
ብ ግርማይ የማነ፡
እቲ ዝዓበየ ቁጠባዊ ብድሆ ሃገራት ዘድልየን ነገር ዘየፍርያ እንተዘይኮይነን ኩሉ ግዜ ኣብ ሸመተ (ምሽማት) እየን ዝነብራ። መሰረታዊ ቁጠባዊ ማሕንቆ ሃገራት ድማ ነዳዲ፣ እኽልን ፊኖን፣ ሽኮርን ቡንን መድሃኒትን እዩ። ሓንቲ ሃገር ነዚ መሰረታዊ ጠለባትን ካልእ ሃላኺ ነገራትን ባዕላ ዘይተፍሪ እንተድኣ ኮይና ከቢድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ይሓታ ብኣንጻሩ ኣፍሪኻ ንወጻኢ እትሰዶ ሰደድ እንተዘይብላ ድማ ኣብ ከቢድ ቁልውላው እያ እትነብር።
ኤርትራ ሃገርና ኣብ ድሮ ነጻነት ዝዓነወ ፋብሪካታትን ትሕተ-ቅርጽን ቁጠባን እያ ተረኪባ። ከም ኩለን ናይ ሳሕለ-ሳሃራ ሃገራት ድማ ዘየተኣማምን ዝናብ ዝርከባ ሃገር እያ። ብኡመጠን ድማ ህዝብና ናይ ኩናት በሰላ ተወሲኽዎ ተጸባይ ረዲኤት ናይ ካናዳ ስርናይ ዘቛምት እዩ ነይሩ።
መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ነዚ ዝዓነወ ቁጠባ ንምሕዋይን ካብ ናይ ረዲኤት ተጸባይነት ንምግልጋል ወፍሪ ዋርሳይ-ይካኣሎ ብምእዋጅ ነዛ ሃገር ኣብ ምህናጻ ይርከቡ። ዝዓበየ ስትራተጂ መንግስቲ ኤርትራ ውሕስነት መግቢ ምርግጋጽ እዩ። ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ረዲኤት ዘቋምት ሰሪሑ መነባብርኡ ዘማሓይሸሉ ኩነት ምፍጣር እዩ። እዚ ድማ ብልመናን ምጽወታን ዝመጽእ ኣይኮነን። ህዝቢ ናይ ስራሕ ባህሊ ኣጥርዩ ጺዒሩ መነባብርኡ ከማሓይሽ ወይ ክልውጥ እዩ።
ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ክረምታዊ ዝናብ ተጸቢኻ ስለዘይከውን ኣታኣማማኒ ምህርቲ ንምርካብ መንግስቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሃገር ዛላታት ብምዝላይን ራህያታት ዲጋታትን ብምግዳብ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዘተኣማምን ፍርያት እንረኽበሉ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሕና ኣሎና። ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ብዛዕባ ዲጋ ፋንኮን ገርሰትን ንዛረብ ኔርና፣ሕጂ ግን ኤርትራ ሓደ ክልተ ዘይኮነስ ዓሰርተታት ዓበይቲ ዲጋታት እትውንን ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብዚ እዋን ኤሪ-ቲቪ ንዝተኻታተለ ወይ ጋሽ ባርካ ንዝበጽሐ NILE DELTA ዝመስል ዋሓዚ ሩባ ባርካ ኩሉ ከባቢኡ ለሚዑ ይርኤ ኣሎ። ዕላማና ድማ ነብስና ኪኢልና ናብ ሰደድ (ኤክስፖርት) ዝቀንዐ እዩ።
ምስ ውሕስነት መግቢ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ኤርትራ ሓምላይ (ቀጠልያ) ንምግባራ ብናይ ተማሃሮ ክረምታዊ ልምዓት መደብ ዝስራሕ ዘሎ ተወሲኽዎ ሌጣ መሬት ዝነበረ ሎሚ ብኣታኽልትን ሕርሻን ለሚዑ ኣብ ክሊማ ሃገርና ዓቢ ለውጢ የምጽእ ኣሎ። ነዚ ኩሉ መደብ ዕዉት ንምግባር ኣብ ሓመልማሎ ተደዂኑ ዘሎ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ዓቢ ግደ ይጻወት ኣሎ። ስለ’ዚ ካብ ክብርታትና ዝፈልፈለ ስራሕ ማሃዝነትን ጻዕርን ንኤርትራ ካብ ምጽወታን ተጸባይነት ኣድሒንዋ ይርከብ።
