Tag Archives: Eritrea Ethnic Tribes

ትሽዓተ ብሄራት ክልተ ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ባንዴራ

Eritrean-Culture
መንዮም እቶም ኣብ ልዕሊ መቓብር ጀጋኑና ዕላማ ጸላኢ ክተኽሉን ጭርሖ ወያነ ሒዞም ክድብሉ ዝህቅኑ? ንምንታይከ ኣብ ቅድሜና ከምዚ ክገብሩ ትም ኢልና ንርኢ ! ናትና ንዕቀት ድዩ ወይስ . . . ?

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ርትራ ብትሽዓተ ብሄራትን ክልተ ሃይማኖት ዝቖመት ሓንቲ ካብተን ነኣሽቱ ግንከ ብጽንዓታን ሓይላን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር እያ ። ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ምስ እንፍትሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም ንኹሉ ንህላዌኦም ዝጻብኡ ወረርቲ ፈጺሙ ዘይተምበርከኸ ሓያል ህዝቢ ምዃኑ ንዕዘብ ። ሽሕኳ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንተ ኣተወ ፈጺሙ ንጸላእቱ ዘይረዓመ ሓያል ህዝቢ ምዃኑ ንዕዘብ ።

ወረርቲ ሓይልታት ብሃይማኖት ሓዊ ኣሳዊሮም ሓድሕዱ ንኸናቝትዎ ፈቲኖም ፍጹም ክዕወቱ ኣይከኣሉን ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለምና ካብቶም ቀዳሞት ተቐበልቲ ሃይማኖት ክርስትና እዮም ፣ ከምኡ ውን ምስልምና ካብቶም ገና ነብዪ መሓመድ ብህይወት እንከሎ እተቐበለ ህዝቢ እዩ ። እታ ንመጀመርያ ኣብ ዓለም ዝተሃንጸት መስጊድ ውን ኣብ ኤርትራ እያ ። ምስ እዚ ኩሉ ግን ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ተጋራጭዩ ዘይፈልጥ ህዝቢ በይኑ ካብ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ እዩ ። እዚ ኣብ ዝኾነ እዋን እንኾርዓሉን ዓው ኢልና እንዛረበሉን ሓቂ እዩ ። Continue reading ትሽዓተ ብሄራት ክልተ ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ባንዴራ