ምድላዋት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣንጻር ቦትስዋና

News Sport ትግርኛ
Asmara Stadium
እዚ ሜዳ`ዚ ኣድፊሩና ኣይፈልጥን`ዩ

ተስፋኣለም ገብረዮሃንስ (ኩባ)፡

ገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ሩስያ 2018 ከም እትሳተፍ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ። በዚ መሰረት እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣንጻር መዘናኣ ቦትስዋና ዝመጽእ 10 ጥቅምቲ፡ ግጥም ቀዳማይ እግሪ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ከተካይድ ኣብ ምድላው ከም ዘላ ሓላፊ ህዝባዊ ርካባት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡  ኣቶ ሱሌማን ዮሱፍ ገሊጹ። ኣቶ ሱሌማን ግጥም ቀዳማይ እግሪ ኣብ ኣስመራ 10 ጥቅምቲ ምስ ተኻየደ፡ ናይ መልሲ ግጥም ድማ 13 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ቦትስዋና ከም ዝሰላሰል ይሕብር።

ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣቶ ኪዳነ ፍሰሃጽዮን ንምድላዋት እታ ጋንታ ኣመልኪቱ ንጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እቲ ምቅርራብ ይካየድ ኣሎ። እቲ ግዜ ጽብብ ዝበለ ስለ ዝኾነ ከኣ እታ ጋንታ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ማለት ንጉሆን ምሸትን ልምምዳታ ተሰላስል ኣላ። ኣብ ሰዓታት ቀድሚ ቐትሪ ናይ ኣካላዊ ብቕዓት፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናይ ውህደት መደባት ልምምድ ይካየድ ኣሎ።” ክብል ገሊጹ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣቶ ኣለምሰገድ ኤፍረም ብግደኡ “ቅድሚ ወርሒ ካብ ኩለን ዞባታት ዝተመርጹ 56 ተጻወትቲ ሒዝና ኢና ተበጊስና። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ክልተ ገጽ ዝተኸፍለ ናይ መጽረዪ መስርሕ ኣካይድና። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ሳልሳይ መድረኽ ድማ ካብ ደገ ዝመጹ 8 ተጻወትቲ ወሲኽና ምድላዋትና ነካይድ ኣለና” ምስ በለ ኣሰልጣኒ ኣለምሰገድ ኤፍረም፡ ቀጺሉ “ጽዑቕ ውድድራት ዞባታትን ሃገራዊ ሻምፕዮን ክለባትን ስለ ዝጸንሐ፡ ንልምምድ ዝኣክል ግዜ ኣይነበረናን። ይኹን እምበር እዞም ተመሪጾም ዘለዉ ተጻወትቲ ዝበዝሑ ካብተን ስለስተ ዓበይቲ ጋንታታት ብምዃኖም ዝሓሸ ውህደት ከም ዘለዎም ንኣምን።”

ኣስዒቡ ኣቶ ኣለምሰገድ ፡ “ቦትስዋና ኣብ መሳልል ፊፋ መበል 118 ኣላ። ንሕና ድማ መበል 201። ብተወሳኺ ቦትስዋና ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝመደበሮም ተጻወትቲ ዝቖመት እኳ እንተኾነት ትሸዓተ ዝበጽሑ ፕሮፌሽናላት ዘማለአት ምዃና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣሎ። ይኹን እምበር እዚ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝርከብ ውጽኢት ኣይገልጾን እዩ። ነዚ ኣብ ሜዳናን ሃገርናን እንረኽቦ ብልጫታት ተጠቒምና ክንዕወት ኢና ንሰርሕ ዘለና ቅድሚ ጸወታ ትህቦ ትንበያታት ዘይክሰርሕ ዝኽእል እኳ እንተኾነ።” ምስ በለ “እዞም ካብ ደገ መጺኦም ዘለዉ ተጻወትቲ ብመሰረት ኣብ ውልቃዊ ሓበሬታታቶም (ፕሮፋይል) ኣብ ሰለስተ ዝኽፈሉ እዮም። እቶም ቀዳሞት ብቐጥታ ዝስለፉ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኣይ ደረጃ ድማ ብቴክኒካዊ ብቕዓት ዝበሰሉ ኣብቲ ኣካላዊ ብቕዓት ንስራሕ ግዜ ዘድልዮም።

እቶም ሳልሳይ ደረጃ ድማ ብዕድመ ንኣሽቱ ኮይኖም ከከም ኩነታትቱ እንጥቀመሎም እዮም።” ድሕሪ ምባል፡ ኣቶ ኣለምሰገድ ኤፍረም ኣብ መወዳእታ “ሒዝናዮም ዘለና ዝበዝሑ ተጻወትቲ ኣብ ጽዑቕን ከቢድን ናይ ዞባ ይኹን ናይ ሃገር ናይ ክለባት ውድድር ስለ ዝጸንሑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ነብሶም ዝመልስሉን ነቲ ኣብ ግጥም ኣንጻር ቦትስዋና ሒዝናዮ እንቐርብ ሜላታት ኣጸዋውታ ዝሕግዝ ናይ ምውህሃድ ልምምዳት ኢና ነካይድ ዘለና” ኢሉ።

ዓላሚ ሓለውቲ ልዳት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ገዲም ሓላው ልዳት ብርሃነ ኣርኣያ (ብሬታ) ንምድላዋት ሃገራዊት ጋንታ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኤርትራ ኣባል ካፍን ፊፋን ካብ ዝኾነትሉ ግዜ ኣብ ዘካየደቶ ኣህጉራዊ ግጥማት ኣብዚ ሜዳ (ኣስመራ ስታድዩም) ዝተሳዕረትሉ ኣጋጣሚ ሒደት’ዩ። ኣንጻር እተን ኣብ ዓለም ይኹን ኣፍሪቃ፡ ዓቢ ስም ዘለወን ሃገራት ካሜሩን፡ ናይጀርያን ኣንጎላን ገጢምና’ውን ኣይተሳዓርናን። ብሓጺሩ እዚ ሜዳ ኣድፊሩና ኣይፈልጥን እዩ።” ኢሉ። ንኩነታት ሓለውቲ ማዕጾ ኣመልኪቱ ከኣ፡ ብሬታ “ እዞም ዘለዉ ሓለውቲ ልዳት ዋላ’ኳ ኣህጉራዊ ተሞክሮ ዘይብሎም እንተኾኑ ኣብ ክለባቶም ዝኣክል ልምዲ ዝቐሰሙ ብሉጻት እዮም። ቀደሙስ ኤርትራ ድማ ሕጽረት ሓለውቲ ልዳት መዓስ ኣጋጢምዋ ይፈልጥ!!” ኢሉ።