President Isaias Speaks About Forto Incident

News Video
"እቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ዋላ ንእሽቶ ፍጻሜ እንተኾነ፡ ብዙሕ ተማሂርናሉ ኢና እሞ መሐየሊናን መለበሚናን’ዩ" - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
“እቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ዋላ ንእሽቶ ፍጻሜ እንተኾነ፡ ብዙሕ ተማሂርናሉ ኢና እሞ መሐየሊናን መለበሚናን’ዩ” – ፕረዚደንት ኢሳይያስ

By TesfaNews,

President Isaias Afwerki today gave a brief interview regarding the much hyped Forto incident that happened on 21st January 2013 at the Ministry of Information building. He said that the incident at Forto involved only a handful of individuals and there is no point to make a mountain out of a mole hill.

When asked to describe what really transpired at the MoI building on the said date, President Isaias went on to state the episode as follows (rough translation): 

I was here at the State House holding a meeting with some Ministers when information reached us that a handful of people stormed the building of the Information Ministry. We were surprised. Later other Ministers also joined us. Before we took any measures we wanted to know what really happened and for that the Commander of the Mechanized Division went to Forto to talk to the conspirators. When he approached to talk to them, one of the conspirators shot and wounded him. We decided to patiently wait and observe the situation rather than take hasty action.

There was division and disagreement between the conspirators, some wanted to start a shootout while others opposed it. The soldiers who were brought to Forto by deception and under false pretexts realized that something was not right. Therefore, in the afternoon hours, many of the soldiers abandoned the conspirators and left Forto.

We waited until all of the soldiers left Forto. The person who fired the shot left the others and tried to disappear. Eventually, in the evening hours, under the cover of dusk, the three conspirators got out of the building and drove away. We decided to simply have them followed and see where they will end up.

The next day all of the conspirators, whether voluntarily or forced, came forward and repented saying that they were deceived and asked for forgiveness. The individual who tried to runaway was located and encircled. When he realized that he had no way out, he committed suicide. This brought the film to its end.


ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ14 ለካቲት ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ብዛዕባ “ፍጻመ 21 ጥሪ 2013 ” ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓጺር ዕላል ኣካዪዱ ነይሩ። ጽሟቕ ትሕዝቶኡ እነሆ፦


ሕቶ: ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ተራኸብና፡ ን“ፍጻሜ 21 ጥሪ” ዝምልከታ ሕቶታት ኣለዋኒ’ሞ ንእግረ መገድኻ ክትምልሰለይ። ዝሓለፈ እዋን ን“ፍጻሜ 21” ጥሪ ብዝምልከት ዋላ ሓንቲ ዘሰክፍ ነገር ከምዘየለን ከምዘይነበረን ገሊጽካ ኔርካ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ዝጋዋሕ ዘረባታት ኣሎ። እቲ ዘረባታት ካብ ግምታት ዝብገስ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ’ውን ዝቃላሕ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ምእንቲ ክፈልጥ፡ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ብልክዕ እንታይ’ዩ ነይሩ? 

ኣብ ዕጹው በዓቲ ወይ ኣብ ካልእ ክፍለ ዓለም ዝተፈጸመ ነገር እኮ ኣይኮነን – ኩሉ ሰብ ዝወዓሎ’ዩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ጥራይ ድማ ኢኻ ክትገልጽ እትኽእል። ሓድሽ ክትምህዞ ወይ ክትንትኖ እትደሊ ነገር የለን። ብደገ ክውህትት ዝደለየ ድላዩ ክህውትት ይኽእል እዩ፣ ክጥንቁል ዝደለየ እውን ከምኡ። ሽዑ ኣብዛ ሕጂ ዘለናያ ቦታ ኣኼባ ነይሩና። ‘ኣብ ዜና ከምዚ ተረኺቡ’ ተባሂሉ። ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን – ሃንደበት’ዩ። ኣነ ነይረ፣ ሚኒስተራት ነይሮም። ኮፍ ኢልና፡ እንታይ ተረኽበ ተባሂሉ። እቲ ጉዳይ ቅድም ክትፈልጦ ክትክእል ኣለካ። እንታይ ምዃኑ ከይፈልጥካ ትርጓሜታት ክትህብ ወይ ዝኾነ ግብረ መልሲ ክትወስድ ኣይክኣልን’ዩ። ኣብ እንዳ ዜና ከምዚ ኩነታት ስለዘሎ፡ ሰባት ከይዶም ይርከብዎም ስለዝተባህለ፡ ኣዛዚ ናይ ሜካ ኣብ እንዳ ዜና ከይዱ ተዛሪቡዎም።

ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ፡ ናይቲ ዕግርግር ቀንዲ ክበሃሉ ዝኽእሉ (ንሳቶም’ውን ቀንዲ ክብሎም ኣይክእልን’የ) ተኲሱ ወጊኡዎ። ሰብ ግን ብዙሕ ኣይተጨነቐን። ኣብዚ ብሓባር ኢና ነይርና። ዝበዝሑ ሚኒስተራት ነይሮም። ‘ጌጋ’ዩ። ምርባጽ ወይ ጭንቀት’ዩ ክኸውን ዝኽእል’ሞ ብዙሕ ግብረ መልሲ ኣየድልን’ዩ – ሃዲእካ ምርኣዩ’ዩ ዝሓይሽ’ ተባሂሉ። ምሉእ መዓልቲ ኮፍ ኢልና ብሓንሳብ ከነዕልለሉ ኢና ውዒልና። ኣብ ዜና እንታይ ተዋስኦታት ነይሩ፡ ከመይ ነይሩ፡ እቲ ኣብኡ ዝወዓለ ይፈልጦ። ንዕኡ ከተዘንትወሉ ግን ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ምግላጽ ግን ኣብኡ ዝወዓሉ ክገልጽዎ ይኽእሉ። እቲ ዋና ነገር ግን፡ እቶም ነቲ ጉዳይ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተሓወስዎ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩነቲ ኣብኡ ሒዞምዎ ዝመጹ ዝተፈላለየ ሰብ ብምድንጋርን ብዘይከውን ዘረባታትን ስለዘምጽኡዎ፡ ድሕሪ ፋዱስሲ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ገገዲፍዎም እዩ ከይዱ። ነናብ ቦትኡ ተበጊሱ ማለት’ዩ።

ንገዛእ ርእሶም እዞም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኣካይድኦም ዝፈልጥዎ ነገር ነይሩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሓደ ተኩስ፡ እቲ ካልእ ኣይትተኩስ ይብል ስለዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ኩነታት ከተንብቦን ክትዛረበሉን ዝከኣል ኣይኮነን። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነት ጥራይ ኢኻ ክትገልጽ እትኽእል። ብዝኾነ፡ ብህድኣት ምርኣዩ እዩ ዘድሊ፡ ብዙሕ ግብረ- መልሲ ኣይሓትትን’ዩ ተባሂሉ፡ ጸሓይ ዓሪባ ጠቕሊሎም ክሳብ ዝወርዱ ኣብዚ ኮፍ ኢልና ኢና ኔርና። ዳርጋ ዝበዝሑ ሚኒስተራት ኣብዚ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ እንዳ ዜና ዘደየብዎ ሰብ ጠጠንጢኑዎም ምስ ከደምስ ዓይኒ ምሓዝ ሞሊቖም ዝኸዱ ዘለዉ መሲሉዎም ብሓንቲ መኪና ገይሮም ወጺኦም

ሽዑ’ውን እቲ ሰብ ኣበይ ይኸዱ ኣለዉ ዘይፈልጥ ኣይነበረን። ደሓን፡ ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ፡ መሊሶም ኣብ ዘየድልዮም ክኣትዉ ስለዝኾኑ ስቕ ኢልካ ጥራይ ምክትታሎም ይሓይሽ ተባሂሉ። በቲ ንሳቶም ዝብልዎ፡ እቲ ነታ ጥይት ዝተኮሰ ሰብ ሽዓ ምሸት ገዲፉዎም ከይዱ። ኣበይ ከም ዝኸደ’ውን ኣይፈልጡን’ዮም። ንሳቶም ግን በቲ ዝገበርዎ ዓቢ ጌጋ ተናሲሕና፡ ተጣዒስና’ዮም ዝብሉከመይ ገይሮም ገይሮምዎ፡ ስለምንታይ ገይሮምዎ ካልእ ኣርእስቲ’ዩ። ብዝኾነ፡ ናብ ዝኸድዎ’ውን ስለዘይነበሮም ንጽባሒቱ ብፍታዎም ድዩ ብዘይፍታዎም ኢዶም ሂቦም

