ቅነ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽግለታ፡ ከተማ ሪችመንድ፡ ዝተሓፍሰ ሕብራዊ ዓወታት

News Photos Sport ትግርኛ

ተወልደ ብእምነት

ብ’ዚ ክካየድ ዝቐነየ ኣህጉራዊ ውድድር፡ ብዓለም ደረጃ፡ ኣለዉ ዝበሃሉ ህቡባትን ምኩራትን ተቀዳደምቲ ዝርከብዎ ግጥማት፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ፡ ዘሐብን ውጽኢት’ያ ኣመዝጊባ።

ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብ በዅሪ ውድድር ሰኑይ 21 መስከረም፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣቢሀርን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድሜኦም፡ ኣብ ዝተወሰነ ናይ ጊዜ መለክዒ በቢውልቀ ናይ ምውንጫፍ ክእለት ዝልከዓሉ ውድድር ከተሳትፍ እንከላ፣ (Individual Time Trail) መርሃዊ ቅዱስ፡ ካብ 170 ሓያላት ተቀዳደምቲ፡ መበል 21 ተርታ ክወጽእ እንከሎ፡ ካብ’ቲ ቀዳማይ ዝወጸ ወዲ ደኒማርክ ብሓደ ደቒቕን ነጥቢ ሓሙሽተ ካሊእትን (1.5) ተኸታቲሉ ኣብ መዛዘሚ መስመር ኣትዩ። ኣማኑኤል ሓደ ካብቶም ልዑል ኣስተዋጽኦ ከመዝግብ ትጽቢት ዝተገብረሉ እኳ እንተነበረ፡ እታ ካብ ሃገር በልጁም ሒዝዋ ዝመጸ ብሽግለታ፡ ገለ ክፋል ኣካላታ፡ (ኮረሻ) ምስ’ቲ ኣህጉራዊ መለክዒ ቅቡል ዝኾነ ቅጥዒ ስለ ዘይተቃደወ፡ ሽሕ’ኳ ህጹጽ ምትዕርራይ ክግበር ፈተነ እንተተኻየደ፡ ኣብ’ቲ ውድድር ክጽንበር ኣይተኻእለን።

ቀጺሉ፡ ረቡዕ ዕለት 23 መስከረም፡ ናይ 53 ኪሎመተር (32.9 ማይልስ) ርሕቀት ዝሽፍን፡ ናይ ዓበይቲ ቅድድም፡ ካብ ኪንግስ ደሞንዮን (Kings Dominion) ዝብገስ፡ ዓቀብንን ጎላጉልን ሰንጢቁ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝውዳእ፡ በቢውልቀ ዝተሰርዐ ፍጥነታዊ ናይ ጊዜ ቅድድም፡ (Men’s Elite Individual Time Trail) ሃገራዊት ጋንታ ንህቡብ ተቀዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ ኢያ ኣሰሊፋ። መኽሰብ: ካብ’ቲ ቀዳማይ ዝወጸ ብ4 ደቃይቕን 20 ካሊኢትን ድሒሩ መበል 49 ተርታ ሒዙ ነቲ ውድድር ዛዚምዎ። እቲ ዘመዝገቦ ውጽኢት፡ ሓደ ካብ’ቶ ኣብ ዓለምና ብሉጻት ተቀዳደምቲ መዳርግቲ ላዕለዋይ ደርጃ ዝሓዙ ምዃኑ እፍለጥ። ካብ ኣፍሪቃውያን መዛንኡ’ውን ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ኮይኑ ወጺኡ ኣሎ።

