
ብ ሜዲያን ዲፕሎማስን ኮሚተ ኢጣልያ ፡
ሰንበት ዕለት 08/12/2014 ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ቦሎኛ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።
ኣብቲ ሓድነትና ሓይልና: ጽንዓትና ዓወትና ዝብል ህዝባዊ መኸተ: ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ኢጣልያ: ኣቶ ግርማይ ሃብተሚካኤል ዘካየዶ ኣኼባ: መንግስትን ህዝብን ኣብ ህንጸትን ልምዓትን ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ሓያል ጻዕሪ ናይ ሎሚ ዓመት ርሑስ ክራማት ተደሚርዎ ኣብ ርህው መሰጋገሪ ንርከብ ኣለና ኢሉ።
ኣብ ፖሎቲካውን ዲፕሎማሲካውን ቃልሲ ድማ: ንኤርትራ ንምድኻም ዝተፋሕሱ ኩሎም ናይ ሓሶት ተንኮላትን ውዲታትን ብሓያል መኸተ ህዝብናን መንግስትናን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተኸሽሑን ዕርቃኖም እናወጸ ይኸይድ ከም ዘሎ: ኣብነታት ብምቕራብ: ኣቐዲሞም መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ከኣ ናይ መንግስቲ ደኒማርክ ስደተኛታት ዝቕበል ትካል ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ደቕቕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር ዓዶም ገዲፎም ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝኾነ ፖሎቲካዊ ምኽንያት ከምዘይብሎም ኣረጋጊጾም ክብል ገሊጹ።
እቶም ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ንኤውሮጳ ከም ገነት ስለ ዝሓስብዋን ገሊኦም ከኣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሑና ኢሎም ከም ዘመኽንዩን: ኣብ ዓዶም ምስ ዝምለሱ ከኣ ዝኾነ ጸገም ከም ዘየጋንፎምን: ኣብ ዓዶም ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ከም ዘለዎም ከም ዘረጋገጹን ኤርትራ ሰላም ዝሰፈና ፖሊስ ውን ብዙሕ ዘይርኣየላ ሃገር ምኻና: ብምምስካር: ኣብ ዳኒማርክ ዑቕባ ዝሓተቱ መንእሰያት ከም ኩሎም ኣፍሪቓውያን 99 % ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ብምኻኖም ክፍሊ ኢምግረሽን ከም ናይ ፖሎቲካ ስደተኛታት ክቕበሎም ከም ዘይኮነ ኣብቲ 79 ገጽ ዘለዎ ሰፊሕ መጽንዓቲ ከምዝደምደሙ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣቶ ግርማይ ብተወሳኺ፡ እዚ ብመንግስቲ ዴኒማርክ ዝተወስደ ስጉምትን ዝወጸ መግለጽን፡ ካልኦት መንግስታት ውን ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ንኽገብራ ይቀራረባ ምህላወን ብሰፊሕ ኣብሪህዎ።
ኣቶ ግርማይ ቀጺሉ ውሽጣዊ መሳርዕና ክሕይል ኣብ ኣወዳድባናን ስርሓናን ጽፉፍ ገምጋም ብምግባር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቦሎኛ ዝተዓመሙ ዓበይቲ ስርሓትን ዝተርኣዩ ጉድልታትን ድኽመታትን ዘርዚሩ ብምቕራብ: ጉድለታት ተኣሪሞም እቲ ጽቡቕ ከኣ ናብ ዝልዓለ ከነዕርጎ ነቲ ናይ 6 ወርሒ ተሓንጺጹ ዘሎ መደብ ስራሕ ብዓወት ንኽንዛዝሞ: ከምቲ ኣብ ዝኽሪ 40 ዓመት ዘርኣኽምዎ ቅያን ሓያል ተወፋይነት ስራሕን ብግብሪ ከም እትደግምዎ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ኣሎኒ ብምባል ዘረብኡ ደምዲሙ።
ካብ ተኻፈልቲ ዝቐረበ ሕቶታት መሊሹ:: ተቐማጦ ቦሎኛ ብዝተኻየደ ኣኼባ ዕግበቶም ብምግላጽ መኸትኦም ብዝላዓለ ከም ዝቕጽሉ ቃል ኣትዮም ኣኼባ ከኣ ብዓወት ተዛዚሙ።
ዓወት ንሓፋሽ !!
