ሓሶት ከም ቅቡል ባህሊ ፡ ምጽወታ ከኣ ከም ናይ ልምዓት ወፍሪ ሕዱር ሕማም መራሕቲ ኢትዮጵያ

News ትግርኛ
ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር
ወኻርያስ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር።

ግርማይ በርሀ (ሽካጎ)

መራሕቲ ኢትዮጵያ ፡ ንክውንነት ሃገሮም ኮነ ፡ ቑጠባዊ ትሕዝቶን ዓቕምታትን ህዝቦም ዘንጸባርቑን ኣብ ጸብጻብ ዘእቱዉን ፡ ንቐጻሊ ዕቤት ሕበረተ ሰቦም ንቅድሚት ክደፍኡ ዘኽእሉ ፡ ፖሎቲካዊ ዕላማን ፡ ሃገራውን ዓለማውን ፖሊሲታትን ዝኽተሉ ኮይኖም ኣይጸንሑን ። በኣንጻሩ ነቶም ንቑጠባውን ወተሃደራውን በሓትነትን ዕብለላን ዝሰርሑ ግዳማውያን ሓይልታት ፡ ድሌታቶም ከማልኡን መደባቶም ከሳልጡ ዘኽእሉ ኩነታት ክፈጥሩን ምእዙዛት ምዃኖም ከረጋግጹን ፡ ንናይ ተለኣኣኽነት ስልጣኖም ውሕስነት ክረኽቡን ኣብ ኣህጉራውያን ማሕበራት ዝከላኸልሎም ኣካል ኣጥርዮም ክኸዱን መዋእሎም ሰሪሖም ። እቲ ናይ ሓያላት ሓይልታት ናይ ቑጠባውን ፖሎቲካውን በሓትነትን ዕብለላን ፡ ወተሃደራዊ ዓንዳርነትን ንምዕዋቱን ንምሕላዉን ዝካየዱ ስርሒታት ፡ ምስቲ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብሓታትን ድሌታትን ስለዘይሰማምዑ ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ፈጸምቲ ድሌታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት እሙናት ኣገልገልቲ ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ ።

መራሕቲ ኢትዮጵያ ንክውንነት ዞባና ብልክዕ ንዝተረድኡን ነቲ ዘሎ ጸገማት መፍትሒታት ንኽረኽቡን ናብ ዝሓሸ ንኽቅይሩን ፡ ጻዕርታት ምስዘካይዱ ሓይልታትን ጉጅለታትን በብጊዚኡ ኣብ ጎንጽታት ክኣትዉ ሕዱር ሕማም ኮይንዎም ጸኒሑ ኣሎ ። ኢትዮጵያ ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋታትን ዓቕሚ ሰብን’ኳ እንተለዋ ፡ ብሰንኪ መራሕታ ፡ ሃንቀውታ ህዝባ ዘይኮነ ፡ ድሌታት ናይ ካልኦት ሓይልታት ዝፍጸመላ ሃገር ፡ ብጸጋታታ ከይረብሐት ፡ ህዝባ ከይቀሰነን ከይከበረን ፡ ከም ጾርን ጸገምን ማሕበረ ሰብ ዓለምናይ ዓለም ተቆጺራ ፡ ብረዲኤት እናተቀለበት ትነብር ሃገር መለለዪ መልክዕ ሒዛ ትኸይድ ኣላ ። በዚ መሰረት ከኣ ንህዝባዊ ዕላማ ዘይቆመ ሓይልን ንድሌታት ህዝባ ዘይኮነትን ዘይሰርሐትን ሃገር ፡ ንናይ ጎሮባብታ ህዝብታት ድሌታት ክትሰርሕን ኩነታት ክትጥምትን ትኽእል እያ ኢልካ ምሕሳብ ነብስኻ ምትላል’ዩ ። ሓልዮት ሃይለማርያም ደስኣለኝ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ፡ ነቲ ዝቅርምዎ ረድኤት ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝ ፡ ንግዚኡ ከም መሳርሒ ተራእዩ ዝዓርብ ውልቀ ሰብ ምዃኑን ናይ ደርጋውያን ፖሎቲካዊ ኣሰራርሓ ውርሻ ዝሓዘን ገይርና ክንጥምቶ ንኽእል ።