ንሱ ካብኣቶም ተፈልዩ ሃዲሙ ከይዱ ኣብ ሓደ ጽምዋ ቦታ በጺሑ፣ መውጽኢ ከምዘይብሉ ስለዝፈለጠ ከኣ ርእሰ- ቅትለት ፈጺሙ። እታ ፊሊም ብኸምኡ ተወዲኣ ማለት’ዩ። ንሳቶም ስለምንታይ ከምዚ ገይርኩም? እንተተባህሉ፡ “ኣጋግዮሙና” እዮም ዝብሉ። በዓል መን’ዮም ኣጋጊዮምኹም? እንተተባህሉ’ውን በዓል እከለን እከልን ዝብልዎ ኣሎ። ኣብኡ ኣቲኻ ክትዛረብ ሕጂ ሰዓቱ ኣይኮነን፣ ኣጋግዮሞም ድዮም? ባዕላቶም ድዮም ተጋግዮም? ስለምንታይ ተጋግዮም? ኢልካ ብዙሕ ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ። እታ ፍጻሜ ግን ብኸምኣ ሓሊፋ። ብኸምኣ ሓሊፋ ኢልካ ትም ክበሃል ስለዘይከኣል ግን፡ እተን ኣሃዱታቶም ክፈልጣ ነይሩወን። ንዓለም፡ ንህዝቢ መግለጺ የድልዮ’ዩ ዘይኮነ፡ ቅድም ቀዳድም እቶም ምስኦም ዝውዕሉን ዝሓድሩን ክፈልጡ ስለዘለዎም፡ ኣጋግዮምና በሃልቲ ይኹኑ ተጋጊና በሃልቲ፡ ነቲ ኣሃዱታቶም ክገልጹ ነይሩዎም። ስለዚ፡ ሓደ ካብኣቶም ከመይ ገይሮም ኣብዚ ደረጃ’ዚ በጺሖም፡ ከመይ ገይሮም ተጋግዮም፡ ከመይ ገይሮም ኣጋግዮሞም፡ መግለጺ ሂቡ። እታ ጽውጽዋይ ከኣ ብኡ ተዓጽያ። ካብዚ ዝገልጾ ዘለኹ ንላዕሊ ነቲ ናይ ሽዑ ፍጻሜ ዝገልጽ ነገር የለን። ልቢ ወለድ ክጽሕፍ ዝደለየ ድላዪ ክገብር ይኽእል’ዩ። እቲ ሓቂ ግን ካብዚ ዝገለጽክዎ ንላዕሊ ብዙሕ መብርሂታት ዝሓትት ኣይኮነን።

ሕቶ: እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝጸንሐ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ብዙሕ ግዳማዊ ተጻብኦታት ኣእቲኻ ክርአ ይኽእልዶ፣ ወይሲ ሓደ ንጹል ፍጻሜ’ዩ? 

ኣብ ባህልና ከምኡ ክትብል መርትዖታትን ጭብጥታትን ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። ምትንታን ኣይከኣልን’ዩ ማለት ኣይኮነን። ክትግምት ትኽእል፣ ጉዳያት ከተላጋግብ ትኽእል፣ ሓደ ምስቲ ካልእ ከተመሳስሎ ትኽእል። ብባህርይ ከኣ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝኸደ ተጻብኦ፡ እሞ ድማ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ፡ ከምዚ ዓይነት ነገር ክፍጸም ከሎ፡ ኮን ዶኾን ወይ ምናልባት ኢልካ ክትንትን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣሰራርሓናን ባህልናን ግን፡ ቅድም ቀዳድም ጭብጥታትን መርትዖታትን ክህልወና ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ሓደ እዋን ብግስ ኢልና ክንጥንቁሎ ኣይንኽእልን ኢና። ቅድም ክንፈልጥ ክንክእል ኣለና። ድሕሪኡ ጥራይ ኢና፡ ምስ መን፡ ብኸመይ ከነላግቦ እንኽእል። ርክባት ነይሩዎ ድዩ፡ ናይ ደገ ኢድ ነይርዎ ድዩ ኣይነበሮን፡ ቅድሚ መደምደምታ ምሃብካ ሓበሬታ ክትእክብ ኣለካ። ኣብ ቤላ ቤሎው ክትኣቱ፡ ዘዝተባህለ ፈልፊልካ ፈላፊልካን ኣላጊብካን ክትዛረብ ዘሀውኽ ነገር የለን። ምትእስሳር ነይሩዎ እንተደኣ ኮይኑ፡ ክንፈልጦ ኢና ብመዓልትና – ቀሰይ ኢልና ከይተሃወኽና ማለት’ዩ

