ብሓደ መስከረም 1961 ፡ ሰውራና ኣዊጁ ጸላኢ ክህረም

News ትግርኛ
ንኽብርን ዝኽርን መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ንኽብርን ዝኽርን መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ግርማይ በርሀ (ሽካጎ)፡

ጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣብ መንጎ ገዛእቲ ክንገዝእ ኢና ክብሉን ተገዛእቲ ከኣ ኣይንግዛእን ፡ ኣሜን ኢልና ኣይንሰግድን ፡ እምቢ ብምባል ክቃወሙን ብዝማዕበለ ናይ ክልተ ኣካላት ጎንጺ ዝተጋህደ ተርእዮ እዩ ። ገዛእቲ ሓይልታት ፡ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ እምቢይታ ንምዕጋት “እንቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሶው” ብምባል ፡ መሰለይ ንዝበለ ህዝቢ ብምቅንጻል እንዳኣግደሉ ንክገዝኡ ክሓልሙ ከሎዉ ፡ እቲ ናይ ሓፋሽ ህዝባዊ ሰራዊት ከኣ “ቦሎ ቦሎ ነቲ ሰላም ዘይደሊ ወራሪ ሰራዊት ቦሎ …” ብምባል ነቲ ቃልሱ ክሳብ ዓወት ክቅጽሎ ወሰነ ። 

ሰላምን ፍትሕን መሰረት ናይ ኩሉ ምዕባለን ቅሳነትን ስለዝኾነ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ፍትሕን ብዝለዓለ ደረጃ ዝተቓለሰን ሕጂ’ውን ዝቃለስ ዘሎን ህዝቢ እዩ ። ህዝብና ንመግዛእታዊ ባርነት ኮነ ካልእ ኩሉ ዓይነት ወጽዓታት ኣሜን ኢሉ ሰጊዱ ዘይከይድ ፡ ብጻዕሩ ሰሪሑ ክነብር ዝደሊ ፡ ብውሽጣዊ ዓቕምታቱን ኩነታት ብዘፍቅዶን ንቀጻሊ ለውጥን ግስጋሰን ዝቅበል ፡ ብሕጊ ክመሓደር (ሕጊ እንዳባን ካልኦት ኣገባባትን) ዝጸንሐን ሕጂ’ውን ዝደልን … ከምምዃኑ መጠን ፡ ብኹሎም ዘይፍትሓውያን ሓይልታትን ብሕጊ ተቀይዶም ክኸዱ ዘይደልዩ ኣካላትን ዝፍቶን ዝናኣድን ኣይኮነን ። ምኽንያቱ ገለ ታሪኻዊ ጅግንነቱ ኣንጻር እዞም ዓመጸኛታት ብዘካየዱ ቃልሲ ስለዝግለጽ ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ህዝብና ፡ ናይዞም ዓመጸኛታት ተጻብኦታት ተፈልዩዎ ኣይፈልጥን እዩ ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ሰላም ዝኸልእዎ ወረርቲ ሓይልታት ከይተረፈ ፡ ብመጀመርያ ብሰላማዊ መንገዲ ተቓሊሱን፡ ሰላም ንምስፋን ክብል ሓያል ዋጋ ከፊሉን እዩ ። ኤርትራውያን ሓርበኛታት ግን ካብ መሪር ተሞኩሮኦም ባህርያት ጸላእቶም ንምልላይ ኣይሸገሮምን ። ሓርበኛታት ፡ ገዛእቲ ብጀካ ብሓይሊ ብረት ብኻልእ ፡ ድምጺ ህዝቢ ክሰምዑን ሃገር ክለቁን ከምዘይክእሉ ኣይስሓትዎን ። ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮኦምን ተሞኩሮታት ህዝብታት ዓለም’ውን ንኽማሃሩ ኣይሸገሮምን ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኤርትራውያን ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ብረት ከልዕሉ ተገደዱ ፡ እቶም ብሰላም ዘይሰምዑ ገዛእቲ ብብረት ከስምዕዎም ወሲኖም ተላዕሉ ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጀመረሉ መዓልቲ ከኣ ባሕቲ መስከረም 1961 ከምዝኾነ ኣወጁ ።

ኤርትራውያን ሓርበኛታት ፡ ካብ ውልቃዊ ናብሮኦም ናይ ህዝቦምን ናይ ሃገሮምን ረብሓታት ቀዳምነት ሂቦም ፡ ብቑጽሮም ኣዝዮም ውሑዳት፡ ብዕላማ ግን ኣዝዩ ሰፊሕ (ህዝባዊ ሃገራዊ ዕላማ) ሒዞም ፡ ነቲ ዝነበረ መድረኽ ክምክቱ ዘኽእሉ ፡ ኣብ ናይ ደባይ ኩናት መሰረት ዝገበረ ወተሃደራዊ ስልቲ ተጠቂሞም ፡ ካብ ህዝቦም እናተዓንገሉ ቃልሶም ጀመሩ ።

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሓድሽ ዓይነታዊ መቀይሮ ፈጠረ ። ምስግጋር ናብ ዝማዕበለ ፖሎቲካውን ብረታውን ቃልሲ መድረኽ ከእቱ ኣኽኣለ ። ናብቲ ኣዝዩ ዝሓየለ ህዝባዊ ቃልስን ህዝባዊ ሓይልን ንምስግጋር ዘኽኣለ ኣፍደገውን ከፈተ ። ዕምሩ ከንውሕ ዝደሊ መግዛእታዊ ስርዓት በቲ ሓደ ፡ ንዑኡ ዝጻረር ህዝባዊ ሓይሊ ከኣ በቲ ካልእ ብምዃን ፡ ናይ ክልቲኡ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዓለምን ነጺሩ ክረኣ’ውን ከኣለ ። ኤርትራዊ ሃገራውነትን ወንን መሊሱ ሓየለ ። ሰውራ ኤርትራ ኣካል ናይቶም ብረት ኣልዒሎም ንፍትሒ ዝቃለሱ ናይ ዓለም ናይ ሓርነት ሓይልታት ክኸውን በቕዐ ። ብዓቀንን ብዓይነትን ዝልክዑ ፡ ብኣውንታን ብኣሉታን ዝግለጹ ፡ ሓፋሽ ህዝብና ዋጋ ዝኸፈለሎምን ንቀጻሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሂወት ዝሃቡን ውሽጣውያን ምዕባለታትን ጎንጽታትን ንኽጋሃዱን ዝተፈላለዩ ዝላታት ንኽራኣዩ እውን ባይታ ፈጠረ ። ስርዓት ኢትዮጵያ በንጻሩ ፡ ይሕጉዙኒ ዝብሎም ጎይቶት ኣብዘሐ ። ብራዕዲ ተዋሒጡ ፡ ባርዕ ሰውራ ከጥፍእ ክብል መሊሱ ኣብ እዝዩ ጽጉዕነት ናይ ዓለም ጎይቶቱ ጠሓለ ። ኣብ ዕጥቂ ፡ ስንቅን ወተሃደራዊ ንዋትን ምልማን ተነቑቱ ተረፈ ። ንዕንወት ናይ ዞባና ከኣ ቀንዲ ጠንቂ ኮነ ።

እዚ ብውሑድ ቁጽሪ ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ንጸላእቱ ክምክት ዘኽእል ውሽጣዊ ለውጥታትን ምምሕያሻትን ብምግባር ንኹሎም ሃገራውያን ዘሳተፈ ካብ ናይ ደባይ ኵናት ናብ ሓያል ህዝባዊ ሰራዊት ክቅየር ከኣለ ። ኣብ ከባቢና እውን ህዝባውያን ምንቅስቃሳት ንኽለዓላ ጽልዋታት ብምፍጣር ኣብ ረብሓታት ህዝብታት ዞባና ዓብዪ ኣበርክቶ ክገብር እውን በቕዐ ። ኣብ መጨረሻ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ንጸላእቱ ካብ ሃገሩ ጸሪጉ ምውጻእን ናጽነቱ ምጭባጥን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኣብ ሕምብርቲ ጸላእቱ ብምእታው ንገዛኢ ስርዓት ካብ ስሩ ከዓልዎን መራሕቱ ናብ ስደት ከምዘምርሑን ብምግባር ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ኣብነትን ናይ ታሪኽ ጅግንነትን ክፍጽም ከኣለ ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንኹሎም ሰማእታት ኤርትራ

ዓወት ንሓፋሽ!