
ካብ ሓዳስ ኤርትራ፡
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016፡ ትማልን ብቕድሚ ትማልን (23ን 22ን ጥሪ 2016)፡ ብቴለቪዥንን ሬድዮን ብቐጥታ ዝተፈነወ፡ ኣብ ኩለንተናዊ ምዕባለታት ሃገርናን፡ ንኩነታት ሃገርና ኣብ ዝጸልዉ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታትን ተርእዮታትን ዘተኮረ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ሰፊሕ ቃለ – መሕትት ኣካይዱ ኣሎ። ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ – መሕትት ካብ ሎሚ ጀሚርና ብተኸታታሊ ከነቕርቦ ኢና። ቀዳማይ ክፋሉ እንሆ፦
ክቡር ፕረዚደንት ሕቶና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዝተተግበረ ምቕያር ወረቐታዊ ባጤራ ‘ናቕፋ’ ክንጅምር። እዚ ስጒምቲ’ዚ ብመንጽር ቊጠባዊ ዕብየት ክረአ እንከሎ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል? ንምቕያር ባጤራ ዘሰንዩ ብፋይናንስያዊ ትካላትና ክነጸሩ ዝግብኦም ስጉምቲታትን ፖሊሲታትንከ ከመይ ይመስሉ?
መጀመርያ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ፡ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት እብል።
ናይ ባጤራ ሕቶ ምእንቲ ወረቐት ምቕያር ዝመጸ ኣይኰነን። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ቅርጻዊ ቊጠባዊ ምትዕርራይ ንምምጽእ ዝዓለመ’ዩ። ኣብዚ፡ እንታይ’ዩ ቅርጻዊ ቊጠባዊ ምትዕርራይ? እንታይ ስለዝተመዛበለ እዩኸ ምትዕርራይ ዝድለ ዘሎ? እንታይ ከተዕሪ እትደሊ? ከመይ ገይርካኸ ተዐርዮ? ብኣየናይ ኣገባብ ኢኻ ተዐርዮ? ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ክለዓሉ ይኽእሉ’ዮም። ነዚ ምትዕርራይ’ዚ ክሕግዙ ካብ ዝኽእሉ መሳርሒታት (Tools) ሓደ ባጤራ’ዩ። ኩሉ’ቲ ቊጠባዊ ምትዕርራይ ዘድልዮ ጉዳያት፡ ባጤራ ብምቕያር ጥራይ ይዕረ’ዩ ማለት ዘይኰነ ግን፡ ንሱ ከም መእተዊ ወይ መቕድም፡ ሓደ ካብቶም መሳርሒታት ኰይኑ፡ ብዙሓት ዝተመዛበሉ ቊጠባዊ ጉዳያት ከተማዓራርየሉ ትኽእል።
ስለዚ፡ ምትእትታው ናይ ሓዲሽ ባጤራ፡ ንቊጠባዊ ቅርጻዊ ምትዕርራይ መእተዊ’ዩ ማለት’ዩ። እቲ ምትዕርራይ ካብ ነዊሕ ግዜ ክሕሰብሉ ዝጸንሐ’ዩ። ከተተዓራርዮም እንተደኣ ኰይንካ ግን፡ ዘለዉ ምምዝባላት፡ ክብሪ ናይ መጠነ ሸርፊ፡ ዝቕባበ፡ ፊስካላዊ ዘይምውዳንን ዝተፈላለዩ ካልኦት ኣብ መነባብሮ ናይ ህዝቢ ዝረኣዩ ቊጠባዊ ጸገማትን ሓደ ብሓደ ዘርዚርካ ክትርእዮም ክትክእል ኣለካ። እዚኣቶም ንነዊሕ ግዜ ክውህለሉ ዝጸንሑ ቁጠባዊ ጸገማት’ዮም። ብኸመይ መገዲ ኢኻ ተተዓራርዮም? ጠንቆም እንታይ’ዩ? ንዝብል ብዙሓት ጠንቅታት ክህልውዎም ይኽእሉ’ዮም። ፈውሲ ክትረኽበሎም ቅድሚ ምፍታንካ፡ ጠንቆም ክትምርምን ክትፈልጥን ኣለካ። ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ምድባት ዝተኸፍለ መጽናዕቲታት’ዩ እምበኣር ተኻዪዱ። ኣብ ሸርፊ ናቕፋ፡ ክብሪ መነባብሮን ናህሪ ዋጋታትን ማእለያ ዘይብሎም ጸገማት ክኽሰቱ ጸኒሖም’ዮም። ካብ ምንታይ’ዩ እዚ ተርእዮታት’ዚ ዝብገስ? በብቑሩብ እናተጠራቐሙ ተዋህሊሎም – ኣብ ሓደ ደረጃ በጺሖም ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ክትፍውሶም እንተደኣ ኰይንካ ግን፡ ነቶም ጠንቅታቶም ብግቡእ ክትፍውስ ኣለካ። ናይ ውሽጥና ባዕላዊ ጸገማት ቅድም ክንቆጻጸርን ከነማሓድርን ስለዘለና፡ ብኣኣቶም ክንጅምር ኣለና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። እቶም ጠንቅታት ግን ኣብ ሰለስተ ምድብ ተኸፋፊሎም ዝርኣዩ እዮም።
እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 18 ዓመታት ዝጸንሐ ቀጻሊ ናይ ግዳም ሸርሒታት እዩ። ኣብ ዘንቢል ኣእቲኻ እንተርኢኻዮ፡ ካብ ልምዓታዊ መደባት ናይታ ሃገር ምትዕንቓፍን ምድኻምን ወይ ምስንኻል ክሳብ እቲ ዝቐለለ ናይ ምውህላልን ቊጠባ ናይ ምዕባይን መደባት ምትዕንቓፍ፡ መጠነ-ሸርፊ ናይ ናቕፋ ከምዝዳኸም ምግባር፡ ገንዘባዊ ፖሊሲታት ከምዘይሰርሑ ምቕታል፡ ናይ ከትሪ ባንክታት ምምስራት፡ ብግዳም ናይ ውሽጢ ሃገር ፊናንሲያዊ ትካላት ከምዘይሰርሑ ምግባር፡ ናይ ገበን መሳለጥያታት ምውዳድ – ንስግረ ዶብ ይኹን ንዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ዘተባብዑ ኩነታት ምፍጣር፡ ዝኸይድ እዩ። እዚኣቶም ተደሚሮም፡ ኣብቲ ቊጠባ ጸቕጢ ኣይፈጠሩን ክትብል ኣይትኽእልን። ብግምታትን ትንታነታትን ዘይኰነ ግን፡ ጠንቅታቶምን መበገሲታቶምን ሓደ ብሓደ ብጭቡጥ ኣሃዛት ክትገልጾም ኣለካ። እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ግዳማዊ ሸርሒ ዝጠቓለል፡ ኣብቲ ቊጠባ ብኸፊል ወይ ብኸቢድ ሃስያ ከውርድ ዝጸንሐ ሓደ ረቛሒ’ዩ።
እቲ ካልኣይ ጸገም፡ ምውቕቓዕ (Speculation) እንብሎ እዩ። እዚ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ኣዋቓዕቲ ዝፈጠርዎ ምውቕቓዕን ሃነፍነፍን ምምንጫትን እዩ። እዞም ውሑዳት ኣዋቓዕቲ፡ ንዝተፈላለዩ ብግዳም ዝድረኹ ሸርሒታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝፍጠሩ ነቓዓትን ድኻማትን እናመዝመዙ፡ ኣብቲ ዕዳጋ ይኹን ኣብቲ ቊጠባ – ኣብ ናህሪ ናይ ዋጋታት፡ ኣብ መጠነሸርፊ ናይ ናቕፋ፡ ኣብ መነባብሮ ናይ ህዝቢ፡ ኣብ ቊጠባዊ ዕብየት ናይታ ሃገር ሃስያ ከምጽኡ ዝጸንሑ እዮም። ኣዝዩ ጸቢብ ረብሓታት ዘለዎ፡ ብስስዐ ዝድረኽ፡ ንሕሳያ ወይ ኣሳሓኮ ዘይብሉ ናይ ኣወቓቓዕቲ ሓይሊ ድማ’ዩ። እዚ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቊጠባ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ጸገማት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ረቛሒ ደሪብካ ዝረአ’ዩ። እዚ’ውን፡ ሓደ ብሓደ ዝርዝራቱ ብልክዕ ተኸታቲልካን ኣጽኒዕካን፡ ከውርዶ ዝጸንሐ ሃስያን ሳዕቤናቱን ብግቡእ ይግምገም ማለት’ዩ።
