ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ናይ 7 ዓመታት ዕድሚአን ልዕሊ 20 ሽሕ ተመረቕቲ ኣፍርየን

News ትግርኛ
education-eritrea-graduates
ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ናይ 7ተ ዓመታት ዕድሚአን ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰያት ሞያን ፍልጠትን ኣዕጢቐን ናብ ስራሕ ኣዋፊረን ከምዘለዋ ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ ገሊጹ።

የማነ ሃይለ

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ ብዛዕባ ምዕባለ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ኣመልኪቱ ምስ ማዕከናት ዜና ሃገርና ቃለ መጠይቕ ኣካዪዱ ነይሩ። ጽሟቕ ትሕዝቶኡ ድማ እንሆ፦

ፕሮፌሰር ታደሰ፡ ኣብ ሃገርና ዓመታዊ ብዙሓት ተመረቕቲ ይፈርዩ ኣለዉ። እዚ፡ ኣብቲ ሃገርና ትገብሮ ዘላ ናይ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ጻዕሪ ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ኣለዎ? 

ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ
ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኤርትራ ፕሮፌሰር ታደሰ መሓሪ

እዘን ዘለዋና ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ካብ ዝጅምራ ድሮ 10ይ ዓመተን ቀሪበን ኣለዋ። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ዳርጋ ጀመርቲ እየን ክንብለን ንኽእል። ጀመርቲ ኮይነን ግን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ እየን ዝገብራ ዘለዋ። ምስ’ዚ ኩሉ ዘለና ጸገማት ብዙሓት መንእሰያት ብዝተፈላለዩ ዓውደ ትምህርቲ ዓመት ዓመት እናመረቓ ነቲ ምዕባለ ሃገር ድርኺት ዝኾኑ ተመረቕቲ የፍርያልና ኣለዋ። ብውሕዱ ኣብ ዓመት ካብ 2500 ክሳብ 2700 ዝኾኑ ብዲግርን ብዲፕሎማን፡ ሕጂ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኮሌጃትና ብናይ ድሕረ ምረቓ ናይ ማስተርስ ደረጃ የፍርያ ኣለዋ

• ናይ ሎሚ ዓመት ተመረቕቲኸ ክንደይ ይበጽሑ?

ዛጊት’ኳ እቲ ዝርዝር ኣብ ኢድና እንተዘይሃለወ፡ ብገምጋም ግን ሎምዘበን ብዲግሪን ብዲፕሎማን እንተወሓደ 2700 ዝኾኑ ተመሃሮ ክምረቑ ትጽቢት ይግበር። 59 ናይ ዲግሪ ፕሮግራማት ወይ ዴፓርትመንትስ ኣለናልዕሊ 45 ናይ ዲፕሎማ ፕሮግራማት ኣለና12 ዝኸውን ናይ ድሕረ ምረቓ ወይ ናይ ማስተርስ ፕሮግራማት ኣለና። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ናይ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን medical doctors ኣለዉና። ስለዚ እቶም ዝምረቑ ተመሃሮ ካብ ኩሉ’ዚ ትካላት’ዚ ማለትና እዩ።

• ፕሮፌሰር ታደሰ፡ ቀደም ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ እያ ነይራ ኣብ ሃገርና። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ሸሞንተ ኮሌጃት በጺሐን ኣለዋ። እሞ እዚ ከም ተመኩሮ እንታይ ረብሓ ረኺብናሉ?

