
ብ ደበሳይ ነባራይ:
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ብድምጺ ራድዮ ኣሜሪካ መደብ ትግርኛ ኣብ ዝተፈነወ ቃለ መሕተት ምስ ፕረዚደንት ክሌሌ ትግራይ ነበር ኣይተ ገብሩ ኣስራት ( ደመኛ ጸሊኢ ህዝቢ ኤርትራ ) ንጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ’ቲ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ንዘሎ መብርሂ ንክህበሉ ተሓቲቱ ምንባሩን፡ ኣብ ቅርሕንትን ጽሌእን : ኣብ ሕልምን ሓሶትን ተመርኪሱ ዝሃቦ መሌሲ ዳርጋ ኩላትና ተኸታቲሌናዮ ክንከውን ተስፋ እገብር ። ስለዚ ከምቲ ናቱ ዓጀውጀው ዘይኮነ : ኣብ ጭቡጥ መወከሲ ምርኩዝ ብምግባር፡ ከም ኩለ ኤርትራዊ ብፍቕሪ ሃገሩ ዝሓምም ገለ ክብል ክፍትን እየ።
ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል ትሕዝቶ ጽሑፈይ እምበኣር፡ ወትሃደራዊ ረጽሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበግሶ ሰላማዊ ፍታሕን፡ ብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘቕረብኩዎ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ድማ ኢዩ።