
ብ ጉጅለ ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፣
ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ ንብዙሕ ሕልኽላኻዊ ውዲት ኣሰራርሓ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ምትእስሳሩ ምስ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን፥ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ብዝተጨበጠ መልክዑ ዘቕርብ እዩ። ኣብ ኣቀራርባና ምናልባት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ከምስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ትሕዝቶ ብጥልቀት ምስ እንኸይድ ግን፥ ንናይ ሓደ ወልቀ-ሰብ ጉዳይ ኢልና ዘይኮነ፥ እንታይ ደኣ ብመንገዲ እቲ ውልቀ-ሰብ ንምልእቲ ሃገር ወረ ሕጅስ ንምልእቲ ኣፍሪቃ እንተበልና ኣየጋነናን፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ነገርን፡ ጭብጢ ብዘይተረኽቦ መንገድን፡ ነቲ ናይ ንድየት ዕንደራን ደባሊቕካ፡ ንሃገር ብዕምብረ-ሓሶት ጸለሎ ቀቢእካ ንዝግበር ዳንኬራ ክስታት ንምቅላዕ ዝዓለመ ኢዩ።
ነቲ ጽሑፍ ብዕምቆትን ብተኸታታልን ዘይነበቦ ሰብ ግን፡ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ንውልቀ-ሰብ ንከላኸል ዘለና ክመስሎ ይኽእል ኢዩ::
– – – – –