ካልእ ዝተፈላለየ መግለጺታት እንተልዩ’ውን ክንፈልጦ ኢና። ገለ ቀደም ንርእዮም ዝነበርና ሓደ ሓደ ተርእዮታት’ውን እኮ ሕጂ ተመሊስና ክንሓስበሎም ከለና፡ ኣለጋጊብካ ከምዚ ዓይነት ስእሊ ይህቡ’ዮም ኢልካ ብዙሕ ነገር ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ከምኡ ዘእቱ ምኽንያት ግን የለን። እቲ ተጻብኦ ሓድሽ ኣይኮነን። ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ብቐጥታ ምትእስሳር ኣለዎ ክትብል ግን ኣብ ምንታይ ተሞርኲስካ? ብኸመይ መገዲ ኣንቢብካዮ? እንታይ መርትዖታት ኣለውኻ? ከመይ ገይርካ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ በጺሕካ? ዝበሃል ሕቶታት ስለዘሎ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ከኣ ንነብስኻ ክትሓትት ስለዘለካኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ ሳምንቲ ብዙሕ ነገር ፈሊጥና ኣለና እንተኾነ፡ ኣረጋጊጽና ከምዝን ከምትን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።

ሕቶ: ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ዝሰዓበ ምዕባለታትከ እንታይ ኣሎ? ውሽጣዊ ጸጥታን ርግኣትን ኤርትራ ንሕበነሉ ኢና። ንሱ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ? 

ንሱ ንነብስና ከነሞጉስ፡ ንባህልናን ታሪኽናን ከነዐቢ ምእንቲ ኢልና ንዛረበሉ ነገር ኣይኮነን። ሕብረተሰባት ወይ ህዝብታት ካብ ንኣሽቱ ስድራቤታትን እንዳታትን እናተኣከቡ ናብ ደረጃ ሃገር ይበጽሑ። ኣብ ነንበይኖም ታሪኻዊ እዋናት ከኣ ነንበይኑ ዓይነት ኣተዓባብያን ምዕባለን ክሕዙ ይኽእሉ። ኣብዛ ሃገር ንዝተፈላለየ እንተታት ዋሕስ ኢልካ ክትዛረበሉ እትኽእል ርግኣት ኣሎ። ካበይ’ዩ ግን መጺኡ እዚ ሃገር እዚ? ከመይ ኢሉ እዩኸ ሃገር ኮይኑ? ኣብ መስርሕ ናይ ህንጸት ሃገር ብማሕበራውን ባህላውን ጎድንታቱ፡ ብኻልኦት ዝተፈላለዩ መለክዒታት ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ? ንዂሉ ናይ ሃገራዊ ህንጸት መስርሕ ጸንቂቑ ወጺእዎ’ዩ፡ ሓሊፉዎ’ዩ ኢልካ ክትጀሃር ኣይትኽእልን። ዋላ በቲ ዝተሓፍሰ ተመኩሮታት’ውን ብዙሕ ትጀሃረሉ ነገር የለን። ምኽንያቱ ቀጻሊ፡ ዲናሚካዊ መስርሕ ስለዝኾነ። ግን፡ ርግኣት፡ ዕብየት፡ ተጻዋርነት ናይ ሓደ ህዝቢ ካብ ባዶ ዝብገስ ኣይኮነን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ወይ (ሲምፕቶምስ) ኣብ ዝቕልቀለሉኸ ምስ ታሪኹን ኣተዓባብይኡን ብኸመይ መገዲ የወሓሕጦም? እንተኢልካ፡ ብወገነይ ሓድሽ ምህዞ ኮይኑ ኣይርኣየንን። እቲ ተጻብኦታት ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት እንተርኢናዮ፡ እዚ ንእሽቶ ህዝብን ንእሽቶ ሃገርን ንዂሉ ስለምንታይ ኢዩ ክጻወሮ ክኢሉ? ህዝቢ ኤርትራ ወይ ንሕና ባዕልና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጸላእቲ’ውን ዝፈልጥዎ’ዩ። ምናልባት ዓው ኢሎም ክምስክርሉ ኣይደልዩን ይኾኑ። ግን እዚ ፍሉይነት እዚ ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን። ድሓር ከኣ፡ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ተርእዮታት መጺእካ፡ ናብ ገዚፍ ኣርእስታት ምእታው ንገዛእ ርእሱ፡ ነቲ ፍጻሜ ምትዕብባይ ስለዝኾነ፡ ኣብ ደረጃኡን ኣብ ዓቐኑን ጥራይ እንተሓዝናዮ ዝበለጸ’ዩ። ዳስ ተኺሉ ሰብ ዝሰኣነ’ሞ፡ ጓይላኡ ከተድምቐሉ እንተደኣ ዓዲሙካስ፡ በይንኻ ጎሮውሮው ኣብ ዝበለ ዳስ ክትኣቱ እንታይ ዘገድድ ኣለካ? ስለዚ፡ ክብረት ናይቲ ህዝቢ፡ ክብረት ናይቲ ሃገርን ክብረት ናይ ባህልታቱን ክንፈልጦን ክንርድኦን ዘለና ይመስለኒ።

ሕቶ: ክቡር ፕረዚደንት፡ ድሕሪ’ዚ ክስተት’ዚ፡ ነቲ ፍጻሜ ዝተፈላለየ መልክዕ ብምልባስ ንዝተፈላለየ ዕላማታት ክጥቀምሉ ዝደልዩ ማእረርቲ ፖለቲካ ኣይሰኣኑን ይኾኑ እዮም’ሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል? 

