
ብ ኤርምያስ ገብረልዑል፡
ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ‘ግራንድ ቱራት’ ዝኾነ ቮልታ እስጳኛ፡ ሎሚ ካብ ፖርት ባኑስ ናብ ማርበላ ብዝበጽሕ ናይ 7.4 ኪሎሜተር ውድድር ክፍልም እዩ፣ ኣብዚ 21 መድረኻት ዝሽፍን ውድድር፡ ቀጻልነት ሱታፌ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተረጋጊጹ ኣሎ – ብመገዲ ተቐዳዳማይ ኤምቲኤን ኵቤካ ናትናኤል ብርሃነ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ክለብ ዩሮፕ ካር ኮይኑ ናይ ቮልታ ዕዮኡ ብግቡእ ዝፈጸመ ናትናኤል፡ ሎሚ፡ ነታ ብባንዴራ ሃገሩ ዝወቀበት ፍልይቲ ማልያ ክለቡ ወድዩ ምስ ኤምቲኤን ክሳተፍ እዩ። ኣብ ዝገደመ ውድድር ብሽክለታ ዓለም – ቱር ደ ፍራንስ፡ ብመገዲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኩሚንግስ …ወዘተ ስማ ዝኾልዐት ኤምቲኤን፡ ኣብዚ ናይ እስጳኛ ውድድር ንናትናኤል ብርሃነ መራሒ ጋንታ ገይራ መዚዛቶ ኣላ።
እቲ ተዓዋቲ ዙር ቱርኪን ኣሚሳ ቦንጎን ዝኾነ ሻምፕዮን ኤርትራ 2015፡ ኣብዚ 3300 ኪሎሜተር ዝሽፍን ፈታኒ ውድድር፡ ንደቂ ጋንታኡ ስቲቭ ኩሚንግስ (ዓባይ ብሪጣንያ)፡ ሶንጎዞ ጂም (ደ.ኣፍሪቃ)፡ ሉዊስ መንተዝ (ደ. ኣፍሪቃ)፡ የሱፍ ረጕጕ (ኣልጀርያ)፡ ክርስትያን ስባርግሊ (ኢጣልያ)፡ ጀይ ቶምሰን (ደ. ኣፍሪቃ)፡ ዮሃን ቫን ዚል (ደ.ኣፍሪቃ) ከምኡ እውን ጃኮ ቨንተር (ደ.ኣፍሪቃ) ክኣሊ እዩ።
ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፡ ብዛዕባ መደብ ጸወታኣ ኣፈናዊ መግለጺ ዝሃበት ክለብ ኤምቲኤን፡ ናትናኤል፡ ኣብ ውድድራት ኦስትርያን ዩታን ብዘርኣዮ ዝነኣድ ብቕዓት ነቲ ናይ ምምራሕ መዝነት ከምዝሃበቶ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ምስ ሉዊስ መንተዝ ብምዃን ኣብ ዓቐብ ነታ ጋንታ ድርዒ ክኸውን እውን ተወሳኺ ሓላፍነት ከምዝሃበቶ ኣፍሊጣ ኣላ፣ በዚ ድማ፡ ‘እቲ ነካስ’ ዝኾነ ተቐዳዳማይ፡ ኣብዚ ካብ ውድድር ቱር ደ ፍራንስ ዝተርር ዓቐብ ዝተሰርዓሉ ውድድር፡ ኣንጸባራቒ ብቕዓትን ውጽኢትን ከመዝግብ ብክለቡ ዓቢ እምንቶ ተነቢሩሉ ኣሎ።
ናትናኤል ንመርበብ ሓበሬታ ክለቡ ከምዝሓበሮ፡
“ዳግማይ ኣብ ቮልታ እስጳኛ ይወዳደር ብምህላወይ ኣዝየ ሕጉስ እየ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተሳተፍኩሉ ውድድር ቮልታ እስጳኛ ብቕዓተይ ኣሰካፊ ነበረ፣ ሎሚ ግን ብኣንጻሩ እዩ – ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከብ፣ ብብቕዓት ጥራይ ዘይኮነስ ብስነልቦና እውን ነዚ ውድድር እኹል ምድላዋት ብምግባር ይኣቱ ኣለኹ” ክብል ተዛሪቡ።
ዝሓለፈ ዓመት ንውድድር ክሮኖ ሜተር፡ ሎሚ ዓመት ድማ ንናይ ጽርግያ ውድድራት ብምስናፍ ሻምፕዮን ሃገሩ ዝኾነ ናትናኤል፡ ብቕድሚ ትማሊ ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ሓጺር ናይ ተለፎን ዝርርብ፡ ንኻልኣይ ግዚኡ ኣብ ውድድር ቮልታ እስጳኛ ይሳተፍ ብምህላዉ እቲ ከባቢ ከምዘየጋይሾን ኣቐዲሙ ንዝሕንጸጽ መደብ መጥቃዕታት ድማ ኣብ ኣእምሮኡ ኣሰላሲሉ ክጸንሕ ከምዝሕግዞን ኣረዲኡ።