ዓርቢ 25 መስከረም፡ እታ ዝበዝሑ ተቃዳደምቲ፡ ማለት 4 ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ዮናስ ተኸስተ፡ መትከል እዮብ፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣቢሀርን ከተሰልፍ እንከላ፡ እቲ ኮኾብ ተቀዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ፡ ካብ ኣስታት 180 ተቀዳደምቲ፡ ኣብ መበል 11 ተርታ መስርዕ ሒዙ ነቲ ውድድር ዛዚምዎ። መርሃዊ በቲ ኣብ መበል ታሽዓይ ዙርያ ናይ’ቲ ውድድራት ዝኸዶ ዝነበረ ፍጥነት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ነቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዝተኸስተ ናይ ዝናብ መሰናኽል፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ተወዳደርቱ ብምኽንያት ጠሊ መሬት ምስ ወደቑ፡ ካብ’ቲ ሓደጋ ክእለ ክብል ዘጓነፈ ምድንጓያት እንተዘይተዓናቀፍ፡ ካብ’ቲ ዘመዝገቦ ዓወት ዝበለጸ ውጽኢት ከመዝግብ ልዑል ኣኻእሎ ኔሩ። ዝተረፉ ተቀዳደምቲ’ታ ጋናታ፡ መትከል ኣብ 43 ደረጃ፡ ኣማኑኤል ኣብ መበል 58 ተርታ፡ ዮናስ ከኣ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ተደጋጋሚ ናይ ጎማ ምብልሻው መበል 118 ተርታ ክስለፉ በቂዖም። ዮናስ ብመንጽር’ቲ ዘጋጠሞ ዕንቅፋት ድሕሩ’ኳ እንተኣተወ፡ ብጀካ’ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነቲ ዙርያ ዘይዛዘሙ 40 ተቀዳደምቲ፡ ብድሕሪኡ 12 ተቀዳደምቲ ምንባሮም ይፍለጥ። ብድምር ክርአ እንከሎ ኣብ’ዚ ሓያል ህልኽን ጻዕቅን ዝመልኦ ናይ 162 ኪሎመተር ውድድራት፡ ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ ናይ 23 ዓመት ዝዕድሚኦም ተቀዳደምቲ፡ ዝነኣድ ዓወታት’ያ ኣመዝጊባ።

መኽሰብ ደበሳይ ከኣ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ግጥም ናይ ዓበይቲ ሓባራዊ ውድድራት ሰንበት 27 መስከረም፡ ኣስታት 200 ተቀዳደምቲ ዘሳተፈ፡ ኣብ ውሽጢ ሕምብርቲ ከተማ ሪችመንድ ዝተሓጽረ ጎደናታት፡ ን15 ጊዜ እናተዃለሉ ዝካየድ ግጥም፡ ድምር ርሕቀቱ ክዕቀን እንከሎ፡ 261.4 ኪሎመተር (162.4 ማይልስ) ዝሽፍን ኮይኑ፡ ጽቕጥቅጥን ሓያል ናይ ዓናትር ጥምጥም ምንባሩ እፍለጥ። መኽሰብ ውድድር ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ 12 ዙር፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝተሃላለኩ ዝነበሩ ናይ ዓለም ህቡባት ተቀዳደምቲ መስርዕ ሒዙ እዩ ዝወናጨፍ ኔሩ፣ ኾይኑ ግን፡ እቲ ውድድር ክዛዘም ሰለስተ ዙር (Lap) ክተርፎ ከሎ፡ ገለ ካብ ብድሕሪኡ ዝስዕብዎ ዝነበሩ ተቀዳደምቲ ተጎኒጹ ወዲቑ። ካብ’ቲ ዝወደቖ ተንሲኡ ንሓንቲ ዙር ክቅጽል እኳ እንተፈተነ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘጋጠሞ ማህሰይቲን፡ በቲ፡ እቶም መወዳደርቱ ሰጕሞሞ ዝነበሩ ርሕቀት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ካብ’ቲ ውድድር ከቛርጽ መሪጹ። ይኹን እምበር፡ ንዘለዎ ብቕዓት ኣብ’ቲ ቅድሚ ምዳቑ ዘርእዮ ጽቡቕ ኣሳጉማ ኣመስኪሩ ከም ዝነበረ እፍለጥ።

ብኣጣቓላሊ ክርአ እንከሎ፡ መለክዒ ብቕዓት ሃገራዊት ጋንታ፡ ብገምጋም ኪኢላታት ናይ’ቲ ዓይነት ስፖርት፡ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ከም ዘላን፡ ብወገን ኣቦ መንበር ፈደረሽን ኣቶ ኣስመሮም ሃብተማርያምን፡ ዓላሚ ሃገራዊት ጋንታ ኣቶ ሳምሶን ሰሎምንን እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ከምዘለዎም፡ ተቀዳደምቲ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ናብ ጽቡቕ ኣንፈት አሳጉሙ ምህላዎም፡ ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ውድድራት ድማ ብዘርኣይዎ ንጥፈታት ዕጉባት ምንባሮም ይሕብሩ።