ኣይትተሃወኽ! ግዜ ኩሉ ነገር ስለዝገልጽ። ሰነፍ፡ ዝነደየ፡ ዝጠፈሸ፡ ውዱቕ – ብዂሉ ማሕበራውን ባህላውን ህይወት ዝወደቐ፡ ዝተፈላለየ ዓይንን ኣእምሮን ዘዕውር ሓሳባት ዘለዎ ውሕድ ኣይስኣንን ይኸውን። ኣብ ታሪኽ ከምኡ ምርኣይ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዱቕ መኣዲታት እንተደኣ ዓዲሙካ ወይ ንእግረ-መገድኻ ክትሓልፍ ከለኻ ዝና፡ ስም ደልዩ እንተደኣ ጸሪፉካ’ሞ፡ ክትጸርፎ ወይ ክትሃርሞ እንተደኣ ደልዩ፡ “ከልቢ ይነብሕ፡ ገመል ከኣ ይጉዓዝ።” ደሓን ይፍትሓላ፣ ሕጂ ኣብ ከምዚታት ኣይኣቱን’የ፣ ኣብዚ ናትካ ዕድመ ኣይሳተፍን’የ፣ ከዳምቐልካ ኣይደልንየ፣ ኢልካ ምሕላፍ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ፡ ዘይረ ዘይረ ኣብቲ ናቱ ዕድመ’የ ክኣቱ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ብባህሊ’ውን ኣብ ዜናናን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፖለቲካ ተበግሶታትናን ጎስጓሳትናን ክንጥንቀቕ ክንክእል ኣለና። ሓደ ሓደ እዋን፡ ሓደ ሰነፍ፡ ውዱቕ ንስሙን ዝንኡን ድምቀቱን ክምዝምዞ ምእንቲ ይጸርፈካ ወይ ክቋየቖኻ ይደሊ። ከም ሰብ ግርህ ኢልካ ኣብ ግብረ-መልሲ ትኣቱ። ንዕኡ ኢኻ ተገልግሎ ዘለኻ። ከምኣ ምስ ገበርካ ትጥዓስ ኣብ መወዳእታ። ‘ኣይ ተጋግየ እንድየ፡ እንታይ ገደሰኒ እየኸ ናብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ቆይቊ ኣትየ’ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ግን ኣብታ ዝተዃቱኾካ ዘሎ ሰዓት፡ ሽዓ ውሳኔ ክትወስድ ክትክእል ኣለካ – ትጥንቀቕ ማለት’ዩ። ‘ደሓን ሰሚዐካ ኣለኹ፡ ካልእ መዓልቲ ከረኻኽበሉ’የ፡ ሕጂ ግን ስራሕ ኣለኒ’ ኢልካ ክትከይድ ኣለካ።

ናይ ሚድያን ናይ ዲስኢንፎርመሽንን መሳለጥያታት ኣብ ኩሉ ተዘርጊሕሉ ኣብ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ንዕኡ ተጠቒሙ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መኣዲ ክዕድመካ ንዝደሊ ዝያዳ ክትጥንቀቐሉ ኣለካ። ኣብ መወዳእታ ግዜ ዘየቃልዖ ነገር ስለዘየለ፡ ‘ደሓን ሰሚዐካ ኣለኹ፡ ግን ግዜ ክዓርቀና’ዩ’ ጥራይ ኢልካ ምኻድ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢና ክሳብ ሎሚ ምህዋኽ ዘይንመርጽ። ኣብዚ ዝነገርኩኻ ዛንታ ዝምላእ ወይ ካብኡ ዝንከ የለን። ሓድሽ ዘይፈለጥናዮ ነገር ክንፈልጥ እንተደኣ ኴንና ከኣ ህድእ ኢልና፡ ቀሰይ ኢልና ዘይንፈልጠሉ ምኽንያት የለን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዳንኬራ ምዕዳም ግን ኩሉ ግዜ ጥንቅቕ ኢልካ ክትጉዓዝ ኣለካ ማለት’ዩ።

ሕቶ: ገለ ንመንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ዝጸሉ ወረታት ክናፈስ ከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ባህሊ ቅልጥፍ ኢሉ መልሲ ኣይህብን’ዩ። እዚ ቅልጥፍ ኢልካ መልሲ ወይ ግብረ-መልሲ ዘይምሃብ ከምዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ገለ መኽሰባት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ክሳረኸ ኣይህልዎንዶ ወይ ከደናግር ኣይክእልንዶ ነቲ ዝሰምዕ ሰብ?

ንድሕሪት ተመሊስካ እሞ 10 ዓመታት ወይ ልዕሊኡ ርአ። እንታይ ናይ ምድንጋር፡ ናይ ዲስኢንፎርመሽን፡ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩናት ሓሶታት’ሞ ዘይተዘርበ! ኣብቲ ዘንቢልካ ኣኪብካ ክትርእዮ ከለኻ፡ ንዕኡ ከኣ ከፋፊልካ ሓደ ብሓደ ክትርእዮ ከለኻ ማእለያ የብሉን። ግን ትማሊ ትማሊ ዝበሃል ዝነበረ እንታይ ኮይኑ? ክልተ ነገራት’ዩ። ሓደ ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዳናጋሪ ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ክሰምዕ ከሎ ኣይስከፍን ማለት ኣይኮነን፡ ስክፍታ ባህርያዊ ስምዒት ናይ ሰባት ስለዝኾነ። ግን ክኒኡ ሓሊፉ፡ ተደናጊሩ መገዲ ጠፊኡዎ፡ ንሓሶት ኣሚኑ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ – የለን። ነዚ ዝኣመነ ሰብ ኣይነበረን። ስክፍታ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ተደጋጋሚ ሓሶት ክመጽእ ከሎ ዘይስከፍ ሰብ የለን። “ፕረዚደንት ሓሚሙ፡ ከምዚ ኮይኑ፡ ከምዚ ተፈጢሩ” ተባሂሉ። ካበይ’ዮም ኣምጺኦሞ እቲ ዘረባ? ኣበየናይ እንዳ ሕክምና ወሲዶም’ዮም ኣመርሚሮሙኒ? ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕዳ ሓሶትከ ኣሎ ድዩ? ክትብል ትኽእል። ነቲ ህዝቢ ግን የሰክፍ። እቲ ሓደ ብልጫኡ ግን፡ ተደጋጋሚ ስለዝኾነ ነቲ ህዝቢ ኣለቢምዎ። ካብ ስክፍታ ኣድሒንዎ ማለት ኣይኮነን – ስክፍታ ባህርያዊ ነገር’ዩ። ኣብ ሓሶት ምእማን ወይ ንዘይኮነ ነገር ከም ክውን ምውሳድ ግን የለን። “ኢምዩኒቲ” ፈጢሩ’የ ዝብሎ ኣነ

እቲ ካልኣይ ብልጫኡ፡ ትም ኢልካ ዓቕሊ እንተደኣ ጌርካ፡ ግዜ ባዕሉ ስለዘብንኖ፡ ነቲ ሓርጭ ንፋስ’ዩ ዝወስዶ። ስለዝፈኩስ ማለት’ዩ። እዚ ክልተ ብልጫታት ከለካ’ሞ እንታይ ዘረብጽ ኣለካ። ቀዳማይ ነገር፡ ክደናገር ዝኽእል ህዝቢ የለን። ምናልባት ክስከፍ ይኽእል ይኸውን፣ ግን ምስ ግዜ እቲ ስክፍታ ስለዝበንን፡ እቲ ስክፍታ ምስ ሓለፈ ከኣ እቲ ሰብ መሊሱ እናተረረ’ዩ ዝኸይድ። በቲ ካልኣይ ወገን ከኣ፡ እቲ ዝሕሱ ዘሎ ብግዝያውነት ንዝኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜ ይጥቀመሉ እንተልዩ፡ ምስ ግዜ ስለዝቃላዕን ስለዝፈኩስን፡ ዓቕሊ ገይርካ ምጽባይ ጥራይ’ዩ ዝሓይሽ። ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ኣብ መዓልታዊ፡ ሰዓታዊ፡ ደቒቓዊ ዜናታት ምእታው ኩሉ ግዜ ጥንቅቕ ኢልካ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ስለዝኾነ – ሰለስተ ሳምንቲ ብኸምኡ ኢና ሓሊፍናዮ’ሞናይ ሰለስተ ሰሙን ዘይኮነ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ተመኩሮ ከኣ ስለዘሎ፡ ጸገም የለን

