ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ፡ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ (Part-II)

News ትግርኛ
The true human smugglers of our times wears expensive suits and work in the position close to international NGOs
The true human smugglers and terrorist of our times wears expensive suits and work in a position closer to international NGOs

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ኣብዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍና፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዘቕረብናዮ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ንሓንቲ ካብተን ኣብ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራ ቀንዲ ተዋሳኢት ንዝኾነት ሜሮን እስቲፋኖስን፡ ምስኣ ዝተታሓሓዙ ካልኦት ብሽም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ንዝተዋፈሩ ወልቀሰባትን፡ ዝድሕስስ ይኸውን፡፡  ብተወሳኺ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክፋል፡ ንብዙሕ ሕልኽላኻዊ ውዲት ኣሰራርሓ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ምትእስሳሩ ምስ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን፥ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ብዝተጨበጠ መልክዑ ዘቕርብውን እዩ።

ደጊምና፡ ኣብ ኣቀራርባና ምናልባት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ከምስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ትሕዝቶ ብጥልቀት ምስ እንኸይድ ግን፥ ንናይ ሓደ ወልቀ-ሰብ ጉዳይ ኢልና ዘይኮነ፥ እንታይ ደኣ ብመንገዲ እቲ ውልቀ-ሰብ ንምልእቲ ሃገር ወረ ሕጅስ ንምልእቲ ኣፍሪቃ እንተበልና ኣየጋነናን፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ነገርን፡ ጭብጢ ብዘይተረኽቦ መንገድን፡ ነቲ ናይ ንድየት ዕንደራን ደባሊቕካ፡ ንሃገር ብዕምብረ-ሓሶት ጸለሎ ቀቢእካ ንዝግበር ዳንኬራ ክስታት ንምቅላዕ ዝዓለመ ኢዩ። 

ነቲ ጽሑፍ ብዕምቆትን ብተኸታታልን ዘይነበቦ ሰብ ግን፡ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ንውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ክመስሎ ይኽእል ኢዩ::

Download (PDF, 165KB)


– – – – – –