
ብ ተስፋኒውስ፡
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፡ ብምኽንያት እንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ ዓመት 2015 ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኮረ ቃለ-መሕትት ምስ መራኸቢ ብዙሓን ሀገርና ኣካይዱ ኔሩ። ኣብቲ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ዝተፈነወ ቃለ መሕትት ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጉዳይ ቅዋም ኣመልኪቱ ንዝሓቦ መግለጺ ካብዚ ቀጺልና ከምዘለዎ ክነቅርቦ ኢና።
ሕቶ ፡ – ሕራይ ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ጽንብል ናጽነት መደረኽ፡ ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር’ዩ ኢልካ ነይርካ። እዚ ብልክዕ እንታይ ማለት እዩ? ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም እውን ከም ዘሎ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ማለት እዩ። ክሳብ ሕጂ’ኸ እንታይ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣሎ?
መልሲ ፡ – ቅዋም ከም ዘየለ ኩሉ ሰብ ስለ ዝፈልጦ፡ ናይ ቀደም ቅዋም ነይሩ፡ ሞይቱ፡ ተንሲኡ . . . ክብለካ ኣይደልን እየ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ህላወና፡ ሉኣላውነትና፡ ዕብየትናን ልምዓትናን ከጋጥሙና ዝጸንሑ ብድሆታት ኣልዒለ’ውን መመኻነዪ ከምጽእ ኣይደልን እየ። መብዛሕትኡ ናይ ፖለቲካ ገስጋስ ጉዕዞና፡ ብኸም’ዚ ዝኣመሰለ ዕልቕልቓትን ናይ ደገ ምትእትታዋትን፡ ሓንሳብ ብህቦብላ ሓንሳብ ብማዕበል ሓንሳብ ብሓጹራት እናተዓንቀፈ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ።
ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት፡ ብዙሓት ናይ ኢመርጀንሲ (ህጹጽ እዋን) ኣዋጅ ነውጽእ ዝብሉ ዝነበሩ ሕጂ እንታይ ይብሉ ኣለዉ ካልእ ነገር እዩ። ኰይኑ ግን ብግብሪ እንተ ርኢናዮ እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ዝሞተ እዩ። ምእዋጅ የድልየና ነይሩ ድዩ ወይስ ኣየድልየናን? ሕጂ ጎናዊ ናይ ቈይቊ መኣዲ ምፍጣር ትርጉም የብሉን። ንሕና ክኒኡ ደኣ’ምበር ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ትርጉም ዘይብሉ ኣርእስቲ ኣይንኣቱን። መን ነዲፍዎ? ከመይ ገይሩ ተነዲፉ? ናበይ ገጹ እዩ? ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ’ዚ 15 ዓመት ብዙሕ ነገር ተማሂርና ኢና። ኣካይዳናን ፖለቲካዊ ብስለትናን ኣማዕቢልናን ብዙሕ ነገር ተማሂርናን ኢና። ሕጂ ዘለናን ሽዑ ዝነበረናን ንቕሓትን ሽዑ ዝነበረና ሃንቀውታን በበይኑ እዩ። ሽዑ ብስምዒትን ብድሌትን ብዙሕ ነገር ተራእዩ ክኸውን ይኽእል። ሕጂ ግን ዝያዳ በሲልና ኢና። ስለ’ዚ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዝተማህርናዮ ትምህርቲ ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰባት ወይ ሃገር ንዘሎ ዓይነት ህይወት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ንምቕያር ዝሕግዝ፡ ንዝዀነ ይኹን ጋግ ዘጽብብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝዀነ ጋግ ንኸይፍጠር እውን ዘረጋግጽ ስርዓተ መንግስቲ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። በዚ መሰረት ድማ ንዕኡ ክዓምም ዝቖመ ሓደ ኣካል ኣሎ። ተኣዊጁን ኣይተኣወጀን ካልእ ኣርእስቲ እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ዋና ነገር እቲ ስራሕ እዩ።
ብዙሕ ዓው-ዓው ኢልካ ንሃልኪ ወይ “ንፒ ኣር” (ንህዝባዊ ርክባት) ዝዝረበሉ ኣርእስቲ ኣይኰነን። ክውንነትና ኣጸቢቕና ስለ እንፈልጦ ዓው-ዓው ከይበልና ኢና እንሰርሕ። ከም’ቲ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ዝገለጽኩዎ ከኣ ንዕኡ ዝቖመ ኣካል ኣሎ። ምስ ተሓበረ ቃለመጠይቕ ከተግብሮ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ምድላው እቲ ቅዋም ሓደ “ሜተዶሎጂ” ኣሎ። እቲ ሰነድ ብኸመይን መዓስን እዩ ክዳሎ፡ ብኸመይ እዩኸ ክሰርሕ ዝብል ቁምነገር እዩ ንዓይ ዝረኣየኒ። እቲ ናይ ቀደም መዓልቱ በሊዑ እዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመት ብዙሕ ርኢናን ተማሂርናሉን ስለ ዘለና፡ ካብኡ ብዝበለጸ ወይ ንመጻኢ ዘኽይደና ሰነድ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሰነድ “ሚንስ” (መንገዲ) ደኣ’ምበር “ኤንድ” (ናይ መወዳእታ ሸቶ) ኣይኰነን። ናብ’ዞም ዝጠቐስኩዎም ዓበይቲ ዕላማታት ዘምርሕ፡ ኣብ’ዚ ሂወት፡ ግዜ፡ ርሃጽ. . .ዝተኸፍለሉ ሃገር፡ ንመጻኢ ናብ’ቲ ክንበጽሖ እንደሊ መንገዲ ዘብጽሕ ስርዓት ኢና ንደሊ። እቲ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ ናይ መወዳእታ ዕላማ ስለ ዘይኰነ፡ ከይተሃንጠኻን ከይተሃወኽካን ሃዲእካ ዝስራሕ ስለ ዝዀነ፡ ሰዓቱ ቆጺሩ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ እዩ። እንታይ እዩ ከመይ እዩ ኣብ ዝብል ናይ ቆይቚ መኣዲ ክንዕደም ኣይንደልን ኢና። ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ውሽጥና ጉዳይ እዩ። ንናይ ደገ ሃልኪ ኢልና እነዳልዎ ሰነድ ኣይኰነን። ወይ ድማ ንናይ ደገ ባህጊ ከነዕግብ ወይ ከነዐግስ ኢልና እነዳልዎ ኣይኰነን። ንወለዶታት ዝኽፈል ዝኸፈልናሉ እሞ ንመጻኢ ናብ ንደልዮ ባይታ ናብ እንደልዮ መድረኽ ከብጽሓና ዝኽእል ሰነድ ምድላው ስለ ዝዀነ፡ ናይ ዝዀነ ፍቓድ ወይ ምትሕብባር ዘይንደልየሉ ጉዳይ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ብዘይ ዓውዓው፡ ብግብሪ ዘድሊ ምድላዋትን ወይ መጽናዕቲ ተቐሪቡ ክዳሎ እዩ።
እቲ ሰነድ ሰብ ክፈልጦን ክርደኦን ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ንሓደ-ክልተ ወይ ንጸቢብ ጉጅለታት ተባሂሉ ዝጸሓፍ ሰነድ ኣይኰነን። ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ክዛረብ ከሎ ከኣ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ረብሓታት ወይ ጸቢብ ረብሓታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዘይኰነ፡ ንሕጂን ንመጻኢ ወለዶታትን ዝዳሎ ሰነድ እዩ። እዚ ሰነድ’ዚ ናይ መወዳእታን ኣበር ዘይብሉ ወይ ንጹህ ሰነድ ክኸውን እዩ ኢሉ ዝሰርሕ ሰብ የለን። ነዚ ሕጂ ዘለናዮ፡ ነዚ ኣብ ቀረባ ዝረኣየና ዘሎ ኣድማስን ዝሰርሕ ሰነድ ግን ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ሽዑ ከመይ ጌርካ ተማዕብሎ ከመይ ጌርካ ተመሓይሾ ናቱ መንገዲ ኣለዎ። ስለ ዝዀነ ከኣ ውዱእ እዩ ተባሂሉ ዘይከይድ እናተማሓየሸ ዝኸይድ ምዃኑ ጥራይ ንግዜኡ እንተ ተረዳእና ይኣኽለና እዩ።
ኣበርክቶ ክገብር እኽእል እየ ዝብል ኣብ ሃገር ዝዀነ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኣበርክቶ ዝገብር፡ ሕጂ ስለ ዝተገልጸ ዘይኰነስ፡ ክስረሓሉ እውን ጸኒሑ እዩ። ብዙሓት ተበግሶታት ዝወስዱ፡ “ከም’ዚ እንተ ዀነ ይሓይሽ…” እናበሉ ወረቓቕቲ ክሰዱ ወይ ሓሳባቶም ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።
ሕጂ ግን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ወይ መሰጋገሪ መደብ ንኣቱ ስለ ዘለና፡ ሃዲእና፡ እሂን-ምሂን ኢልና ንኹሉ ህዝቢ ዝውክል መሰጋገሪ ስርዓት ምስኣል ወይ ምንዳፍ ዝኣተናሉ ስለ ዝዀነ በዚ ኣጋጣሚ እየ ተዛሪበ። ኣብ’ዚ 6 ወርሒ ሓደ ኣካል ቆይሙ ኣሎ። ከመይ ገይሩ ከም ዝሰርሕ ከኣ ቀሰይ ኢልና ክንዛረበሉ ኢና።
A competent body has been established to draft appropriate governance architecture that is responsive and relevant to Eritrea's realities.
— Yemane G. Meskel (@hawelti) December 31, 2014