ክልተ ግዜ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነ ናትናኤል፡ ኣብ 2013 እዩ ናይ ፕሮፈሽናል ቅድድም ብሽክለታ ጉዕዞኡ ኣሃዱ ኢሉ። እቲ 182 ሰንቲ ሜተር ዝቑመቱን 66 ኪሎ ግራም ዝምዘንን ተቐዳዳማይ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ማእከል መሰልጠኒ ቅድድም ብሽክለታ – ዩ.ሲ.ኣይ ስልጠና ምውሳዱ ኣይርሳዕን። ንሱ፡ ኣብ ውድድር ኤውሮጳዊ መድረኻት ካብ ዝተኻየዱ ውድድራት፡ ‘ንግስቲ’ ተባሂላ ኣብ ዝፍለጥ መድረኽን ብሓፈሻ ድማ ብድምር ግዜ ዙር ቱርኪ ብምዕዋቱን ልዕሊ ማንም ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ፡ ኣብቲ ታሪኽ ቀዳማይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ሎሚ ዓመት፡ ክለብ ኤምቲኤን ንሓሙሽተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሒዛ ቀሪባ ኣላ፣ ብተወሳኺ እውን ምስ ናትናኤል ንውድድር ቱር ደ ፍራንስ ተጠባባቒ ዝነበረ ኣልጀርያዊ የሱፍ ረጕጕ ኣብዚ ውድድር’ዚ ምስታፉ ንቑጽሪ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብዚ ውድድር እዚ ኣበሪኹ ኣሎ፣ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ካብ ክለብ ላምፕረን፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረል ኢምፐይ ካብ ክለብ ግሪን ኤጅን ምስታፎም ንብዝሒ ኣፍሪቃውያን ናብ ትሸዓተ ኣብጺሑ ኣሎ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቮልታ እስጳኛ ምስታፎም ኣይርሳዕን፣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቁዱስን ካብ ክለብ ኤምቲኤን፥ ናትናኤል ድማ ምስ ዩሮፕ ካር፣ ቀዳማይ ኤርትራዊ ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈ ግና ዳንኤል ተኽለሃይማኖት እዩ፣ እቲ ተቐዳዳማይ ክለብ ኦሪካ ግሪን ኤጅ ዝነበረ ተቐዳዳማይ፡ ነቲ ናይ ፈላሚ ጸወታኡ ክዛዝም ብምኽኣሉ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ላህመት ጸብለል የብሎ።
ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር፡ ኣብ ዝሓለፈ 16 ዓመታት ካብ ዝተሰርዑ ጸወታታት እቲ ዝሓየለን ዝነውሐን ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ተሰሪዑ ዘሎ ዓቐብ ንተቐዳደምቲ ወላእላእ ከምኡ እውን ድሕሪ ቀዳማይ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ዝተሰርዐት መበል 11 መድረኽ ተቐዳደምቲ ልዕሊ ካልእ እዋን ከምዝፍተኑ ይግለጽ።
