ማዕቀብ ብበደልቲ መዋእሉ ንክብደል ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ (ካልኣይ ክፋል)

News ትግርኛ
ኣብ ዝኾነ ጊዜን ቦታን ፡ ብብመድረኹ ንዘጋጥሙና ናይ ግዳም ተጻብኦታት  ብጥሙር ሓይሊ ንምክቶ
ንሕና ኤርትራውያን ሓቅነትና ሒዝና ፡ ኣብ ዝኾነ ጊዜን ቦታን ፡ ብብመድረኹ ንዘጋጥሙና ናይ ግዳም ተጻብኦታት ፡ ዘሎና ውልቃዊ ድሌትን ፖሎቲካዊ ኣጠማምታን ብዘየገድስ ፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ጉዳይና ፡ ብጥሙር ሓይሊ ፡ ንናይ ሃገርናን ህዝብናን ጸላእቲ ዝኾኑ ሓይልታት ክንምክቶም እዩ ዝግባእ ። ከምኡ ስለዝመከትና ኢና ድማ ህልውንና ኣረጋጊጽና።

ግርማይ በርሀ ገብረሚካኤ (ሽካጎ)፡

ኣብ ታሕሳስ 5,2009 ዓ.ም. ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ1907 ዝፍለጥ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ሃገር ኤርትራ ንምድኻም ካብ ዝብል ተንኮል ፡ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ገበሩ ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት እንደገና ኣብ ታሕሳስ 23, 2011፡ ብ2023 ዝፍለጥ ተወሳኺ ኣብ ቑጠባ ሃገር ዝቕነዐ ማዕቀብ ወስኑ ። እዘን ክልተ እገዳታት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ፡ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብ እንሰጋገረሉ እዋናት እየን ተወሲነን ። ብባህልና ፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና ኢልና ብሓድሽ መንፈስ ንብገሰሉ ጊዜ እዩ ። ናይ ጊዜ ምርጫኦም ከይተረፈ ባህላዊ ሰረታትና ኣጽኒዖም ይጻብኡና ከምዘለዉ እውን ክንርድኦ እግባእ ኣብ ዝብል ኢና ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍ በጽሒና ነይርና ።

ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፍ ፡ ማዕቀብ ፡ ናይቶም ዝሓለፉ ተጻብኦታት መቐጸልታ ከምዝኾነ ፡ ዝያዳ ንመንነትና ንምዕናው ዝካየድ ስነ ኣእምሮኣዊ ኩናት መልክዓት ሒዙ ይኸይድ ከምዝጸንሐን ከምዘሎን ሓሳባተይ ከቕርብ እየ ። ናይ ሓፋሽ ህዝብና መኸተ በቲ ሓደ መዳይ ፡ ናይ ጻላእትና ተጻብኦታትን “ንገረብ ብሓኽላ” ዝብል ተንኮላትን በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ክድህስስ እየ ። ንጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾኑ ሓይልታት “ንምቅንጃው” (ንምጽ’ብባቕ) ዝረኣ ዘሎ ዘይቑኑዕ ሓሳባትውን ክንጸግ ዝግብኦ ምዃኑ ሓሳባተይ ከቕርብ እየ ።

ንኹሎም ነገራት ወይ ተርእዮታት ብጉቡእ ንምርድኦም ፡ ነቶም ዝጋሃዱ ተርእዮታት ብንጹላቶምን ምስ ካልኦት ብዘለዎም ምትእስሳራትን ምርኣዮምን ፡ ውሽጣዊ ትሕዝትኦምን ግዳማዊ መልካዓቶምን ምምርማርን ምፍታሽን ፡ ኣብቶም ዝጋሃዱ ጊዝያውያን ማዕበላት ኣቓልቦ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ ፡ ናይ ዝሓለፉ ታሪኻዊ ጉዑዞታት ምድህሳስን ምዝማድን ኣገደስቲ ይኾኑ ።

