
ብ ተስፋማርያም ሓጎስ፡
ህዝቢ ኤርትራ እታ ብፈጣሪ ዝተዓደለቶ ነጻነቱ ብሓያላን ምስ ተመንዝዐ ብረት ኣልዒሉ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ከምጻኣ ተገዲዱ ። እወ ዕጥቃዊ ቃልሱ ንምጅማር በረኻ ናብ ገድሊ ወፊሩ ። ገድሊ ብጥሙይ ከብድኻ ብንቑጽ ጎሮርኻ ብዕሩቕ ዝባንካ ህሮርማ ጸሓይን ቀዝሕን እናተበራረዩ ዓጽመ ስጋኻ ዝበልዑኻ ገደል መነባብሮ እተሕልፈሉ እዩ ።
ምስኡ ሽሾ ሰራዊት ምስ ማእለያ ዘይብሉ ካብ ሓያላን መንግስታት ሓጺነ መጺን ዝዓጠቐ ሓደ ተጋዳላይ ንዕስራ ሰራዊት መግዛእቲ እናገጠሙ ክቡር መስዋእቲ እናኸፈሉ ሰውራ ከም ዝዓኩዅ ጌረሞ ። ጀጋኑ ሰማእታትና ርእሰ ሓያላን መንግስታት እናተባራረዩ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሰላሳ ዓመታት መመላእታ ተዋጊኦሙና ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተበጅዮም ቆሲሎም ሰንኪሎም ። ነቲ ዘይወግሕ ዝመስል ድቕድቕ ጸላም ለይቲ ኣውጊሖሞ ። ምድረ ሰማይ ብባሕሪ ሓዊ ዝተፍኣ መራኽብ ውግእ ብኣየር ናፓልን ክላስተር ቦምባትትን ዝኽዕዋ ነፈርቲ ብመሬት ማእለያ ዘይብሎም መዳፍዓትን ሞርታራትን ሚሳይላትን መሬት ሓዊ ተኻዕዩዋ ከውሒ ከይተረፈ ሓዊ እናተቓጸለ ጀጋኑና ወዶም ጓሎም ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ እናተበሃሃሉ ስለ እዛ ክብርቲ መሬት ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ሓሊፎም ።
እወ ጀጋኑና ሓይሊ መግዛእቲ ተደምሲሱ ኤርትራ መሬታን ባሕራን ክሊ ሰማያን ነጻ ከም እትወጽእ እናተኣማመኑ እዮም ተሰዊኦም። ዓለም ንሞት ከም ዝፈረደቶም ብንግሆኡ እዮም ዝፈልጡ ኔሮም ፣ እንተኾነ በቲ ሓያል ቅልጽሞምን ነቕ ዘይብል ሓድነቶምን ጽንዓቶምን ተወፋይነቶምን ንኹሉ እንተታት ሰጊሮም ሃገር ነጻ ከም ዘውጽእዋስ ቅንጣብ ጥርጣረ ኣይነበሮምን። ህዝባዊ ግንባር እቲ ኣብ ህዝቢ ሰረቱ ዘንጸፈ ፣ እቲ ሰውራ ሰውራ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ኣሚኑ ንሓፋሽ ህዝቢ ወዲቡን ኣንቂሑን ኣዕጢቑን በይኑ ብጀካ ሓፋሽ ህዝቡ ብዘይ ናይ ማንም ደገፍ ንኽልተ ርእሰ ሓያላን በብእብረ ኣላሽ ኣቢሉ ዓወት ዝተጎናጸፈ ውድብ ሓደን በይኑን ካብ ዓለምና እንተተባህለ ውን ምግናን ኣይኮነን ።
ጀጋኑ ሰማእታትና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ሕጻን ሽማገለ ኣጆኩም ደቅና መስዋእትኩም ኣብ ነጸላና ክንቅበሎ ኢና እናበሉ ካብ እግሩ ስለ ዘይተፈልዩ ፣ ከም ማይ ውቅያኖስ ቀዲሕካ ዘይውዳእ ስንቅን ዕጥቅን ስለ ዝኾኑዎ ንመስዋእቲ ከም መርዕኡ ንመውጋቲ ከም ስልማቱ እዩ ዝወስዶ ኔሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ብተኣማንነት ኣነ እንተ ተሰዋእኩ ነዛ ብረተይ ዘልዕሉ ኣሽሓት ክመጹ እዮም ዝበለ ።
