ምስ ዲያብሎስ ተራጊሙ፡ ብሰይጣን ዝተመረቐ ጻድቕ የለን!

News ትግርኛ
 ሓድነትን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ ንምፍራስ
ትማሊ ነዚ ሓድነትን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ ንምፍራስ፡ ከም ዘይንደል እምኒ ዓረ ተሪር እንተነይሩ፡ ሎሚ ፈርከሽከሽ ንኸተብሎ ምሕላን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሕሳቡ`ውን ከንቱ ናይ ከንቱነት ፈተነ ኢዩ።

ካብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ድሚ ናብ ዝቕጽል 3ይ ክፋል ዝርዝር ጽሑፋት ምእታውና፡ ሓደ ናብ ናይ ቀረባን ርሕቑን፡ ፈተውትን ጸላእትን ህዝቢ ኤርትራ ከነመሓልላልፎ እንደሊ መልእኽቲ ኣለና።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ግዜ ትሕዝቶ ኢዩ ተፈጢሩ። ግዜ ባዕሉ ከም ፈለግ ተሰኪምዎ ኢዩ ተጓዒዙ፡ እቲ ፈለግ ግን ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ኢዩ ነይሩ። ግዜ ዝውሕጦ ዝነበረ ነብሪ ኢዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ነብሪ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ። ግዜ ዝህልኾ ባርዕ ሓዊ ኢዩ፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ግን ባዕሉ ህዚ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ። ትማሊ ነዚ ሓድነትን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ ንምፍራስ፡ ከም ዘይንደል እምኒ ዓረ ተሪር እንተነይሩ፡ ሎሚ ፈርከሽከሽ ንኸተብሎ ምሕላን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሕሳቡ`ውን ከንቱ ናይ ከንቱነት ፈተነ ኢዩ።

ነቲ ናይ ትማሊ ዝነበረ ግዜ፡ ብትማሊኡ ኣቐሚጡ ዝተማህረሉ ህዝቢ እንተሃልዩ፡ ሓደን እንኮን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ዓለም ብዓለማ ብዘይ ዙርያ ምላሽ እናተበራረየት ክትድህኮ እንከላ ኣጆካ ዝበሎ ሓይሊ እንተነይሩ፡ ንያቱ! ጽንዓቱ! ተወፋይነቱ! ጅግንነቱ! መኸተኡ! ከለንትናኡ! ኣብ ልዕሊ በሪኽ ናይ ዝበረኸ ተኾይጡ ዝተረባረበሉ እንተነይሩ፡ ዘይክማህን! ዘይንቕነቕን! እንኮ ሓድነቱ ኢዩ ነይሩ። ሓድነቱ ኣብ ብዙሕነቱ ወሪቑ፡ ግርማኡ ዘጸበቐን፡ ሉኡላውነቱ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘረጋገጸን ህዝቢ ኢዩ! ህዝቢ ኤርትራ።

ምስ ዲያብሎስ ተራጊሙ፡ ብሰይጣን ዝተመረቐ ጻድቕ የለን!