ወለድና ንመግዛእታዊ ሓይልታት ብምቅዋም ፡ ዘካይድዎም ቃልስታት ብቐሊሉ ዝጥመቱ ኣይኮኑን ። ብሓያል መኸተኦም ጥሒሶም ዝሰገርዎም መድረኻትን ፡ ዝተጋህዱ ዓይነታዊ ዝላታትን ፡ ምስግጋር ናብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ፡ ዘቕንዑና ምዃኖም ምጥማቶም ኣገደስቲ ይኾኑ ። ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ከኣ ናብ ሃገራዊ ናጽነት ዘሰጋገረ ፡ ሓያል ዋጋ ዝተኸፍሎን ኣብ ታሪኽ ሕብረተሰብ ኤርትራ ወሳኒ ቦታ ዝሓዘን ምዕራፍ ኮይኑ ንረኽቦ ። እዞም መድረኻት እዚኣቶም ፡ ብንጽላቶምን ፍልዩነቶምን ምርኣዮምን ፡ ነቶም መድረኻት ዝገልጽዎምን ዝፈልይዎምን መለለይታት ዝኾኑ ዝተጠርዩ ብቕዓት ፡ ንቕሓትን ናውትን ምርድኦምን ፡ ነንሕድሕዶም ዘለዎም ምትእስሳራት ምጥማቶምን ምንጻሮምን ነቶም ኣገደስቲ ኣካላት ናይ ሕብረተሰብና ታሪኽ ጉዑዞታት ዝገልጹ እዮም ። ብኻልእ ኣዘራርባ ፡ ወለድና ንመንነቶምን ንሃገሮምን ክብሉ ብቃልሲ ዝወነንዎ ታሪኽ ፡ ምስቲ ናይ ሃገራዊ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልስን ናይ ጊዜ ናጽነትን ፡ ሃገራዊ ታሪኻዊ ጉዑዞታት ፡ ከነተኣሳስሮምን ሰሪዕና ክንጥምቶምን እንተዘይኪኢልና ፡ ንገዛእ ርእስና ንጹር ዝኾነ ራእይ ሃልዩና ፡ ንቕድሚት ክንምርሽ ኮነ ፡ ቐጻሊ ወለዶ መንነቱን ታሪኹን ኣኽቢሩን ዓቂቡን ክቕጽል ማለት ዝሕሰብ ኣይኮነን ።

እቲ ዝሓየለን ሰራምን ኣንጻርና ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ስነ ኣእምሮኣዊ ኩናት እውን ፡ ኣብ መንጎ ዝሓለፉን ዘለዉን ናይ ቃልሲ መድረኻትን ናይ ወለዶታት ታሪኻዊ ጉዑዞታትን ፡ ነንሕድሕዶም ምትእስሳራት ዘይብሎምን ዘይራኸቡን ኣምሲሎም ፡ ነቶም ታሪኽ ዝሰርሑ ሓይልታት ሕብረተ ሰብና (ወለዶታት) ነንሕድሕዶም ምንእኣሳት ዝዕድሙ ኩነታት ፈጢሮም ፡ ንታሪኽ ወለዶታት ኣሕሲሮም ፡ ነቲ ንዘለኣለም ተኸቢሩ ክነብር ዝግብኦ ፡ ናይ ሕብረተሰብና ክብርታትን ናይ ሓባር ንብረትን ዋንነትን ንብሎም ዓንድታት ፡ ንምፍራሶምን ጎዛዚኻ ንምሕምሻሾምን ዝካየዱ ተንኮላት እዮም ። ኩሎም ብዘገምታ ዝኸዱ ፡ ሰላሕታ ሕማማት ምዃኖም ከኣ ክንዝንግዖም የብልናን ።

“ንገረብ ብሓኽላ” ዝብል ናይ ጸላእትና ተንኮላት ፡ ሓድነት ህዝብና ንምፍራስ በብመድረኹ ክፍትንዎም ዝጸንሑን ዘለዉን ፡ ከምኡውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም ተጻብኦታትን ፡ ኣይኮኖሎምን ደኣእምበር ውሑዳት ኣይኮኑን ።

