Tag Archives: EQL

‘Eritrean Opposition’ and Ethiopia’s Fast Changing Politics

What does the future hold for the so-called ‘Eritrean opposition’ in the face of the current political reality and crisis in Ethiopia?

Their fate was sealed a long time ago.

BY MAHMUD SALEH

Ethiopia’s political situation is deteriorating by the day. All indications reveal that EPRDF, the ruling party in Ethiopia is in crisis. Intra-party crisis (in fights) and external pressure (mass uprising) have shaken the grip of the EPRDF/TPLF, an organization that once seemed invincible. Grievances of marginalized communities have been seething for years, albeit disconnected and less organized. Continue reading ‘Eritrean Opposition’ and Ethiopia’s Fast Changing Politics

Ayte Kiros Asfha “The Recruiter”

Everyone has a right to be stupid; some like Ayte Kiros just abuse the right

By Helen Berhe,

From day one he left Eritrea, Kiros Asfha, the singer, by birth Eritrean, currently lives in Ethiopia, is in a mission working with the Tigray People’s Liberation Front (TPLF.) Before he left Eritrea to his ancestral country, he has been singing in lowly clubs and bars due to his quality, but mostly his personality because he fits in such platforms only. Continue reading Ayte Kiros Asfha “The Recruiter”

ኣንቱም ከዳዓት መንሽሮ ሕብረተሰብ : ኣሜሪካ ዕንወትን ህልቂትን እምበር መዓርን ጠስምን ተምጽእ ከይመስለኩም!

ወያነን ኣሜሪካን ሰዓብታን መዓርን ጠስምን ሒዞም ናብ ኤርትራ ከምዘየጹ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዝገርም ግን ናይቶም ከዳዓት መጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ ተቓወምቲ ዝብል ስም ዝተጠመቑ ወይጦታት እዩ ። እዞም ህዝቦምን መንግስቶም ዝኸሓዱ ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ዝተምበርከኹ ወይጦታት እቲ ባህጎምን ትምኒቶምን ኤርትራ ከም በዓል ዒራቕን ሊብያን ክትድምሰስን ክትዓኑን ህዝባ ክሃልቕን ድዮም ዝምነዩ ዘለዉ?

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ዝቢ ኤርትራ ነታ ዝተመንዝዓቶ ነጻነቱ ንምምጻእ ክንደይ ስቓይን መከራን ከም ዘሕለፈን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐን ዝመረረን ቃልሲ ከም ዘካየደን ማዕረ ክንደይ ረዚን መስዋእቲ ከም ዝኸፈለን ንሕና ኤርትራውያንሲ ይትረፍ ዓለም ብዓለማ እትፈልጦ ሓቂ እዩ።

መስዋእቲ ክበሃል እንከሎ ጤል ወይ በጊዕ ሓሪድካ ንኣምላኽ እተሕርሮ መስዋእቲ ኣይኮነን ፣ እንታይ ደኣ ለይለይ ዝብሉ ኣባጽሕ ዕጽፍ ዝርግሕ ዝብላ ጎራዙ እየን ስለ እዚ ህዝቢ ብዓረር ጸላእቲ ተመንኪሎም ብክላስተር ቦምቦ ኣካላቶም ተበታቲኑ ፣ ብናፓልም ቦምብ ከም ሽምዓ መኺኾም በጃ እዛ ሃገር ንስለ ነጻነት ሓሊፎም ።

እወ ኣደ እታ ለዋህ ውላዳ እምኒ ዓንቂፍዎ ቅድሜኻ ይስጥሓኒ ብምባል በጅኡ ሕልፍ እትብል ፣ ኣብ ቃልሲ በጺሓ ግን ኣጆኺ እዛ ጓለይ ኣጆኻ እዚ ወደይ ትብዑ ኣይትሕመቑ ንብጾትኩም ከይተግድዕዎም እናበለት ንደቃ ናብ መኣዲ ቃልሲ ኣፋንያ ንሳ እኽለ ማይ ሒዛ ፈቐዶ ድፋዕ ብላዕልን ብታሕትን ቦምባታት ጸላኢ ኣብ ልዕሊኣ እናዘነበ ተጋደልቲ ኣብ ዝኣተዉዎ እግሪ እግሮም እትኸይድን ንመስዋእቲ ደቃ ብነጸላኣ እትቕበልን ኣሰሮም ተኸቲላ ውን እትስዋእን ተባዕ ሓርበኛዊት መቐነታ ገጥ ኣቢላ ንሰውራ ዝሓብሓበትን ዝተቓለሰትን ። Continue reading ኣንቱም ከዳዓት መንሽሮ ሕብረተሰብ : ኣሜሪካ ዕንወትን ህልቂትን እምበር መዓርን ጠስምን ተምጽእ ከይመስለኩም!

ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ! (3ይ ክፋል)

ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቅታት

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ብ’ዚ ሳልሳይ ክፋል መቐጸልታ ጽሑፍና ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ንዘለዎ ሓቅታት ከምቲ ልሙድ ክንጋልህ ኢና። ኣብ’ዚ ከም ፍሉይ ሕታም ጌርና እነቕርቦ ዘለና ናይ ምቅላዕን ምግላጽን ጽሑፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን፡ ካብ ቅድሚ ነጻነት ኣትሒዞም ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ኩነት፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን፡ ህዝብን መንግስትን ሃገርን ኤርትራ ዝሰግርዎ ዘለዉ ኩርዃህ፡ እንታይ ይመስል? ጥራይ ዘይኮነ፡ ውዲታቶምን ኩሉ ናይ ጠነግ ምትእስሳራቶምን፡ ብውሽጥን ብግዳምን ንዘለዎም ናይ ገመድ ርክባትን ነዚ ገመድ እዚ ንምብንጣስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይሓልፎ ንዘሎ ጽንኩርነትን፡ ኪኖ እቲ ናይ ደቂቕ፡ ዝደቐቐ ጉዳያት ኣመልኪትና፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከነቅርብ ኢና።

ኣብ ኣቀራርባና ምስ ህልዊ ኩነታት ብምትሕሓዝ’ውን እነቕርቦ ስለ ዘለና፡ ምትሕውዋስ ዝመስል ክስተት ከጋጥም ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ናይ ተጻብኦ ጠነጋት ክሳብ ኩሉ ኣላሽ ኢሉ ዘይተበናጠሰ፡ ምስቲ ዋሕዚ ጽሑፍ ብምትሕሓዝ ነቲ ሓቂ ክትግንዘብዎ ዘነጽር ጽሑፍ ብምዃኑ፡ ምስቲ ዝቕጽል ክፍላት ከተተሓሓዝዎ ከም ዘለኩም ኢና እንመክር። Continue reading ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ! (3ይ ክፋል)

ብኸዳዓት ደቂ ሃገር ዓንዲ ጽንዓትና ኣይንቕነቕን እዩ!

ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቡኽራ ትሓርእ ።

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ዝቢ ኤርትራ ንኣማእት ዓመታት ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ንምግላጾም ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ወሪድዎ እዩ ። ኩሎም እቶም መሬት ኤርትራ ዝረገጹ ገዛእቲ ሓይልታት ነናቶም ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ዘይጠፍእ በሰላ ጥራይ ዘይኮነስ ንውሉድ ወለዶታት ብምረት ዝዝከር ዘሎ እዩ ። ብፍላይ እቲ ዘመነ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ካብቲ ኣሜሪካውያን ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ቬትናም ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ዝዳረግ እዩ እንተበልናስ ምግናን ኣይከውንን ።

እቲ ኣብዚ ጸቒጠ ከስምረሉ ዝደሊ ናይቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ዘይኮነስ እቶም መሳርሒ ባዕዳዊ ገዛእቲ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሰውራናን ዘውርድዎ ዝነበሩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት እዩ ። Continue reading ብኸዳዓት ደቂ ሃገር ዓንዲ ጽንዓትና ኣይንቕነቕን እዩ!

ሃገርና ኤርትራ ምስሊ ናይቶም ትሽዓተ ብሄራታ እያ!

ኣንቱም ከዳዓት እንታይ ረብሓ ስለ ዘለኩም ኢኹም ኣብታ ሃገርና ዘዕነወትን ንህዝብና ግዳይ ስደትን ሞትን ህልቂትን ዝገበረት ኢትዮጵያ ኣብ ጎድና ተሰሊፍኩም ሃገር ንምጥፋእ ትጓየዩ ዘለኹም?

ተስፋማርያም ሓጎስ

ገር ማለት ንስኻ ማለት እኳዩ ! ሃገር እታ ንስኻ ካብ ማህጸን ኣዴኻ ውጽእ ምስ በልካ ናይ መጀመርያ ኣየር ዘተንፈስካላ ፣ ዕትብትኻ ዝተቐብረትላ እያ ። ኣዴኻ እታ መሬት ዝሃበታ እናበልዐት ንስኻ ጡባ እናጠቦኻ ዝዓበኻላ እኮ ንሳ እያ እታ ሃገር። እወ ንሳ እያ እታ ንስኻ ገና ፍሑኽ ፍሑኽ ክትብል ምስ ጀመርካ ሓመዳ እናለሓስካ ዝዓበኻላ ፣ ታተ ጀሚርካ ምጉያይ ምስ ጀመርካ ከም ብተይ እናዓንደርካ ዝዓበኻላ ንሳያ እታ ሃገር ። እታ ሃገር እታ ምስልኻ ዝኾነት ብትምህርቲ ተኮስኲስካ ዝዓበኻላ መሬት ንሳ እያ እታ ሃገር ። ኤርትራ ንሳ እያ እታ ቅድስቲ ምስልና ምስሊ ናይቶም ትሽዓተ ብሄራት ።