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ናይ ዘሎ ህዝቢ ስክፍታ ከኣ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ዘጸግም ወይ ዘሻቕል ነገር ነይሩ ክብል ኣይክእልን’የ። ክተርፍ’ውን ኣይኮነን እኮ። ነዳይን ተጣላዕን ሓንቲ እያ እታ ኣተሓሳስባኦም – ቀጻሊ ሓድሽ ሓሶት ምምሃዝ። ምስዚ ዘሎ ፋብሪካታት ከኣ ሎሚ ሓሶታት ክትምህዝ ጸገም የለን። ዓረብ እንታይ ይብሉ፡ “ወስል ከዛብ ዕንደል ባብ” – ንሓሳዊ ክሳብ ባብ ኣሰንዮ። እቲ ሓሳዊ ኣብዚ ገዛ’ዚ ገበል ኣሎ እንተደኣ ኢሉካ፡ ገበል ኣሎ ድዩ እስከ ንዓናይ ክሳብ እታ ማዕጾ ንእቶ ኢልካ፡ ገበል ኣሎ ድዩ የለን ኣብቲ ገዛ ክትርኢ ኣለካ እምበር፡ ሓሳዊ እንታይ ዘይብለካ! ስለዚ፡ ኣይትተሃወኽ ክሳብ ሓሶቱ ዝቃላዕ ማለት’ዩ’ሞ፡ እዚ ባህሊ’ዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ክኽበር ዘለዎ ክብርታት ናይዛ ሃገር’ዩ በሃላይ’የ።

ሕቶ: ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ’ኳ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሎ ስለዝጸንሐ ከምዚ ዝበልካዮ ምስ ግዜ እቲ ኩነታት ይፍለጥ’ዩ። ምናልባት ይድንጒ ይኸውን እምበር ኣብ ወጻኢ ዘሎ’ውን ይፈልጦ ይኸውን’ዩ። ምስዚ ዘሎ ናይ ኢንተርነትን ካልእን ሓበሬታታት ብዙሕ ዘደናግር ነገራት ኣሎ’ሞ፡ ንዕኡ ኣመልኪትካ ወይ’ውን ካብዚ ፍጻሜ’ዚ ክንመሃሮ ንኽእል ነገራት ኣመልኪትካ ኣብ መወዳእታ ክትብሎ እትደሊ? 

ትምህርቲ ተዋህላሊ እዩ። ሓደ ክምስገን ዘለዎ ባህሊ ከምዚ ቅድም ክንዛረበሉ ዝጸናሕና፡ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ዝነበሮ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ ስክፍታ፡ መግለጺ ናይ ሃገራውነቱን ሓልዮቱን ስለዝኾነ ከም ሕማቕ ነገር ክውሰድ የብሉን። ከም ፍርሒ ከም ስንባደ ወይ ምድንጋር ክውስድ ስለዘይብሉ ከኣ፡ ዝኾነ ሓድሽ ተርእዮ፡ ሓድሽ ምትንዃል፡ ሓድሽ ፈተነ፡ ይዕበ ይንኣስ ትምህርትን መደልደልን ስለዝኾነካ፡ እቲ ትምህርቲ ተቐሲሙ ኣሎ። እቲ ተርእዮ ምናልባት ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ-ዕስራ ዓመታት ኣይተራእየን ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ግን መለበሚ’ዩ። ንሱ ከኣ እዩ እቲ ብልጫኡ። ምናልባት ዘይትነግሩና፡ ዘይትገልጹልና፡ ቅሩብ ኣንፈት ዘይትህቡና ክብል ይኽእል’ዩ። ግን ከይፈለጥኩ’ሞ እንታይ እየ ክገልጽ? ደሓር ከኣ፡ ኣብቲ ክህቦ ዘለኒ መግለጺ፡ እቶም ሓሰውቲ ዝበልዎ ሓሶት’ዩ ንኽብል ድየ መግለጺ ክህብ ዋላስ ነታ ሓቂ ክገልጽ? የሀውኸኒ ድዩ ኸ? ነቲ ሓሳዊኸ ቁሩብ መሰሉ ዘይዕቅበሉ፡ መሰል ክትዕቅበሉ ከለኻ ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ። ይሕሱ ይሕሱ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓሶት ንፋስ ከምዝወስዶ ፍሉጥ ስለዝኾነ፡ እቲ ሰብ’ውን ይመሃር። ተሃዊኽካ መግለጺ ንምሃብ ዝርብጸካ ነገር ስለዘየለ’ውን ሃዲእካ ትጓዓዝ። ስክፍታ’ውን ነይሩና እኮ እዩ። ብተደጋጋሚ፡ ከምዚ ይበሃል ኣሎ እሞ መግለጺ ዘይንህብ ይበሃል ነይሩ። እቲ ሰብ ካብ ሓልዮት ተበጊሱ ብዙሕ ዝተፈላለየ ነገራት ክሰምዕ ከሎ ዋላ እንተዘይኣመኖ ከሰክፎ ይኽእል’ዩሞ፡ መግለጺ ዘይንህብ ይበሃል ነይሩ። ሽዓ መዓልቲ፡ ሚኒስተራት ነይሮም ካልኦት ሓለፍቲ’ውን ነይሮም። ብሓንሳብ ኣብዚኣ ኮፍ ኢልና ከነዕልል፡ ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥ ኢና ውዒልና። ድሓን’ዩ – ጽባሕ እቲ ኩነታት ምስ ተፈልጠ መግለጺ ክንህብ ኢልና’ውን ከም ሓፈሻዊ ምርድዳእ ጌርናስ፡ ኩሉ እቲ ኩነታት ምስ ረኣናዮ፡ ‘ኦ እምበኣር ህድእ ኢልና መግለጺ ምሃብ ይሕሸና’ ኢልናመግለጺ ምሃብ ዘይተርፈና ከኣ፡ ቅድም ነቲ ዝበሃል ሓሶት ክናፈስ ዕድል እንተሃብናዮ ነቲ ስእሊ ዝያዳ ከነጽረልና’ዩ ተባሂሉ – ጸኒሕና

