
ብ ደበሳይ ነባራይ:
ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ተራን እጃምን መራሕቲ ወያነ ብሓፈሻ: ተራ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ናይቲ እዋን ፕሬዝደንት ክልል ትግራይ: ብፍላይ ኣብ ምስዋር ዘይተደልየ ኲናት ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ከይኣክል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ደይቡ ኣህዛብ ነንሓድሕዱ ብጎዞሞ ክፋለስ ኣብ ከተማ መቀለ ኣብ መድረኽ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘስመዖ: ንበሃሊኡ ዘሕንኽ ዘይሓላፍነታዊ መደረ በቲ ሓደ ሸነኽ: ካብ ስሚዒታት ነጻ ዝኾኑ ሓላፍነታውን ወግዓዊን መደረታት መንግስቲ ኤርትራ በቲ ኻልእ ሸነኽ: መርትዖታት ኣስንየ ኣቅሪበዮ ኣለኹ።
ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ተበግሶ ሰላም: ኣብኡ ዝተበጽሑ ስምምዓትን: ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ምእታው ሰራዊት ዓቃብ ሰላም: ስራሕን ሓላፍነትን ኮምሽን ዶብ: ኣብ ኤርትራ ክጸንሕሉ ዝኽእሉ ናይ ጊዜ መቓን: ብሓፈሻ ዕድመ ናይዞም ክልተ ትካላት ብንጹር ተገሊጾም ሰለዘለዉ: ንድሒሮም ዝተጋህዱ ምዕባለታት ማለት ሕጋውነት: ምእታውን ምውጻእን ዓቃብ ሰላም: ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን: ፍሽለትን ሕቡእ ኣጀንዳ ወያነን ብዕምቆት ምእንቲ ክንርዳእ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ከምዘለዎ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።