እቲ ኻላኣይ ዝዓበየ ኣድናቖት ዘትረፈ ታሪኻዊ ምርኢት፡ ልዑል ተሳትፎ ዜጋታት፡ ብቑጽርን ህርኩት መንፈስን፡ ጊዜኦም ከይበቐቑ፡ ሓዳሮምን ናብራኦምን ኣወንዚፎም፡ ናብ’ቲ ዓቢ ውራይ፡ ደገፎም፡ ፍቕሮም፡ ሓልየቶም ከርእዩ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ምብራቕ ዞባ ሰሜን ኣመርካ( ካብ ቦስቶን ክሳብ ማያሚ ፍሎሪዳ ኣስታት 15 ከተማታት) ገሊኦም ንልዕሊ 850 ማይልስ (1350 ብኪሎመተር) እቲ ዝወሓደ ድማ ንኣስታት 100 ማይልስ (160 ኪሎመተር) ብውልቀ-መኪናን ብኣውቶቡሳት፡ ገለ ብነፈርቲ፡ ብቫናት ሓቢሮም ተጓዒዞም፡ ብሃገራዊት ባንዴራ ዝወቀበ ኣልባሳት፡ ሰንደቖም እናምበልበሉ፡ ዓቢኦም ንእሽትኦም ናብ’ቲ ክካየድ ዝቐነየ ውድድራት ብዘይብኩራት ክሳብ ፍጻመ ናይ’ቲ ግጥማት ብልቢ ምስ ተቀዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ብማዕረ ተቀዳዲሞም፡፡ ኣዴታት ዓሊለን፡ ኣቦታት መዲሮም፡ ኣሓትን ኣሕዋትን ብጎባልል ኣሕዋቶም ቃንዮም፡ ትብዓት ኣስኒቖም፡ ዝሃብዎ ሞራላዊ ልግሲ፡ ካብ ኩሎም ናይ ካልኦት ሃገራት ደገፍቲ፡ ልዑል ጸብለልትነት ኣመዝጊቦም።

ኣብ’ተን ውድድራት ዝተኻየደለን መዓልታት፡ በቲ ካብ ዜጋታትና ንመተባቢዒ ዝምንጩ ዝነበረ ነጎድጓዳዊ ድምጺ፡ ሙዚቃን ሳዕስዒትን፡ ብዝሒ ባንዴራታት፡ ጽባቐ ኣልባሳት፡ ኣቓልቦ ኩሉ ተዓዛቢ ህዝቢ ሰሊቡ፡ ነቲ ዘምጽኦ ውራይ ረሲዑ ምስ ህዝብና ሃነን ኢሉ። ካብ ተዓዘብትን ሓለፍቲ መንገዲን፡ ብቀጻሊ ንመንነቱ ክፈልጡ፡ ዝውሕዝ ዝነበረ ሕቶታት፡ “ካበይ መጺእኩም? ኣበይ-ኣበይ ትነብሩ? ከመይ ኢልኩም ተኣኻኺብኩም? እንታይ’ዩ እቲ ምስጢር ናይ’ዚ ብዝሕኹም ?” ወዘተ…ዝብላ ሕቶታት ብተደጋጋሚ ዊሒዘን፡ ክሳብ ዕለት ስንብታ ድማ ቀጺሉ። መልሲ ደቂ’ዛ ሓንቲ ባንዴራ፡ ሰብ ሓደ ልቢ ድማ፡ “ውዳበን ፍቅሪ ሃገርን” ዝብል ሓደን ንጹርን መልሲ ኢዩ ኔሩ። ብርግጽ ከኣ ከምኡ’ዩ ኔሩ ሕብርታቱ። ከመይሲ፡ ከም’ዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ኣብ ካልኦት ዜጋታት፡ ከምዚ ህዝቢ፡ ንተቐዳደምቶም ከተባብዑ ዘሰለፋ፡ ንኣመሪካውያን ደሚርካ፡ ብድምጽን ብተግባርን ዓብሊሉ ዝወጸ ስለ ዝነበረ።

እዚ ጸጋ’ዚ ንምስሊ ህዝብን ሃገርን፡ ጠሊ ጽባቐ ዘነጽርን፡ ነቲ ብተጻባእቲ ዝተቀለመ ናይ ጠቀነ ሓሶታት ሓጺቡ ዘንጽህ፡ ዓቢ ፖለቲካውን ባህላውን መኽሰብ ዝተሕፍሶ ኣጋጣሚ ምንባሩ፡ ሳላ ጎባልል መንእሰያትና ዕሙር ተሳትፎ ህዝቢን ዝተረኽበ ዘሐብንን ዘኹርዕን ዓወት፡ መወዳድርቲ ኣይነበሮን።

