ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም (ኣንገሶም ወጅሀይ) ካብ ጭውያን ቅትለትን ወያኔ ንስክላ ድሒኑ

News Opinions Politics

ብወያነ ዝምራሕ መንግዝቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ከሰተ መዓመ ኣኮሎም (ኣንገሶም ወጀሀይ) ሎሚ መዓልቲ ዘካየዶ ናይ ጭውያን ቅትለትን ፈተነ ፈሺሉ።  

ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ኣንገሶም ጠዓመ ኣኮሎም ኣን ካርቱም ፈሺሉ
ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ኣንገሶም ጠዓመ ኣኮሎም ኣብ ካርቱም ፈሺሉ

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

እቲ ንመራሕቲ ሃገራት ከይተረፈ፥ ንዘለዎም ክብሪ ሉኣላውነት ሕሉፍ መሰል ጢሒሱ፡ እንተዘይፈረምኩም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእተወኩም ኢዬ ኢሉ ዘፈራርሕ ስርዓት ወያነ፡ ሎሚ ዕለት 29-05-2014፡ ከባቢ ሰዓት 4:00 ናይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ሻርዕ ኣልጃዛር፡ ኣብ ኣፍደገ ሞርኒን ጆይስ ካፌን ሬስቶራንትን፡ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዘሎ ጎደና፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ሓደ ኪሎ ሜትር ኣብ ዝርከብ ርሕቀት፡ ብስርዓት ወያነ ዝተላእኩ ዑሱባት፡ ኣብ ሓንቲ BMW ዝኣይነታ መኪና ዝተሰውሉ ኣርባዕተ ሸጓጉጥ ዝዓጠቑ ሰባት፡ ንኤርትራዊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም (ኣንገሶም ወጅሀይ) ሒዝዋ ንዝነበረ መኪና፡ በትደጋጋሚ ብዘይ ምቁራጽ ኣብ  ማእከል ጎደና 6 ግዜ ድሕሪ ምግጫዎም፡ ነታ መኪና ድሕሪ ምዕናዎም፥ ተባዕ ኤርትራዊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም (ኣንገሶም ወጀሀይ)፡ ካብቲ ዝተመደበሉ ናይ ጭውያን ቅትለትን መደብ ወያነ፡ ብእግሩ ሃዲሙ ካብቲ ዝተመደበሉ ውጥን ንስክላ ድሒኑ ኣሎ።

ነዚ እከይ ተግባራት ካብ ዝመርሑን ዘዋደዱን፡ ቀንድን ኩኡኻት ወያነን፡ ኣብ ዕዮ ምስግጋር ሰባትን መሸጣ ደቂ ኣዳምን ዝተዋፈሩ ዕሉላት ገበነኛታት ከኣ፡ ዑን ዓንዶም ዝዓዱ ዮውሃንስ ማሕራይ ወይ ከኣ ጆን ማሕራይን ኪሮስ ሃይሉን ቀንዲ ተሓተቲ ምኳኖም ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ነፍልጥ።

ወያነ ነዚ ተግባር እዚ ንኽተግብር ዝተገደደሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራን ሶማልን ዝቐረበ፡ ኤርትራዊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎ (ኣንገሶም ወገሀይ)፡ ምስ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)፡ ኣብ መሸጣ ደቂ ኣዳምን ዘይሕጋዊ ፍልሰት ደቂ ሰባት የነጥፉ ኢዮም ኢሎም ዝጸብጸብዎ ናይ ሓሶት ጸብጻብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤርትራዊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም፡ ካብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ወጻኢ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ዝተጻዕነ እገዳ ዝቐርብ ናይ ዓለቕ መርትዖ፡ ካብ ኢዶም ስለ ዝሞለቖም፡ ነዚ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተኣልመ ኣከይ ውዲት ምኳኑ ከነረጋግጽ ኢኢልና ኣሎና።

ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ናይ ዓይኒ ተዓዘብቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እታ በቶም ገበርቲ ኣከይ ዝዓነወት መኪና፡ ኣብ ጥሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከም ዝኣተወት፡ ነቲ ኩነታት ንምክትታ፡ ኣስታት 15 ብሞተር ሳይክል ዝተሰነዩ ፖሊስ ትራፊክ፡ ነቲ ጉዳይ ከም ዝተኸታተልዎ ክንፈልጥ ኪኢልና ኣሎና።

ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት!!!
[email protected]

– – – –