እሳተ ጎሞራ ኢና! ወይለኡ ሰላምና ክዘርግ ዝፍትን !

News ትግርኛ
shaebia eritrea
ህ.ግ.ደ.ፍ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ አዩ። ህላወ ኤርትራ ምስ ህላወ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተኣሳሰረ አዩ። ዝኮነ ሓይሊ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝጻባአ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምሳስ ድልየትን ሕልምን ዘሎዎ አዩ።

ተስፋማርያም ሓጎስ

ብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐን ዝመረረን ናይ ሓርነት ቃልሲ ዘካየደን ኣዝዩ ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈለን ህዝቢ ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ደማዊ ቃልሲ ከካይድ እንከሎ፡ ክልተ ኣብ በበይኑ መስመር ጠጠው ዝበላ ርእሰ ሓያላን ዓለምና እናተባራረያ ኣብ ጎድኒ ጸላኢና ደው ብምባልን ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ኣፍንጭኡ ብዘመናዊ ኣጽዋር እናዕጠቓ ኣማኸርትን ናይ ስነ ውግእ ኣማኸርትን ኣለይትን እናሃባ እየን ኣንጻርና ደው ዝበላ። ከምዚ ዓይነት ተጻብኦታት ዘጋጠሞም ምንቅስቓስ ሓርነታት ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኤስያ ላቲን ኣሜሪካ ኣይነበረን። ኩሎም ናይ ሓዲኤን ርእሰ ሓያላን ደገፍ ኔርዎም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሳላ ቅኑዕ ውድብ ህ.ግ. ንኹሎም ተጻባእቲ ብብረቶም ሓማሺሹ ነጻነቱ ክጭብጥ ክኢሉ።

እወ ኣበይ እዩ እቲ ሓይልና ኢልና ምስ እንሓትት ፡ ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ሰረት ዘንበረ ቅኑዕ ውድብ ህ.ግ. ስለ ዝነበሮ፡ እቲ መዳርግቲ ኣልቦ መትከል ህ.ግ. መትከል ሓፋሽ ስለ ዝነበረን ዘሎን ንዘንት እለት ውን ስለ ዝህሉን እዩ ንዝመጸ ዓይነት ተጻብኦታትን ዕንቅፋታትን ሰጊሩ ወትሩ ብዓወት መሰስ ኢሉ ዝወጽእ።

ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተራእየ ጅግንነት ኣብ ዓለም መዳርግቲ ኣይነበሮን፡፡ ኣብ ምውሓስ ሃገር ዝተራእየ ጅግንነት ውን ካብኡ ዝዓበየ እዩ ኔሩ። ኣበይ እዩ እቲ ምስጢር? እቲ ቃልሲ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ እዩ፡ ዝኣልዮን ዝመርሖን ዘንቀሳቕሶን ሓፋሽ ህዝቢ እዩ። ሓይሊ ሓፋሽ ህዝቢ ከኣ ልዕሊ ማዕበል ውቅያንሳትን ባሕርን እዩ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ንፈታዊኡ መዓር ንጸላእቱ ከኣ ሓዊ ዝተፍእ እሳተ ጎሞራ እዩ ። ክዓግቶ ወይ ክስዕሮ ዝኽእል ሓይሊ የሎን። ነዚ ሓድነቱ ካብ ዓረ ዝተረረ ህዝቢ ክስዕር ኢልካ ምሕሳብ ከም ምስ ከውሒ ዝተጋጨወ ጥርሙስ ሽዋሕዋሕ ኢልካ ንምጥፋእ ጥራይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብጽንዓቱን ሓድነቱን ዝልለ ህዝቢ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ንናይ ማንም ባዕዳዊ ሓይሊ ክብሩን መንነቱን ዘይሸይጥን ንናይ ማንም መንግስቲ መሳርሒ ዘይከውን ኣብ ዝኾነ ኩነት ዘይምብርከኽን ኣብ ብርኪ ካልኦት ጥልዕ ጉምብስ ዘይብል ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ጥራይ እዮም ።

ከምዚ ብምዃንና ከኣ ካብ ምድረ ገጽ ክሓኩና ማእለያ ዘይብሎም ሸርሕታትን ውዲታትን ተኣሊሞም። ይኸውን እዩ ተባሂሉ ንጭፍራ ወያን ማእለያ ዘይብሉ ብረትን ስንቅን ዕጥቅን ኣሰንዮም ልኢኾማ፡ ተልእኾኦም ከተማልእሲ ይትረፍ ንርእሳ ኣብቲ ዝኣጎደቶ መጋርያ ሓዊ ሓሪራ እንሃ ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጻዕረ ሞት ትልኽ ትብል ኣላ።