ኣብ ጊዜ ወለድና ማለት ቅድሚ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ፡ ገዛእቲ ሓይልታት ፡ ንኣዝዮም ውሑዳት ሃገራውያን ኣርቢሖም ፡ ጎይታይ ፊተወራሪ ..በቶም ዝበዝሑ ክምዝባሃሉ ገይሮም ፡ ገዛእቲ ፡ ነቶም ዝበዝሑ ሓፋሽ ህዝብና እናገፍዑን እናገረፉን መግዛእታዊ መዋእሎም ክቕጽሉ ፡ ህዝብና ንባዓል ጎይታይ ፊተወራሪታት ሹመኛታት ስለዝኾኑ ፡ ክሰምዑዎምን ዝበልዎም ክገብሩን ትጽቢት ነበሮም ። ብሓፋሽ ስለዝተመከቱን በዓል ጎይታይ ፊተውራሪ እውን ስለዘይሓመቑን ግን ናይ ገዛእቲ ፈተነታት ንግዚኡ ተራእዩ ሓሊፉ ። በንጻሩ ናይ ኤርትራ ሃገራውነት ብዝያዳ ንኽምዕብል ደፊኡ ሓጊዙ ።

ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ፡ ቀይሕ ባሕሪ ንዓረብ ክሸጥዋ ደልዮም … ብምባል ፡ መስቀላውያን ኮይኖም ብምቕራብ ህዝብና ክጎዛዝዩ ፈቲኖም ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ውልቃዊ እምነትን ሃገራውነትን ፈላልዩ ዝፈልጥ ፡ ካብ ናይ ገዛእቲ ዱሑር ኣተሓሳስባታት ኣዝዩ ንቕድሚት ዝማዕበለ ስለዝነበረ ጸላእትና መደባቶም ክሰልጦም ኣይካኣለን ። ብወተሃደራዊ ፡ ብቑጠባውን ፖሎቲካውን … ሓያላት ዘራያት ኣብዚሖም ኵናት ኣካይዶም ። እንተኾነ ግን ፡ ናይ ኤርትራውያን ወታሃደራዊ ታክቲክን ስትራተጅን ፡ ቅዲ ኵናት ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ናይ ምኵሓት ሓይልታት ጸብለልትነት ስለዝነበሮ ፡ ብተዛማዲ ብውሑድ መስዋእቲ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ ጸላእቲ ዕንወት ፈጢሩ ፡ ቑጠባዊ ዓቕምታቶም ጸንቂቑን ሓኒቑን ፡ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ተዛዚሙ ፡ እንተኾነ ግን ተጻብኦታት ቐጸልዎ ድኣእምበር ፡ ኣይገደፍዎን ።

ኣብ መድረኽ ሃገራዊ ናጽነት እውን ጸላእትና ፡ ብቑጠባዊ ፡ ብወተሃደራዊ ፡ ብእገዳን ብሓያል ስነ ኣእምሮኣዊ ኵናትን ተጻብኦታቶም ቐጸልዎ ። ብዓለማዊ ደረጃ ብእገዳ ፡ ብውሽጢ ከኣ “ንገረብ ብሓኽላ” ዝብል ተንኮላት ቀንዲ መሳርሒ ብምሕሳብ ፡ ዝተፈላለየ ዕላማታት ዘለወን ጉጅለታት ንኽፍጠራ ሓጊዞም ፡ ደሞዝ ከፊሎም ። ማዕቀብ ንፍሉያት ኣካላት ሕብረተሰብና ፈልዩ ከምዝወቅዕ ኣምሲሎም ዝገልጹ ሰባት ኣዋፊሮም ። ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ፡ ንቕሓት ከምዘይብሉ ፡ ዝተባህሎ ጥራይ ዝገብር ኣምሲሎም ፡ ንሃገርን ንህዝብን ንምክልኻል ንዝገብሮ ጻዕርን መስዋእትን ወንጂሎም ከንእስዎ ፈቲኖም ። ንናይ ካልኦት ስተረታጅካዊ ረብሓታት ክሕልዉ ክብሉ ካብ ማእከል ጁቡቲ ነፊጾም ናብ ዶባትና ሃንደፍደፍ ንዝበሉን ሃገርና ንኽደፍሩ ንዝፈተኑን ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ሃገር ከይድፈር ስለዝተኸላኸለን ንወረርትናን ላኣኽቶምን ጸብጻባት ስለዘይሃበን ፡ ንኣዕነውቲ ሓይልታት ብምሕላቕ ፡ ንተንኮላትን በደላትን ጸላእትና “ዘቀናጅዉ” ውሑዳት እውን ኣይተሳእኑን ።

