“ምቕያር ወረቓቕቲ ኣረጊት ባጤራ፡ ውሕስነት ዘለዎ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ንምትእትታው’ዩ” ኣመሓዳሪ ባንክ ኤርትራ

News ትግርኛ
nakfa-currency-change
ምቕያር ወረቓቕቲ ኣረጊት ባጤራ፡ ውሕስነት ዘለዎ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ፡ ማለት ከም ብቸክ ምንቅስቓስ ገንዘብ ዝኣመሰለ ንምትእትታውን ንምሕያልን’ዩ

ዮናስ ኣብርሃም | ሓዳስ ኤርትራ

ንክ ኤርትራ ኣብ ዑደት ንዝርከብ ኣረጊት ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ንምቕያር ዘኽእል ሕጋዊ ምልክታ ቁ. 124/2015 ብረቡዕ 4 ሕዳር 2015 ምውጽኡ ይፍለጥ። ብዛዕባ’ዚ ዋና ኣመሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ኣቶ ክብረኣብ ወልደማርያም ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ዝሃቦ መብርሂ እንሆ፦

ንዝጸንሐ ባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ንምትካእ ዝወጸ ሕጋዊ ምልክታ ኣሎ። ስለምንታይ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ስጉምቲ ክውሰድ ተደልዩ?

ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ዓለም ዋላ’ውን ኣብ’ተን ሳልሳይ ዓለም ዝበሃላ ሃገራት ብጥረ ገንዘብ ዝግበር ትራንዛክሽን ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ኩሉ ብመሳርሒታት ባንክ ከም ቸክ ድራፍት ካርድ ዝኣመሰሉ ኣገባባት’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ከኣ ብቐንዱ ነቲ ገንዘብ ከተሕትም ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ካብ ምውጻእ የድሕን፡ ካልኣይ ዝኾነ ይኹን ኣብ ሞንጎ ዓዳግን ገዛእን ዘሎ ፈቒድካ ምቕባልን ምሃብን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ብቸክን ካልእን ጥራይ ክኸውን፡ ሳልሳይ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ገንዘብ ተሰኪምካ ክትከይድ ከሎኻ ፡ ዝተፈላለየ ጸገማት ከጋጥመካ ይኽእል’ዩ። ናይ ምጥፋእ ምዝማት ኣጋጣሚታት’ውን ክህሉ ይኽእል። እንተድኣ ብቸክን ዝኣመሰሉን መሳርሒታት ባንክ ኮይኑ ግና፡ እቲ ዝበለጸን ውሕስነት ዘለዎን ኣገባብ’ዩ ዝኸውን። እዚ’ውን መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ወርሒ 4 ዝገበርናዮ ምትእትታው ናይ ቸክ ኢልና ኣቕሪብናዮ ዝነበርና እምበር ሕጂ ሓድሸ ዘምጻእናዮ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ነዚታት ኣብ ግምት ብምታው፡ ናብ’ቲ ዝማዕበለ መድረኽ ገጽና ንኸይድ ስለ ዘለና፡ ዝማዕበለ መሳርሒታት ክንጥቀም ናይ ግድን’ዩ። ነዚ ብቸክ ምንቅስቓስ ዝያዳ ከነሐይሎን፡ ኣብ’ቲ ጥርዙ ከነብጽሖን ስለ ዝተደልየ ድማእቲ ኣብ ዑደት ዘሎ ገንዘብ ስሒብካ ብሓድሽ ገንዘብ ተኪእካ ብመሳርሒታት ባንክ ጥራይ ከም ዝኸውን ምግባር ዝዓለመ’ዩ። ብሓጺሩ ምቕያር ወረቓቕቲ ኣረጊት ባጤራ፡ ውሕስነት ዘለዎ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ንምትእትታው’ዩ።

