መድረኽ ቁ.11 ፡ ስደት ዶስ መገሻ ዕርበት?

News ትግርኛ
israel-infiltrators
መድረኽ ቁ.11 ፥ ፍሉይ ቆላሕታ ኣብ ኣደማድማ መድረኽ

ተስፋልደት ባህልቢ

ወቐሳን ርእይቶን ንኹለ፤ ሻራ ዘይብለ፡ ከም መምርሒ ዝእምነታ ዓምዲ መድረኽ፡ ብዝተፈላለየ ስክፍታታት፡ ክሳብ ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን ትኽርድድ፡ ኣብ ኤእዋኑ ክትቀላቐል ጸኒሓ እያ። ገለ ካብቲ ስክፍታታት ድማ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጸጥታዊ ኩነታት መመሊሱ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሓጺር እዋን፡ /ምናልባሽ/ ኣብ ቀዳማይ ክፍላ ናይ 2015 ዓም፤ ናይ ክብ ወይ ግብ ተረኽቦ ክኽሰት ከም ዝኽእል ተኽእል ከምዘሎ ይግመት። ከምኡ እንተ ደኣ ተኸሲቱ፡ ቀጥታዊ ሳዕቤናት ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝባን: ከየስዕብ ከይክእል መታን፡ ኩላትና ሃገራውያን፡ ካብ ናይ ሓድሕድ ምትህልላኽ ኣቋሪጽና፡ ኣብ ተጠንቀቕ ክንሓድር፡ ቀዲማይ ጠለብ ከም ምዃኑ ምእማን የድሉ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ቲቪኤረ መግለጺኡ ከም ዝኣምቶ፡ ምዕባለ ሃገረ ኤርትራ ኣብዘን ዝቕጽላ ሒደት ዓመታት እንታይ ክመስል ከም ዝኸውን፡ ሽዑ ክዛረበሉ ስለ ዘይ ከኣለ፡ ወይ ዘይደለየ፡ እቲ ሕቶ ብዘይ መልሲ ደብዚዙ ኣሎ፡ ነቲ ሕቶ ክምልሶ ዝኽእል ጭቡጥ ሓበሬታ፡ ጌና ካብዘን ሰለስተ ፈለማ ኣዋርሕ ናይ 2015 ዓም፡ ብዝዕመሙ ዕማማት ዝርከብ ውጽኢት፡ ከም ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።  ኣይግበሮ ደኣ እምበር፡ ኣብ ሞንጎ ኩርኹረ እዞም መስመራት እዚኣቶም፡ (reading between the lines) ገለ ምስጢር ተሸኺሉ ከይህሉ ዘሰክፍ እዩ። (The inability of making forward looking projections due to certain must-to- undertaken events is questionable for wide range of interpretations and speculations.)

እቲ ካልእ ስክፍታ ድማ፡ ዳርጋ ኩለ እቲ ኣብ ሞንጎ ተቓውሞን ተኸላኸልትን፡ ፈሽፈሽ ዝብል ዘሎ ፡ ውራይ ሃገር ጠቀስ ፖለቲካዊ ሃልክታት፡ መዓት ሓሶታት ዝመልኦ ጥራይ ዘይ ኮነስ፡ ብጀካ ኣበይ ኣላ ክፍእቲ ነገር እናበልካ፡ ከም ደርሁት ምቑቛው እንተ ዘይ ኮይኑ፡ በዚኣ ሸነኽ እዚኣ ጽብቕቲ ነገር ኣላታ ዝብል መልእኽቲ፡ ስለ ዘይ ዝውተር ዘል፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ብምኳኑ፡ ትኩር ቆላሕታ ዝሓትት እዩ።

ገለ ካብቶም ሓያሎ ቃቓዊ ዕግርግር ንምጥቃስ ድማ፡ እቲ ኣብ ሕለፍ ኣውራጃዊ ሽበራ፡ ተነቑቱ ዘል ዓጻቕ እምነት እዩ። ጉጅለታት ናይ ሓደ ኣውራጃ፡ ኣብ ልዕሊ / ናይ ካልእ ጉጅለታት ኣውራጃ፡ ከተፋንን ከይ ክእል መታን ድማ፡ ማይክሮስኮፓዊ ቆላሕታ የድሌዮ። በዞም ሰርታት እዚኣቶምን፡ ንዓታቶም ዘሰራስርዎም ዘለዉ ፖለቲካታት ድማ ፡ እቶም ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን /ኩሎም ብሰንኪ ተቓወምቲ ንስርዓት ኤርትራ ኢና በሃልቲ / ምስ ተደመሮ፡ መኣዝን ተቓውሞ ንቑልቁል ተደፊኡ፡ ኣብ መራሒ ዘይብሉ ተግባረ ዕግርግር፡ ክሽመም ይረኤ ኣሎ።