ኤርትራ ብዓመጽቲ መሰላ ተገፊፉ ምስ ተጎብጠት ኩሎም እዞም ትሽዓተ ብሄራት ትግርኛ ትግረ ዓፋር ሳሆ ኩናማ ናራ ሕዳረብ ብሌን ራሻይዳ ብዘይ ጻውዒት ደሞም ኣፍሲሶም ነጻ ንምውጻእ ሴፎምን ጉራዴኦም መዚዞም ናብ መኣዲ ቃልሲ ፣ ናብቲ ገደል ናብቲ ሰብ ፍጡር ወዲ ኣዳም ብሓዊ ዝልብለበሉ ቅንጣብ ምቁር ህይወት ዘይትርእየሉ ዝተሰለፉ ። እቲ ቀንዲ ናብዚ መሪር ናብራ ገድሊ ዘሰለፎም ሃገር ማለት ንሳቶም ፣ ንሳቶም ማለት ድማ ሃገር ስለ ዝኾኑ እዩ ። ምስሎም ስለ ዝኾነት ። Continue reading ሃገርና ኤርትራ ምስሊ ናይቶም ትሽዓተ ብሄራታ እያ!

ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ! (ካልኣይ ክፋል)

ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቅታት

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ብ’ዚ ካልኣይ ክፋል መቐጸልታ ጽሑፍና ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ንዘለዎ ሓቅታት ከምቲ ልሙድ ክንጋልህ ኢና። ኣብ’ዚ ከም ፍሉይ ሕታም ጌርና እነቕርቦ ዘለና ናይ ምቅላዕን ምግላጽን ጽሑፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን፡ ካብ ቅድሚ ነጻነት ኣትሒዞም ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ኩነት፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን፡ ህዝብን መንግስትን ሃገርን ኤርትራ ዝሰግርዎ ዘለዉ ኩርዃህ፡ እንታይ ይመስል? ጥራይ ዘይኮነ፡ ውዲታቶምን ኩሉ ናይ ጠነግ ምትእስሳራቶምን፡ ብውሽጥን ብግዳምን ንዘለዎም ናይ ገመድ ርክባትን ነዚ ገመድ እዚ ንምብንጣስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይሓልፎ ንዘሎ ጽንኩርነትን፡ ኪኖ እቲ ናይ ደቂቕ፡ ዝደቐቐ ጉዳያት ኣመልኪትና፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከነቅርብ ኢና። Continue reading ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ! (ካልኣይ ክፋል)

ስርዓት ወያነን ኣሳሰይቶምን ሕጂኸ ናበይ

ሎሚ ኣብ ወጻእ ስለ ዝሰፈርካ ነቲ ከቢድ መስዋቲ ዝተኸፍለሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዕላምኡን ንስለ ሃልክን ጸይቅን ክትብል እንጌራ ልማኖ ከይተርፈካ ከተቋናጽብ ምፍታን ኣይግድን፡፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ንጽባሕ ዘየጣዕስ ታሪኽ ክሰርሕን ንጸላእቱ ብግቡእ ከለልን ይግባእ፡፡

ሕድሩ ዑቕባትንሳኤ:

ታ ኩሉ ጠማቲኣ ዝኾነት ውቅብቲ ኣፍሪቃዊት ኤርትራ ፡ ድሮ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዙሕ ማሕለኻታት እዩ ተጻዊዱላ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር መስዋእቲ ፡ ሳላ እቶም ኣብ ከርሳ ሰፊሮም ዘለዎ ጀጋኑ ሰማእታት ፡ ካብ መግዛእታዊ ኣርዑት ተገላጊሉ ምስታ ግሎባዊት ዓለምና ክጽንበር ኪኢሉ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ጸገማት መግዛእቲ በዲሁ ነታ ተወሊዱ ዝዓበየላን ፡ ተማሂሩ ዝማዕበለላን ፡ ሓሪሱ ዘፍረየላን እንኮ ፍትውቲ ሃገሩ ልኡላውነታ ኣረጋጊጹ፡፡ እፎይታ ረኺቡ ሃገሩ ከማዕብል ድማ ኣብ ዳግመ ህንጻ ተጸሚዱ፡፡

እንተኾነ ግን ጸላእትና ማንታ ኣተሓሳስባ ተኾልኪሎም መጺኦም ድሮ ቅድሚ ናጽነት ጀሚሮም ህዝቢ ኤርትራ እታ ዝፈትዋ ክብርቲ ሃገሩ ንከይውንን ወጢኖሞ ዝነበሩ እከይ ተግባራት ክፍጽሙ እዮም ተዓጢቖም፡፡ ድሕሪ ናጽነት እዚ ዘይብሃል እከይ መጻወድያታት ኣዳልዮም ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ክፈናጭሉን ፡ ታሪኽ ሓርበኛታት ከናሽዉን ፡ ነቲ ክቡርን ዘይድፈርን ብብእዋኑ ከም ብሩር እናተወለዐ ዝምዕብል ዘሎ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከቋናጽቡን እዮም ተራእዮም፡፡ Continue reading ስርዓት ወያነን ኣሳሰይቶምን ሕጂኸ ናበይ