መስርሕ ምቕያር ባጤራ ኣብ ውሽጢ 6 ሰሙን ብመገዲ ንግዳዊ ባንክታት ከም ዝሳለጥ ኣብ’ቲ ሕጋዊ ምልክታ ተጠቒሱ’ሎ። ብደረጃ ሃገር እንተሓሲብና ፡ ባንካዊ ኣገልግሎት ዘይብሉ ከባቢታት ፡ ርሑቕ ገጠራት እዚ መስርሕ’ዚ ብኸመይ ክሳለጥ ተሓሲቡ’ሎ? እዚ ኣገባብ’ዚ ምስ’ቲ ኣብ ሕዳር 1997 ናቕፋ ዝተኣታተወሉ ግዜ ዝነበረ መስርሕ ብገደብ ግዜን ኣገባብን ክወዳደር ከሎ ከመይ ይነጻጸር?

ኣብ 1997 ኣብ ፈቐዶ ከባቢታት ህዝቢ ዝቕመጠሉ ዘበለ ዋላ’ውን ኣብ’ቲ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ፡ ክሳብ 88 ዝኾኑ ነቑጣታት ኣዳሊና ኣብ ቴንዳታት መስርሕ ምቕያር ገንዘብ ኣካይድና። ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ካብኡ ብዘይፍለ ኣገባብ ኢና ንዝገብሮ ዘሎና። ብዝሒ ጨናፍር ባንክታትና’ 88 ዝበጽሓ ኣይኮናን። ግና ኣብ’ዚ ስራሕ’ዚ እነሳትፎም ዘሎና ኣካላት መንግስቲ ልዕሊ 88 ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ መስርሕ ካብ’ቲ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ዝያዳ ዝሓሸ እዩ ክኸውን። ንኣብነት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ትካላት ጸጥታን እንተርኢና ብምሉኡ ኣብ ኣሃዱታቶም እቲ ገንዘብ በቶም ዝምልከቶም ኣካልት ፋይናንስ ተኣኪቡ ኣብ ቀረባኦም ኣብ ዝርከብ ባንክ ከኣ ይቕየር። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ባንክታት ከይዶም ሪጋ ዝሕዙሉ ምኽንያት የለን። ብተወሳኺ ዞባዊ ምምሕዳራት’ውን ናብ ዓድታት ከይደን በብከባቢአን ተወዲበን ነቲ መስርሕ ክትግብራ’የ። ንዕኡ ዝኸውን ቅጥዒ ኣዳሊና ኣሎና። በብከባቢአን በብዓዱ ከይደን ነቲ ገንዘብ ካብ ህዝቢ ከም ዝእከብ ይገብራ። ነቲ ዝኣከባኦ ገንዘብ ከኣ ኣብ ዝቐረበን ባንክታት ይቕይራ። ብዘይካ’ዚ ኩለን ኣካላት ኣካላት መንግስቲን ሚኒስትሪታትን ኣረጊት ባጤራ ኣባላተን ክቕይራ ዕድል ሂብናየን ኣለና። እቲ ናይ ግዜ ጸገም ከይፍጠር ዝበሃል ስክፍታታት ኣይክህሉን’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ተገይሩ ዘሎ ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝሓሸን ዝያዳ ኣሳልጦ ዝህብን ብዙሕ ጽቕጥቅጥን ሪጋን ዘይፈጥር ንዝኾነ ይኹን ሰራሕተኛ ከኣ ካብ ስራሕ ከይቦኾረ ዘሳልጥ ብምዃኑ እቲ ጸገም ኣይክህሉን’ዩ።

ምኽፋት ሕሳብ ባንክ ኮነ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል እኹል ምድላዋት ተገይሩ ኣሎ ድዩ?

እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ እንሓስቦ ብዙሕ እዋን ሓሊፉ’ሎ። እዘን ክልተ ዓበይቲ ባንክታትና ፡ ባንክ ኣባይቲን ንግዲን፡ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራን፡ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ዘለዋ ይኹና ኣብ ኩሉ ዞባታት ዘለዋ ጨናፍር፡ ንኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ዘድልየን መሳርሒታት ቸካት ድዩ ቅብሊታት ብሓጺሩ ንምቕባል ገንዘብ ዝሕግዙ ዘበሉ ኣቐዲመን ዘድሊ ምድላዋት ክገብራ ከም ዘለወን ስለ ዝተሓበረን ፡ብሎጂስቲክ ወይ መሳርሒታት ዝኾነ ይኹን ጸገማት ከጋጥመና’ዩ ኢልና ኣይንሓስብን ኢና። ምኽንያቱ ከሎ ገና ሓሲብናሉን ተዳሊናሉን ስለ ዝኾንና።

ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ሽዱሽተ ሰሙን ባጤራ ናይ ምቕያር መስርሕ፡ ክንደይ ገንዘብ’ዩ ክቕይር ዝኽእል? ክንደይ ግዜኸ’ዩ ክቕይር ዝኽእል? እቲ ዝሓዞ ገንዘብ ልዕሊ’ቲ ዝተወሰነ እንተኾይኑ’ኸ?

ኣብ’ቲ ሕጋዊ ምልክታ ወጺኡ ከም ዘሎ እቲ መስርሕ ምቕያር 6 ሳምንታት’ዩ። ኣብ’ተን ክልተ ቀዳሞት 6 ሳምንታት ፡ ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ዝኾነ ይኹን መጠን ገንዘብ ኣብ ባንክ ከቐምጥ ይኽእል’ዩ ዝብል። ሕሳብ እንተለዎ ኣብ ሕሳቡ ፡ ሕሳብ እንተዘይብሉ ሓድሽ ሕሳብ ክኸፍት ከምዘለዎ’ዩ። እዘን ኣብ ውሽጢ ከተማታት ዘለዋ ባንክታት ንነጋዶ ጥራይ’የን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ነጋዳይ’ዚ ዘለዎ ገንዘብ ኣብ ዝደለዮ እዋን ከቐምጥ ወይ ከውጽእ ጸገም የብሉን። እዚ እንተዘይኣኺሉ’ውን ኣብ ዞቦታት ዝርከባ ጨናፍር ባንክታት ክሳብ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ክቕበላ ኣብ ሕሳብ ከእትዋ ረሲት ከምዝህባ ተገይሩ’ሎ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ምስ ዝኸውን ኣብ ማእከላይ ቦታ ኣብ ኣስመራ ናብ ዝርከባ ባንክታት ክመጽእ ከም ዘለዎ ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ባንክታት ከኣ ነቲ ገንዘብ ተቐቢለን ቆጺረን ረሲት ሂበን ኣብ’ቲ ዝድለ ሕሳብ ከእትዋ’የን። ልዕሊ 5 ሚልዮን ምስ ዝኸውን ግና፡ ዋላ እዚ ማእከላይ ቦታ’ውን ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ገንዘብ ቆጺሩ ኣይክቕበልን’ዩ። እቲ ዋና ባዕሉ ነቲ ገንዘብ ብሉኬቶ ዓጽዩ ወይ ዓሺጉ ነቲ ገንዘብ ኣብ’ቲ ማእከላይ ቦታ ናብ ዝርከብ ባንክታት ገዲፉዎ ይኸይድ። ካልእ እዋን መስርሕ ምቕያር ምስ ተዛዘመ፡ በብእዋኑ በብኣድራሻኦም እናጸውዑ ገንዘብ እናቖጸሩ ናብ ባንክ ከም ዘረክቡ ክግበር’ዩ። ኣብ’ዘን ሕጂ 6 ሰሙን ንብለን ዘሎና ንውሑዳት ገንዘብ ንምቑጻር ጥራይ ኢና ንጥቀመሉ ዘሎና።እቲ ገንዘብ ናብ’ዚ ማእከላይ ኣብ ዝርከባ ባንክታት ምስ መጸ’ውን ንገዛእ ርእሱ፡ ክሳብ ዝተወሰነ ገንዘብ እንተዘይኮይኑ፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ምስ ዝኸውን፡ ንግዜ ዝግደፍ’ዩ። ማለት ነቲ ተገልጋሊን ባንኪን ኣብ ዝጥዕም ኣኪብካ እቲ ገንዘብ ክቑጸር’ዩ። ብሰንኪ ሕጽረት ግዜ ከይተቐየረ ዝሓልፍ ገንዘብ ኣይክህሉን’ዩ።