ጀጋኑ ሰማእታትና ኤርትራ ነጻ ከም ትወጽእ ጥራይ ዘይኮነስ ፣ እቲ ኣብ መሬታ ዝፈሰሰ ደም ጀጋኑ ደቃ ናብ ትሕተ ባይታ ማይ ተቐይሩ በቲ ጻዕረኛ ህዝባ ካብ ጻት ንጻት ለምሊማ ኩሎም ዜጋታት ጸጊቦም ዝሓድሩላ ከም እትኸውን ተኣማሚኖም እዮም ተሰዊኦም። ኤርትራ ከርሲ መሬታ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝዘቕበበ ብምዃኑ እቲ ጻዕረኛን ህርኩትን ህዝባ ኣውጺኡ ኣብ ረብሓኡ ከም ዘውዕሎ ተኣማሚኖም እዮም ተሰዊኦም ። እወ እቶም ሕድሪታት ጀጋኑ ሰማእታት ኣብታ ብደም ዝጨቀወት ጥውያ ነጸላ ተሰኪሞም ዝኣተዉ ሓርበኛታት ንዓና ንሓፋሽ ኣረኪቦሙና እዮም። ሓርበኛ የርኢ እምበር ኣይርእን እዩ። ነፍሲ ወከፍና ሕድሪ ኣለና ፣ ሕድሪ እቶም ሰማእታት ሕድሪ እቶም ውፉያት ። ኣይንዓሹ! እታ ካብ ሓመድ ተፈጢራ ናብ ሓመድ እትምለስ ስግኦም ርሒቓ ሓመድ እንተ ኮነት እቲ መንፈሶም መንፈስ ናይቶም ሓላላት መንፈስ ናይቶም ጀጋኑ ሰማእታት ግን ንዘንት እለት ህያው እዩ። መዓልታዊ እነካይዶ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ እንዛረቦ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ይርእዩናን ይሰምዑናን እዮም ።
እስኪ ብሕልናና እሞ ክሳድና ናብ መሬት ኣድኒንና ኣዒንትና ሰም ኣቢልና ነቲ ብህድኣት ዝነፍስ ንፋስ ጽን ንበሎ ፣ ብዓይነ ሕልናና ድማ ትሕቲ መሬት ንርአ ሽዑ ባሕሪ ከብድና ከም ውቅያኖሳት ባሕሪ ክገላበጥዩ ፣ኩሎም እቶም ኣሕዋትና ኣሓትና ኣዕሩኽትና መሳቱና መማህርትና ፣ኮታ ኣብቲ ለይለይ ዝብል ዕድመ ምሳና ዝስሕቁን ዝጻወቱን ዝነበሩ ንጉዕዞ ህይወት ማንካ ከየልዓሉላ ስለ ነጻነት ሃገር ኣብ ሰውራ ከይዶም በጃ ዝሓለፉ ኩሎም ክረኣዩና እዮም ፣ ድምጾም ድምጺ ጀጋኑ ሰማእታት ብዓውታ ክንሰምዕ ኢና።
ኣንቱም ተቐበልቲ ሕድሪ ፣ ወዮ ዝሃብናኩም ሕድሪ ተተግብርዎዶ ኣለኹም ? ኣብ መስመር እቶም ጀጋኑ ውፉያትዶ ኣለኹም ? ሓመድን እምንን ክትጸቕጡና ሓንሳብን ንሓዋሩን ክትሰናበቱና ከለኹም ዝኣቶኹሞ መብጽዓ ኣብ ግብሪ ተርግጒምኩሞዶ ወይስ ጥሒስኩሞ ? ኣብ ጥራይ ገዛ ብዘይ ናባዪ ዝሓደግናዮም ደቅናን ሓዳርናን ወለድናን ከመይ ኮን ይህልዉ ? ትናብዩምዶ ኣለኹም ? ማሕላና ማሕላ ገድሊ ማሕላ እቶም ውፉያት ዝባን ስዉኣት እያ ኔራ ሎሚ ኣብ ግዜ ናጽነትከ ከምኣ ኢላዶ ኣላ ? ስጋ ስዉኣት ኢልና እንተሚሕልና ድሕር ምሕር ኣይነበረን ። ኣብ ሓራ ኤርትራኸ ነታ ስጋ ስዉኣት ሕድሪ ሰማእታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከይንጥሕስ ኢልኩም ዝኣተኹማ ማሕላ ኣኽቢርኩማዶ ወይስ ጥሒስኩማ ?
ጉዕዞ ሰውራና መሪርን ሕልኽልኽ ዝመልኦን ትብዓትን ቆራጽነትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ ኔሩ ፣ጉዕዞ ናጽነት ውን ጥጡሕን ልሙጽን ኣይኮነን ፣ ውዑዩን ዝሑሉን ትጻወርዎዶ ኣለኹም ?
እቲ ራእዪ ሃገርና ክትበጽሖ እንደልዮን ረዚን መስዋእትን ስንክልናን ዝኸፈልናሉን ብትብዓትን ቆራጽነትን ተሰላስልዎዶ ኣለኹም ?
ምዕባለን ዳግመ ህንጻን ሃገር ከምቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕረ ዝተቓለሰላን ዝተሰዋኣላን ዝሰንከለላን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሃገር ብማዕርነትዶ ይሰላሰል ኣሎ ?
ብልሽውና ከይስዕርር ጥራይ ዘይኮነስ ጭራሽ ካብ ሃገር ካብ ሱሩ ተማሕዩ ክጠፍእ ዝግበር ቃልሲ ተዐውትዎዶ ኣለኹም ?
ከዳዓት ደቂ ሃገር መጋበርያ ጸላኢ ፣ ሃገር ኣማሕሊፍካ ንምሃብን ንምሻጥን ከይደቀሱ ዝሓድሩ ንምፍሻሎም ጥራይ ዘይኮነስ ንምጥፍኦም ትቃለሱዶ ኣለኹም ?
ሃገር ብዝረብሑን ዘይረብሑን ከይትድፈር ወትሩ ኣለኹልኪ ዝብላ ምዑት ህዝባዊ ሰራዊት ክህልዋን ፣ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናይዛ ሃገር ከምቲ ክቡር መስዋእቲ ከፊልና ዘረከብናዮ ይሕልዋዶ ኣሎ ?
ክቡራት ተቐበልቲ ሕድሪ ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ፣ እዘን ካብ ብዙሓት ውሑዳት ሰማእታትና ዘቕረቡልና ሕቶታት ንስምዓየን ክንደይ ካብአን ኣብ ግብሪ ኣውዒልና ኣለና ኢልና ንነብስና ንሕተት ፣ ምስ ሕልናና ተዛቲና መልሲ ንሃበለን። ኣብ ሓራ ኤርትራ ናይ ጉዕዞና መንጠሪ ባይታ ሰማእታትና እዮም ። ካብዞም ጀጋኑ ሰማእታትና ቅሩብ ፍንትት እንተ ኢልና መኣዝንና ስሒትና ናበይ ከም እንኸይድ ውን ኣይንፈልጥን ኢና ።
ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ካብቶም ዝደቐቑ ክሳብ እቶም ዝዓበዩ ናይ መሬት ይኹኑ ናይ ማይ ወይ ውን ናይ ሰማይ ፍጡራት ተጻባኢኡ ዘይፈልጥን መከላኸልን መጥቅዕን ሜላ ዘይብሉን የለን ። እቲምንታይሲ ክነብር ስለ ዘለዎ ። ንሕና ኤርትራውያን ውን ከም ኩሎም ፍጡራት ናይዛ ዓለም ተጻባእቲ ኣለዉና፣ ንኽንነብር ግን ክንቃለስን ዘዐዉቱና ሜላታት ከነጥሪ ናይ ግድን እዩ ። ክንሕይል ኣለና ሓይልና ድማ ኣብ ሓድነትናን ጥምረትናን እዩ ። ጸላእትና ውን ነዚ ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጡ ነዛ ሓድነትና ክብሕጉጉ ዘይገበርዎ ነገር የለን ። ብዙሓት ንኸብዶም ዝተሸጡ ኣውራጃዊ ሕማም ዘሳቕዮም ፣ ብነብሰ ምትሓት ዝሳቐዩ፣ ካብ ኣፍ ድኻ መንዚዕም ጅቦኦም ክመልኡ ዝደልዩ ብጸላኢ ተዓሲቦም ሃገር ክሸጡ ኣብ መላእ ዓለም ዝተዋፈሩ ከዳዓት ደቂ ሃገር ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና ። ክገብርዎ ዝኽእሉ ሓንቲ ነገር የለን። ዘይወግሕ መሲልዋስ ኣብ ቡኽራ ትሓርእ ከም ዝበሃል ። ጽባሕ ደበና ሓደጋ ተቐንጢቱ ብርሃን ጸሓይ ንመላእ ሃገር ምስ ኣብረሀ እንታይ እዮም ክብሉ ኣበይከ እዮም ክኸዱ ?
ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ጸላእትናን ኣዋፈርቶምን ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ኤርትራ ሕንፍሽፍሽ ከእትዉን ሃገር ከዕንዉን ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ እዋን ንሕና ድማ ብዕጽፊ ነዞም ወይጦታትን ዓንገልቶምን ንምፍሻል ብትብዓትን ቆራጽነትን ክንምክቶም ኣለና ። እታ ሃገር ሃገርና እቲ ህዝቢ ህዝብና እቲ መንግስቲ መንግስትና። ህ.ግ. – ህዝቢ ኤርትራ – መንግስቲ ኤርትራ ሰለስቲኦም ዘይነጻጸሉ ትንፋስና እዮም ። ኣጆኹም ኣጆና ።
ወይለኹም ከዳዓት ወይለኹም ወይጦታት ምስ ጸላኢ ዝወገንኩም ኣንጻር ሓፋሽ ዝዓጠቕኩም መቓብር ስዉኣት ዝፈሓርኩም ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለምኩም። ደም ስዉኣት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ወይለኹም ይብል ኣሎ ። ኣፍራዛና ናብ ካላሽን ትራክተርና ናብ ታንኪ ንምቕያር ዝጽግመና ከይመስለኩም ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!