ሃይለማርያም ደስኣለኝ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ “ ከም ኣብ ዓጋም ዝተጸገዐ ቆልቋል ከይንኸውን ምጥንቃቅ የድሊ” ኢሉ ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ንሓሶት ከም ቁቡል ባህሊ ስለዝወስድዎ እንተዘይኮይኑ ፡ ነቲ ክውንነት ዝገልጹ መርትዖታት ከምዘለዉ ዝጠፍኦም ኣይመስለንን። እስከ ገለ ውሑድ መርትዖታት ንርኣ ፡-

1) ዝተበደለ ህዝቢ ኤርትራ ፡ እቲ ን30 ዓመታት ከምኡ’ውን እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኩናት ብሓፈሻዊ ግምት 98 ሚእታዊት ባድመ ሓዊስካ ኣብ መሬት ኤርትራ እዩ ። ኣብ መንጎ ሃገሩ ናጻ ከውጽእን ንህልውንኡ ክከላኸልን በቲ ሓደ ፡ ዶብ ሃገሩ ጥሒሱ ወራር ዘካየደ ሓይሊ ከኣ በቲ ካልእ ሸነኽ ዝተኻየደ ኵናትን ዝጠፍአ ሂወትን ክርአ እንከሎ ፡ መን ዓጋም መን ቆልቋል?

2) ብናይ ግዳማውያን ሓይልታት ኣማኸርትን ሓገዝትን (እስራኤላውያን ፡ ኣመሪካውያን ፡ ሶቭዮታውያን ፡ ኩባውያን ፡ ጀርመናውያን ፡ የመናውያን ካልኦትን) ተሰንዮም ፡ ኣብ ኤርትራ ተጓሪቶም ፡ ኣብ ዘይመሬቶም ኩናት ዘካየዱ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዶ ኤርትራ? መራሕቲ 4 ሚልዮን ህዝቢ ዶ 80 ሚልዮን ህዝቢ?

3) ንኣህጉራዊ እገዳ ፡ ንናይ ደቂ ሰባት መሰላት ክሲ ፡ ኣሳሰይትን ደገፍትን ፡ ተንኮላቶም ንኽምቅር ኣቃመምትን ንሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ዶ ንጥፍኣቱ?

4) ዋና ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከይተጠቅመ ፡ መደበር ቓኘው ኣስመራ ንኣመሪካውያን ፡ ደሴታት ዳህላክ ድማ ንሰቭየታውያን ብምሃብ ፡ ናይ ክራይ ገንዘብን ረድኤትን ዝኣከቡ ፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ ከኣ ብስም ስደተኛታት ካብ ናይ ረዲኤት ትካላት ጅቦኦም ዘህጥሩ ዘለዉ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዶ ኤርትራ ? ሓልዮት ዶ ቑጠባዊ ወፍሪ?

5) ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ፡ ንመግዛእታዊ ዕላማታቶምን ረብሓታቶምን ከሳልጡ ክብሉ ኣብ ኤርትራ ዝመስረትዎም ትካላት ፡ በንቊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዘግዓዙን ንግዳማውያን ሓይልታት ዝሸጡን መራሕቲ መን እዮም ? እዚኸ ዝምታ ዶ ወይስ ሓልዮት’ዩ ዝቚጸር?

6) ኣብ ናይ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ፡ ንዝዋሃብ ፍርዲ ብዘይቅድመ ኩነት ክቅበሉ ፈሪሞም ከብቅዑ ፡ ፍርዲ ምስተዋህበ “ኣይንቅበልን” ዝበሉ ፡ ቅድመ ኩነት ዝፈጠሩ ፡ ንኵናት ዝዕድም ተጻብኦታት ዘጋውሑን ኣብዘይመሬቶም ሰፊሮም ዘለዉን መን እዮም ? መን እዩ ንሰላም ቀዳማይ ቦታ ዝህብ?

መራሕቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ሓሶታት ምድግጋም ፡ ኣብ ገለ ሸነኽ ናይ ኢትዮጵያውያን ምሁራት ዝባሃሉ ፡ ናይ ምስፍሕፋሕን ናይ ወራራት ኣተሓሳስባታትን ተቀባልነት ረኺቡ ጸኒሑ ኣሎ ። ዓለማውያን ዓንደርቲ ሓይልታት ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ጸጋታትን ዕቑር ሃብትታትን ንኽቖጻጸርዎ ክጥዕሞም ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓዊ ክኣጉዱን ነቶም ህዝብታት ክብትኑን ክሰርሑ ከለዉ ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኮስኲሶም ዘዕበይዎም ምሁራት ኢና ባሃልቲ ኮራኩሮምን ብጊድኦም ፡ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ፡ ኣብ ናይ ብሻ ወርቅን ካልእ ዕቑር ሃብቲ ኤርትራን ጠመተ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይዋዓሉን ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምልሕላሕ ኣብ ገለ ብሄራት ኤርትራ ምትኻር ኣይገደፉን ። ንሶማልያ ኮነ ንጅቡቲ ሕንፍሽፍሽ ብምእታው ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልምታት ተፈልዩዎም ኣይፈልጥን ። ኣብ ዝኾነ ጊዜ ዕድል እንተ ተረኺቦም ድሌታቶም ንምፍጻም ድሕር ዝብሉውን ኣይኮኑን ። እዚ ኣተሓሳስባታት እዚ’ኸ ናይ ሰላም ዶ ናይ ህውከት ?

ሃይለማርያም ደስኣለኝ ምስ ኬንያን ጅቡትን ጽቡቅ ርክብ ከምዘለዎም እዩ ገሊጹ ። ብመሰረቱ ኣብ መንጎ ኣዕነውትን ኮራኩርን ዝኾኑ ሓይልታት ፡ ብዘይ ቁዱስ ረብሓታት ዝተዓደገ ዕስለ ምትእኽኻብ እንተዘይኮይኑ ንናይ ህዝብታት ረብሓታት ዝሕሉ ዝምድና ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን ። ስለዝኾነ ብቀሊሉ ብጎይቶቶም ክዕረቑን ክባኣሱን ዝኽእሉ ምዃኖም ርዱእ እዩ ። ካልእ ይትረፍ ፡ ብናይ ረዲኤት ቑልማጾ ኣብ ጅባ ናይ ውሑዳት ኣትዩ ፡ ዝስራሕ ዘመናዊ ህንጻታትን ትካላትን ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ዝርኣ ፡ መደባት ልምዓት ብረዲኤትን ብናይ ውሑዳት ዋንነትን ዝካየድ እዩ ። ኣብ ብልሽውና ዝጣሓሉ ሓይልታት ካብ ህዝባዊ ማዕበላት ዘይፈርሕሉ ምኽንያት’ውን ስለዘየለ ንድምጺ ብዙሓት ክዕፍኑ ብሓባር ዘይሰርሕሉ ምኽንያት እውን የለን ። ንሶማል እውን እንተኾነ ኬንያ ብታሕቲ ፡ ጅቡቲ ብላዕሊ ፡ ኢትዮጵያ ብማእከል ጸጋታት ሶማል ካብ ምጥማት ማኣስ ዓዲ ዊዒለን ። ኩለን ብደገ ተመዊለን ዝንቀሳቀሳን ግዝያዊ ትንፋስ ሰኺዐን ዝኸዳን ፡ ብዳንጋታት ጎይተተን ዝፍክራ ፡ ምዃነን እውን ማኣስ ተሳሒቱ ። ጅቡቲ ከም መደበር ናይ ግዳም ሓይልታት ፡ ከንያ ከም ናይ ብልሽውና ማዕከን ፡ ኢትዮጵያን ከም እምንቲ ኣሳሳይት ናይ ካልኦት ዝተፈልጠት ኩለን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ናይ ሓባር ተኸላኸልቲ ዘጥረያ ሃገራት ፡ ከመይ ኢለን ምስታ ኣብ ህዝባ እምንቶ ዘለዋ ፡ ተኻላኸሊ ዘይብላ ሃገር ኤርትራ ፡ ኣብ ሓደ ክስራዓ ?