
ብ ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ወዲታት፣
ክቡራት ተኸታተልቲ ጽሑፋትና፥ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መበል 5ይ ክፋል ኢልና እነውጽኦ ዘለና ጽሑፍ፡ ብቐደም ተኸተል ክንከይድ ዝግበኣና’ዃ እንተነበረ፡ ምስ’ቲ ካብ ብዙሓት ተኸታተልቲ ጽሑፋትና ዝመጸና ዘሎ መልእኽትን ሓበሬታን ሪኢቶን ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም (ወጅሀይ) ዝንዛሕ ዘሎ ጸለመታትን፡ ብስርዓት ወያነ ናይ ዝተኻየደ ፈተነ ጭውያን ቅትለንትን ብምትእስሳር፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መደብ 5ይ ክፋል ጽሑፍና፡ ነቲ ናይ ቅደም ተኸተል ኣገባብ ጢሒስና፡ ኣብ ጥብቆ ቁጽሪ 4 ክቐርብ ዝግብኦ ዝነበረ መርትዖ ሰነድ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ከነቅርቦ ኢና።
መሰረት ናይ’ቲ ጽሑፍ ከኣ፥- ከሰተ ጠዓመ ኣኮሎም (ወጅሀይ)፡ ከመይ ኢሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ በቲ ፈጺምዎ ተባሂሉ ዝተኸሰሰሉ ሰባት ብዘይ ሕጊ ኣብ ምስግጋርን ምሻጥን ( Human Traffcking and Smuggling ) ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓደ ካብኣቶም ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ሓቢርካ ትሰርሕ ነይርካ ኢሉ ንዝቐረበሉ ክሲ፡ ነጻ ናይ ዝተለቐቐሉ ናይ ቤት ፍርዲ ሰነድ፡ ጽሩይ ቅዳሕ ሰነድ ኩሉ ኤርትራዊ ብግቡእ ክርድኦ ብማለት ከኣ፡ ካብ’ቲ መበቆላዊ ሰነድ ቅዳሕ ሰነድ ብቛንቛ ኣምሓርኛ፡ ናብ ቛንቛ ትግርኛ ኣተርጉምና ንዝርግሖ ኣለና።
እቲ ብቛንቛ ኣምሓርኛ ዝቐርብ ዘሎ መበቆላዊ 38 ገጽ ዝሓዘ፡ ምስ ነፍስ ወከፍ መርትዖኡ ዝተሰነየ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ትርጉም ቛንቛ ትግርኛ ኸኣ፡ ምስ መበቆላዊ መርትዖ ናይ’ቲ ሰነድ፡ ኣብ 39 ገጽ ቀሪቡ ኣሎ። ብድምር ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፥ ንዘለና ሰነዳዊ መርትዖ ብዝምልከት ብኽልተ ቛንቛታት ኣምሓርኛን ትግርኛን፡ ኣብ 79 ገጻት ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና። ብጽሞና ክትነብዎ ኸኣ ነተሓሳስብ።
– – – – –