ሕሳብ ባንክ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል፡ ካብ ሕሳቡ ከውጽኦ ዝፍቀደሉ መጠን ሓድሽ ናቕፋ ክንደይ’ዩ? ልዕሊ’ቲ ዝፍቀድ ከውጽእ እንተደለየኸ?

ዝኾነ ይኹን ሕሳብ ዘለዎ ሰብ ፡ ነጋዳይ ድዩ ውልቀ ሰብ፡ ካብ ሕሳቡ ክሳብ 20 ሽሕ ሓድሽ ናቕፋ ከውጽእ ይፍቀደሉ። ምኽንያቱ ብቸክ ክኸውን’ዩ ኢና ንብል ዘሎና። ከም’ዚ እንተኾይኑ ከኣ ካሽ ዘድልየሉ ምኽንያት የለን። ንዝኾነ ይኹን ነገራት ብቸክ ክጸሓፍ ዘይድለ፡ ንኣብነት ንሽጉርቲ ኮመደረ ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ክትጥቀመሎም ካብ ሕሳብካ ክሳብ 20 ሽሕ ከተውጽእ ትኽእል። ልዕሊ እንተኾይኑ ግና ብቸክ ክኸውን’ዩ ዘለዎ። ብሓጺሩ እቲ ዝለዓለ ካብ ሕሳቡ ከውጽኦ ዝኽእል 20 ሽሕ ጥራይ’ዩ። ወይ ድማ ክሳብ 20 ሽሕ ጥራይ’ዩ ናብ’ቲ ሓድሽ ባጤራ ቀይሩ ብካሽ ክወስድ ዝኽእል።

እዞም ወጻእተኛታት ውልቀ ሰባትን ትካላትን ዝጸንሐ ናቕፋ ብሓድሽ ንክትክኡ ከማልኡዎ ዘለዎም ረቛሒታት ኣሎ’ዶ?

ወጻእተኛታት ምንጮም ናይ ወጻኢ ባጢራ’ዩ። ከም’ዚ እንተድኣ ኮይኑ ከኣ እዚ ኣብ ኢዶም ወይ ሕሳቦም ዝርከብ ናቕፋ ኣብ ባንክታት ቀይሮም ዝረኸቡዎ ክኸውን ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝቐየሩዎ እንተድኣ ኮይኑ ሕጋዊ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ኣብ ሕሳቦም ዝጸንሐ ዘዛርብ ስለ ዘይኮነ ክቕየር’ዩ። ኣብ ጅባኦም ዝጸንሐ ግና ፡ ብርግጽ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሂቦም ካብ ባንክ ከም ዝቐየሩዎ መረጋገጺ ቅብሊት ወይ ናይ ትራንዛክሽን ሰነድ ከርእዩ ክኽእሉ ኣለዎም። ድሕሪ’ዚ እዚ ገንዘብ’ዚ ሕጋዊነቱ ምስ ተረጋገጸ ነቲ ሒዙዎ ዝመጸ ኣረጊት ናቕፋ ብሓድሽ ክቕየረሉ ይኽእል።

ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ናቕፋ ዝሓዙ ዜጋታት ነዚ መስርሕ ምቕያር ኣረጊት ባጤራ ብኸመይ’ዮም ከሳልጡዎ?

