ጠንቂ ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝሓለፈ መድረኻትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን (ሳልሳይ ክፋል)

News Politics ትግርኛ
ወያነ ዝተወረረኒ መሬት ከመልስ ብምባል ዳንጋ ዘራያት ኣሚኑ ኣብ ዘካየዶ ሰለስተ ሰፋሕቲ ወራራት ብፍሽለት ምስተዛዘመ፡ ንመራሕቲ ወያነ ብሓፈሻ : ንገብሩ ኣስራትን መሰልቱን ድማ ብፍላይ ብዘየወላውል መገዲ ዝተጋህደሎም ሓቂ እንተሎ፡ ፍሽለት ምድምሳስ ወተሃደርዊ ዓቕሚ ኤርትራ : ፍሽለት ምውዳቕ መንግስቲ ኤርትራ : ፍሽለት ምዝራግ ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ : ፍሽለት ምቁጽጻር ወደብ ዓሰብ : ፍሽለት ብዋጋ ኤርትራ ባሕሪ እትውንን ረፓብሊክ ዓባይ ትግራይ ምምስራትን ብኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ደበሳይ ነባራይ:

ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ተራን እጃምን መራሕቲ ወያነ ብሓፈሻ: ተራ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ናይቲ እዋን ፕሬዝደንት ክልል ትግራይ: ብፍላይ ኣብ ምስዋር ዘይተደልየ ኲናት ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ከይኣክል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ደይቡ ኣህዛብ ነንሓድሕዱ ብጎዞሞ ክፋለስ ኣብ ከተማ መቀለ ኣብ መድረኽ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘስመዖ: ንበሃሊኡ ዘሕንኽ ዘይሓላፍነታዊ መደረ በቲ ሓደ ሸነኽ: ካብ ስሚዒታት ነጻ ዝኾኑ ሓላፍነታውን ወግዓዊን መደረታት መንግስቲ ኤርትራ በቲ ኻልእ ሸነኽ: መርትዖታት ኣስንየ ኣቅሪበዮ ኣለኹ።

ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ተበግሶ ሰላም: ኣብኡ ዝተበጽሑ ስምምዓትን: ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ምእታው ሰራዊት ዓቃብ ሰላም: ስራሕን ሓላፍነትን ኮምሽን ዶብ: ኣብ ኤርትራ ክጸንሕሉ ዝኽእሉ ናይ ጊዜ መቓን: ብሓፈሻ ዕድመ ናይዞም ክልተ ትካላት ብንጹር ተገሊጾም ሰለዘለዉ: ንድሒሮም ዝተጋህዱ ምዕባለታት ማለት ሕጋውነት: ምእታውን ምውጻእን ዓቃብ ሰላም: ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን: ፍሽለትን ሕቡእ ኣጀንዳ ወያነን ብዕምቆት ምእንቲ ክንርዳእ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ከምዘለዎ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።

Download (PDF, 231KB)