እወ፡ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ጥራይ እያ ነይራ። ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ጽቡቕ ሰጒማ፡ ጽቡቕ ማዕቢላ ነይራ። ድሕሪ ናጽነት እውን እንተኾነ፡ ክሳብ ትሽዓተ ዝኾና ፋካሊቲታት (ኮሌጃት) ኔረናና። ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቲ እውን ኣብ ዝተወሰነ ዓውዲ ትምህርቲ ተጀሚሩ ነይሩ። እዚ እናኾነ ግን፡ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝነበረ መሳለጥያታት ትምህርቲ ውሱን እዩ ነይሩ። ኣብ ዓመት ክንቅበሎ እንኽእል ቁጽሪ ተማሃሮ ካብ 1000 ክሳብ 1200 ጥራይ እዩ ነይሩ። ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እቲ መሳለጥያታት ትምህርቲ ስለዝድርተና ዝነበረ ማለት እዩ። ስለዚ እቶም ሓሊፍኩም ንብሎም ተማሃሮ 2.4 ፡ 2.6 ካብኡ ንላዕሊ ዘምጽኡ ጥራይ እዮም ኔሮም ማለት እዩ። ኣብ ኣስመራ ጥራይ ድማ’ዩ ነይሩ እቲ ላዕለዋይ ትምህርቲ። ካብ 2004 – 2005 ኣካዳምያዊ ዓመት ጀሚሩ እዘን ሸውዓተ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ምስ ተመስረታ ግን፡ እቲ ዝርግሐ ሰፊሑ ኣብ ኩሉ ዞባታት ሃገርና ከይዱ ማለት እዩ።

ካልኣይ፡ እቲ ዕድል ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ዋላ’ኳ ከምቲ እንደልዮ ኣይኹን፡ ብመጠኑ ግን ኣስተኻኺልናዮ ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብ 4000 ክሳብ 5000 ዝኣኽሉ ተማሃሮ ዓመት ዓመት ናብ ዲግርን ዲፕሎማን ናብዘን ዘለዋና ላዕለዎት ትምህርቲ ነእቱ ኣለና። ኣብ ሓደ ሓደ እዋናት እኳ እቶም ማትሪክ ዝሓልፉ ስለዝውሕዱ እምበር፡ እዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ክሳብ 5000 ተማሃሮ ከምህራ ይኽእላ እየን። እዚ ምስቲ ናይ ቀደም ናይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክንርእዮ ከለና ዳርጋ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኽና ኣለና ማለት እዩ። ጠቕላላ ቁጽሪ ተመሃሮና እንተርኢናዮ፡ ናይ ሓልሓለን ፓራዲዞ ዝበሃል ካምፓስን ወሲኽካ 5000 ተማሃሮ እዮም ዝበጽሑ ኔሮም። ሕጂ ግን ኣስታት 13000 – 14000 ዝኾኑ ተመሃሮ ኣብዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትና ኣለዉ። ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ማለት’ዩ። እዚ’ውን እኹል ኣይኮነን። በዚ ዓጊብና ማለት ኣይኮነን፡ ብዙሕ ዝጎድለና ኣሎ። ብዙሕ ክንጽዕሮ ዝግበኣና ነገራት ኣሎ። ካብቲ ዝነበረ ግን ከነዕብዮ ክኢልና ወይ እቲ ዕድል ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ከነስፍሖ ክኢልና ኣለና ክንብል ንኽእል።

• እዘን ኮሌጃት ተደኲነናሉ ዘለዋ ቦታታት መምስ’ቲ ዝህብኦ ዓውደ ትምህርቲ ዝኸይድ ድዩ ፕሮፌሰር?

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክድኮና ከለዋ ኣብቲ ዝግበአን ቦታ እየን ተደኲነን። ንኣብነት ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ባሕርን ቴክኖሎጂን ናይ ባጽዕ እንተድኣ ርኢና፡ እቲ ቀንዲ ቦታ ኣብ ባጽዕ እዩ። እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ናይ ስነ-ባሕሪ ስለዝኾነ እዩ ኣብ ባጽዕ ክኸውን ተመሪጹ። ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ እንተድኣ ርኢና እውን፡ ኣብቲ ሩባ ዓንሰባ ዝወርደሉ ቀንዲ ቦታ እዩ ዘሎ። ብሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታ ዘለዎ ድማ እዩ። ኣብ ዓዲ ቐይሕ ዝርከብ ኮሌጅ ስነ-ጥበብን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን እንተርኢና ድማ፡ ኣብቲ ታሪኻዊ ቦታ እዩ ዘሎ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ታሪኽን ናይ ኣርኢዮሎጂን ካልእ ንዕኡ ዝመስል ዓውድታትን ስለዘምህር እዩ። ስለዚ፡ ኩለን በቦትአን እየን ሒዘን ዘለዋ።

• እዘን ኮሌጃት ምስ ካልኦት ትካላት ዘለወን ሽርክነት ከመይ ይመስል?