እቲ ሳልሳይን ቀንድን፡ እቲ ባዕላዊ ወይ ናይ ውሽጢ ጸገማት ዝበሃል፡ ፖሊሲታትን ኣሰራርሓ ትካላት መንግስትን ዝፈጥሮ ጸገማት’ዩ። ኣብ ኩሎም’ዞም ዝጠቐስክዎም ጸገማት – ኣብ መጠነ ሸርፊ ናቕፋ ይኹን ኣብ ዝቕባበ – ካብ ትግባረ ባጀት ናይ መንግስቲ ጀሚርካ፡ ኣብ ምእካብ ግብርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ምቁጽጻር ዕማማትን፡ ትካላት መንግስቲ ብግቡእ ዘይሰርሑ ወይ ዝላሕልሑ ምዃኖም ዝፈጠርዎ ሰንኮፍ ኩነታት፡ ነቶም ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎም ክልተ ቀንዲ ረቛሒታት ዝያዳ ዕድል ሂቡ፡ ወይ ተመዝሚዙ ኢልና ክንዛረብ ንእኽል። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ነዚ ዝጠቐስክዎ እዩ ዝመስል እቲ ኩነታት።
እዚኣቶም ካብ ኮኑ እቶም ጠንቅታት፡ ከመይ ጌርካ ነቲ ቁጠባ ናብ ንቡር ትመልሶ? መጠነ ሸርፊ ንዓኻ ባህ ብዝብለካ ወይ ብዝመስለካ ስምዒታዊ መገዲ ትውስኖ ኣይኰነን። ናቱ መለክዒታት ዘለዉዎ፡ ብመስፈር ጌርካ ዝውሰን’ዩ። ናይ ባጤራ መጠነ-ሸርፊ ብምውቕቓዕን ብናይ ደገ ሸርሒን ከም ድላዩ ከንቆልቁልን ክድይብን ኣይምተገብአን። ክእረም ዘለዎ ጉዳይ ድማ’ዩ። ብኣጠቓላሊ፡ ናህሪ ናይ ዋጋታት ወይ ዝቕባበ ብኹሎም እዞም ጠንቅታት’ዚኣቶም ክጽሎ ጸኒሑ። እዚ ተደማሚሩ ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ናይዛ ሃገር ክፈጥሮ ዝጸንሐ ጸቕጢ ቀሊል ኣይኰነን። ካብ ክራይ ገዛ ጀሚርካ ክሳብ’ቲ ዝቐለለ ሃላኺ ናይ መግቢ – ዋላ ናይ ሃገር ኣታዊታት ዝምስገን እናዀነ ከሎ – ኣብ መነባብሮ ናይ ሰባት ከውርዶ ዝጸንሐ ሃስያ ንእሽቶ ኣይኰነን።
ኣብዚ መወዳእታ እዋን ከኣ ምትምያን ባጤራ መጺኡ። ብደገ ዝመጸ’ዩ። እቲ ካልእ ዝተገብረ ሸርሒታት ከይኣክል፡ ነቲ ቊጠባ ከተዕንዎ’ሞ፡ ናይታ ሃገር ቊጠባ ዓንዩ እዩ፡ ቅልውላው ተፈጢሩ እዩ፡ ጸገም መጺኡ እዩ – ክትብል ምእንቲ፡ ባጤራ ኣብ ደገ ኣሕቲምካ ኣብ ዕዳጋ ምዝራው መጺኡ። ክሳብ ከምኡ ደረጃ’ዩ በጺሑ። ስለዚ፡ ሓዲሽ ባጤራ ክተኣታቶ ከሎ ንኹሎም’ዞም ዝተጠቕሱ ጠንቂታት ናይ ምምዝባል ወይ ዘይምውዳን ኣብ ቅርጺ ናይቲ ቊጠባ፡ ክተዓራረዩ ስለዘለዎም እዩ።
ሓድሽ ባጤራ ምእታው ንበይኑ ግን ፍታሕ ኣይኰነን። እቶም ካልኦት መሳርሒታትን ስጒምቲታትን እንተዘይተፈቲሖም፡ ብእኡ ጥራይ ንኩሉ ከተዕርዮ ዝከኣል ኣይኰነን። ንገንዘባዊ ፖሊሲ ዝምልከቱ ዝተዳለዉ ትሕጃታት ወይ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ኣለዉ፣ ምድያብን ምውራድን ባጤራ ብግዜ ንምክትታሉ ዝተዋደደ መስፈር ኣሎ፣ ናይ ክብሪ መነባብሮ መስፈር ኣሎ፣ ንሃለኽትን ዘይሃለኽትን ዕዳጋታት መለክዒታት ተቐሚጦም ኣለዉ።