እቶም ንምጥፋእና ከይደቀሱ ዝሓድሩ ፡ ንምጥፋእና ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ፈጢሮም ኣይሰለጠን። ክልተ ግዜ እገዳ ጌሮም ንሱ ውን ኣይሰለጠን። ሕሉፍ ሓሊፎም ቀደም ማዕበል ሰውራ ገሊፉ ንደገ ዝጎሓፎም ሓተላ ሕብረተ ሰብ ኣኻኺቦም ተቓወምቲ ዝብል ስም ኣጠሚቖም ኣንጻር ህዝቢ ከዕጥቑ ፈቲኖም። እዞም ናይ ታሪኽ ሓተላ ኣብ ደገ ተቓወምቲ እናበሉ ንህዝቢ ከደናግሩን ሕንፍሽፍሽ ከእትዉን ንዝተዋህቦም ተልእኾ ንምትግባር ክጓየዩ ይውዕሉ ኣለዉ። ትርጉመን ዘይፈልጥወን ከም በዓል ዲሞክራሲ፡ ተቓውሞ ቃላት ሒዝካ ከም ሓደ ፓፓጋሎ ክትደርፍ ምውዓል ምስ ምንታይ ይቝጸር?

ተቓዋሚ (Oposition) እንታይ ማለት እዩ ?

ኣብ ሓደ ሃገር ዝተፈላለያ ፓርትታት ይህልዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ወይ ሓሙሽት ዓመት ምርጫ ይካየድ ዝተዓወተ ፓርቲ ድማ ነታ ሃገር ንዝስዕባ ኣርባዕተ ዓመታት የማሓድር። ኩለን ፓርትታት ድማ ኣብቲ ፓርላማ ከከም ዘመዝገብኦ ነጥቢ መናብር ይወሃበን። ኣብቲ ሃገር ድማ በብዘለወን ኣበርክቶ ንጥፈታተን የካይዳ። ብብዝሒ ናይ መረጽቲ ነጥቢ ደድሕሪ እቲ ተዓዋቲ ፓርቲ ዘምጸአት ፓርቲ ድማ ከም ካልኣይቲ ወይ ድማ ተቓዋሚት ፓርቲ ትበሃል።

ኣብታ ሃገር ዘለዋ ፓርትታትን ኣባላተንን ንዕብየት ናይታ ሃገር ብኹሉ መዳያት ኣብታ ሃገር እጃሞም የበርክቱ ሃገር ከኣ ትህነጽ መነባብሮ ህዝቢ ከኣ ይመሓየሽ፡ ሃገር ኣብ ዓለም ዝበረኸ ቦታኣ ትሕዝ ። ዝኾነ ይኹን ፓርቲ ክብሪ ናይታ ሃገር ይዕቅብ ፡ ሃገር ከይትድፈር ብህይወት ክሓልፈላ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይምሕል። ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ረብሓ ሃገርን ህዝብን የቐድም።

እዞም ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገር ኮይኖም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉኸ ብርግጽ ተቓወምቲ ድዮም ? ኣብ ምህናጽ ሃገር ኣለዉዶ ? ኣብ ሃገርን ህዝብን ዘበርክትዎ ኣበርክቶ ኣሎዶ ? ልኡላውነት ሃገር የኽብሩዶ ? ሃገር ከይትውረር ከይትዝመት ይቃለሱዶ ? ረብሓ ሃገር የቐድሙዶ ? እዞም ዕሱባት ሓተላ ሕብረተብ ነዘን ኩለን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሕቶታት ኣየማልእወንን እዮም ። ብኣንጻሩ ኣብ ትሕቲ ጥላም ሳእኒ ወያነ ተምበርኪኾም ድሌት ወያነ ንምምላእ ዝተዓስቡ ዕሱባት እዮም። መንግስቲ ኤርትራ ንኽጠፍእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክቝረን ዝደልዩ ወይጦታት እዮም ። እዚኦም ተቓወምቲ ዘይኮኑስ ከዳዓት እዮም። ሃገርን ህዝብን ኣማሕሊፉ ዝህብ ከዳዕ ኣብ ናይ ዝኾነት ኣብ ዓለምና ዘለዋ ሃገራት ሕገ መንግስቲ ውጉዝ እዩ፡ ፍርዱ ውን ሞት እያ ።

እዞም ከዳዓት ዕድሚኦም ምሉእ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዓጢቖም፡ ኣብ ዘመነ ቃልሲ ህ.ግ. ብደርጊ ክትድምሰስ እሞ ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእቲ ንባርነት ዝተመነዩ ረሲኣን እዮም ። ወያነ ንኤርትራ ክትጎብጥ ወራር ኣብ ዝኸፈተትሉ ከበሮኦም ሒዙም መቐለ ኣዲስ ኣበባ ጎንደር ይጎዩ ኔሮም ። ኣብ ወጻኢ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ዓለም ንመንግስቲ ኤርትራ ንምድኻምን ህዝቢ ፋሕ ንምባልን ዘይኩዕትዎ ጉድጓድ የለን። ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ኣትዮም ህዝቢ ክዘርጉን ሞባእ ክሰርቁን ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ሓኺኽና ዝቐበርናዮ ኣውራጃዊ ሕማም ካብ ጉድጓድ ፍሒሮም ብምውጻእ ንህዝቢ ክገማምዑሉ ይረኣዩ ኣለዉ ።