ናይ ደገን ናይ ወጻእን መሻርኽቲ ዝበሃል ኣሎ። ኩለን ኮሌጃት ምስ ናይ ውሽጢ መሻርኽተን ማለት ምስ ሚኒስትሪታት ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ሽርክነት ኣለወን። ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ እንተድኣ ከም ኣብነት ወሲድና፡ ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ምርምር ሕርሻ ናይ ሓልሓለ ጥቡቕ ዝምድና እዩ ዘለዎ። እቲ ክወሃብ ዝግበኦ ትምህርትን ክፈርዩ ዝግበኦም ክኢልታትን፡ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ወይ ካሪክለም፡ ኩሉ ምስ’ዘን ናይ ውሽጢ መሻርኽቲ እናተረዳዳእካ እዩ ተጸኒዑ ዝጸፍፍ። ብድሕሪኡ ከኣ እዩ ካሪክለም ዝምደብ። በዝን በትን ምኽንያታት እዚ ዓውደ ትምህርቲ እዚ የድልየና እዩ ምስ ተባህለ ተጸኒዑ ዝንደፍ። እዚ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ስለዘይኮነ ግን፡ ናይ ወጻኢ መሻርኽቲ ዝበሃል ከኣ ኣለና። ኩለን ኮሌጃት ምስ ናይ ወጻኢ መሻርኽተን፡ ኣብ ካብ ሃገር ወጻኢ ምስ ዝርከባ ኮሌጃት ይኹና ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲታት ጥቡቕ ዝምድና ይገብራ ማለት እዩ። እዚ፡ እቲ ዝወጽእ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ወይ ካሪክለም ብዓለም ደረጃ ተቐባልነት መታን ክህልዎ፡ ተወዳዳሪ ክኸውን ይግዘና። እቶም ዝምረቑ ተማሃሮ እውን ብዓለም ደረጃ ኣብ ዝኸዱ ከይዶም ሓደ ዓይነት ክኸውን ስለዘለዎ እቲ ብቕዓት፡ ምስኣቶም እውን እናተረዳዳእካ ይስራሕ ማለት’ዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ብሕልፊ ኣብቲ ናይ ድሕረ ምረቓን ናይ ቤት ትምህርቲ ሕክምናን ትምህርቲ፡ ካብ ደገ ፈተንቲ እናምጻእና ኢና ከምዝፍተኑ ንገብር። ነቲ ካሪክለም ወይ ነቲ ስርዓተ ትምህርቲ ተቐባልነት ከምዝረክብ፡ ነመርቖም ዘለና ተማሃሮ ከኣ ብቑዓት ምዃኖም ከረጋግጹልና እዞም ናይ ደገ መሻርኽቲ ከምዝተሓጋገዙና ንገብር ማለት እዩ።

• እዘን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ኣብዚ ናይ 10 ዓመት ዕድሚአን ክንደይ ዝኣኽሉ ተመሃሮ ኣፍርየን ኣለዋ?