ብሓፈሻ እንተርኢኻዮ ከኣ ኣብ ህዝቢ ዘሰክፍ ነገር የለን። ዓሰርተታት ዓመታት ተጋዲልና ክንብል ከለና፡ ንሕና ብነብስና ተኣማሚንና ኢና ክንከይድ ጸኒሕና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ናይ ህዝቢ ሓይሊ፡ ናይ ህዝቢ ጽንዓት፡ ናይ ህዝቢ ተወፋይነት’ዩ። ኣብዚ ናይ ትማሊ ደንጒና መግለጺ ሂብና ንኸውን፡ ወይ ገና’ውን መግለጺታት ክንህብ ንኽእል ንኸውን። ግን ካብዚ መስመር’ዚ ኣብ ዝወጸ ዓይነት ዳንኬራ ወይ ካልእ ዕድመታት ተሃዊኽና ከምዘይንሳተፍ እቲ ህዝቢ ሕጂ’ውን ክፈልጦ ዘለዎ’ዩ። ሓሶታት ክቕጽል’ዩ፣ ክናፈስ’ዩ፣ ብዙሕ ዘረባታት’ውን ክህሉ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ባህልና መመሊስና መኾልዒ ክንረኽበሉ ከለናን ሓድሽ መምሃሪ፣ ሓድሽ መመኮሪ ዘመተታት ክካየድ ከሎን፡ ተደማሚሩ ነቲ ዝጸንሐ ውርሻና ዘሐይለልና ስለዝኾነ፡ ብእኡ ክንቅጽል ምዃንና ጥራይ እየ ክገልጽ ዝደሊ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናይቲ ህዝቢ ስክፍታ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ ስለዝኾነ፡ ክብረት ዝግብኦ ዝምስገን’ዩ። ከምዚ ዓይነት ዳንኬራታት ከኣ መደልደልን መትረርን ክንወስዶም ስለዘለና፡ እቲ ህድኣት ብዙሕ ጸገም የብሉን። ከምዚ ኣጋጢሙ፡ ከምቲ ተፈጺሙ፡ እንዳ ዜና ደይቦም፣ ኣይኮነን እቲ ሕቶ። ሽዑኮ ምተታኾሰ ሰብማለትሲ ናይ ደቓይቕ ስራሕ’ዩ። ግን እንታይ ገደሰካ ኣብ ከምኡ ትኣቱ። ንመን ከተገልግል ኢኻ ከምኡ ትገብር? እንታይ ክትረብሕ ኢልካ? ሕጂ እቲ ብቐረባ ዘሎ ስለዝፈልጦ ምናልባት ሻቕሎቱ ውሕድ ዝበለ ይኸውን። ኣብ ርሑቕ ዘሎ ግን ምስ ቦታ እቲ ሻቕሎት፣ እቲ ስክፍታ እናዓበየ ከምዝኸይድ ርዱእ’ዩ። ብዝኾነ ዋላ ንእሽቶ ፍጻሜ እንተኾነ፡ ብዙሕ ተማሂርናሉ ኢና እሞ መሐየሊናን መለበሚናን’ዩ

ክቡር ፕረዚደንት የቐንየልና!