ብኣጠቓላሊ፡ እዚ ከም መሳርሒ ወይ ድማ መቐየሪ ነቲ ቅርጺ ክሕግዝ’ዩ ዝበሃል ዘሎ ናይ ባጤራ ምቅይያር፡ ኣብ ሓደ እዋን ተኣምራታዊ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን’ዩ። ግዜ ክወስድ ክኽእል ኣለዎ። ስንብራት ናይዚ ዝተኣታቶ ዘሎ ሓዲሽ ናቕፋን ምስኡ ዝኸይድ ፖሊሲታትን ክትልክዖ፡ ብመዓልቲ፡ ብሰሙን፡ ብወርሒ ዝውዳእ ስለዘይኰነ፡ በብእዋኑ ብግዜ እናተለክዐ ክኸይድ እዩ። ናበይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ? እቲ ምምዝባል ወይ ዘይምውዳን ናብ ምውዳን ገጹ ይኸይድ ኣሎዶ? ኩሎም እቶም ክዕረዩ ዝተደልዩ ነቲ ቊጠባ ኣመዛቢሎሞ ዘለዉ ኲነታት ሓደ ብሓደ ደሚርካ ትርእዮም። ናበይ ገጾም ይኸዱ ኣለዉ ምክትታል እናተገብረሎም፡ በብእዋኑ ስጉምቲታት ይውሰደሎም። እዚ ሓድሽ ባጤራ ተኣምራታዊ ፍታሕ ከምጽእ እዩ፡ ወይ እዞም ተወሲኖም ዘለዉ ስጉምትታት ምስ ተተግበሩ፡ ናይ ኩሎም’ቶም ኣብቲ ቁጠባ ተቐልቂሎም ዝጸንሑ ሶንኮፋት ወይ ኣበራት ፍወሳ ክመጽእ እዩ ኢልካ ክዝረብ ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ይኹን’ምበር፡ ኣመታቱ ድሮ ምልክታት ክህብ ጀሚሩ ኣሎ። በዞም ምልክታት እዚኣቶም ክንደዓዓስ ኣይንኽእልን ኢና። የግዳስ፡ ግዜ እናወሰድና ከነኽርሮም ክንክእል ኣለና።
ናይ ደገ ሸርሒ ከቋርጽ እዩ፡ ጽባሕ ንግሆ ክቕየር ይኽእል እዩ ኢልና ክንጽበ ኣይንኽእልን። ኣብ ውሽጢ፡ ዕዳጋ ንምምዝባል ክዋሳእ ዝጸንሐ ናይ ምውቕቓዕ ተርእዮ እውን ብሓጺር ግዜ ክፍወስ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ክንጅምር እንተዄንና፡ ፈለማ ነቲ ኣብ ፖሊሲታትናን ኣብ ኣሰራርሓ ናይ ትካላትናን ዝጸንሐ ዘይቅርዑይነት ብመሰረቱ ከነዐርዮ ክንክእል ኣለና። ብሕጂ ዝውሰዱ ብዙሓት ኣብ ጁባና ሒዝናዮም ዘለና ስጉምቲታት ኣለዉ። ሓንቲ ስጉምቲ ድሕሪ ሓንቲ ስጉምቲ እንታይ ስንብራት ትገብር ኣላ? ናይ ብዙሓት ዝውሰዱ ስጉምቲታት ድምር ብሓባር ዘምጽኦ ስንብራት እንታይ ክመስል ይኽእል? እቲ ዝውሰድ ስጉምቲታት ኣብ ነሓድሕዱ ዘለዎ ዝምድናታት እንታይ ክመስል ይኽእል? ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ እቲ ዝድለ ውጽኢት ይህብ ኣሎ ድዩ ኣይህብን፡ ናቱ መለክዒታት ኣለዎ። ግን፡ ሕጂ፡ ሰዓቱ ከይኣኸለ ከሎ ክዝረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ሓደ ወርሒ እኮ ኣይገበርናን ዘለና። ስለዚ፡ ግዜ ወሲድና ክንርእዮ ኢና። ብኸምዚ ክኽየዶ ዝጸንሐ፡ ብሻላ ማላ ዝኽየድ ግን የለን። እቶም ሸርሒ ከምርሑ ዝጸንሑ ባህ ከይብሎም ይኽእል። ኣብ ናይ ምውቕቓዕ ዓለም ኮይኑ፡ ናይ መንግስቲ ፖሊሲታትን ኣሰራርሓኡን ድኻማቱን እናመዝመዘ፡ ከላግጽ ዝጸንሐ ኣዋቓዒ ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ግን፡ ከምኡ ዝበሃል ነገር ኣይክህሉን እዩ። ሓንሳብ ዝተገብረ ጌጋ፡ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ግዜ ኣይድገምን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሸለልትነትን ናይ ኣተሓሕዛ ሰንኮፍን፡ ከምኡ’ውን ብጽቡቕ ድሌት ዘየድሊ ሳዕቤናት ዘምጸአ ፖሊሲታት ክሰርሕ ስለዘይኮነ፡ መሰረታዊ ወይ ሱር-በተኽ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ መስርሕ ዝረአ እምበር ብሓንቲ ኣዋጅ፡ ብሓንቲ ውሳኔ ወይ ብሓንቲ ስጉምቲ ዝቕየር ኣይኮነን። ስለዚ፡ እቲ ምቕያር ባጤራ ዝበሃል ብዙሕ መኣዝናትን ብዙሕ ዕላማታትን ዘለዎ፡ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ሽግራት ክፈትሕ ዝተበገሰ እዩ። ግን ምስ ግዜ ዝረአ ጉዳይ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።
ክቡር ፕረዚደንት ምስ ምቕያር ባጤራ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ሸርፊ ናይ ናቕፋ እንታይ ምዕባለታት ክህሉ ይኽእል? ኣብ ዕዳጋታትከ?
ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ኩነታት ከመይ ይመስል? ናቕፋ ብሸርፊ ክንደይ በጺሓ ነይራ? ብወገነይ ብዙሕ ኣይከታተልን እየ። ናይ መንግስቲ ወግዓዊ መጠነ ሸርፊ ዝበሃል ኣሎ – ዘይተቐየረ። እዚ መጠነ ሸርፊ እዚ ክውንነታዊ ድዩ? ብኸምኡ ክቕጸልከ ይከኣል ድዩ? ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ክመጹ ዝጸንሑ ብዙሓት ርእይቶታት ኣለዉ። ናቕፋ ብዶላር ክንደይ ክትከውን ትኽእል ወይ ክንደይ ክትከውን ኣለዋ? ብስምዒት፡ ሓንቲ ናቕፋ ሓንቲ ዶላር ክትከውን ኣለዋ ወይ ክንገብራ ኣለና ዝብል’ውን ኣይሰኣንን ይኸውን። እቲ ናይ ፊናንስያዊ ትካላት ኣሰራርሓ ምቁጽጻሩ እናላሕለሐን ካብ ምቁጽጻር ፊናንስያዊ ትካላት ዝዓውድ ወይ ዝንቀሳቐስ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ግዳም እናተዘርወን ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ነቲ ወግዓዊ መጠነ ሸርፊ እትብሎ ከተዕቅቦ ትኽእል ዲኻ? እንተደኣ ናይ ምቁጽጻር ኣገባባት ዘይብልካ፡ ኣብቲ ቁጠባኻን ቁጠባዊ ዕቤትካን ዘሎ ሓይሊ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ክቆጻጸሮም ዘይክእል እንተኾይኑ፡ ስለ ዝደለኻዮ ጥራይ ብስምዒት መጠነ ሸርፊ ለኪዕካ ክትከይድ ይከኣል ድዩ? ክወርድን ክድይብን እንተኾይኑኸ በየናይ መስፈር ኢኻ ተደይቦን ተውርዶን? ስለምንታይከ? ናትካ ዘቤታዊ ቁጠባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ቁጠባታት ብኸመይ ይጸልውዎ?
