
ብ ተስፋማርያም ሓጎስ:
ኤርትራ ብትሽዓተ ብሄራትን ክልተ ሃይማኖት ዝቖመት ሓንቲ ካብተን ነኣሽቱ ግንከ ብጽንዓታን ሓይላን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር እያ ። ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ምስ እንፍትሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም ንኹሉ ንህላዌኦም ዝጻብኡ ወረርቲ ፈጺሙ ዘይተምበርከኸ ሓያል ህዝቢ ምዃኑ ንዕዘብ ። ሽሕኳ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንተ ኣተወ ፈጺሙ ንጸላእቱ ዘይረዓመ ሓያል ህዝቢ ምዃኑ ንዕዘብ ።
ወረርቲ ሓይልታት ብሃይማኖት ሓዊ ኣሳዊሮም ሓድሕዱ ንኸናቝትዎ ፈቲኖም ፍጹም ክዕወቱ ኣይከኣሉን ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለምና ካብቶም ቀዳሞት ተቐበልቲ ሃይማኖት ክርስትና እዮም ፣ ከምኡ ውን ምስልምና ካብቶም ገና ነብዪ መሓመድ ብህይወት እንከሎ እተቐበለ ህዝቢ እዩ ። እታ ንመጀመርያ ኣብ ዓለም ዝተሃንጸት መስጊድ ውን ኣብ ኤርትራ እያ ። ምስ እዚ ኩሉ ግን ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ተጋራጭዩ ዘይፈልጥ ህዝቢ በይኑ ካብ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ እዩ ። እዚ ኣብ ዝኾነ እዋን እንኾርዓሉን ዓው ኢልና እንዛረበሉን ሓቂ እዩ ።
ኣብ ብሄራትና እንተ መጺእና ውን ንሓድሕዱ ብምክብባርን ምትሕልላይን ተፋቒሩ ዝነብር ህዝቢ እዩ ። እዚ ህዝቢ እዚ ብጀካ ባዕዳውያን ወረርቲ ካልእ ተጻባኢ ዘይብሉ ቅዱስን ብሩኽን ህዝቢ እዩ ።
መሬት ኤርትራ ዝረገጹ ወረርቲ እታ ብመጀመርያ ዘሳውርዋ ሓዊ ነቲ ህዝቢ፣ ወይ ብሃይማኖት ወይ ድማ ብብሄር ንሱ እንተ ዘይሰለጠ ብኣውራጃ ቅርሕንቲ ፈጢሮም ክፈላልዩናን ሓድሕድ ከናቑትናን እዮም ዝጽዕሩ ። እዚ ሸርሒ ናይ ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርሕ ኣይከኣለን እቲ ምንታይሲ ዕላማ ገዛእትን ተጻባእትን ሓይልታት ኣቐዲሙ ስለ ዝተረድኦን እዩ ።
ህዝቢ ኤርትራ እዞም ትሽዓተ ብሄራት ብሓደ ልቢ ትርግታ ብሓደ መንፈስ ኣብ ሓደ ዝሰመሩ ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዘይስበር ካብ ሓጺን ዝተረረ ሓድነት ስለ ዝሃነጹ እዩ ። ከምኡ ኔሩ እንተ ዘይከውን ምስቲ ብዝሒ ናይቶም ወረርቲ ሓይልታት ሎሚ ኣይምሃለወን ። ክልተ ሃይማኖት ኣብዛ ዓለምና ካብ ዝቕልቀላ ንሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዓመታት ህዝብታት ሓድሕድ ክተሃናኾቱ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ ። ህዝቢ ኤርትራ ግን በይኑ ካብዛ ዓለምና ኣመንቲ እዘን ክልተ ሃይማኖታት ከም ማይን ጸባን ተወሃሂዱን ተሳንዩን ኣብ ሓጎስ ብሓባር ፣ ኣብ ሓዘን ብሓባር ፣ ኣብ ቃልሲ ብሓባር ኣብ መኸተ ብሓባር ኣብ ህንጸት ሃገር ብሓባር ይነብር ኣሎ ። በዚ ንሕና ኤርትራውያን ሕቡናትን ኩሩዓትን ኢና ፣ ነዚ ሓድነት እዚ ክሰብር ዝፍትን ዝኾነ ባዕዳዊ ሓይሊ ንርእሱ ከም ምስ ከውሒ ዝተራጸመ ጥርሙስ ሽዋሕዋሕ ኢሉ ይስበር እምበር ፣ ሓድነትናን ጽንዓትናንሲ ወይከ ነቕ ። እዚ ሓድነትን ጽንዓትን ከኣ እዩ ነቶም ሽሾ ጸላእትናን ዓንገልቶም ርእሰ ሓያላንን ሰዓበተንን ስዒርና ናጽነትና ክንዓትር ዘኽኣለና ።
