
ብ ዳንኤል ኢ. ተወልደ፡
ብቐዳምነት ንሰብ መርበብ “ተስፋ” ከመስግን ይፈቱ። ቀጺለ ሚያዚያ 16, 2015 ዝወጸ ጽሑፍ ንተቐማጦ ከተማ ቶሮንቶ ዝምልከት፡ እቶም ኣስማቶም ተጠቒሶም ዘለው፡ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም መልሲ ክህብሉ ይኽእሉ’ኳ እንተኾነ፡ ከም ተቐማጣይ እዛ ከተማን፡ ከም ኤርትራዊ መጠን ከኣ ናይ ገዛእ ርእሰይ መልሲ ክህበሉ ኣፍቅዱለይ።
እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ርእይቶ ንዝኾነ ይኩን ውልቀ ሰብ ይኹን ማሕበር ዝውክልን ዘማእከልን ኣይኮነን። ኣብዚ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ሓላፍነቱ ኣነ ተሰካማይ ምዃነይ ይሕብር።
ጸሓፋይ ኣቶ ስሎሞን ኣብዘቕረቦ ምሉእ ትሕዝቶ ተወኪሰ እኳ እንተጻሓፍኩ፡ ቀንዲ ትሕዝቶ ጽሑፈይ ግን ኣብ ዳንኤል ነቢያት ዘተኮረ ኮይኑ እግረ መንገደይ’ውን ንሰብ መርበብ ተስፋ ኣገዳሲ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኢዩ።
ዳንኤል ነቢያት መን ኢዩ? ዝብል ሕቶ ክልዓል ይከኣል። ኮይኑ ግን ብዛዕባ መንነቱ ኣልዒልና ክንዛረብ እንተኾይንና፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ዳንኤል ነቢያት “ኤርትራዊ ኮይኑ፡ ሃገራዊ” ምዃኑ ጥራይ ክንፈልጦ ይግባእ። ካልእ ከምቲ ኩላትና ማሕበራዊ መነባብሮና ንምምሕያሽ መዓልታዊ ነካይዶ ቃልሲ፡ ንሱ’ውን ኣብዚ ማሕበራዊ ቃልሲ ዘሎ፡ መነባብሮኡ ከማሓይሽ፡ ሕርድግ ዝብል ስነ-ጥበባዊ ኢዩ።
ዳንኤል ነቢያት፡ በቲ ዘለዎ ፍቕሪ ሃገርን፡ ስነ ጥበብን፡ ብክእለቱ፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ንህዝቢ ቶሮንቶ ሃገራውን ፍቕራውን፡ ባህላውን ዘመናውን ደርፍታት ብምጽዋት ዘዘናገዐ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ በዓላት፡ ኮማዊ ማሕበራት፡ ከይተሓለለ ክእለቱን ተሞኵሮኡን ዘወፈየ ህቡብ ድምጻዊ ኢዩ።
ስነ ጥበብ ቦታ፡ ግዜን ዘይፈልይ ኮይኑ፡ ዪኒቨርሳል ኢዩ። ኣበይ ከምዘንበብኩዎ ኣይዝክርን እምበር፡ ሓደ ፍሉጥ ሩሲያዊ ከምዚ ይብል…“ድምጺ ዝኾነ ሙዚቃ ሰሚዑ እግሩ ኮነ ኣጻብዕቱ ዘየንቀሳቕስ ኣእምሮኡ ብተንኮል ዝመልዐ ኢዩ” ። እወ ሙዚቃ፡ ሰሓቢ ዝኾነ ሓይሊ ኣለዎ። ሎሚ ኣቶም ኣብ 80ታት ዝተሰደድና፡ ናይ ቀደም ትግርኛ ኣዚዩ ይስሕበና፡ ናይ ቀደም ኣምሓርኛ፡ ትዝታታት የምጽኣልና፡ ናይ ህንዲ ንእስነትና የዘኻኽረና፡ ናይ ገድሊ ጓይላ፡ እቶም ብኣካል ንዝነበሩ የተክዞም፡ እቶም ብኣካል ንዘይነበሩ’ኳኣ የንብዖም። ስለዚ ምስ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዝተተሓዘ፡ ህቡብ ስነ-ጥበባዊ ዳናኤል ነቢያት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ንኤርትራ ወኪሉ፡ ንካናዳዊያን ኣሳዕሲዑን ባህልናን ዘፋለጠ እንኮ ድምጻዊ ኢዩ። ኣብ ናይ ኣፍሮ ፌስቲቫል፡ ከምኡውን ኣብ ሃርብር ፍሮንት ዝካየ ዓመታዊ “ሌላ ባህሊ” ኣብ ሲቢሲ ራድዮን ቲቪን ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ መድረኽ ግሩም ዝኾነ ትልሂት ዘካየደ ናይ ብሉጻት ብሉጽ ስነ-ጥበባዊ ኢዩ።
ከምኡን፡ በቲ ጥዑም ዜሙኡን ክእለቱን ኣብ “ሓኪመይ” ትብል ስዲ ናብ ህዝቢ ዝቐረበን፡ ኣብ መዓልቲ ሰማዕታት፡ ንሕድሪ ሰማእታትና ንዘበርከትዎ ታሪኻዊን ገድላውን መስውኣቲ ዝሕብር ህዝቢ ዘንበዐ ደርፊ ኣስሚዑና ኢዩ። ዳንኤል ኣብ ቶሮንቶ ጥራይ ኣይኮነን፡ ዝፍለጥ፡ ዳናኤል ካልጋሪ፡ ኤድመንተን፡ ቫንኮቨር፡ ብተደጋጋሚ ዕድመ ይቀርበሉ። ኣብ ኣመሪካውን ኣንተኾነ ኣዚዩ ፍሉጥ ምዃኑ ኢዩ ዝንገረሉ።
ጸሓፋይ ኣቶ ሰሎሞን፡ ንስም ዳንኤል ጠቒሱ፡ ዘቕረቦ ምናልባት፡ ነዚ ኩሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተሳትፎን ዘበርከቶ ኣብ ግምት የእትዩ ይኸውን ብሕጽር ዝበለ “ሃገራዊ” ዝበሎ፡ ኮይኑ ግን ምስቲ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ኣሉታዊ ጽሑፋት፡ ጠልጠል ኣቢሉ ስለዝገደፎ፡ ንብዙሓት ሰባት ዘቆጠዐ ይመስለኒ።
ንግዚኡ ‘ዛዕባ ዳናኤል፡ ጠጠው ኣቢልና፡ ኣቶ ሰሎሞን ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ስለምንታይ? ዝብል ሕቶ ንሕተት። ኣቶ ሰሎሞን ነዚ ጽሑፍ ከጽሕፍ ዘኽኣሎ እንታይ ኢይ? ብሓቒ ዶ እዚ ንሱ ብኣሉታዊ መንገዲ ዘቕረቦ መልእኽቲ፡ ኣወንታዊ መልሲ ክረክብ ይኽእል? እንታይ ከ ጭብጥታት ኣለዎ? ናይ ጸሃየ ዮውሃንስ ነቶም ብፖለቲካ ብሱላት ንዝኾኑ ገዲፈ፡ እቶም “ሰላም ባንድ” ዝብሃሉ ኸ ብሓቒ’ዶ ምስ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ተዋሲቦም ይሰርሑ ኢዮም? እቲ ነዞም ስነ ጥበባውያን ከፋልጥ፡ ዝመወሎም ሰብ’ከ ድሕረ ባይታ ናይዞም ሰባት ከይፈለጠ ድዮ ናብ መድረኽ ዘምጽኦም? ሕልና የብሉ ድዩ? ወላስ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቀሎ ኢዩ። ስለዚ ብዙሕ ሕቶታት ክብገስ ስለዝከኣል፡ ዘጽግብ መልሲውን ክንረኽበሉ ስለዘይንኽእል፡ ኣብ መንቀሊ እዚ ጽሑፍ ናብ ህዝቢ ከመሓላልፎ ዝደለኹ ከተዅር።