ኣብ ዞባን ካብ ዞባ ወጻኢ ምስ ዘለዋ ሃገራትን ዘሎ ዝምድናታት ናይ ንግድን ዝተፈላለየ ካልእ ቁጠባዊ ምውሳእን ከመይ ጌርካ ትመዝኖን ትከታተሎን? ኣብ ጉረባብቲ ሃገራት ናይ ከትሪ ባንካታት ተኸፊቱ፡ ናይ ሸርፊን ናይ ገበንን ስራሕ ዘካይድ ትካላት ከኣ ተመስሪቱ እንተደኣ ኣልዩ እሞ፡ ፊናስያዊ ትካላት ናይታ ሃገር ክቆጻጸሮ ዘይክእል ኮይኑ፡ መጠነ ሸርፊ ክትቆጻጸሮ ይከኣል ድዩ? ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እናሃለወ ከሎ፡ እቲ መጠነ ሸርፊ 70፡ 60፡ 50 በጺሑ ነይሩ ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ብሕግታት ናይ ቁጠባ ዘይኮነ፡ ብምውቕቓዕ ብናይ ጫካ ሕግታት ዝኸይድ ዓይነት ኣሰራርሓ ዝውሰን መጠነ ሸርፊ፡ ከመይ ጌርካ ተመዓራርዮ? ንሱ ጥራይ ድዩኸ እቲ ኣርእስቲ? ኣብ መንጎ ውሽጢ ሃገር ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ወግዓውን ዘይወግዓውን ሸርፍታት ዝበሃል ብኸመይ ትሕዞ? ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ መጠነ ሸርፊ ናብ ንቡር ክምለስ ክኽእል ኣለዎ። መጠነ ሸርፊ ናይ መወዳእታ መለክዒ ናይ ቁጠባዊውን ንግዳውን ዝምድናታት፡ ናይ ወፍርን ቁጠባዊ ዕብየትን መለክዒ ስለዝኾነ። እቶም መለክዒታት ኣምጺእካ ብግቡእ ክትሰርሓሉ ኣብ ዘይትኽእል ኩነታት፡ መጠነ ሸርፊ ንበይና በጥቊልካ ክትርእያ’ሞ ብኡ መጠን ከተመዓራርዮ ክትፍትን፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብድሆ ኮይኑ ጸኒሑ ክሳብ ሕጂ። ሕጂኸ እንታይ ይመስል ኣሎ? ብዙሓት “እቲ ጸሊም ዕዳጋ ዝበሃል ዝነበረ’ውን ወሪዱ ኣሎ፣ ናቕፋ ደዪባ ኣላ ወዘተ. . .” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ወርሒ ከይገበርካ ከምኡ ክትብል ኣይትኽእልን። ዓቕልን ትዕግስትን የድሊ። መጠነ ሸርፊ ጎዲላ ኣላ፡ ወሪዳ ኣላ ቅድሚ ምባልካ፡ ቀስ ኢልካ፡ ግዜ ወሲድካ ኣስተንፍስ። ብድሕሪኡ ብህድኣት ሚዛን ትገብር።
ምናልባት እዚ ናይ ሕጂ ምውራድ መጠነ ሸርፊ፡ ግብረ መልሳዊ ሃንደበታዊ ተርእዮ ክኸውን ይኽእል። ኩሎም እቶም ንዕኡ ዝጸለዉ ረቓሒታት ብዝተፈላለየ ስንባደ ዝተጸልዉ ክኾኑ ይኽእሉ። ክንመዝን እንተደ ኴንና፡ ቀስ ኢልና ሃዲእና ክንመዝን ኣለና። ምኽንያቱ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኤርትራዊ እቲ መጠነሸርፊ ብዝተፈላለየ መንገዲ የገድሶ እዩ። ንስድርኡ ክሕግዝ ዝደሊ ኣሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባት ክዋሳእ ዝደሊ እውን ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቲ ክንድ’ዚ እዩ ደሞዝካ ተባሂሉ ምስ መንግስቲ ዝሰርሕ ዘሎ ክፋል፡ እቲ መጠነ-ሸርፊ ብመጠን ኣታዊኡ ክነብረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ እንተደኣ ኣብጺሕዎ፡ ትርጉም ናይቲ ባጤራን ትርጉም ናይቶም ዝወጹ ፖሊሲታትን ብኸመይ መገዲ ትልክዖ? ዜርካ ዜርካ፡ ኣብ ቁጠባዊ ህይወት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋን ስድራን ዝገድፎ ስንብራት እዩ እቲ መለክዒኡ።