ብልክዕ ንምዝራብ፡ እዞም ሎምዘበን ዝምረቑ ዘለዉ ከይወሰኽካ፡ 20,160 ተመሃሮ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት ተመሪቖም ኣለዉ። እዚኣቶም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ስርሓት ተዋፊሮም ግቡእ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ እዮም። ኣብቲ መጀመርያ ሕጽረት ናይ መማህራን ስለዘሎ መማህራን ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ብድሕሪኡ ግን ብመሰረት መንግስቲ ኣውጺእዎ ዘሎ መደባት፡ ካብ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ካብቲ ሞያ ወጺኦም ክሰርሑ ስለዘይብሎም፡ ናብቲ ዝተማህርሉ ሞያ እናኸዱ ስርሖም ከምዘሰላስሉ ክግበር ውጥን ተታሒዙ፡ ኣብ ትግባረ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ፡ ናይ ሕርሻን ሕክምናን ተማሃሮ ከም ኣብነት ክንወስዶም ንኽእል። ካልእ ምናልባት ኣብዚ ክንጠቕሶ ዝግብኣና ናይ ዕደና ትምህርቲ እዩ። ማይኒንግ ኢንጂነሪንግ፡ ፕሮሰሲንግ ኢንጂነሪንግ ዝበሃል ትምህርቲ ተጀሚሩ ኣሎ ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ። እዞም በዚ ሞያታት’ዚ ዝምረቑ ተማሃሮ፡ ቅድሚ ምምራቖም፡ ኣብዘን ናይ ዕደና ኩባንያታት እናኸዱ እቲ ዝግባእ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ከምዝቐስሙ ይግበር ማለት እዩ። እዚ ከኣ፡ ነቶም ካብ ወጻኢ እናመጹ ብኣሽሓት ዶላራት ዝኽፈሉ ዘለዉ፡ ግን ከኣ ካብዞም ነምህሮም ዘለና ዘይፍለዩ ወይ ብልጫ ዘይብሎም፡ ንምትካእ ይሕግዘና።

• እቲ ኣክረዲቴሽን ወይ ተፈላጥነት ናይዘን ኮሌጃትናኸ ከመይ ኣሎ?

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ኣክረዲት ዝገብራ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ኣለዋ። ብኸምኡ ኣክረዲቴሽን ይካየድ እዩ። ኣክረዲቴሽን ወይ ከኣ ተፈላጥነት ክበሃል ከሎ ብሓፈሽኡ ግን፡ ሓንቲ ትካል ላዕለዋይ ትምህርቲ በቲ ትህቦ ዓይነት ትምህርቲ፡ በቲ ትነድፎ ካሪክለም ወይ ስርዓት ትምህርቲ፡ በቶም ተውጽኦም ተማሃሮ እዩ ዝምዘን። ሕጂ ዋላ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እንተራኢና፡ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብቕዕቲ ዩኒቨርሲቲ እያ ኢሉ ዲፕሎማ ወይ ሰርቲፊኬት ዝሃበና ትካል ኣይነበረን። ግን ምስ ናይ ውሽጢ መሻርክትን ምስ ናይ ደገ መሻርኽትን እናተሓባበርካ ይጽናዕ ስለዝነበረ፡ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ክምደብ ከሎ ካብ ደገ እናመጹ ይተሓባበሩ ስለዝነበሩ፡ ተማሃሮና ክምረቑ ከለዉ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ከምዝቐሰሙ ባዕላቶም የመርምርዎም ስለዝነበሩ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተቐባልነት ነይርዎ። ንሱ ድማ’ዩ እቲ ተቐባልነት ዝህባ ንሓንቲ ላዕለዋይ ትምህርቲ እትህብ ትካል። ነዚ ንምግባር ከኣ እዘን ዘለዋና ትካላት ወይ ከኣ ኮሌጃት ላዕለዋይ ትምህርቲ ምስ ናይ ደገ መሻርኽተን ጥቡቕ ዝምድና ከምዝህልወን ንምግባር ይጸዓረሉ ኣሎ። ድሮ፡ ብዙሓት ካብኣተን ምስ ናይ ደገ መሻርኽተን ጥቡቕ ዝምድና ገይረን ኣብ ምልውዋጥ ናይ ተማሃሮን ናይ መማህራንን ምትሕግጋዝ ኣብ ስርዓተ ትምህርትን በጺሐን ኣለዋ። እቲ ተፈላጥነት እኮ፡ ነቲ
ዝወሃብ ዘሎ ፕሮግራም ዝወሃብ ተፈላጥነት እዩ። ካልእ ግን ብዓቢኡ ክንጠቕሶ ዝግበኣና ኣስታት 350 – 400 ዝኾኑ ካብዞም መማህራንና ብሕልፊ እቶም ተሓጋገዝቲ መማህራን ንደገ ሰዲድና ነምህሮም ኣለና። ትምህርቶም ዛዚሞም ዝተመልሱ ኣለዉ። ገና ዝመሃሩ ዘለዉ እውን ኣለዉና ማለት እዩ። ኣብ ዝሰደድናዮም ቤት ትምህርቲ ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤስያ ይኹን ኣፍሪቃ፡ ካብቶም መማህርቶም በሊጾም እንተዘይኮይኑ፡ ካብኣቶም ድሒሮም ዝመጹና ተመሃሮ የለዉን። ከም ኣብነት፡ ኣብ ጃፓን ዝሰደድናዮም ተመሃሮ ኣዝዮም ካብቶም መማህርቶም በሊጾም፡ ብልጫታትን ናይ ገንዘብ ሓገዛትን ወሲዶም፡ ናይ ዶክትረይት ትምህርቲ ከምዝቕጽሉ ዝገበርዎም ኣለዉ። ስለዚ፡ እቲ ኣብዚ ዝወሃብ ትምህርቲ ቀሊል ኣይኮነንብዓለም ደረጃ ተቐባልነትን ተወዳዳርነትን ከምዝህልዎ ተገይሩ እዩ ዝወሃብ ዘሎ