ጽሑፍ ኣቶ ሰሎሞን ንጉዳይ ጸሃየ ዮውሃንስ ኣበጊሱ ምጽሓፉ፡ ሓቕነት ይሃልዋ ኣይሃልዎ፡ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ብስምዒትን ፍቕሪ ሙዚቃ ተደሪቱ ናብቲ ኣዳራሽ ከምርሕ እንከሎ፡ ንነብሱ ኪሓትት ይግብኦ። ሰሎሞን ስለዝጸሓፈ ኣይኮነን ናኸይድን ንተርፍን። ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘሕለፎ መገደል፡ ጸገም፡ ጸቕጢ፡ ኣብ ደሙ ኣትዩ ዘይስቀሮ እንተሎ፡ ኤርትራዊ ኣይኮነን፡ ግናስ ክሳብ መዓስ? ኣብ ፖለቲካ፡ ናይ ዘላኣለም ጸላኢ የለን ክብሃል ተደጋጋሚ ንሰምዕ ኢና። ስለዚ ኣብዚ ኾነ ይኹን ቦታ ኣብዚካየድ በዓላት፡ ምዝንጋዕ፡ ዕላላት፡ ጸወታን ምንቅስቓሳትን ክንሳተፍ እንከሎና፡ ብሕልፊ ንዓናን ብኤርትራዊ ሽም ዝግበር እንተኾይኑ፡ ሕቶ ዘየድልዮ መጽናዕቲ ክነካይድ ይግባእ። እቲ ሕቶ ግን ብጭብጢ ዝተረጋገጸ መልሲ ክንረኽበሉ ክንፍትን ኣለና።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ቶሮንቶ፡ ሎሚ ብብዙሕ ዘይረብሕን፡ ምኽንያታት ሓድነቱ ላሕሊሑ ይርከብ። ምንቅስቓሳት ዝብሃል የለን። ነቲ መዓልታዊ ጽዒሩ ክሕጎስን ብዛዕባ ሃገሩ ክመያየጥን ንዝደልይ ግዱስ ከም ጅሆ ሒዞም ዘፈራርሑ ብኩሉ ሸነኻት ተዋፊሮም ይርከቡ።
ኣብያተ ክርስቲያናትና፡ ምእመናን ነንሕድሕዶም ኣብ ጉዳይ ሃይማኖቶም ከይላዘቡ፡ ብመስቀል ዘፈራርሑ ሰበኻ ጉባኤን ካሕናትን ኣለውና። ኣብ ኮማዊ ማሕበራትና፡ ንጉዳይ ደቅናን ኣረገውትናን፡ ከይንሕብሕብ፡ ጀብሃን ሻዕብያን እንዳበሉ፡ ህዝቢ ዘዳኸሙ ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ ከምቲ ሰሎሞን ጥር ኢሉ ናብ ስነ ጥበባውያን ቀሉሙ ዝጻሕተረ፡ ብሓቒ ተቐማጣይ ከተማ ቶሮ ቶ ሓላዪን ኣንተኾይኑ ነዚ፡ ፋሕ ኣኢሉ ዘሎ ህዝቢ ንምጥርናፍ፡ ክብገስ ዝሓሸ ይመስለኒ።
2013 ንክልቲኡ ናይ ኦሮቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብጉዱሳት ሰባት(ካብ ክልቲኡ) ንሰላምን ሓድነትን፡ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዘሎ ፍልልያት ተወጊዱ ሓቢሮም ሃማኖታዊ ማሕበሮምን ንምምዕባል መበገሲ ይኸውን ተባሂሉ ናይ ባርቤኬው መዓልቲ ተገይሩ ነይሩ። 2014 ብዓቢ ተስፋ እንዳተጸበና፡ ካብ ውሽጢ እዘን ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ዕንቅፋት ነቂሉ፡ እቲ ተስፋ፡ ከም ኣብ በረድ ዝተጻሕፈ ሓቒቑ ተሪፉ፡ ሎሚ ዓመት ከኣ ብተስፋ ንጽበ።
