
By Shabait,
President Isaias Afwerki today received and held talks at the State House with Mr. Mikhail L. Bogdanov, Special Representative of the Russian President for the Middle East and Deputy Foreign Minister.
The President and Mr. Bogdanov discussed ways and means of reinforcing bilateral relations with more emphasis on trade and investment. They also discussed the priorities which should be taken into account to this end.
The two sides decided that representatives from both countries need to further discuss the addressed issues so as to ensure concrete outcome. Furthermore, they conducted discussion as regards regional and international issues that concern both countries.
President Isaias expressed Eritrea’s support for Russian initiative towards ensuring peace and stability in the Horn of Africa.
Following the meeting, Mr. Bogdanov told Erina that there exists readiness on both sides to foster the 20 year-old diplomatic relations between the two countries towards higher collaboration.
The Russian Special Representative indicated that he has obtained extensive understanding regarding the objective situation in the Horn region and its future prospects on the basis of the discussion with President Isaias.
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ
By Hornofafrica.de,
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብ28 ጥሪ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሚስተር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሚኻኤልን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ብሓፈሻ ኣብ ንግድን ወፍርን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ዘተ ብምክያድ፣ እቲ ዝጸንሐ ዝምድናታት ኣብ ዝምዕብለሉን ቀዳምነታት ክውሃቦ ዝግባእን ጉዳያት ብሰፊሑ ተመያዪጦም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን እቲ ሩስያዊ ልኡኽን ኣስዒቦም፣ እቲ ዝተዛተዩሉ ዛዕባታት ብግብራዊ ስጕምትታት ክስነ ምእንቲ፣ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም ክቕጽልዎ ተረዳዲኦም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሚኻኤልን ብዘይካ’ዚ፣ ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ምዕባለታትን ዘትዮም።
ኣብቲ ርክብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ሩስያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰፍን ተራኣ ከተዕዝዝ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝድግፍ ኣረጋጊጹ።
ድሕሪ’ቲ ርክብ፣ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ሚስተር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን ናብ ዝበረኸ ናይ ምትሕግጋዝ መድረኽ ንምድያቡ ድሌት ክልቲኡ ወገን ከምዝኾነ ብምሕባር፣ ንህልው ኩነታትን መጻኢ ኣመታትን ናይ’ቲ ዞባ ብዝምልከት ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰፊሕ መረዳእታ ከምዝረኸበ ገሊጹ።