እወ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ቃልሲ ፣ መሪር ዘብሎ እንታይ ኔሩ ኢልና ምስ እንሓትት ጀጋኑና ብጥሙይ ከብዶም ምስ ዕሩቕ ዝባኖም ንቑጽ ጎሮሮኦም ኣብ ፈቐዶ ሽንጭሮ ምስ ዕንቅርብዒትን ተመንን ገባብልን እሞ ምስ ውሑድ ኣጽዋር ምስ ክሳብ ኣፍንጭኡ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ናይ ርእሰ ሓያላን ደገፍ ዘይተፈልዮ ሰራዊት መግዛእቲ ሓደ ተጋዳላይ ምስ ዕስራ ሰራዊት ኢትዮጵያ ( 1 : 20 ) እናተዋግአ ረዚን መስዋእቲ እናኸፈለ ይቃለስ ብምንባሩ እዩ ። እወ ጀጋኑ ህዝቦም ባሕሪ ንሳቶም ዓሳ ብምዃኖም ሓፋሽ ህዝቢ ኣብ ዝኣተዉዎ ደድሕሪኦም ብምዃን ንመስዋእቶም ኣብ ነጸልኡ ይቕበሎ ብምንባሩ እዩ።
ኤርትራ ሃገርና ትሽዓተ ብሄራት ዘለዉዋ ሃገር እያ ። እዚ ኣብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ገሊኤን ክሳብ ሓደ ሚእትን ሓምሳን ዝተፈላለዩ ብሄራት ኣለዉወን ። ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ቍሊሕ ምስ እንብል እዚ ብዝሒ ብሄራት ከም ዓቢ መርገም እዩ ዝቝጸር እቲ ምንታይሲ ካብ ምስ ባዕዳዊ ሓይሊ ዝዋግእዎ ኣብ ነንሓድሕድ ዝተሃናኾትዎ ስለ ዝበዝሕ ። ነንሓድሕዶም ብዓይኒ ጽልኢ ክረኣኣዩን ክበኣሱን ኣደዳ ሞትን ህልቂትን ዕንወትን ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ ።
ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ግን ዓቢ ምርቓ እዩ ። ከም ካብ ሓንቲ ማህጸን ካብ ሓንቲ ስድራ ዝመጸ ተሓቛቚፉን ተሳንዩን ብሓደ ሰሚሩ ንሰላሳ ዓመታት መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ረዚን መስዋእቲ ከፊሉ ሰንኪሉ ነጻነት ኣምጺኡ ። ብርግጽ ደቂ ሓንቲ ስድራ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ዙርያ ከቢብና ንምገብ ብሓደ ኮይንና ሃገር ንሃንጽ ፣ ሃገር ከኣ ንሕሉ። ኣብዛ ንኹልና ኣደ ዝኾነት ኤርትራ ንእከብ ዒድ ክኸውን ከሎ ብሓባር ፌስታና ንኽብር ፣ ፋስጋ ክኸውን ከሎ ኩልና ኣብታ ኤርትራዊት ኣደ ብሓባር ንእከብ ንበልዕ ንሰቲ ንሕጎስ ፌስታና ነኽብር ። መን ኣሎ ከማና ዝተዓደለ ! ንሕና ብሓብር ከምቲ ናይ ትማሊ ጥራይ ዘይኮነስ ዝያድኡ ሓድነትና ኣትሪርና ከይንግዳዕ ከይንምናዕ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ሃገር ንኸላኸል ሃገር ንሃንጽ ።
ንሕና ኤርትራውያን ብሓድነትና ኩሩዓትን ሕቡናትን ብጅግንነትና ኣብ ዓለም ዘመስከርና ጠንቀምቀም ኢሉ ትኒዕ ንዝበለና ትሕቲ መሬት ነስጥም ክንጽልን ክንትኩስን እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ዘይንብርከኽ ፈተውትና ጥራይ ዘይኮኑስ ጸላእትና ከይተረፈ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ ። ንሕና ኣብታ ብጅግንነትና ቀይሕ ደምና ከፊልና ዘምጻእናያ ወርቃዊት ባንዴራ እነጽልል ስሙራትን ጥሙራትን ህዝቢ ኢና ። ንሕና ክብሪ ቀዳሞት ኣቦታትና ጥራይ ዘይኮነስ ክብሪ ቀዳሞት ኣፍሪቃውያን ኣቦታት ፣ ዘይተምበርካኽነት ክቡር ባህሊ ዓቂብና ዘለና በይንና ኢና ። ንሕና ኤርትራውያን ክብርናን መንነትናን ንናይ ምዕራብ ሃገራት ዘይሸጥና ናይ ማንም ምዕራባዊት ሃገር ተለኣኣኽቲ ዓሳኽር ዘይኮንና ቆራጻት ሰብ ድርብ ሓሞት ሓደ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ኢና ። እዚ ክቡር ባህሊ እዚ ንዘለኣለም ክንዕቅቦ ኣለና ። ባንዴራና ኣርማ ናይ ጅግንነት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብታ ዝነውሐት ዘይትስበር ዘንጊ ሓቂ፣ ፍትሒ ፣ ማዕርነት ተሰቒላ ትርከብ ።