እዚ ጽባቐታት’ዚ ዝማረኾም ወጻእተኛታትን ሰበ-ስልጣናትን ከይተረፉ “ቪቫ ኤሪትረያ” ዝብሉ እዕሩኽን ፈተውትን ዝተጠርዮ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ልቦምን ኣእምሮእምን ሓደ ዓቢ ጦብላሕታን መዘክርን ክምዝግብ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ብዙሓት ብዛዕባና፡ ብባህልና፡ ታሪኽናን ክፈልጡን ክመሃሩን መረዳእትኦም ከስፍሑን ኪኢሎም። ከም ውጺኢቱ ንመዘከርታ ስእሊ ዜጋታትና ዘለዓሉን ምስ ዜጋታትና ዝተሳእሉ ብዝሖም ንምግማቱ እኳ እንተዘይተኻእለ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም ኔሮም።

ንኤርትራዊ ጽባቐን ጥምረቱን ብድምቀት ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና፡ መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝቃላሕ ተጌሩ። ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር (ኣመሪካን) ወጻእን ዝተሳተፉ ሰኣልትን ጋዜጠኛታትን ብልዑል ኣቃልቦ ነዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ መዛግብቶም ተቀሊሙ ኣሎ።

ኣብ መዛዘሚ ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ ከይተጠቅሰ ክሕለፍ ዘይግብኦ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራውያን ተቀማጦ ከተማ ሪችመንድ፡ ኣጋይሽና ናብ’ታ ከተማ ቅድሚ ምእታዎም ጀሚሮም ክሳብ ተልእኾኦም ዛዚሞም ዝሰናበቱ፡ ዘርኣይዎ ሓልዮትን ክንክንን ዘደንቕ ምትሕብባር፡ ልግሲን ፍቅርን መዳርግቲ ኣይነበሮን። እቲ ዘሳለጥዎ ዕማማት ልዕሊ’ቲ ቑጽሮም ዝተዓጻጸፍ ህርኩት መንፈስን፡ ብፈገግታን ባህታን፡ ኣጋይሾም ኣአንጊዶም። ምስጋና ድማ ይኹኖም። ኤርትራዊ ኩሉ ጊዜ ኣብ ኩሉ ይጽናሕካ ድማ ዘብል ነበረ።

መንእሰያት ተመሃሮ ቨርጂኒያ ኮመንወልዝ ዩኒቨርሲቲ (VCU) ድማ ብግዲኦም፡ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ማእከል ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ምስ ኣሕዋቶም ተቀዳደምቲ ብሽግለታ መላለዪ መደብን፡ ብዛዕባ ታሪኽ ቅድድም ብሽግለታ ኣመጻጽእኡን ምዕባሌታቱን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ንምፍላጥን ምድህሳስን ዝሕግዝ መደብ ሰሪዕም፡፡ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ድማ ተኻፈልቲ ናይ’ዚ ኣገዳሲ ቁም-ነገራዊ ዛዕባ ክኾኑ በቂዖም። ምስ ስፖርተኛታት ድማ ናይ ሕቶን መልስን ምልውዋጥ ተኻይዱ።

ብተወሳኺ፡ ኣጋይሽና ብወግዒ፡ ብኽብሪ ካብ ምቕባልን ምጉዕዓዝን ነናብ ቦቶኦም ብሰላም ምፍናውን፡ ኣብ ምውዕዋዕን ምትብባዕን፡ ኣብ ምእላይን ምውህሃድን ምውዳብን ስርሓት ዝተረእየ ዘሐብን ኣበርክቶ ውፉያት ዜጋታትና፡ ኣዝዩ ልዑል ምንባሩ፡ ንመጻኢ ፍናንን ሞራልን ዘበርኽ ኣብርክቶ፡ ብሕብራዊ ዓወት ምዝዛሙ፡ ንኹሎም ብፍቅሪ ሃገርን ሕልናን ዝዓየዩ ድማ ዮሃና።

ንዓመታ ኣብ ከተማ ዶሓ ሃገረ ቀጠር ድማ ካብ’ዚ ብዝበለጸ ምቅርራባትን ብቕዓትን ዓወት ክዓትሩ ንተቀዳደምትና፡ ንምነ፡፡

ዓወት ንሓፋሽ!!