Tag Archives: Bisha Mine trip

ብኢዱ ንጸሓይ ዝኽውል፡ ንሓቂ ብዓሎቕ ዝብልል፡ ሓያል የልቦን!!

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ለቃ ስታፍ ስርሒታት ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ፡ እንሆ ሕጂ! ሕጂ! የውክእ ኣሎ። ንበይኑ ዘይኮነ፡ ምስቶም ኣብ ዝባና ዘይሕጋውን፡ ዘይፍትሓውን ዝተስገደደ እገዳ ክጸንዓነና እንከሎ ተዓዘብትን ደገፍትን ዝነበሩ ኣካላት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ምስ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ኢዩ ናብ ማእከል ዕደና ወርቂ ብሻ ዝበጽሕ ዘሎ።

ነዚ ብኣካል ናብ ማእከል ዕደና ወርቂ ብሻ በጺሐ፡ ናይ ዓይኒ ምስክርነተይ ይህብ ኣለኹ ዝብል ዘሎ፡ ናይ`ታ ዓባይ ዓለምና ዝኾነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተወካሊ ኣብ ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ቃል ምስክርነት፡ ኣብ ቅድሚ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዝወሃብ ዘሎ ምስ ምዃኑ፡ እታ ንወርሒ ሰነ 2016 ጽሟቕ ጸብጻብ ብምቕራብ፡ ንኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ንምጽዓን፡ ተኣንጆት! ተሸበሸብ! Continue reading ብኢዱ ንጸሓይ ዝኽውል፡ ንሓቂ ብዓሎቕ ዝብልል፡ ሓያል የልቦን!!