Tag Archives: Asmara Cycling Competition

ቅድድም ብሽክለታ ፡ ተስፎም ዕቕባማርያምን ተስፋኡን . . .

Cycling Tesfom Okbamariam
ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ኣብ ክልተ ዓበይቲ ውድድራት ብሽክለታ ሃገሩ ንመወዳድርቱ ኣላሽ ኣቢሉ ብዝነኣድ ብቕዓት ኣንጸባራቒ ዓወት ብምምዝጋብ ንደገፍቱ ጸባ ዘስተየ ፡ ንብሩህ ተስፋኡ ድማ ከም ስሙ በተን ስሑላት ዳናጉኡ ዋሕስ ዝገበረ ተቐዳዳማይ – ተስፎም ዑቕባማርያም።

ኤርምያስ ገብረልዑል

ብ ክለብ ዞባ ደቡብ ንነዊሕ ዓመታት ብምውድዳሩ፡ ንውድድራት ውሽጢ ሃገር ከም ከብዲ ኢዱ ክፈልጦን ክመልኮን ሓጊዝዎ እዩ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘመዝገቦ ዓወታት፡ ንርእሰ ተኣማንነቱ ኣብ ጥርዚ ከብጽሖ እንከሎ፡ ምስ መጋቢት ክለብ ኤምቲኤን ዘሕለፎ ብሉጽ ናይ ስልጠናን ጸወታን እዋናት ኸኣ፡ ኣብ ኮረሻ እንከሎ ንጸወታ ናይ ምንባብ ክእለቱ ኣበሪኽዎ ይርከብ፣ እዚን ካልእን ድማ እዩ፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን ኣብ ክልተ ዓበይቲ ውድድራት ብሽክለታ ሃገሩ፡ ንመወዳድርቱ ኣላሽ ከብሎም ዝተራእየ – ተስፎም ዑቕባማርያም።

ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ብከዋኽቲ ዞባ ማእከል ኣብ ዝተሰምየ ውድድር ጭራ ቑረጽ፡ ከብ ብተይ ብምዕንዳር ዓቢ ዓወት ዘመዝገበ ተስፎም፡ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከባቢ ሲነማ ሮማ ኣብ ዝተኣንገደ ‘ብሩህ ተስፋ ኣብ ድርኩኺት 2016’ ዝተሰምየ ሃገራዊ ውድድር እውን ዝልከፍ ኣይነበረን፣ ተስፎም ንሓያለ ዙርያታት ምስ መራሒት ጉጅለ ብምህዳምን ብምቕላስን ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተኻየደ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ ብዝነኣድ ብቕዓት ኣንጸባራቒ ዓወት ብምምዝጋቡ ንደገፍቱ ጸባ ኣስትዩ፣ ንብሩህ ተስፋኡ ድማ ከም ስሙ በተን ስሑላት ዳናጉኡ ዋሕስ ገይሩሉ። Continue reading ቅድድም ብሽክለታ ፡ ተስፎም ዕቕባማርያምን ተስፋኡን . . .