
ብ ተስፋማርያም ሓጎስ፡
ዝኾነ ፍጡር ሓንቲ ኣደ እያ ዘላቶ ። ኣደ ንውሉዳ ኣብ ማህጸና ተከናኺና ክሳብ ዕለት ትውልዱ ትከናኸኖ ብሰላም ካብ ማህጸና ወጺኡ ኣብ ሑቝፋ ጌራ ብጡባ እናዓንገለት ከተዕብዮ ከኣ ትምነ እሞ ምስ ተወልደ ነቲ ዘጓነፋ ጻዕርን ቃንዛን ኣብ ካልኢት ዘይትመልእ ግዜ ናብ ሰሓቕን ታሕጓስን ቀይራ ኣብ ኣፍ ልባ ሕቝፍ ተብሎ። ኣብ ዓለም ክሳብ ዘላ ከኣ ኩሉ ሓሳባታን ትምኒታን ብዛዕባ ውሉዳ እዩ። ኣብ ግዜ ህጻንነቱ ርስሓቱ ጸሪጋ ፡ ኣጥብያ ክትሰርሕ ኣብ ዝባና ክትጽሂ ኣብ ዝባና ክትዓጽድ ኣብ ዝባና ሓዚላ ተከናኺና ተዕብዮ ዝኾነ ሕማቕ ከየጋጥሞ ቅድሜኻ ይስጥሓኒ እናበለት ኣብ ክንድኡ እናተበጀውት ተዕብዮ። ገጹ ከይረኣየት እንተውዒላ እንታይ ኮን ኮይኑ ይኸውን ክትብል ብሻቕሎት ትጽበ ምጽእ ምስ በለ በቲ ብሩ ገጻ ብታሕጓስ ትቕበሎ። ንሳ ዕድመ ደፊኣ ከላ እሞ ውሉዳ ኣብ ባዕዲ ሃገር እንተልዩ ለይቲ ምስ መዓልቲ ወደይ/ጓለይ ደሓን ደኾን ይህልዉ ? በሊዖም ደኾን ይኾኑ ? ክትብል ለይቲ ምስ መዓልቲ ብእኦም ክትሓስብን ቤት ጸሎት /ቤተ ክርስትያን/መስጊድ ከይዳ ከኣ ንድሕነት ውላዳ ትጽሊ። በዚ እዩ ከኣ ዝኾነ ፍጡር ንኣደ ልዕሊ ዝኾነ ዘፍቅራን ዝፈትዋን ። እዛ ኣደ እዚኣ ንዓኣ ዝትክእ ፍጹም የሎን ። እዚ ባህርያት ናይ ኣደ ኣብቶም እንስሳ ውን ልክዕ ከምኡ እዩ።
ሃገር ውን ልክዕ ከምኡ እያ ። ኣሽሓት ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኽ ምስ እንምልከት ደቂ ሰባት ምስ ሃገሮም ዘለዎም ርክብ ምስ ህይወቶም ዝተኣሳሰረ እዩ ። እታ ሃገሩ መንነቱ እያ ። ምስ ህላዌኡ ዝተኣሳሰረት ፈጺማ ዘይትፍለ እያ ። ብሃገሩ ዝመጾ ብነብሱ መጺእዎ ኣሎ ማለት እዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ክሳብ እታ ትንፋሱ እትሓልፍ ይከላኸለላ። እቲ ምንታይሲ ንሳ እንተ ደኣ ዘይሃልያ ንሱ ውን ክህሉ ከም ዘይክእል ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ እዩ ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣህዛብ ንሃገሮም ክከላኸሉ ወትሩ ኣብ ኵናት ይኣትዉ። ደልየሞ ኣይኮኑን እንታይ ደኣ እንዳማቶም ደለይቲ ስለ ዝመጽእዎም እዮም ።
ስለዚ ሃገር ውን መተካእታ ዘይርከባ ከምታ ወላዲት ኣደ ፡ ንሳ ውን ንዓኻን ነዴኻን ዝወለደትን ዝሓቖፈትን ካብ ፍሬኣ መጊባ እተዕብን ካብ ቍሪ ካብ ህሮርማ ጸሓይ እትከላኸልን ስለ ዝኾነት ከም ነብስኻ ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ነብስኻ ትፈትዋ። ህላወ ሃገር ህላዌና ስለ ዝኾነ ንሃገር ካብ ወረርትን ዓመጽትን ንከላኸለላ ንሞተላ ንሓልፈላ ። ከቢርናን ተሓፊርናን ክንነብር እንተ ደኣ ኮይንና ህላወ ሃገር ቅድሚ ህላዌና ክንሰርዖ ይግባእ ፡ እቲ ምንታይሲ ሃገር እንተ ዘየላ ኣብ ናይ እንዳ መን ሃገር ኢና ክንቅመጥ ? ንሃገር ወዲ ሃገር እዩ ህላዌኣ ዘውሕስ እቲ ምንታይ ናቱ ስለ ዝኮነት ንሱ ውን ነቲ ተካኢ ወለዶ ውሕስቲ ሃገር ናይ ምምሕልላፍ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ።