ኣብ ደገ ብናቕፋ ትገብሮ ትውጊታት የለን። ናቕፋ ኣብ ኤርትራ ጥራይ’ዩ ዝሰርሕ። ካብ ኤርትራ ክወጽእ የብሉን። እዚ ስለ ዝኾነ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ኣብ ደገ ሒዝናዮ ከይድና ዝብሉዎ ዘለዉ ንምንታይ ዕላማ’ዩ? ንሳቶም ስለ ዝተጋገዩ ግና ነቲ መንግስቲ ወይ ከኣ ነቲ ባንክ ኣብ ጸገም ከእትዉዎ ኣይኮኑን። ብዘይካ’ዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብኣጋጣሚ ኣብ ጁባኦም ረሲዖሞ ክኸዱ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ግና ኣዝዩ ሒደት ገንዘብ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ብተወሳኺ እዚ ናይ ምቕያር ግዜ ንብሎ ዘሎና፡ ክሳብ 6 ሰሙን ስለ ዝኾነ፡ እዚ ሕጂ ንገብሮ ዘሎና ብዌብ ሳይት ይኹን ጋዜጣ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ይበጽሕ ስለ ዘሎ፡ ካብ’ዛ ዝሰምዑላ እዋን ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሃገር ወይ ኣብ ስዉር ቦታ ኣቐሚጦሞ ዘለዉ ወይ ሒዞሞ ዝኸዱ ብርክት ዝበለ ገንዘብ እንተሎ ኮይኑ ፡ እቲ ግዜ’ውን ስለ ዘሎ፡ እታ ሓንቲ ኣማራጺ ዘላቶም ቅድሚ መስርሕ ምቕያር ምዝዛሙ፡ ናብ ሃገር መጺኦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዎም ወይ ኣብኡ ሒዞሞ ዝነበሩ ገንዘብ ክቕይሩዎ ጥራይ’ዩ ዘለዎም። ካልእ ኣማራጺ የብሎምን።

ኣብ 6 ሰሙን መስርሕ ምቕያር ባጢራ፡ ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሳምንቲን ዳሕረዎት 4 ሳምንቲን ክፍጸም ዝግብኦ ኣገባባት ኣብ’ቲ ሕጋዊ ምልክታ ሰፊሩ’ሎ። ብዛዕባ’ዚ መብርሂ እንተትህበና?

ኣብ’ተን ቀዳሞት ክልተ ሳምንታት፡ እዞም ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዘለዎም ፡ እቲ ግዜ ሓጺር መሲሉዎም ክጭነቑ የብሎምን። እቲ ግዜ ተዋሂቡ ዘሎ እኹል’ዩ። ዋላ’ውን መዓልታዊ ናይ ሓደ ሰብ ክሳብ ክልተ ሰለስተ ሚእቲ ሚልዮን ክህሉ ይኽእል ይኸውን። እዚ ከኣ ግድን ኣብ’ዘን ክልተ ቅነ ተቘጺረን ክውድኣ ዘይኮነ ኣብ ሳናዱቕ ዓሺጎም ኣብ ባንክታት ገዲፎሞ ይኽእሉ’ዮም። ንስሙ ኢና ወርሒን ክልተ ሰሙንን ንብል ዘሎና’ምበር፡ እቲ ግዜ ልዕሊኡ’ዩ። ምኽንያቱ እዞም ሰባት እዚኣቶም ድሕሪኡ መጺኦም፡ ክልተ ሰለስተ ኣርባዕተ ሚእቲ ሚልዮን ኣሎና ክብሉ ይኽእሉ’ዮም ። ነዚ ንምቑጻር ጥራይ ልዕሊ ወርሒ ክወስድ ይኽእል’ዩ። ዝኾነ በዓል ገንዘብ ኣብ እዋኑ እንተድኣ መጺኡ ፡ ቅርሺ’ውን ትኹን ክትጠፍእ ከምዘይኮነት ክፍለጥ ኣለዎ።

ብዛዕባ ናይ ሓጺን ገንዘብከ?

ናይ ሓጺን ገንዘብ ንግዜኡ ከም ዘለዎ ክቕጽልዩ።