ስለዚ እቲ ጽቡቕ ዝተገበረ ኣይቃላሓናዮን። ናብ ሕማቕን ህዝቢ ዝፈላልይ ግን ንጓያይ። ክቡር ኣቶ ሰሎሞን ኣብ ጽሑፍካ ዝኾነ ተቓውሞ የብለይን ምኽንያቱ ኣብ ነጻ ሓሳብ ምሃብ ስለዚኣምን። ስለዚ እቶም ከም ሰሎሞን ዘለኩም ኣረኣእያ፡ ብኽብረትኩም ቅድሚ ናብ መርበብ ሰዲድኩም ምቕራብኩም ደጋጊምኩም ሕሰቡሉ። ሎሚ ንሓድነትን ስኒትን ዝዳርግ ጽሑፍን ምንቅስቓስን ኢና ንደልይ። ሎሚ ንመናእሰያትና ናብ ዘየድሊ ማእዘን ከየዘንብሉ ዘሓቑፍን ዝሰርሕን መሃርን መኻርን ጽሑፋት ኢና ንደሊ። ሎሚ እቶም ባሕርን ውቕያኖስን፡ ምድረበዳን ሰጊሮም ንዝመጹ መናእሰያትና፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ዝሓቑፍ፡ መኻሪ ጽሑፍ ኢዩ ዘድልየና። ሎሚ ዓበይቲ ሽማግለታት ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝዛናግዕሉ መድረኽ፡ ዝሓሸን ዝሓቑፍን ጽሑፍ ኢዩ ዘድልየና። ብዝሒ ፍትሕ ሓዳር ሳዕሪሩ ኣብዝርከበሉ፡ ትምህርታዊን ኣዋናውን መልእኽቲ ዘሰማምዕን ዘፋቕርን ጽሑፋት ኢዩ ዘድልየና ዘሎ። ሎሚ እቶም ብስም ኤርትራዊያን ተመስሪቶም ዘለው ትካላትን ብኸመይ ተሓጋጊዚና ይምዕብሉን፡ ንሳቶምን ኣብማሕበረ ኮም ብግብረ መልሲ ዝህብሉን ዘማዕብሉሉን ጽሑፋት ኢና ክነንብብ ንደልይ። ሎሚ እዘን ዘለዎ ኮማዊ ማሕበር ነጻ ኮይናን ኣገልግሎተን ክምዕብል ዝኽእለሉ መንገዲ፡ ዝሕግዝ ጽሑፍ ኢና ንደሊ።
ክቡራት ሰብ መርበብ “ተስፋ” ሎሚ ዓለም ነጻ ኮይና፡ ከም ድልየትካ ትዛረበሉ እዋን ስለዘለና፡ ነቲ ካብ ዝተፈላለየ ሰብ ዝመጻኩም ጽሑፋት፡ ናይ መርበብኩም በጻሒ ክብ ክብል ዕላማኹም ስለዚኾነ፡ ንጽሑፍ ሰሎሞን ዘቕረብኩሞ፡ ጸገም የብለይን። ኮይኑ ግን ሓሶት ክደጋገም ሓቂ ይመስል ስለዚብሃል፡ ከምዚ ዓይነት ጭብጥታት ዘይብሉ ጽሑፋት ክትዝርግሑ እንከለኹም፡ ብቐዳምነት ዝህሰይ መርበብኩም ኢያ። ብህዝቢ ዘለኩም ተቐባልነት፡ ኣንዳደኸመ ክመጽእ ስለዚኽል። ስለዚ ብሓጺሩ፡ ኣብ ቶሮንቶ ንዝመጻኩም ጽሑፋት፡ ብቐረባ ስለዘለኹም፡ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕኹም፡ ብሕልፊ ውልቀ ሰባት፡ ማሕበራት ዝትንክፍ ጽሑፍ ምስ ትቕበሉ፡ ካብቲ ጽሑፍ ተሞርኵስኩም፡ ጭብጥታት ክተጻርዩ ፈትኑ። ምኽንያቱ ንመርበብኩም በጸሓቲ ክተዛይዱ ክትብሉ፡ ከይተፈለጠኩም፡ ኣካል ወይ ልኡኻት ናይቶም ክፈላልዩ ዝደልዩ ትተሓባበርዎም ኣለኹም።
የቐንየለይ!