ኣብዚ መድረኽ እዚ ዝተሰርዐ ናይ ኣስታት 5 ኪሎሜተር ዝኸውን ጠላዕ ዓቐብ፡ ንብዙሓት ድቃስ ከሊኡ ካብ ዘሎ ናይ መወዳደሪ ቦታ እዩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ውድድር ክሮኖ ሜተር እውን ተቐዳደምቲ ኣብ መዛዘሚ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ማርበላ ዝጸንሖም ጽርግያ እውን ክፍትኖም ትጽቢት ኣሎ፣ እቲ ቦታ ሑጻ ከምዘለዎ ትማሊ መርበብ ሓበሬታ ሳይክሊንኒውስ ንመረረ ሓደ ሓደ ክለባት ኣሰኒያ ኣቃሊሓ’ላ፣ ክለብ ስካይ፡ ኣብዚ ውድድር እዚ፡ ተቐዳደምታ ኣብ ዝኾነ ቦታ ንኮኾብ ተቐዳዳማይ ክሪስ ፍሩም ክሕግዙ ተላብያ ምህላዋ እቲ ምንጪ ወሲኹ የረድእ።
ሻምፕዮን ቮልታ እስጳኛ ኣልቤርቶ ኮንታዶር፡ ሎሚ ኣብዚ ውድድር’ዚ ዘይምህላዉ ንገለ ተቐዳደምቲ ልዋም ድቃስ ከስተማቕሩ ከኽእሎም ምዃኑ ይእመን። እዚ ልዑል ናይ ምሕዃር ብቕዓት ዘለዎ ተቐዳዳማይ፡ ኣብ ጅሮ ዲ ኢጣልያ ድሕሪ ምህላኹ፡ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ከንጸባርቕ ኣይከኣለን። በዚ ድማ እታ ዘይትጸዓድ ክለቡ – ቲንኮፍ ሳክሶ ንፒተር ሳጋንን ራፋ ማጅካን ብሓባር መራሕቲ ናይቲ ውድድር ክኾኑ መዚዛቶም ኣላ።
እዚ ውድድር’ዚ፡ ዋላ’ኳ ብኩራት ኮንታዶር ይመዝገቦ፡ ክሪስ ፍሩም – ስካይ፡ ናይሮ ኵንታና – ሙቪ ስታር፡ ቪንቸንሶ ኒባሊ – ኣስታና ብምህላዎን ነቲ ናይ ቱር ደ ፍራንስ ቅልሶም ኣብዚ ውድድር እውን ክደግሙን ከረጋግጹን ዘካይድዎ ሃልኪ ንኣፍ ማይ ዘምዑግ እዩ፣ ብተወሳኺ፡ ኣለዣንድሮ ቫልቬርደ ካብ ክለብ ሙቪ-ስታር፡ ፋብዮ ኣሩ – ኣስታና፡ ጃኪም ሮድሪገዝ – ካቱሻ ከምኡ እውን ማይክ ላንዳ -ኣስታና እቶም ድንቂ ብቕዓትን ውጽኢትን ከርእዩ ግምት ተዋሂብዎም ካብ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ይስርዑ። ከም ሳሙኤል ሳንቸዝ፡ ናስር ቦውሃኒ፡ ሲልቫን ቻቫነልን ፋብያን ካንቸላራን ዝኣመሰሉ እውን ቀለልቲ ኮይኖም ከምዘይቀርቡ ፍሉጥ እዩ።
ኣብ 1935 ዝጀመረ ቮልታ እስጳኛ ብግድምናኡ ድሕሪ ውድድር ቱር ደ ፍራንስን ጅሮ ዲ ኢጣልያን ከምዝስራዕ ይግለጽ። ፍሉይነት ቮልታ ካብ ቱር ደ ፍራንስን ጅሮ ደ ኢጣልያን ዕዉት ውድድር፡ ቀይሕ ማልያ ዝለብስ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ብግዜ ዝመርሕ ተቐዳዳማይ ሮዛ ማልያ ክለብስ እንከሎ ከሎ፡ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ድማ ብጫ ማልያ ከምዝወዲ ይፍለጥ።
ሎሚ ዓመት መበል 70 ዓመቱ ኣቁጺሩ ዝርከብ ቮልታ እስጳኛ፡ ጽባሕ 158.7 ኪሎሜተር ብዝሽፍን ካልኣይ መድረኽ ክቕጽል እዩ፣ ኣብዚ ውድድር’ዚ 22 ክለባት ብ198 ተቐዳደምቲ ክውከላ እየን።
The Eritrean flag has arrived at @lavuelta… 😊 pic.twitter.com/ambfjwpQM7
— Q36.5 Pro Cycling Team (@Q36_5ProCycling) August 21, 2015