ከምኡ ስለዝኾነ፡ እዘን እነተኣታትወን ዘለና ፖሊሲታት ተጠንቂቕና፡ ከየዝለቕና፡ ገጥ ኣቢልና ሒዝና ኣብቲ ዝብጻሕ ነብጽሓየን። ተሃዊኽና መደምደምታታት ወይ ብይን ከይሃብና፡ ቀስ ኢልና ገምጋማትና ምስ ግዜ እናመዓራረና፡ ኣብ ልክዕ በጺሑ ኣሎ ኣብ ዝበልናሉ ግዜ፡ ሽዑ ገምጋማትና ከነቕርብ ንኽእል። ሕጂ ግን ናይ ሰሙናት ተርእዮ ስለ ዝኾነ፡ ንነብስና ግዜን ዕድልን እንተሃብና ጽቡቕ እዩ።
ክቡር ፕረዚደንት፡ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ምናልባት ተኣምራታዊ ዝኾነ ፍታሕ ኣየምጽእን ይኸውን። ግን ኣብ ዕዳጋ፡ ናይ ገለ ሃለኽቲ ዋጋታት ኣዝዩ ጎዲሉ ኣሎ። እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት? ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ኣብ ካልኦት ሃለኽቲ እውን ከምዝሰፍን ንምግባርንከ እንታይ ይሕሰብ?
እቲ ዝርዝራቱ፡ እቶም ሒዞሞ ዘለዉ ይፈልጥዎ። ግን ናይ ኩሎም ሃለኽቲ መግቢታት ዝርዝር ኣሎ። ናይ ነፍ-ወከፍ ሃላኺ መግቢ – ብልቱግ፡ መሸላ፡ ዕፉን፡ ዳጉሻ፡ ጣፍ፡ ስርናይ. . . ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ግዳምን ፍርያት፡ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ነንበይነን ከም ዕዳጋታት ክቑጸራ ዝኽእላ ከተማታት እንታይ ይመስል ነይሩ እቲ ዋጋታት? ምድያቡ፡ ምውራዱ ናበይ ገጹ ይኸይድ ነይሩ? ዋጋ ናይ ሓደ ዓይነት ሃላኺ መግቢ ክንድ’ዚ ነይሩ፡ ናብ ክንድ’ዚ ወሪዱ፡ ክትብል ከለኻ፡ ናይ ብሓቂ ድዩ? ስለምንታይ ወሪዳ? ጠንቃ ክትፈልጣ ክትክእል ኣለካ? ህላወን ዘይህላወን ናይቶም ሃለኽቲ ድዩ፡ ወይስ እናሃለዉ እዩ ዋግኦም ዝድይብን ዝወርድን ኔሩ? ጠለብ ናይ ኣህለኽቱ ድዩ ወይስ ስእነት ናይቶም ሃለኽቲ እዩ? ዶስ ጽባሕ ንግሆ ከምዚ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ’ሞ፡ ከምዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ስለዝተባህለ እዩ? ጽባቕ ክርከብ ይኽእል ኢዩ ወይ ኣይክርከብን እዩ ኢልካ እንተደኣ ኣብ ግምት ትኣቱ ኴንካ፡ ኣብ ናይ ምውቓዕ (Speculative) ናይ ዋጋታት ምድያብን ምውራድን ክተኣቱ ትኽእል። ልክዑ ኣብ ዕዳጋ ስለ ዘሎ፡ እሞ ድማ ጠላቢ ስለዘለዎን ክሽየጥ ስለ ዝኽእልን፡ ክንድ’ዚ ኮይኑ ዋግኡ ኢልካ ክትዛረብ ይከኣል ድዩ? እዚ እኮ ናይ መግቢ ሃለኽቲ እዩ። ናይ ኣእካል ጥራይ ዘይኮነ፡ ሽኮር፡ ዘይቲ፡ ጥረ ነገራት፡ ብርስንን ካልኦት ቀንዲ ኣገደስቲ ሃለኽቲ ዝበሃሉን ደማሚርካ ክትርእዮ ኣለካ።
ነዳዲ ካብ ደገ ዝመጽእ ኣዝዩ መሰረታውን ስትራተጂያውን፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ናይቲ ቁጠባ ተራ ዘለዎ ስለዝኾነ፡ ኣብ መጠነ ሸርፊን ዋጋታት ናይ ሃለኽትን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን’ውን ተራ ስለዘለዎ፡ ኮን ዶኾን ናቱ ጽልዋ ኣምጺእዎ ይኸውን ኢልካ ክትሓስብ ትኽእል። ምናልባት’ውን ናይ ባጤራ ቀረብ ኣብ ዕዳጋ ወይ ዑደት ስለዘየለ፡ ንሱ ዘምጽኦ ደኾን ይኸውን ክበሃል ይከኣል። ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዋሕዚ ኣብቲ ቁጠባ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ስለዘሎ ዝሰዓበ ከይከውን ኢልካ ክትሓስብ ትኽእል። ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት ስለ ዘለዓዕል፡ ኣብ ሓደ ገምጋም ወይ ኣብ ሓደ ብይን ክትበጽሕ ምእንቲ፡ እቶም መለክዒታት ኮፍ ኣቢልካ ሓደ ብሓደ ምስ ግዜ ኣብ ስእሊ ከተጽንዖም ኣለካ። እዚ ከኣ ግዜ ይሓትት እዩ።
እዚ ናይ ሕጂ ናይ ሃለኽቲ ዋጋታት ምውራድ፡ ሓደ ካብቲ ዝህቦ መልሲ፡ እቲ ዝጸንሐ ዋጋታት መብዛሕትኡ ናይ ምውቕቓዕ ዋጋታት ምንባሩ እዩ። ዓሚ ናይ እኽሊ ትርፊ (Surplus) ነይሩና። ብፍላይ ኣብ ዞባ ደቡብ ገዚፍ ትርፊ ነይሩ። እቲ ሽዑ ዝኣተወ ትርፊ ግን ኣብ ዕዳጋ ኣሰር ኣይገደፈን። ኣብ ምንታይ ኣትዩ? ኣብ መኽዘናት ተቐሚጡ። ብኸመይ መንገዲ ኣብ ኢድ ወነንቲ ድኳናት ናይ ኣእካል ከምዝኣተወ ንፈልጦ ነገር የለን። ዋጋ ናይዞም ሃለኽቲ እዚኣቶም ምድያብን ምውራድን እምበኣር፡ በቲ ነቲ ሃለኽቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣካል እዩ ዝውሰን። ብናይ ዕዳጋ ሕጊ ወይ ብጠለብን ቀረብን ዝውሰን ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ኸኣ ናይ ምውቕቓዕ ዋጋታት እዩ። ሰብ ምስ ጠመየ፡ ኣጨኒቕካ ኣብ ዝወሰንካዮ ዋጋ ተእትዎ። ዝደለኻዮ መኽሰብ ድማ ትገብር። ብፍላይ መንግስትን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ብግቡእ እንተደኣ ዘይቆጻጸሩ ኮይኖም፡ እቲ ምውቕቓዕ ቀይዲ በተኽ ኮይኑ፡ ኣብ ናህሪ ናይ ዋጋታት ዘምጽኦ ሳዕቤናት ክትግምቶ ኣይከኣልን እዩ። ሚእቲ ዕጽፊ ወይ ክልተ ሚእቲ ዕጽፊ መኽሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ሽሕ ዕጽፊ ክልተ ሽሕ ዕጽፊ ዝኸይድ እዩ። ብዘይምቁጽጻር ይጋልብ፡ ይጋልብ – ኣብ መወዳእታ ከኣ መትሓዚ’ውን ኣይትረክበሉን ኢኻ። ስለዚ፡ እቲ ናይ ዋጋታት ምውራድ፡ እቲ ናይ ምውቕቓዕ ምግላብ ስለዝዘሓለ ድዩ ዋላስ ናይ ብሓቂ ሃለኽቲ ናብ ልክዖም ስለ ዝወርዱ ዘለዉ እዩ ዝመጽእ ዘሎ? ክትፈልጥ፡ ሃዲእካ ናይ ቁጽሪ ሕሳባትካ ክትገብር ክትክእል ኣለካ።