
ብ በርሀ ብራኺ፡
ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ዝርኣያ ዘለዋ ሃገራትን መንግስታትን ሓደ ሓደ እዋን ምእንቲ ግዝያዊ ረብሓን ክብላ ካብ መትክለን ካብ ቅዋመንን ውጽእ ኢለን ምእንቲ ግዝያዊ ረብሓ ኢለን ክሳብ ምስ ግብረ ሸበራ ዝኾኑ ጉጅለታት ክሰርሓ ንርእየን ኣለና። ተጋራጫዊ ነገራት። መግስቲ ኤርትራ ግን ምእንቲ ግዝያዊ ረብሓ ክብል ምስ’ዞም ቢብልዮናት ዶላራት ዝንቀሳቐሱ ግብረሸበራ ወገናት ኣብ ልዝብ ኣይ ኣቱን’ዩ። ምዕራባውያን መንግስታት ግን ምእንቲ ፔትሮ-ዶላር ክብላ ንህዝበን ኣብ ጎነጻዊ ምልዕዓል ከምዝበጽሕ ኮይኑ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1878ታትን ጣልያናውያን ክመጹ ከለዉ፥ ተቓውሞኡ ኣርእዩ እዩ። እንተኾነ ግን፥ ብራእስታት ትግራይ ዝወርዶ ዝነበረ ወራራትን ዝምታን ግፍዒን፥ ንወራር ጣልያን ቀጻሊ ክምክቶ ኣይክኣለን። ጣልያን ውን ብወገኖም ንህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ወገን ኣዳኺሞምን ኣገዲዶምን ናይ መግዛእቱ መሳርሒ ክኾኑ ከምዘለዎም ገይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ውን በቲ ቀጻሊ ናይ ዓሌትን ሕብሪን ኣብ ቁጠባ ዝግበረሉ ዝነበረ ኣድልዎን፥ ቃልሱ ይቕጽሎ ኔይሩ። ድሕሪኡ ጣልያን ብሓይልታት እንግሊዝ ምስተሳዕረ፥ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ይግብኦ ምዃኑ ፈሊጡን መጒቱን፥ ነሳተን ውን ናጽነት ከምዝግብኦ ኣሚነን ባንደራ ውን ሂበንኦ።
ብቁጠባን ብፖለቲካን ክሳብ ዝዳሎ፥ እንግሊዝ ድማ ክትሕግዞምን ካብ ናይ ደገ ወራር ክትከላኸለሎምን ተባሂሉ እንግሊዝ ብፍቓድ ሕቡራት መንግስታት ን10 ዓመት ኣብ ኤርትራ ክትጸንሕ ተፈቒዱላ። ድሕሪ 10 ዓመት ንኤርትራውያን ናጽነቶም ኣረኪባ እንግሊዝ ክትወጽእ ዝነበራ፥ ካብቲ ዝተላእከቶ ወጺኣ፥ ዘይተላእኸቶ ክትገብር፥ ብውዲት ኣሜሪካ ንኤርትራ ብፈደረሽን ዝብል ሽፋን መጀመርታ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ፥ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከምትኸውን ተገይሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ግን ናጽነቱ ስለ ዝተመንዘዐ፥ ነቲ ሃይለስሳሴን ኣማኸርቱን ንህዝቢ ኤርትራ ንኸፈላሊ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ንገለ ህዝብታት ኤርትራ ብቁጠባ ንገለ ናይ ሃይማኖት መሰል ምሕላውን ብምጉናዕን፥ ፈላልዩ ከዳኽሞ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፥ ሕዝቢ ኤርትራ ግን ብሓባር ኣብ ግዝያዊ ረብሓ ከይዝምበለ ብሓባር ኖእ ኢሉ ሓቢሩ ንምሉእ ናጽነቱ ተቓሊሱን ተዓዊቱን ።
ኣብቲ ዝነበረ መሪር ብርታዊ ቃልሲ ብኹሉ ወገን እንኮላይ ካብ ኢትዮጵያውያን ግዝያዊ ረብሓ ገጸ-በረኸት የቕርብሉ ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ ግን ንምሉእ ናጽነት ዝብል መትከል ምርኩስ ብምግባር፥ ንዝኾነ ግዝያዊ ረብሓ ኖእ! ብምባል ይነጽጎ ኔይሩ። ክሳብ ኣብ ድሮ ናጽነት ኣብ ናይ ሎንደን ኣኼባ ውን ንምሉእ ናጽነት ዘይኮነ ኖእ ኢሉዎም’ዩ።
እቲ ሎሚ ንደገፍቲ ሃገርን መግስቲን ዝኾኑ ኤርትራውያን በቶም ኮረይቲ ዶ ንበሎም ተቓወምቲ ኣብ ገለ ጋዜጠኛታትን ንገለ ኣባላት መንግስታትን ቀሪቦም፥ እዞም ሰባት’ዚኦም ደገፍቲ ናይቲ ረጂም’ዮም ናይ’ቲ ዲክታቶር’ዮም እንዳበሉ ዘጸልሙ ዘለዉ፥ ዝኾነ ኤውሮጳዊ ጋዜጠኛ ይኹን ፖለቲከኛ መንግስቲ ኤርትራ ከምኡ ከምዘይኮነ ኣጸቢቐን ይፈልጣ’የን።
እቲ ጸገመን ግን፥ ኣሜሪካዊ “ራምፕስ ፊልድ” ን ኤርትራ መጺኡ ንፕረስደንት ኢሰያስ “ነስኻትኩም ኤርትራውያን ኣንጻር ግብረሸበራ ኣብ ምቅላስ ዓቢ ክእለት ኣለኩም። ሓቢርና ኣንጻር ግብረ ሽበራ ክንቃለስ፥ ኣብ መሬትኩም ወተሃደራዊ መዓስከር ሃቡና” ክብል ምስ ሓተተ፥ ስለ ዘይተፈቕደሎም፥ በዚ ኣሜሪካን መሓዙታ ዝኾና ኤውሮጳውያንን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኮርየን ይነብራለ’ዋ።
መንግስቲ ኤርትራ ድማ ንግብረሸበራን ምንቅስቓሶምን ጥራሕ አይኮነን ዝፈልጥን ዝከታተልን፥ ኣሜርካ ባዕላ ንግበረ-ሸበራ ከምትዕጥቕን ከምተዋፍርን ውን ይፈልጥ’ዩ። ምስ’ዚ ኩሉ ሕማቕ ጠባይያቶምን ዘራእቲ ዕግርግር ምዃኖምን እንዳፈለጠ፥ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣሜሪካ ተጻሊኡ ክነብር ኣይደልን’ዩ።
ከምዚ ስለ ዝኾነ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝጽላእን ናይ እገዳ ግዳይን ዝኸውን ዘሎ። ዋላ ነቶም ንዕኡ እንድግፍ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዝለና ብገለ ዝኾረዩ ኤርትራውያን፥ ናይ ሓደ ግብረ-ሸበራ ዝኾነ መንግስቲ ደገፍቲ ከምዝኾንና ዝውንጂሉና ዘለዉ። ንገለ ኤርትራውያን ናብቶም ዝነብሩለን መንግስታት እንዳ ቀረቡ ብምሕሳው ካብ ስራሕ ከምዝስጎጉ ይገብሩ’ለዉ።
ነቶም ዝኾረዩ ዝመስሉ ኤርትራውያን ኣብዚ ክብሎም ዝደሊ ካብ ኣሜሪካ ጀሚሮም ኩሎም ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳን ጆርናሊስትን መንግስቲ ኤርትራ ግብረ-ሸበራ ወይ ናይ ንግብረ-ሸበራ ሓጊዙን ኣዕጢቑን ተሰኪሙ ናብ ኣሜሪካን ንኤውሮጳን ዘዋፍር ከምዘይ ኮነ ኣጸቢቐን ይፈልጣ’የን። ንሕና’ቶም ደገፍቱ ዝኾንና ካብ ኤርትራ ንኤውሮጳን ኣሜሪካን ክንመጽእ ከለና፥ ቫልጃታትና ክፍተሽ ከሎ ብዘይካ በርበረን ዳቦ-ቆሎን እንተዘይኮይኑ፥ ካልእ ዉጉዝ ዝኾነ ነገራት ኣይነጽንሕን ኢና። ኣብ ሃገረን እንዳ ነበርና ድማ ኣብ ናይ ድራግን ካልእ ዘይሕጋዊን ዘይቅቡልን ዝኾነ ነገራትን ስራሕ ኣይንገብርን ኢና። በዚ ውን ንሕና ኤርትራውያ ፍሉጣት ኢና። ሳላ’ቲ ባህልናን ሃይማኖትንናን። ኣምላኽን ረቢን ከ እንታይ ክብሉና፥ ጥራሕ ዘይኮንና ንብል፥ ሰብ ከ እንታይ ክብለና! እንዳበልና ካብ ዝኾነ ክፋእ ንቑጠብ።
ኣብዘን ንነረለን ዘለና መንግስታት እታይ ከ ክብሉና ጥራሕ ዛይኮንናን ንብል፥ መንግስቲ ኤርትራ ከ እንታይ ክብለና እንዳበልና ካብ ሓሽሽን ካልእ ናይ ማፍያን ግበረ-ሸበራን ስራሓት ንቑጠብ። ሃብታም ባህልናን ቋንቋናን እንዳ ዓቀብና ብዛዕባ ትምህርቲን ነቲ ንነብረሉ ሃገርን መሲልና እንነብር ድማ ቀንዲ ንሕና ኤርትራውያን ኢና።
እዞም ምሁራት ኢና ዝብሉ ዘለዉ ገለ ሰባት ኮረይትን ተቓወምትን፥ እንታይ’ዮም ነዚ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ከናሽዉን ከናእሱን (ኣንደር ኤስትመይት) ዝፍትኑ ዘለዉ። ካልእ ቁም ነገር ግዳ ዘይገብሩ።
መንግስቲ ሆላንድ ድማ ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ ወጻእተኛታት፥ ብቋንቋ’ዲኦም (ሃገሮም) ባህሎምን ሃይማኖቶምን ዓቂቦም ክነብሩ መሰል ኣለዎም” ስለ ዝብል’ቲ ቅዋሞም፥ ንሕና ኤርትራውያን ድማ ነዚ ምርኩስ ብምግባር፥ ንባህልናን ቋንቋናን ጽሑፍናን ሃይማኖትናን ክንዕቅብን መሰል ኣለና። ነዚ ነኸነተግብር ድማ እንሻላህ ረቢ ካብ ዓይኒ ሓሳዳትን ኮረይቲ ኤርትራውያንን የድሕነና ኣሜን!።
ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ድማ ብዘይካ’ታ ናትና መንገዲ እንዳተኸተልና ባዕልና ነብስና ክንክእል ኢና ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ዝገበሮ ኣበሳ የብሉን። ሓገዝ ውን ካልእ ተጽዕኖ ዘይብሉ እንተኾይኑ፥ ዌልካም እዩ ዝብል። ምዕራባውያን ሃገራት ንባዕለን፥ ቅድመ ኩነት እንዳ በላ ኣብ ኣፍሪቃ፥ ቻይና ቅድሚኤን ኮይና’ላ፥ ነሰን ድማ ድሕሪት ተሪፈን።
መሰል ህዝቢ ኤርትራን መሰል መሬቱን ንኸይከብር ውዕል ኣልጀርስን ውሳኔ ዶብ ኮምሽንን እዳተጣሕሰ እንከሎ፥ እዘን መሰል መሬትን መሰል ህዝቢን ተጣበቕቲ ዝበሃላ፥ በቲ ጠንቂ ኣብ ክንዲ ዝዛረባ፥ በቲ ሳዕቤን ምዝራበን፥ ንሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ኣሲርካ ንፈርስ ተበገስ ይብላ’ለዋ።
ብኸምዚ ነዚ ዘሎ መግስቲ ኣልጊስካ ኣብ ኤርትራ ሓደ ተምበርካኺ ዝኾነ ስርዓት ኣቚምካ፥ ድላይካ ንምርካብ እዩ ዝመስል ዘሎ’ቲ ድልየተን። እዚ ኩነታት ከምዚ ካብ ኮነ፥ እዚ ድማ ኣንጻር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ ዝመስል እሞ፥ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መሪር ግዜ እኳ ተሓሊፉ፥ ነዚ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ኣብ ናይ ግብረሸበራ ስራሕ ከይኣተና ካብ ኤርትራን፥ ክሳብ’ዚ እንነብረሉ ሃገርን ብሰላማዊን ብጽንዓትን መንገዲ፥ ንጸገማትና ኣብ ነንሕድሕድና ብምክብባርን ብምጽውዋርን፥ ንመሰልና ብመትክልን ብቕንዕናን ምቅላስ የድልየና’ሎ።
ዓወት ንሓፋሽ!!