ካብ’ዚ ተኣምር ወፍሪ ሓምላይ ከይራሓቅና ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 70% ህዝብና ጹሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ክረክብ በቂዑ ኣሎ። ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራዊት ክልተ ስለስተ ሰዓት ኣብ ዝባና ተሸኪማ ወይ ብኣድጊ እትጓርት ዝነበረት ሕጂ ኩሉ ኣብ ኣፍደገ ገዝኣ ኮይኑ ብኾንቱ ዝባኽን ዝነበረ ጉልበትን ግዜን ተዓቂቡ ኣሎ።
ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ዝተደኮነ መፍረይ መድሃኒት ድሕሪ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ከረን ብዘመናዊ ኢንዳስትሪ ተሰንዩ ንድሕነት ጥዕናዊ መዳያት ህዝብና ብርትዓዊ ዋጋ ይግልገለሉ ኣሎ። ኤርትራ ናይ ውድብ ሕቡርት ሃገራት ሚለንዩም ፕሮግራም ማለት ሞት ኣዴታትን ህጻናትን ኣብ ግዜ ሕርስን፣ ተላባዕቲ ሕማማት ዓሶን ዓባይ ሳዓልን ኣይድስን ካልኦት ሕማማትን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከተብጽሖ ዝኸኣለት ሳላ እቲ ሓያል ዓቅሚ ሓካይምናን ፋርማሲስትን፣ ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ማእከላትን ክሊኒካትን መፍረ መድሃኒትን ክርሳዕ ዘይብሉ ኮለጃት ነርስን ኮለጅ ኦሮታን ዝገብርዎ ዘለዉ ሓያል ኣስተዋጽኦ መቀጸልታ ክብርታትናን ማሕበራዊ ፍትሕን እዩ።
እዚ ንህዝቢ ንምድንጋር ዝግበር ስነ-ኣእምራዊ ኩናት ህዝቢ ሕክምና ሲኢኑ ናብ ሱዳን ይኸይድ ኣሎ ዝብሃል ክንደይ ሚእታዊት ካብ ህዝብና እዩ? እዚ ብቁጽሪ ካብ ኣማኢት ዘይሕልፍ ንኩሉ ነቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝግበር ኣገልግሎት ምንእኣስ ገበን እዩ።
ብርግጽ ከምቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘለና ሕጽረታት ኣብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ዝተርፈና እዃ እንተሎ ኣብ መሰረታዊ ክንክን ጥዕና ብዙሕ ሰጒምና ከምዘለና ዓለም ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ እዩ። ኣብ ድሮ ነጻነት ማእከላይ ዕድመ ወዲ ሰብ ኣብ ኤርትራ 48 ዓመት ነይሩ። ኣብዚ እዋን ድማ ልዕሊ 62 ዓመት በጺሑ ኣሎ። እቶም ኣብ ኤርትራ ሕክምናን መድሃኒት የለን ዝብሉ እዚ ኤርትራ ኣመዝጊባቶ ዘላ ዓወታት ካብ ምንታይ ድኣ መጺኡ? ጸበል ዲና ለኺና ወይስ ሽንፋእ ነጺግና ንዕወተሉ ዘለና? ወይስ ውድብ ጥዕና ዓለምን ወድብ ሕቡራት ዓለም እዩ ዝጋገ ዘሎ? ዓገብ ንጉዕዙይ ኣተሓሳስባ። ሞያ ሃገርን ሞያውያንን ኣይነጥፍእ። ደጊምና ዓገብ ዓገብ ንኹሎም መሳርሒ ባዕዲ።
ርሑስ ባዓል ፋሲካ ንኩሎም መእመናን ክርስትና!
3ይ ክፋል ይቅጽል …