ነዛ ኤርትራ ትበሃል ቀዳሞት ወለዶታት ብባዕዳውያን ከይትውረር ደሞምን ዓጽሞምን ከስኪሶሙላ እዮም ፡ ክንደይ ተሰይፎም ክንደይ እናረኣይ እናሰምዑ ኣብ ባህሪ ተደርብዮም እዮም ። እቲ ምንታይ መሬት/ሃገር ልዕሊ ህይወት ክብርቲ ስለ ዝኾነት ። እዞም ቀዳሞት ወለድና ሃገር ክብርቲ ምዃናን ክንስየፈላ ከም ዘለናን ሓደራ ኣውሪሶሙና እዮም ሓሊፎም ። ንሕናኸ ። ንሃገርና ክንከላኸለላን ክንስየፈላን ከም ዘለና ፈሊጥና ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊስና ጓል ወዲ ከይፈሌና እኳ ደኣ በይንና ኣንጻር ገዘፍትን ብናይ ዓለም ርእሰ ሓያላን ዝድገፉ ጸላእት ሓሸምሸም ኣቢልና ነጻነትና ዝጨበጥና ፍሉያት ህዝቢ ካብ መላእ ዓለም እኮ ኢና !
ንሕና ዝሰራሕናዮ ቅያ ጅግንነት ማንም ኣይሰርሖን ። ብስዕረቶም ዝጎሃዩን ዘንጸርጸሩን ተጻባእትና ርእሰ ሓያላን ብዝያዳን ብዝሰፍሀን ምድላዋት ጌሮም ኣብ ሓጺር እዋን ነበረያ ነበረ ክገብሩና ተሃንዲዶም መጺኦም ። ንሕና ከኣ ኣብቲ ዕትብትና ዝተቐብረሉ መሬትና ኮይና ሓማቲልና ቀለብ ኣራዊት ምድርን ኣሞራታት ሰማይን ጌርናዮም ። ዳግማይ ከኣ ጅግንነትና ኣርኢናዮም።
ናይ ዘመነ ቃልሲ ንናጽነት ለይለይ ዝብሉ መንእሰያት ነቲ ቅያ ሰሪሖም ሎሚ ንሶም ኣቦታት ሽማግሌታት ኮይኖም እቲ ጅግንነት ነዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣውሪሶም ጥራይ ዘይኮነ ገና ምስቲ መንእሰይ ኮይኖም ሃገር ይከላኸሉን ይሃንጹን ኣለዉ ።
ጸላእትና ሓድሽ ተንኮል ምሂዞም ነቲ ጅግና መንእሰይ ኤርትራ ፡ ናይ ሓሶት ተስፋታትን መብጽዓታትን ብምእታው ኣታሊሎም ሃገሩ ከም ዝገድፍ ጌሮም፡ እቲ ዝኣተዉሉ መብጽዓ ግን ባዶ ጥራይ ደይኮነስ ናብ ገደል ዝሸምም እዩ። በዚ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእስያት ኣብ ዝሓሰብዎ ከይበጽሑ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራን ሲናይን ማእከላይ ባህርን ህይወቶም ብኸንቱ ሓሊፋ ።
እቶም ካብ ሞት ንስክላ ተሪፎም መሬት ኤውሮጵ ዝኣተዉ ውን እንተኾኑ ከሉ ነገር ከምቲ ዝሓሰብዎ ዘይኮነስ ብግልባጡ ኮይኑ ምስ ረኸበብዎ ግደ ብስጭትን ሕርቃንን ኮይኖም ተሪፎም ። ኤውሮጳውያን ንርእሶም ኣብ ቍጠባዊ ጸገም ተሸሚሞም፡ ሽቕለት ኣልቦነት በዚሑ ህዝቦም ተሸጊሩ ከሎ ንሓደስቲ ዝመጹ ስደተኛታት ናብራ ክቐለሎም ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡ ኢልካ ምሕሳብ ምህውታት ጥራይ እዩ። እቶም ተሰዲዶም ዘለዉ ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ትምህርቶም ዛዚሞም ሞያ ኣጥርዮም ዝመጹ ድዮም ኢልካ ምሕታት እቲ ቀንዲ እዩ፡ ድህሪኡ ቀጺሉ ዝስዕብ ሕቶ ኣብ ኤውሮጳ ተማሂሩ ሞያ ዘየጥረየ ስራሕ ንኽረክብ ዘሎ ዕድል ማዕረ ክንደይ እዩ ?
እዞም ከም ስደተኛ ኣዕቊቦሙና ዘለዉ ሃገራት ፡ ሃገሮም መን ተኺላኺሉ ኣጽኒሕሎም ? መንከ ሃኒጽሎምን ኣማዕቢልሎምን ?
ንሳቶም ንሃገሮም ካብ ማንም ወራሪ ደሞምን ኣዕጽምቶምን ከፊሎም እንተ ዘይከላኸሉ ኔሮም ሎሚ ምሃለዉዶ ? ንሳቶም ለይትን ቀትርን ኣስሚሮም ሃገሮም እንተ ዘይሃንጽዋ እዚ በጺሖሞ ዘለዉ ምዕባለ ምበጽሕዎ ዶ ? ማና ኮይኑ ካብ ሰማይ ኣይወረደሎምን ብረሃጾምን ደሞምን እዮም ኣብዚ በጺሖም።
ኤውሮጳውያን ክሳብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንኣማእት ዓመታት ካብ ውግእ ኣዕሪፎም ኣይፈልጡን እዮም፡ ካብ ውግእን ሳዕቤናቱን ሃዲሞም ግን ንኣፍሪቃ ገጾም ኣይተሰዱን። እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ኣብ ኣፍሪቃውያን ወይ ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ንሃገርካ ምክልኻል ፍሉይ ገበን ኮይኑ ?
መንእሰይ ኤርትራ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርናን መሃያ ዘይብሉ ስራሕን ኮይኑኒ ዓደይ ገዲፈ ክስደድ ተገዲደ ክብል ይስማዕ። ኣብ ሓቂ እንተ መጺእና ነዛ ሃገር ደሙ ከፊሉ ዝከላኸለላን ንስኻ መንእሰይ እምበር መን ደኣ ደሊኻ ? ሽማግሌታት ኣቦታትን ኣረገውቲ ኣንስትን ዲኻ ክዋጋኣልካ ትጽበ ኔርካ ?
ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ከም ናይ ባርነት ወፍሪ ጌርካ ተካፍኦ ኣለኻ ! ሃገር ብመንእሰያት ደቃ እምበር ብባዕዳውያን ኣይትህነጽን እያ። ኦ መንእሰይ ክትፈቱ ክትጸልእ ህንጸት ሃገር ኣባኻዩ ፡ ንስኻ ኢኻ ብዓል ሓይሊ ዓንዲ ሕቖ ሕብረተሰብ ።
ኣንታ መንእሰይ ነታ ትማል ብደምካ ተኸላኺልካ ዘውሓስካያ ነጻነት ፡ ኢትዮጵያ ንስዕረተይ ብዓወት ክትክኦ እየ ኢላ ወተሃደራታ ኣብ ዶብ ከዚና ሎሚ ጽባሕ ንኤርትራ ክጎብጣ እየ እናበለት ፡ መንእሰይ ኤርትራ ፤ ኢትዮጵያ መንእሰይ ኤርትራ መንግስትኻ ምሕድራኡ ሕማቕ እዩ ፡ ክሳብ መዓስ ኢኻ ኣብ ዶብ ኣብ ሰራዊት ክትነብር ፡ ክሓልፈልካ ንዓ ንኢትይጵያ እቶ እሞ ንባዕዲ ሃገር ከነሕልፈካ ኢና እንተ በለትካ ትሃድም ! ጽባሕ ኢትዮጵያ ንኤርትራ እንተ ወረረታ ናይ ሕግን ናይ ሕልናን ተሓታቲ ምዃንካ ኣይትፈልጥን ?
ኣብ ድሕሬኻ ኣብታ ሃገር ንበዓል መን ገዲፍካ ከም ዘለኻ ትፈልጥዶ ? ኣቦኻን ኣቦይን ኣዴኻን ኣደይን ፡ ዝሸምገሉ ፡ መዓንጣ ዘይቆጸሩ መንእሰያት ድከላኸለሎም ዘይብሎም ገዲፍካ ኢኻ መጺእካ ዘለኻ ፡ መንእሰይ ! መንእሰይ ዓንዲ ሕቖ ሃገር እኳ ኢኻ ! ንስኻ ትንፋስ ናይ ሃገር ትንፋስ ናይ ሚልዮናት ህዝቢ ኢኻ። ጸላእትኻ ውን ነዚ ኣምር እዚ ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጡ እዮም ካብ ሃገር ኣውጺኦም ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢልካ ዘርሚ ዘርሞ ከም እትኸውን ዝገበሩ ። ስደት ባርነት እምበር ንግደት ኣይኮነን ፡ ስደት ካብ ሃገርካ ሱርካ ተሞንቊሱ ምጥፋእ ማለት እዩ። ናይ ስደት እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአን ዝመረረን ሸነኹ፡ ዘርእኻ ተበታቲኑ እዩ ዝጠፍእ።
ንእንጌራ ልማኖ ክንበልዕ ክንብል መንግስትናን ሃገርናን ከነጸልምን ከነካፍእን ኣይግባእን ። እዚ ጽዩፍ ተግባር እዩ። ኣዴኻን ሃገርካን ሓንቲ እየን። ነዴኻ ፈቲኻ ሃገርካ ክትጸልእ ኣይትኽእልን ኢኻ ። እቶም እንቕመጦም ዘለና ሃገር ውን መንግስትናን ሃገርናን ከነካፍእ ክሰምዑና ከለዉ ዝፈትዉና ከይመስለና ፡ ደይ ክነብሩ ደልዮም እዮም ከም ዝብሉና ኣይንዘንግዕ።
ኦ መንእሰይ ኤርትራ ሃገርና ብዘይ ወዓለቶ ኣብ ልዕሊኣ ክልተ ግዜ እገዳ ተጌሩ፡ ካልእ ቍጠባዊ ማሕንቖ ተጌሩላ ግን ዘይምብርከኽን ዘይጸዓድን መንግስትን ህዝብን ስለ ዘሎና እነሆ ሎሚ ነቲ ብሓያላን ኣብ ሰማይና ተንጠልጢሉ ንጸሓይና ኣደብዚዝዋ ዝነበረ ደበና ጥፍኣት ገሊሁ ጸሓይና መሰስ ከም ትብል ጌርዋ ።
እዛ ሃገር ንዓኻ እያ ! እቶም ንስለ ክብራ በጃ ዝሓለፉ ሕሩያት ደቃ ስግኦም ኣብ ከርሲ መሬት ኤርትራ ትንፋሶም ድማ ኣብ ሰማያት ኤርትራ ኮይኑ ይደሃየካሎ ! እዝንኻ ኣብቲ መሬት ኤርትራ ኣጸግዕ ኣቢልካ ጽን እሞ በል፡ እትሰምዖ ሕድሪ ፡ መንእሰይ ንስኻ መታን ውግእን ወረ ውግእን ከይትርኢ፡ መታን ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ ጓና ሕሰምን መከራን ከይትርኢ ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ ኮሪዕካን ተሓቢንካን ቀሲንካን መታን ክትነብር ኢና በጃ ሓሊፍና እሞ ንዓ እቶ ዛባኻን ኣፍራዛኻን ሒዝካ ኣብ ከርሳ ዘሎ ማዕድን ኣውጻኣዮ መሬታ ኣለምልሞ፡ ሃገር ህነጻ፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ህነጽ ዝብል ለበዋ ኢኻ ክትሰምዕ።
ናብ ሰማያት ኤርትራ ለይቲ ኣንቃዕሪርካ ምስ እትርኢ ውን እቶም ብልጭ ብልጭ ዝብሉ ከዋኽብቲ ከዋኽብቲ ሰማይ ንሶም እዮም እቶም ሞባእ ናይ ናጽነት ፡ ኪድ ተንቀሳቐስ ከይትዕንቀፍ ብርሃን ክህቡኻ እዮም መንገዲ ከይትጋገ ክሕብሩኻ እዮም ። ኣብዛ ዘለናያ ዓለም ንዘለኣለም ዝነብር ፍጡር የለን፡ ምንባርና ሓጺር እዩ፡ ስጋና ትሕቲ መሬት ምስ ኣተወ ሓመድ እዩ ብድሕሬና ዝተርፍ እንተስ ብጽቡቕ እንተስ ብሕማቕ እናተዘከረ ዝነብር ስምና እዩ። ስለዚ ንሃገርና ሰሪሕና ኣብ ሃገርና ክንነብርን ኣብኣ ሞይትና ኣብኣ ክንቅበርን ዘርእና ድማ ኣብ ሃገርና ክኸውን እቲ ዝዓበየ ቅዱስ ተግባር እዩ ። ኩልና ንስራሕ ንሃገርና ንበል ንሃገርና ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!