ድሚ ነዊሕ ዓመታት ፡ ሓደ ኩቡርን ምኩርን ሓው (ፖሎቲካዊ ካድር) ጠንቅን ሳዓቤንን ፡ ወድዓውነትን ባዕላውነትን ፡ ምኽኒትን ኣጋጣምን ዝብላ ኣርእስትታት ሒዙ ክምህር ተዳልዩ ቀረበ ።ኣኼበኛ ነተን ክልተ ንምርደአን ብዙሕ ኣይሸገሮኦን ። እታ ሳልሰይቲ ማለት ምኽኒትን ኣጋጣምን ትብል ኣርእስቲ ግን ፡ ነዊሕ ክትዓት ተኻየደላ ። ኣብ መጨረሻ እቲ ካድር ኣዝዩ ኪኢላን ዝተሞኮረን ስለዝነበረ ፡ ሓደ ኣብነት ኣቕሪቡ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ከረድኦ መረጸ ። በለ ከኣ ፡ ክልተ ሰባት እሉኽ (ሑዱር)ዝኾነ ጽልኢ ነበሮም ። ኣብ ሞንጎ ብዙሕ ህዝቢ ከለዉ ፡ እቲ ሓደ ሕልፍ ክብል ኮሎ ነቲ ሓደ መጻልእቱ ትንክፍ ኣበሎ ። እቲ ዝተተንከፈ በግ ኢሉ ጸፈዖ ይብል ። ስለምንታይ ትጸፍዖ እንተተባህለ ፡ ጎኒጽኒ ዝብል መልሲ ሃበ ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ መጽፋዕቲ ግን እቲ ምትንካፍ ዘይኮነስ ፡ እቲ ሑዱር ዝጸንሐ ጽልኢ እዩ ። እቲ ትንክፍ ምባል ኣጋጣሚ እዩ ብምባል ገለጾ ።

ገለ ሰባት ጠንቂ ናይ እገዳ ፡ ናይ ሶማል ፡ ናይ ጅቡቲ ወይ ካልእ ኮምኡ ዝኣመሰለ ዘምጸኦ ጸገም ምዃኑ ክገልጹ ይፍትኑ እዮም ። እዚ ንጸላእትና “ንምቅንጃውን” ህዝባዊ መኸተ ንምድኻምን ፡ ዝቐርብ ሓሳባት እንተዘይ ኮይኑ ፡ ሓቅነት የብሉን ። እቲ ቀንዲ ምኽኒት ፡ ሓያላት ኢና ባሃልቲ ፡ ናይቲ ዞባና ኣህዛብ ረብሓታት ረጊጾም ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓታት ንምሕላውን ከምድላዮም ዋናታት ኮይኖም ንኹሉ ንምቑጽጻር ዝገብርዎን ዘሳውርዎን ተንኮላት እዩ ። ብሕጅውን እንተኾነ ዝኾነ ኣጋጣሚ ክጥቀሙ ዝሽግሮም ከምዘይኮኑ ክንግንዘቦ ይግባእ ።