እዚ ዕግርግር እዚ፡ ክእረም እንተ ደኣ ኮይኑ ድማ፡ ብኹሉ ሰንጣቒታውን ጋድማውን ኣከናውንኡ ተራእዩ፡ ክጣጣእ ወይ ክመዓራረ ኣለዎ። ሓራ ካብ መግቢ ስርዓት ወያነን ጓሰይቶምን፤ ሓራ ካብ ብልሽውና፡ ናይ ዓውለማዊ ሰብኣዊ መሳላት ተሓለቕቲ በሃልቲ፤ ሓራ ካብ ጻዊዒት እገዳ፤ ሓራ ካብ ጻዊዒት ምድርዓም፡ ንሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብደገፍ ናይ ደጋዊ ሓይልታት፤ ሓራ ካብ ነዝሕታት ሓሶት፡ ንጠቐነ ሃገረ ኤርትራ.. ወዘተ ምዃን።

እንተ ዘየሎ፡ ነቲ እምነ ሰረት ህላዌና ዝኾነ፡ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከላሕልሖ ከይ ክእሌ መታን ንምክልኻል፡ ጉሁድን ሰልሕታውን ሜላታት ብምጥቃም፡ ምምካቱ ተጠላቢ ስለ ዝኾነ፡ ዓምዱ መድረኽ ንግዚኡ ትም ኢላ ክትዕዘብ ተመራጺ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር፡ ክልተ ኣገደስቲ ዝዕባታት፡ ክትማልኤን ዝነበራ፡ ብጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ግን፡ ተወንዚፈን ዝጸንሓ፡ እዘን ዝስዕባ ተቐድም።

ስደት ዶስ መገሻ ዕርበት?

.
እዛ ዛዕባ’ዚኣ፡ ኣብ ጠንቅታትን ሳዕቤናትን፡ ናይቲ ቀደም ዝነበረ ስደት፡ ምስ ናይ’ዚ ሎሚ ዝኸይድ ዘሎ ጉዕዞ ፡ ንምምዝዛን ዝሓለነት ነበረት። እቲ ናይ ቀደም ጉዕዞ፡ ከም ኩልና እንፈልጦ መጠን፡ ስደት ንናይ ነብሰይ ኣውጽእኒ ህድማ ዝነበረ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ዘል ጉዕዞ ግና፡ መገሻ ንኣውሮፓ ንስለ ለውጢ ናብራ፡ ከም ምዃኑ ዝምስክር፡ ብናይ ሽሕ ኣሽሓት ዶላራት እናኸፈልካ ዝካየድ፡ ሓደገኛ ንቕሎ መቕዘፍቲ ኮይኑ ዘሎ እዩ፡፡ ነዙ ቁስልታት እዚን፡ ሒዝዎ ዘሎ ምጉልታትን ንምንትዑ፡ ከም ልክዑ ክንቀስ ከም ዘለዎ ሕልና ነይሩ። ብሓጺሩ፤ ስደት ናይ ቀደም ምስ መገሻ ናይ ሎሚ ንምንጽጻር እዩ። ዝኾነ ኮይኑ፡ ካብ ገል ርዝነት ዘለዎም፡ ማእረርቲ ወይ በርበርቲ ጉዳያት: ዝተዘርግሔ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ መጠን፡ ጠንቂ ናይ’ዚ ሓደገኛ መገሻ’ዚ ፡ 99 % ብሰንኪ ካብ ግህሰት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሕቶ፡ ዝምንጩ ምኽንያታት ከም ዘይኮነ ‘ዩ ዘብርህ። ካብዙ ዝያዳ ግን፡ ንሎሚ ትም ጥዑም።

Medrek No.11 by TesfaNews