውን ካብ መደቡ ብዘይ ፍቓድ ዝኸደ፡ ከሕትት ዘኽእል ተርእዮ ምስ ዝህሉ ዝኾነ ኤርትራዊ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ክሕተት ጉቡእ’ዩ። ተሓቲቱ ማለት ግን ገበን ጌሩ ማለት ኣይኮነን። እኳድኣ ብዝያዳ ሓበን ክስምዖ ይግባእ። ምኽንያቱ መንግስትና ንድሕነት ህዝቦኡ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ቁላሕታ ሂቡ ከም ዝሰርሓሉ ክንርዳእ የኽእለና። ካብ መኣዲ ትምህርት ዝሓከለ፡ ጉቡኡ ካብ ምፍጻም ዝተሓብኤ፡ ሓላፍነቱ ዝዘንግዔ፡ መደቡ ብዘይጉቡእ ዝራሕረሔ ምሕታት ጉቡእ’ዩ። ኣብ መኣረምታኡ ከከም ምኽንያቱ ይፈላለ። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ገበን እሱራት ኣምሂሩ ክሳብ ብዲግሪ ኣመሪቑ ዘፋኑ መንግስቲ’ዩ።
ነቶም እከይ ስለያ ክገብሩ ዝፍትኑ ኤርትራውያን ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ህዝቢ ኤርትራ ድሕነት ሃገሩን ህዝቡን ንምሕላው ከምቀደሙ ሓላፍነቱ ኣየውድቕን፡ ከውድቕ ከኣ ኣይኮነን። ወያኔን መወልታን መስሎኺ ስለ ዝሰኣኑ ብኣፍ ዕሱባት ደቂ ሃገር ጌሮም ከምዝዛረቡ ማንም ኤርትራዊ ድሕነት ሃገሩን ህዝቡን ዘገድሶ ዘበለ ዝፈልጦ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ጉዕዞና ንድሕነት ሃገርናን ህዝብናን ከምቀደምና። ወይጦታት ዝገዓሩ እንተ ጋዓሩ ሓበስቲ ንብዓት ዓይኖም ይገደሱሉም።
ኣብ መደምደምታ ጽባሕ ብሕማቕ ታሪኽ ከይንዝከር፡ ሎሚ ጽቡቕ ታሪኽ ንስራሕ። ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ታሪኽ ነባሪ ስለ ዝኾነ ንደቕና ደቂ ጽቡቕ ሰራሒ ታሪኽ ከም ዝበሃሉ ድእምበር፣ ዸቂ በዓል ሕማቕ ታሪኽ ከም ዝበሃሉ ኣይንግበር። ኣብ ገለ እዋናት ማለት ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ ምጅማሩ ንገለ ኣቦታትና ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝብል መርገጽ ዝነበሮም ንወቕሶም ኢና። ኣብ ድሕሪ ነጻነት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኤርትራ ኣብ ዳግመ መግዛእቲ ንክትምለስ ወይ ከኣ ምስሊ ተጻብእቲ ዝውክል መንግስቲ ንኽህልዋ ዝዋስኡ ደቂ ሃገር ክትርኢ ከሎኻ ብጣዕሚ ዘሕዝን”ዩ።
ስለዚ ኩልና ነቲ ዓቢ ስእሊ ልዕላውነት ጠሚትና፡ ነዚ Human Rights ክቕርቦ ተወጢኑ ዘሎ ክሲ ንህዝብና ኣብ ነንሕድሕዱ ንምኑቛት ዝዓለመ ስለ ዝኾነ፣ ኩሉ ዘፈላልየና ነገራት ንድሕሪት ገዲፍና በቶም ዓዶም ከይኣትዉ ንኤርትራ ኩቦ ዝደርበዩላ ከይተታለልና እንቢ ንእገዳ ዝብል ድምጺ ከነስምዕ ኣሎና። እምቢ ንእገዳ ምባል ንህ.ግ.ድ.ፍ. ወይ ንሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ ደጊፍካ ማለት ኣይኾነን። እዚ ጉዳይ’ዚ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን እዩ። ነገራት ፈላሊናን ኣስተውዒልናን ክንርእዮ ይግባእ። ስለ ዝበሉ ኢልና መምስ ዝሃለሉ ኣይንህለል።
1./ ኣብዚ ተቛወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኢና በሃልቲ ዝጽውዕዎ ዘለው ሰልፊ ዘይምክፋል።
2./ እምቢ ንእገዳ ዝብል ድምጺ ብምስማዕ ተቛውሞኹም ምርኣይ።
መንእሰያትና ዝነበረ ይኹን ሕጂ ዝመጸ ሃገሩን ህዝቡን ኣሕሊፉ ስለ ዘይህብ። ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ዘይርትዓዊ እገዳ ክሳቐ ክርኢ መትከላዊ እምንቱ ስለ ዘይኮነ፡ ነዞም ብስም ህዝቢ እናሸቀጡ መናሰያትና ከታልሉ ዝፍቱኑ ዘለዉ ብጉቡእ ከነንብቦምን ክንፈልጦምን እሎና። ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ምስ ንመጽእ ነሓፍነት፡ ሸለልትነት፡ ወገንነት፡ ዕርክነት ዓዳውነት፡ ቤተሰብነት፡ ዝበሃሉ ነገራት ቦታ ከምዘይብሎም ክንግንዘብ ኣሎና። ሓድነትና ልክዕ ከምቲ ኣብ ፈታኒ መድረኻት ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረሉ ክንከውን ኣሎና። ድሕነት ሃገርን ህዝብን ንምውሓስ ናይ መንግስቲ ወይ’ውን ናይ ውልቀ ሰባት ሓላፍነት ጥራሕ ኣይኮነን። ዕማም ሓፋሽ እዩ።
ሓድነትና ዝበርትዔ ዋልታና’ዩ።
ሓድነትና ክበታትን ዝፍትን ብሙሉእ ዓቕምና ክንምክቶ ኢና።
ብሰንኪ እገዳ ህዝብና ጠምዩ ከምዘይሓድር ይፍለጡ።
ጉዕዞ ልምዓትና ዝገትኦ ሓይሊ የሎን።
ህዝብና ሕድሪ ሰማእታቱ ኣይጠልምን።
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና።
ዓወት ንሓፋሽ!!