• ኣብ ዓቕሚ መማህራንና ንገብሮ ዘለና ጻዕሪኸ ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ?

ኣብዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትና ካብ ዘለዉና ብድሆታት ሓደ ሕጽረት መማህራን እዩ። ሕጽረት መማህራን እቲ ናይ ብሓቂ ሓኒቑ ሒዙና ዘሎ ብድሆ እዩ። ነዚ ንምቅላል፡ ካብ ደገ ብልዑል ናይ ወጻኢ ሸርፊ መማህራን እናኣምጻእና ንሰርሕ ኣለና። እዚ ግን ቀጻልነት ክህልዎ ስለዘይክእልን ስለዘይግባእን፡ ሓደ ስትራተጂ ሓንጺጽና ኢና ክንጓዓዝ ጀሚርና። እቶም ዘለዉና ብሉጻት እንብሎም ተሓጋገዝቲ መማህራን ኣብ ደገ ከይዶም ተማሂሮም ክምለሱና ንሰዶም ማለት እዩ። ካልኣይ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘለና ዓቕሚ ሂብና፡ ተማሂሮም ከም መማህራን ከምዘገልግሉ ይግበር። ሳልሳይ እዚ ናይ ምልእኣኽ ትምህርቲ እዩ። ኣብዘን ኮሌጃት እዚኣተን ክመሃሩ ዘይክእሉ ኣብ ሚኒስትሪታት ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት ብናይ ምልኣኣኽ ትምህርቲ ናይ ማስትረይትን ካብኡ ዝለዓለ ደረጃን ከምዝመሃሩ ጌርካ እንተተኻኢሉ ናብተን ኮሌጃት ክኸዱ፡ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ኣብ ትርፊ ግዚኦም ከምዝሕግዙና ክግበር እዩ። ካልእ እንጥቀመሉ ዘለና ኣብ ደገ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሕልፊ ከኣ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘለዉ ምሁራት ኤርትራውያን ኣብ ትርፊ ግዚኦም ከምዝሕግዙና ንገብር ኣለና። ኣብ ዝጥዕሞም እዋናት እናመጹ ብሕልፊ ኣብዚ ናይ ድሕረ ምረቓ ፕሮግራም ይሕግዙና ኣለዉ ማለት እዩ። ስለዚ ብኹሉ መዳዩ ብዙሕ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።