
ብ ወዲ ኣበይቲ፡
በሉ ከምቲ ልሙድ፣ ሕሶት ሓለፍትኹም ስምዑ፡ ሕሶት ጥራሕ ዘይኮነስ ንዛ ዓዲ መርዚ ተኺሎምላ ከይኸዱ ዘስግእ ኣመለኻኸተኦም እውን ተዓዘቡ፡ ዋይ ዓደይ!
ሓደ ዝመቸዎም ዝመስሉ ፅጉብ ሓላፊ ክልልና ኣብ መስኮት ቶግ ቲቪ ቀሪቦም ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዘሎ ትግራዋይ 26 ሚእታዊ እዩ ኢሎም፡፡ ቢሮኦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ 29 % እዩ ክብል ፀኒሑ ኣብ ቅነ ዲያስፖራ ተጋሩ ድማ ብተደጋጋሚ “18 % ጥራሕ እዩ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዘሎ ትግራዋይ” ክብል ተሰሚዑ፡፡
ኦከስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘውፀኦ መፅናዕቲ 87 % ትግራዋይ ኣብ ፍፁም ድኽነት ከምዘሎ ሓቢሩ እዩ፡፡ ሓደ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ መምህር ዝነበሩ ደሓር ናይ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ፕሬዚዳንት ዝኾኑ ሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ መስመር ፍፁም ድኽነት ዘሎ ትግራዋይ 52 % ከምዝኾነ ገሊፆም እንተኾነ ግና እታ ብበጀት ክልል ትግራይ (5 ሚልዮን ብር) ዝተኻየደት መፅናዕቲ መመሓደርቲ ክልልና “ኣይንቕበላን” ኢሎም ቀዳዲዶምዋ፣ ናብ ሕትመት ከይትበቅዕ እውን ተገይራ ተሪፋ፡፡ ብዙሓት እቲ ሹመት መዕበሲ ኣፍ እዩ ዝበሉዎ እውን ንዕኡ ነይሩ፡፡ ዘይሩ ዘይሩ እታ 26 % እትብል ቁፅሪ ካበይ ከምዘምፅኡዋ፣ መን ከምዝሰርሖ፣ ኣየናይ ናይ ምርምር ትካል ከምዘረጋገፆ ዝፈልጡዋ ኣብታ ክንደይ ትኹነልና ኢሎም ዝወሰኑ ኮሚቴ ዘለዉ ጥራሕ እዮም ዝፈልጡዋ፡፡
እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ዝመቸዎም ሓላፊ ብተወሳኺ “ቅድሚ 5 ዓመት 80 ሽሕ ጥራሕ ዝነበረ ሎሚ ልዕሊ ፍርቂ ሓረስታይ ትግራይ ኣብ መስኖ ይሳተፍን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ የፍሪን ኣሎ” ይብሉ:: ኣታ ብዛዕባ እታ ንሕና ንፈልጣ ትግራይ ድዮም ዛዘረቡ ዘለዉ? በየናይ ናይ መፋስስ ልምዓት፣ በየኖት ግድባት እዩ ‘ፍርቂ መራሒ ስድራ ኣብ መስኖ ይሳተፍ ኣሎ’ ዝብሃል? ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመት ኣየናይ በርቃዊ ስራሕ ተሰሪሑ ኮይኑ እዩ?…ንመን እዮም ኮን ዘታልሉዎ ዘለዉ፡፡ 3 ሄክታር መሬት ተልምዕ ንእሽቶ ሓፅቢ 130 ሄክታር ተልምዕ ኣላ ተባሂሉ ዜና ክስርሐላ ህዝቢ ዕዳጋ ሰሉስ ይፈልጥ እዩ፤ “ዓመታዊ እቶተይ 300 ሽሕ ብር በፂሑ” ኢሉ ኣብ ቶግ ቲቪ ኣብ ዝተዛረበላ ክረምቲ ብዕዳ መሬት ተታሒዙ ዝኸፍሎ ስኢኑ ልመና ዝኸደ እውን ይፈልጥ እዩ፡፡
ብተወሳኺ እቶም ሓላፍን መሳርሕቶምን “ሓረስታይ ልቓሕ ዘይምስልስ ዘሎ ገንዘብ ስኢኑ ዘይኮነስ ብኣውሩኡ ናይ ተፀባይነት ስምዒት ዝፈጠሮ እዩ” ታይ ማለት እዩ? “እንተረስዑዎ፣ ከየኽፈሉ እንተገደፉኒ” ዝብል ሓረስታይ ኣሎ ድዮም ዝብሉ ዘለዉ?… ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ዶ ኣይኮኑን ዝዛረቡ ዘለዉ ካብ ዝምቢስ መዓር። ዓሰርተታት ኣሽሓት ተጋሩ ፎቖዶ ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ንልመና ኢዶም ዝዝርግሑ ዘለዉ ብኣውርኡ ልቓሕ መንግስቲ ምምላስ ኣብዩዎም ኣይኮነን ድዩ?
እቲ ዘሕዝን ተፈጥሮኣዊ መዳበርያ፣ ኮምፖስት ወ.ዘ.ተ ዝብሃሉ ዋግኦም ቀሊል፣ ረብሖኦም ልዑል፣ ኣብ መሬት ዘላቒ ጉድኣት ዘይብሎም መሊኦም ኣዝዮም ጠቐምቲ እታወታት መሊኦም ዝተረስዑ ይመስሉ፡፡ ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ፈታዊ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ዝኾነ ያራ ልሳን፣ ጁባ፣ ሕሊና መራሕትና መሊኡ ዝበሓተ ይመስል፡፡ መዳበርያ ናይ ሓፂር እዋን እቶት ከደንፍዕ ይኽእል ይኸውን፣ ንደቅና ግን መርዚ እና ንሓድገሎም ዘለና፡፡ መዳበርያ፣ መዳበርያ ክንብል፣ እሞ ድማ ምስ መሬትና ዘለዎ ምስምዕማዕ ኮነ ቀፃሊ ሳዕቤኑ እኹል ምርምር ከይገበርና መሬትና ብናይ ስዊድንን ነርወይን ኬሚካላት በኪልና ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ፣ ንወለዶ ዝስዕብ ጉድኣት…ታሪኽ ከይሓተና ይሰግእ፡፡