ደቂ ሓላል መሬት ኣጆኹም ኣጆና እዞም ከዳዓት ደቂ ሃገር ትማል ንፈልጦም ሎሚ ንፈልጦም ። ገመል ሰሪቕካ ጉምብሕ ጉምብሕ፡ ሎሚ መኸወሊ የሎን ! ንሕና መዋእልና ነዞም ሓተላ ሕብረተ ሰብ ይቕረ ክንብል ኣይንነብርን ኢና ። ሎሚ በቃ ይኣክል ደጊም ምሕረት ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍ የለን። ኣብ ከከባቢና ምሳና ስለ ዘለዉ ሓደራኹም ሽሞም ሽም ኣቦኦም ዓዶም ስእሎም ውን ከይተረፈ መዝጊብና ንሓዞም ። ብሃገር እዮም ዝቋመሩ ዘለዉ ፡ ብመስዋእቲ ሰማእታትና እዮም ዘላግጹ ዘለዉ ! ሃገረ ኤርትራ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ሰማእታትና እምበር ከምቲ ዝመስሎም ብሓመድን እምንን ኣይተሰርሐትን ። እዞም መኣድና ክግምጥሉ ዕድሜኦም ዘሕልፉ ዘለዉ ከደዓት ደቂ ሃገር ልዕሊ ወያነ ደመኛ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንሳቶም እዮም ። ጸላኢ ደኣ ጸላኢ እንድዩ ዝገበረ እንተገበረ ኣይገርመናን እዩ።

ንሕና 2% ንህንጻ ሃገር እንተኸፈልና ፡ ጸላእትና ድማ ጎሮሮ መንግስቲ ዝሓነቑ መሲልዎም ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ 2% ንሃገሩ ምኽፋሉ ከም ዘይሕጋዊ ኣምሲሎም ክኽልከል ስምዕታ ከቕርቡን ንምትግባሩ ክጓየዩ ከለዉ እዞም ከዳዓት ከኣ ዝያዳ ክነጥፍሉ ጀሚሮም ። ንሕና ግን ዝኾነት ሃገር ክትክልክለና ኣይትኽእልን እያ። እዞም ከዳዓት መሳርሒ ጸላኢ ግን እዚ እከይ ተግባራቶም እዚ ካብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ዝጠፍእ ኣይኮነን። ስለዚ ኣንቱም ከዳዓት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም ወይለኹም፡ ካብ ዓይኒ ሓፋሽ ትኽወሉ ከይመስለኩም።

ልክዕዩ ከዳዕ ካብኡ ንላዕሊ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የሎን። እዞም ከዳዓት ፡ ሃገር ኣማሕሊፎም ንምሃብ ፋሕተርተር ዝብሉ ዘለዉ ከዳዓት እታ ሓንሳብን ንዘለኣለምን ዝኣትዉዋ ጉድጓድ ኣይረኣይዋን እምበር ኣብታ ደንደሳ እዮም ዘለዉ። እዞም ብኩላት ንመዓንጣ ዘይቆጸሩ መንእሰያት መሳፍርቲ ዕሲ ክኾንዎም ኣንጻር መንግስቲ ደው ከብልዎም ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። እዚ ውን መንእሰያት ዝተጸበይዎን ኣብ ባይታ ዝጸንሖምን በበይኑ ኮይኑ ምስ ረኸብዎ ልቦም ናብ ሃገሮም ከም ዝምለስ ብጋህዲ ተራእዩን ይርአን ኣሎ ።

ነፍሲ ወከፍ ኣፍቃሪ ሃገሩን መንግስቱን ህዝቡን ዝኾነ ኤርትራዊ እዞም ንስደት ፈለማ እግሮም ዘንብርሉ ዘለዉ መንእሰያትና ብሕማም ከዳዓት ከይጥቅዑ ንምድሓን ናይ ኩልና ሓላፍነት ምዃኑ ፈሊጥና ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ኣለና። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ደቅና መጻኢናን መጻኢ ሃገርናን ህዝብናን ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ሕማቕ ከይወድቁ ሞራል ከየውድቑ ፡ ትስፉዋትን ንሽግር ተጻወርትን በዳህትን ኮይኖም ነቲ ኣብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ ሃገር ዘሎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብግቡእ ክጥቀሙሉ ፡ ጽባሕ ነብሶም ኮይኖም ንሃገሮምን ህዝቦም ዝሕብሕቡ ብሉጻት ዜጋታት ክኾኑ ከም ዘለዎም ክንጉስጉሶምን ከነተባብዖምን ኣለና።

እወ ንሕና ኩሉ ሃምናን ቀልብናን ምንባርናን ንሃገርና ክኸውን ኣለዎ። ንሕናን ሃገርናን ዘይንነጻጸል ሃገርና ብዘይ ንሕና ብዘይ ሃገርና ትርጉም የብልናን። ስለዚ እዛ ሃገር ብደቃ ትህሎ ብደቃ ትህነጽን ትምዕብልን ኩሉ ጸጋታታ ከኣ ንደቃ ይኸውን። ስለዚ ኣሕዋትን ኣሓትን ንንበር ነዛ ቅድስቲ ሃገር ንስራሕ ነዛ ቅድስቲ ሃገር ነዚ ብሩኽ ህዝቢ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !