ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እንታይ እዩ?

News Opinions ትግርኛ
Eritrean migration
ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ሕጅውን እንታይ እዩ? እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ምልካዊ ስርዓት ድዩ?

ተስፋማርያም ሓጎስ

ብዚ ዘለናዮ ግዜ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ኣህዛብ ብብዝሒ ክሰደዱ ይረኣዩ ኣለው ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝተወልዐ ኲናት ሕድሕድ ግድማዊ ምትእትታው ተሓዊስዎ ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጅኡ በጺሑ ኣማእት ኣሽሓት ሰላማዊ ህዝቢ ሃሊቑ ብሚልዮናት ዝቝጸር ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ተፈናቒሉ ክስደድ ተገዲዱ። ኣብ ኣፍሪቃ ውን እንተኾነ ብሰንኪ ብኩል ምሕደራን ናይ ምዕራብ ሃገራት ስዉር ሸርሒ ተሓዊስዎ ህዝቢ ክስደድ ተገዲዱ።

እስኪ ነቲ ጉዳይ ህድእ ኢልና ንርኣዮ፡፡

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ምልካዊ ስርዓት ድዩ ? ኣብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዉ ሰባት ገና ካብ ንኡስ ዕድሚኦም ጀሚሮም ደሞም ከፊሎም ሃገር ካብ መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ በረኻ ዝወጽኡን ተቓሊሶም ነጻነት ዘዕተሩና ጀጋኑ እዮም። ኣብ ነጻ ኤርትራ ውን ሓመድ እግሮም ከይነገፉ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሃገር ኣብ ምህናጽን ምምዕባልን ለይትን ቀትርን ኣስሚሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይርከቦም ኣብነታውያን ትንፋስ ህዝቢ ተቐበልቲ ሕድሪ ሓርበኛታት እዮም።

ናይ ምዕራብ መንግስታት ምልካዊ ስርዓት ዝብልዎ ዘለዉ እምበኣር ረብሕኦም ስለ ዝጎደሎምን ረብሓ ሃገሩ ንጎኒ ገዲፉ ንረብሕኦም ዘገልግል ዕሱብ መንግስቲ ስለ ዘይኮነ እዩ። ንሳቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብእኦም ዘይዝወርን ንረብሕኦም ዘየገልግል መንግስቲ ፡ ምልካዊ ( ዲክታቶር ) ዝብል ስም ኣጠሚቖም ከጥፍእዎ እዮም ዝጓየዩ።

ጭፍራ ወያነ ብዶብ ኣሳቢባ ኲናት ክትእውጀልና መን ምዃንናን ሓይልናን ጠፊእዋ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ሓይሊ ጎይትኡ ዝኣመነ ድሙስ ዘሊሉ ንጎት ሓርማዝ ይነክስ ከም ዝበሃል ንኣሜሪካን ሰዓብታ ናይ ምዕራብ ሃገራትን ተኣማሚና እያ። እንተ ዘይኮነ ኣብ ረፋድ ነበረያ ነበረ ከም እንገብራ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ትፈልጥ እያ። ከም ሕንጻጽ ኣሜሪካን ሰዓብታን ኣብቲ ብስፍሓቱ ፍሉይ ዝነበረ ወራር ፡ ኤርትራ ትሰርር እያ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሓንጎሎም ኣይነበረን፡፡

እንተኾነ እቲ ጅግና መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ፡ እቲ ጂግና ሓድጊ ጂግና ዝኾነ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ደገ ዝነብር ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራን ንኹሉ ወራራቶም ኣፍሺሉ ንሰራዊቶም እሳተ ጎሞራ ተፊኡ ብምቅጻል ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅያ ጅግነት ሰሪሖም ሃገር ኣውሒሶም። ብድሕርዚ ሓድሽ ብግስ ከይበለ ዝፈሽል ሸርሕታት ክገብሩ ናይ ግድን ኮነ። ንሳቶም ከኣ ፦

1) ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ምፍጣር ። በዚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዶብ ተዓኒዱ ኮፍ ክብል እዩ ቍጠባ ናይታ ሃገር ኣብ ሓጺር እዋን ሮሞቕ ኢሉ ክወድቕ እዩ።

2) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ቦታታት ፡ መዓስከር ስደተኛታት ከፊትካ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ እናነፋሕካ ነቲ ኣብ ዶብ ተኾዲሙ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ፡ ናብ ኢትዮጵያ ገጹ ከም ዝስደድ ምግባር፡ ካብኡ ድማ ንሱዳን ኣቢሉ ከም ዝስደድ ትገብሮ።

3) ከምዚ ምስ እንገብር ኤርትራ መንእሰያታ ጽንቅቕ ኢሎም ሃገሮም ራሕሪሖም ንደገ ምስ ተሰዱ፡ ደማ ወዲኣ ብዘይ ኲናት ክትመውት እያ። ነዚ ከም ጭቡጥ ወሲዶም ክሰርሕሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።

4) ወጻእተኛታት መንግስታት ይኹና ትካላት ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ከይካይድ ተጽዕኖ ምግባር ። በዚ ድማ ኣብታ ሃገር ናይ ስራሕ ዕድላት ኣይክህሉን እዩ። ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ናዕቢ ከለዓዕል እዩ።

5) ነቲ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ መንእሰይ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ወዲብካ ፡ ንመንግስቲ ኣጸሊምካን ደይምስሉ ሂብካን ብዓለም ከም ዝዅነን ጌርካ ንምህራሙን ንምጥፍኡን ጻዕርታት ምክያድ ።

እዚ ደይ መደይ ኢልካ ነቲ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ብዂናት ክስዕርዎ ዘይከኣሉ ህዝቢ ኤርትራን ጽኑዕ መንግስቱን ከምዚ ዓይነት እገዳታትን ሸርሕታትን ቍጠባዊ ማሕንቖን ጌርካ ኣብ ርእሲኡ ነቲ ኣፍራዪን ተኸላኻልን ሃገሩ ዝኾነ መንእሰይ ዘቚዚቕና ካብ ሃገሩ እንተ ኣውጻእናዮ ክንዕወት ንኽእል ኢና ዝብል ኣጉል እምነትን ትጽቢትን ስለ ዝነበሮም ። ትጽቢቶም ክሰምረሎምሲ ይትረፍ ተገልቢጡ ደኣ ናይ ዕርበቶም ዘበስር ነበልባል ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ውሽጦም ፈጠረሎም።

ንኤርትራውያን ኣብ ዝኣተዉዎ ናይ ምዕራብ ኤውሮጳ ሃገራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ከም ናይ ፖለቲካ ዑቕበኛታት ክቕበልዎም ተውሲኑ። ስለምንታይ ኢልና ምስ እንሓትት ብቐዳምነት እቶም ካብ ኤርትራ ወጺኦም ዘለዉ ተጣዒሶም ናብ ሃገሮም ከይምለሱ እሞ ሃገሮም ከይከላኸሉን ከይሃንጹን ንምግባር፡ ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ንምውጻእ፡ ብሳልሳይ ደረጃ እቲ ወጺኡ ዘሎ መንእሰይ ዋላ ክቕመጥ የፍቅድሉ እምበር መወዳእትኡስ ዘርሙዘርሞ ኮይኑ መታን ክተርፍ ስለ ዝደልይዎ እዩ ። ስለዚ እዚ ንኤርትራውያን ዓዶም ገዲፎም ከም ዝስደዱ ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ኮይኖም፡ ኣሽሓት ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ከም ከብቲ ተሓሪዶም ልቦምን ኩሊቶምን ኣብ ዕዳጋታት ምዕራብ ሃገራት ውዒሉ። ኣሽሓት ውን ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ንቡር ቀብሪ ከይረኸቡ ዓሪቦም።

እዚ ኩሉ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ኤርትራ ንምንታይ?

ብደም ኤርትራውያን ፤ ኢትዮጵያውያን ሶማላውያን ሱዳናውያንን ኤርትራውያን ኢና እናበሉ ብስም ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ይሓቱ ኣለዉ ፡፡ ሕቶኦም ከኣ ተቐባልነት እረክብ ኣሎ። ኩልና ክንፈልጦ ዘለና ሓቂ ካብ ሰላሳ ክሳብ ኣርባዓ ሚእታዊት (30% – 40%) ዝኾኑ ካብቶም ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ ዘይኤርትርውያን እዮም። እዚ ድማ ንኣሜሪካን ሰዓብታን ንመጸለሚ ኤርትራ እታ መስፈሪት ገረወኛ ስለ ዘይመልአት መማልእቲ ክኾንዎም ኢሎም እዮም።

እሞ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ንምንታይ ሃገሩ ገዲፉ ይወጽእ ኣሎ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ባህርያዊ እዩ።

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ብዓባያ ኣሜሪካን እተን ንውዕል ሰላም ኣልጀርስ ኣውሓስቲ ዝነበራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ( ጭሩሓት ኣእማን) መንግስቲ ኣልጀርያን እዮም። እዞም ኣካላት እዚኣቶም ኣውሓስቲ ወይ ኣተግበርቲ ናይቲ ውዕል ሰላም ኮይኖም ከብቅዑ እታ ጭፍራ እምቢ ክትብል ከላ ንምንታይ እቲ ኣብቲ ውዕል ዝጸደቐ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣይወሰዱላን ?  ኤርትራ እምቢ ኢላ እንተ ትኸውን እንታይ ኮን ምገበሩ ? ሽዑ ንሽዑ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ወሲዶም መጥፍእዋ ።

እቲ ኣፍራዪ ዝኾነ ዓንዲ ሕቖ ሃገር መንእሰይ ኣብ ግምባራት ኮፍ ክብል እሞ ቍጠባ ሃገር ክዓኑ ፡ በዚ ድማ መንእሰይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ናዕቢ ከለዓዕል ። ንምንታይከ ኣከታቲሎም ክልተ ግዜ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ? በቲ ቀዳማይ ሙማት ስለ ዝኣበየቶም ?

ኣብ መወዳእታ 2014፡ ካብተን 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ 14 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል ኣለዎ ምስ በላ ፡ ኣሜሪካ በይና ብቬቶ ድምጺ ተጠቒማ ኣብያ።

ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን ኣይሞቱን እዮም ! ብጻዕሮምን ብጽፍሮምን ምንባር ባህሪኦም ስለ ዝኾነ ኣለዉ ገና ውን ክህልዉ እዮም። ልክዕ ቍጠባና ኣይተሃስየን ማለት ኣይኮነን።  ግናኸ ንስደት ዝደፋፍእ ኩነት ኣብ ኤርትራ የሎን። መንእሰይ ኤርትራ እንተ ወጺእካ ኣብ ገነት ኢኻ እትሰፍር ነብስኻ ኮይንካ ስድራ ቤትካ ትናቢ ስራሕ ከም ልብኻ ገንዘብ እሞኸኣ ግደፎ እናበሉ ኣረሳሲኖምን ኣታሊሎምን ካብ ሃገሩ ኣውጺኦም ግዳይ ሞትን ስነ ኣእምራዊ ጭንቀትን ጌሮሞ ። መንእሰይ ኤርትራ ግዳይ ኮይኑ።

ሕሉፍ ሓሊፎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብስም መርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ፍጹም ሓቅነት ዘይብሉ ጠቐነታት ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ፡ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ግዱድ ዕስክርና ፡ ወዘተ . . . ኣዳልዮም ንመንግስቲ ኤርትራ ክውንጅሉ ይስምዑ። እቲ ዘገርም ኣብ ኤርትራ ብዓይኖም ርእዮም ዘቕረብዎ ጸብጻብ እንተ ዝኸውን ዋላ ሓሶት ይኹን ኣይምገረመናን፡ እዚኦም ኣብ ደገ ዝነብሩ ቀደም ማዕበል ሰውራ ገሊፉ ንደገ ዝሰንደዎም ሓተላ ብምሕታት ከምዚ ክብሉ የሕፍር ጥራይ ዘይኮነ ገና ካብ ቦትኦም ከይተበገሱ ከለዉ በልዎ ዝተባህሉ የቕርቡ ምህላዎም እዩ ዘብርሃልካ።

ብተወሳኺ ዑቕባ ክሓትት ንዝመጸ ሰብ ሓቲትካዮ እንታይ ክምልሰልካ ትጽበ ? ናይ ዑቕባ ሕቶኡ ተቐባልነት ክረክብ እንተደኣ ኮይኑ ንሕቶታቱ ምስ ፖለቲካ ከተኣሳስሮ ግድን እዩ። ብፖለቲካ ተኣሲረ፡ ኣብ ማእሰርቲ ተሳቕየ፡ ግዱድ ዕስክርና ከቢዱኒ ክብል ናይ ግድን እዩ። ብዛዕባ መንግስቲ ጽቡቕ ምስ ድዛረብ ናይ ዑቕባ ሕቶኡ ክንጸግ ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ስለዚ ነዚኦም ሓቲትካ ጸብጻብ ከተቕርብ ኣይኮነን ንሰማዒኡ ንበሃሊኡ ዘነውር ተግባር እዩ።

ኣብ ኤርትራ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈልየ ነገር እንተ ደኣ ሃልዩ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ዘሎ ሓልዮትን ክንክንን እዩ ፡፡ መንግስቲ ኣይኮነንዶ ሎሚ ኣብ ነጻ ሃገር ፡ ኣብ ዘመነ ቃልሲ መንእሰያትና ውግእን ወረ ውግእን መታን ከይርእዩ ፡  ኣብ በዓትን ስንጭሮን ንመንእሰያት ተኸናኺኑን ምሂሩን እዩ ። እቲ መትከል ህዝባዊ ግንባር ሎሚ ውን ኣብ ነጻ ኤርትራ ብዝያዳ ጎሊሑ ጎልቢቱን ንርእይ ኣለና። መንእሰይ ኤርትራ ንትምህርቲ እምበር ናብ ዕስክርናን ጉልበታዊ ስራሕን ኣይዋፈርን እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን ናይ ቍጠባ ስደተኛታት እምበር ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ሕጊ ጥሒሱ ወይ ካብ ሰራዊት ኮብሊሉ ዝተረኽበ ወይ ውን ብዘይ ሕጊ ካብ ሃገር ክሃድም ዝተረኽበ ክእሰር ክቕጻዕ ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘሎ እዩ። ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ናብ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተቖጺሩ ?

በዓል መሽረፈት ( ነቶም መልመጽቲ ውዱእ ሸሓኒ ወያነ ዝኾኑ ከዳዓት ኤርትራውያን ማለተይ እየ ) ነዚ መንእሰይ መናኸሲ ሓዊ ክጥቀምሉ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ ።

ኣናብስ ደቂ ኤረይ ንበዓል መሽረፈት ዕድል ኣይንሃቦም፡፡ መንእሰያትና እንተ ተዓወቱ ንዓና ኣብ ሕማቕ እንተወደቑ ውን ንዓና ስለ ዝኾኑ ካብ ሕጂ ክንምሕብሓቦም ንጓየ።

ውሳነ ዶብ ኮሚሽን ተተግቢሩ እንተ ዝኸውን ዋላ ሓደ ኤርትራዊ ካብ ሃገሩ ኣይምወጸን ።

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እምበኣር እቶም ኣውሓስቲ ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ኣልጀርያን እዮም ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ነዚ ጠንቂ እዚ ነቶም ዝምልከቶም ፡ ዝኣተዉዎ ሓላፍነት ከተግብሩ ብቐጻሊ ክንሕብረን ኣለና።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!