እዞም ኣብዛ ሃገር ሰማእታት ኣብ ትሕቲ እታ ወርቃዊት ባንዴራ እነጽልል ካብ ካርታ ዓለም ክሓኩና ከይደቀሱ ዝሓድሩ ደመኛ ጸላእቲ ከም ዘለዉና ንፈልጥ ኢና ፣ ስለ እንፈልጥ ድማ ትኒዕ ምስ ዝብሉና እንታይ ከም ንገብሮም ንፈልጥ ኢና ። እዞም ህላዌና ከም ዓንዴል ዝመሮም ጸላእትና ንዓና ከዳኽሙና ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ምድረ ገጽ ከጥፍኡና ዝኽእሉ ሓድነትና ኣላሕሊሖም ጥራይ ከም ዝኾኑ ይፈልጡ እዮም ። ነዚ ድማ ቀደም ሓኺኽና ዝደርበናዮ ኣውራጃዊ ሕማም ኣበራቢሮም ሓድነትና ክዘርጉ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ንሓብኦ ነገር ኣይኮነን ።
ካብ ኤርትራ ወጻኢ እዛ ዓታኽ ጭፍራ ማለሊት መልሚላ ኣብ ደገ ዘዋፈረቶም ዕሱባት ሓድነት ህዝቢ ክብትኑ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ከም ዘለዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ ። ኣብ ፈቐዶ ኩርናዓት ነዚ እከይ ተግባር ከሳስዩ ዝተመዘዙ ትርፍራፍ ናይቶም ቀደም ማዕበል ሰውራ ገሊፉ ንደገ ዝሰንደዎም ጎሓፋት እዮም ። ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት እናሰለኹ ፣ ኣብቶም ገና ሓደስቲ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመን ልዕሊ ዕድመን ዝኾኑ መንእሰያትን ሰሊኾም ብምእታው ብኣውራጃ እናፈላለዩን ጽልእን ቅርሕንትን ብምጉህሃር ፣ ንህዝቢ ፋሕ ጭንግራሕ ኣእትዮም ክበታትንዎ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ከም ዘለዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ ።
ንሕና ከምዚ ዓይነት ክንርእን ክንሰምዕን ኣይንደልን ኢና ! ሰማእታትና ከምዚ ዓይነት ሕድሪ ኣየረከቡናን ። ዋጋ ዘይብሎም ጎሓፋት ምዃኖም ቀደም ንፈልጦም ሎሚ ውን ንፈልጦም ከውቅይዎ ዝኽእሉ ክንዲ ፍረ ጣፍ ከም ዘየለ ኣዳዕዲዕና ንፈልጥ ግን ንምንታይከ ኣብ ቅድሜና ከምዚ ክገብሩ ትም ኢልና ንርኢ ! ናትና ንዕቀት ድዩ ወይስ ናይ ወርሒ ድምቀት ? ነፍሲ ወከፍ ትርብዒት መሬት ኤርትራኮ ኣጆኺ ሃገረይ ኣጆኻ ህዝበይ ህይወተይ ከፊለ ነጻ ከውጽኣካ እየ ! ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ጀጋኑ እዮም ኣዕሪፎሙሉ ! መንዮም እቶም ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀጋኑና ዕላማ ጸላኢ ክተኽሉን ጭርሖ ወያነ ሒዞም ክድብሉ ዝህቅኑ ! ንሕና ነቲ ዝተቐበልናዮ ሕድሪ ሰማእታት ነዞም ዕሱባት ወያነ ዝኾኑ ወይጦታት ፈሪሕና ዲና ብትሕቲ ክዳንና ሓቢእናዮ ክንከይድ ! ነዞም ወያነ ብዘመናዊ መጫጭሒ እንቋቝሖ (ኢንኩቤተር ) ጌሩ ዘጫጭሖም ዘሎ ኣምበጣ ገና ኩብኩብታ ከለዉ ከንጥፍኦም ኣለና ። ብሃገርን ህዝብን ሰማእታቱን እዮም ዘባጭዉ ዘለዉ ። ጽባሕ ዝውሕጠና ሓይሊ ኣብ ቅድሜና ክዓቢ ሱቕ ኢልና ኣይንራኣዮ !
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!