ሶቭዮታውያንን ኣመሪካውያንን ኣጽዋራት ናብ ኢትዮጵያ ከግዕዙ ከለዉ ፡ ረብሓታቶም ክሕልዉ እምበር ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክሕግዙ ወይ ውን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኣበሰ ኣይነበረን ። ወያነ ምስ ኤርትራ ውግእ ከካይድን ናብ ሶማል ወራር ክግብርን ኮሎ ፡ ናይ ጎይቶቱ ትእዛዝ ከኽብርን ረብሓታት ላኣኽቱ ክሕሉን እምበር ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸገም ስለዝፈጠረ ወይ ውን ህዝቢ ሶማል ስለዝተጻገመ ኣይነበረን ። ንናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ረብሓታት ንምሕላው እውን ኣይኮነን ። ወያነ እውን እንተኾኑ ፡ ኣብ ትሕቲ ግዳማውያን ኣዘዝቲ ዕዳጋ ዝወረዱ ስለዝነበሩ ፡ ዝተባህልዎ ክገብሩ እምበር ካልእ ምርጫ ስለዘይነበሮም ጥራይ እዮም ።

ንሕና ኤርትራውያን ኩልና ናይ ጸላእትና ሓሳባትን ተግባራትን ከነቀናጁ ዘይኮነስ ፡ በንጻሩ ሓቅነት ሒዝና ፡ ኣብ ዝኾነ ጊዜን ቦታን ፡ ብብመድረኹ ንዘጋጥሙና ናይ ግዳም ተጻብኦታት ፡ ዘሎና ውልቃዊ ድሌትን ፖሎቲካዊ ኣጠማምታን ብዘየገድስ ፡ ኣብቲ ናይ ሓባር ጉዳይና ፡ ብጥሙር ሓይሊ ፡ ንናይ ሃገርናን ህዝብናን ጸላእቲ ዝኾኑ ሓይልታት ክንምክቶም እዩ ዝግባእ ። ህዝቢ ኤርትራ ንጸላእቱ ስለዝመከተ ጥራይ እዩ ህልውንኡ ኣረጋጊጹ ። እዚ መርገጽ እዚ ፡ ከም ሃገራዊ ባህሊተወሲዱ ብተግባራዊ ስራሓት ዝግለጽን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገርን ኣተሓሳስባ ክኸውን ከኣ ይግባእ ። እዚ ዋላ ኣመሪካውያን ንጉዳይ ሃገሮም ዝጥቀምሉ ኣሰራርሓ እዩ ። ነዚ ኣገባብ ኣጠማምታን ኣሰራርሓን ዘይሓዛ ሃገራት ፡ ንውሽጣዊ ጉዳየን ንፋስ የእትየን ፡ ክፍወስ ዘይክእል ጸገም ፈጢረን ወይ ካኣ ተበቲነን ተሪፈን ንርኤን ኣሎና ። ኣብ ከባቢና ንድኽመታትና ዝጽበዩ ኣካላት ከምዘለዉ እውን ክንዝንግዕ የብልናን ።

ብስሙር ሓይሊ ንሃገርካ ተወፊካ ምስራሕ ፡ ሕብረተሰብና ብቐጻሊ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ፡ ሓደ ካብቲ ኤርትራዊ መንነትን ውህደትን ዝፈጠረን ዘማዕበለን እዩ ። ወለድና ፡ ናይ ውልቆምን ናይ ማሕበሮምን ፍልልያት ኣወንዚፎም ወይ ከኣ ካላኣዊ ቦታ ኣትሒዞም ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ንኽሰርሑ ምሒሎም ሰሪሖም እዮም ። ኣንጻር ጸላእቲ ሃገር ኩሎም ኤርትራውያን ሃገራውያን ብሓባር ክምክቱ ግዴታን ሕድርን ከኣ ኣለዎም ።

ይቕጽል