“ካብ ሕጂ ንድሓር፡ ማእዝኑ ዝሰሓተ ስብከት፡ ህድማ ንቕድሚት ንህዝቢ ትግራይ ዘርብሕ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ዝሓለፈ ጸገማት ብግብሪ ርእይዎ፣ ተማሂርሉ ኣሎ። ሕጂ’ውን ሃናጺ ኣበርክቶ ክገብር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድናኡ ከደልድል፣ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘለዎ ሰፊሕ ረብሓ ተወሃሂዱ ክሰርሓሉ ዕድል ኣለዎ። ብዛዕባ’ዚ መምህር ዘድልዮ ኣይኮነን። ናይ ቀደም ታሪኽ ከይጸብጸብካ፡ ዝሓለፈ ሰለስተ ዕንደራታት እኹል ትምህርቲ’ዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ሕርያ ንጹር እዩ፣ መኻርን መዓድን ዘድልዮ ኣይኮነን።”
***
እዚ ቃላት’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቃለ-መጠይቕ ዝበሎ እዩ። ብርግጽ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ብሰንኪ ግጉይ ሕርያ መሪሕነትን ንዕንደራ ዘደፋፈረ ምትብባዕ ኣመሪካን መሻርኽታን ገጢሙዎ ዘሎ መከራ ቀሊል ኣይኮነን። የግዳስ ካብ ዕጹው ልቦና፡ ጸቢብ ኣተሓሳስባ፡ እምነት ኣብ ሓይልታት ግዳም ብምግልጋል፡ ናብ ስትራተጂያዊ ረብሓ ህዝቢታት ዘቋምት ንቕሓት ዝፈጥር ዓቢ ትምህርቲ እዩ።
ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝቘምኩ’የ ዝብል ብሱል መሪሕ፡ ግጭት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ክመርጾ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ካብ ሰላማዊ ጉርብትና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝያዳ ኹሉ ዝረብሕ ህዝቢ ትግራይ’ዩ። መሪሕነት ወያነ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ከየመዛዘነ፡ ኣብ 1998፡ ብነድኢ ግዳማውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ወራር እምበኣር፡ እቲ ዝዓበየ ስትራተጂያዊ ጌጋ እዩ ነይሩ።
ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፡ ብዘይተቘጠበ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባርን ንዓወት ከምዝበቕዐ ህዝቢ ትግራይን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ፡ ነዊሕ ዘይገበረ ታሪኽ’ዩ። የግዳስ መሪሕነት ወያነ፡ ብኸብዱ ተሸይጡ፡ ካብ ተዋጋኢት ላም ዘየድሕኑ ናይ ርሑቕ መወልቲ ኣሚኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዝተፈጥረ ናይ ቃልሲ ምሕዝነት በቲኹ፡ ብዶብ ኣመሳሚሱ ወራር ብምህቃን፡ ከቢድ ጥልመት ፈጺሙ። ጉዳይ ዶብ ብይን ምስ ተዋህቦ ከኣ፡ ነቲ ብሰንኪ ቀዳማይ ጌጋ ዝተበላሸወ ዝምድና ክፍውስ ኣብ ክንዲ ምጽዓር፡ ዳግማይ ብኣይዞነት ግዳማውያን ሓይልታት ዘርኣዮ ሕንጋደ፡ ካብ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ ዘኽፈሎ ዋጋ ዝኸበደ’ዩ።
ጃንዳ ወያነ ብቑጥዐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ምስ ተባረረ፡ ካብ ጌጋኡ ተማሂሩ፡ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘውሕስ መገዲ ክሓሪ ዕድል ነይሩዎ’ዩ። ኲናት ዘምርጽ ምኽንያት ከምዘይብሉ’ውን ተመኺሩ’ዩ። እንተኾነ፡ ብኣጉል ትምክሕትን ጃህራን፡ “ውግእ ባህላዊ ጸወታና’ዩ” ብዝብል ዕሽነት፡ ኣድላይነት ዘይነበሮ ኲናት ወሊዑ፡ ንህዝቢ ትግራይ ንዝኸፍአ መቕዘፍቲን ዕንወትን ኣቃሊዕዎ።
ድሕሪ’ዚ መሪር ተሞኩሮ’ዚ እምበኣር፡ መዓዲን መኻርን ዘድሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ፡ ድፉን ኣእምሮ መሪሕነቱ ዘምጽኣሉ መከራን መግደራን ብግብሪ ስለዝርኣዮ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሕርያ ንጹር እዩ። ሰላም ምስ ህዝቢ ኤርትራ መተካእታ ዘይብሉ ሕርያ’ዩ! ካብዚ ስትራተጂያዊ ጠመተ’ዚ ወጻኢ፡ ካልእ ኩሉ ኣብ ዕንክሊል ዘንብር፡ ድንቁርና፡ ህወተታን ክሳራን ጥራይ እዩ!
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ
