
ብ ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፣
እዚ ራብዓይ ክፋል ጽሑፍና፡ መቐጸልታ ናይቶም ኣቐዲምና ዘቕረብናየን ሰለስተ ክፋላት ኮይኑ፡ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ብጉዳይ ከሰተ መዓመ ኣኮሎምን (ወጅሀይ)፡ ተራ መልኣከ ሰረቐን፡ ኤልሳ ጭሩምን፡ ዮውሃንስ ማሕራይን (ጆን ማሕራይ)፡ ከምኡውን ኣብ መቐለ ዝርከቡ ብተቃወምቲ ዝፍለጡ እንታይ ከምዝመስልን፡ ነቲ ሕልኽላኻዊ ውዲት ኣሰራርሓ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብምትሕብባር ስርዓት ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን መንእሰያትናን ዝግበር ውዲትን ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ብዝተጨበጠ መልክዑ ዝቕረበ ጽሑፍ እዩ።
ደጊምና ክንሕብሮ ንፈቱ፡ ኣብ ኣቀራርባና ምናልባት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ከምስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ትሕዝቶ ብጥልቀት ምስ እንኸይድ ግን፥ ንናይ ሓደ ወልቀ-ሰብ ጉዳይ ኢልና ዘይኮነ፥ እንታይ ደኣ ብመንገዲ እቲ ውልቀ-ሰብ ንምልእቲ ሃገር ወረ ሕጅስ ንምልእቲ ኣፍሪቃ እንተበልና ኣየጋነናን፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ነገርን፡ ጭብጢ ብዘይተረኽቦ መንገድን፡ ነቲ ናይ ንድየት ዕንደራን ደባሊቕካ፡ ንሃገር ብዕምብረ-ሓሶት ጸለሎ ቀቢእካ ንዝግበር ዳንኬራ ክስታት ንምቅላዕ ዝዓለመ ኢዩ። ክትራ ብቐትሪ ሽፍትነት ጎደቦ ምስ ተሓዝለ ዝሓጽር ድንኪ 4ይ ክፋል እንሆ። ብህድኣት ክተነብዎ ድማ ንዕድም።
ብህድኣት ክትነብዎ ንዕድም::
– – – –