Tag Archives: eritrea opposition

Saho Movement Leaders Thrown in Adigrat Jails

Ethiopia arrested leaders of the Eritrean Saho movement
The so called leaders of the Eritrean Saho movement, an obscure and inconsequential group, financed and based in Ethiopia, reportedly lost their luster and thrown in one of Adigrat’s prisons in Tigray.

BY GEDAB NEWS *

Gedab News learned that seven members, including six senior members, of the Eritrean Saho Movement have been arrested by security forces in Adi-Grat, in the Tigray region of Ethiopia.

Our sources also indicated that three persons, including the chairman, were arrested on August 10, 2017, while the other four were arrested on August 21, 2017. Continue reading Saho Movement Leaders Thrown in Adigrat Jails

ዝብኢ እንተሓነኸስ ፡ ንነብስኻ ይደሊ!

የማነ ተኽለገርግሽ መን ኢዩ?

ካብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ናይ ቅንያት በዓል ነጻነት ክኾነልኩም ንምነ!!! ዝበሃል ስለ ዝተሳእነ ኣይኮናን ጠፊእና ጸኒሕና፡ ኣብ ካልእ ጽምዶ ስራሕ ስለ ዝተታሓዝና’ምበር። ታሪኽ ብመሰልቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ክውን ሓቅታቱ ኢዩ ክዝንቶ ዘለዎ። ነዚ እምነት እዚ ብምሓዝ ኢና ድማ፡ ንኹሎም ጉራቔናት ንመሰለት ክውንነቶም፡ በቲ ዝመስልዎ ሓቅታት ንምግላጽ እንምድብ ዘለና። Continue reading ዝብኢ እንተሓነኸስ ፡ ንነብስኻ ይደሊ!

ብኸዳዓት ደቂ ሃገር ዓንዲ ጽንዓትና ኣይንቕነቕን እዩ!

ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቡኽራ ትሓርእ ።

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ዝቢ ኤርትራ ንኣማእት ዓመታት ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ንምግላጾም ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ወሪድዎ እዩ ። ኩሎም እቶም መሬት ኤርትራ ዝረገጹ ገዛእቲ ሓይልታት ነናቶም ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ዘይጠፍእ በሰላ ጥራይ ዘይኮነስ ንውሉድ ወለዶታት ብምረት ዝዝከር ዘሎ እዩ ። ብፍላይ እቲ ዘመነ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ካብቲ ኣሜሪካውያን ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ቬትናም ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ዝዳረግ እዩ እንተበልናስ ምግናን ኣይከውንን ።

እቲ ኣብዚ ጸቒጠ ከስምረሉ ዝደሊ ናይቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ዘይኮነስ እቶም መሳርሒ ባዕዳዊ ገዛእቲ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሰውራናን ዘውርድዎ ዝነበሩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት እዩ ። Continue reading ብኸዳዓት ደቂ ሃገር ዓንዲ ጽንዓትና ኣይንቕነቕን እዩ!

ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ! (ካልኣይ ክፋል)

ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቅታት

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ብ’ዚ ካልኣይ ክፋል መቐጸልታ ጽሑፍና ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ንዘለዎ ሓቅታት ከምቲ ልሙድ ክንጋልህ ኢና። ኣብ’ዚ ከም ፍሉይ ሕታም ጌርና እነቕርቦ ዘለና ናይ ምቅላዕን ምግላጽን ጽሑፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን፡ ካብ ቅድሚ ነጻነት ኣትሒዞም ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ኩነት፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን፡ ህዝብን መንግስትን ሃገርን ኤርትራ ዝሰግርዎ ዘለዉ ኩርዃህ፡ እንታይ ይመስል? ጥራይ ዘይኮነ፡ ውዲታቶምን ኩሉ ናይ ጠነግ ምትእስሳራቶምን፡ ብውሽጥን ብግዳምን ንዘለዎም ናይ ገመድ ርክባትን ነዚ ገመድ እዚ ንምብንጣስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይሓልፎ ንዘሎ ጽንኩርነትን፡ ኪኖ እቲ ናይ ደቂቕ፡ ዝደቐቐ ጉዳያት ኣመልኪትና፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከነቅርብ ኢና። Continue reading ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ! (ካልኣይ ክፋል)

ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ!

ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቅታት

ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት

ብ’ዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ 25 ዓመታት ነጻነቱን ሓርነቱን፡ ድሮ ምድላው ጽንብል ቡሩራዊ ኢዩቢዩል ምርኩስ ብምግባር፡ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ንዘለዎ ሓቅታት ክንጋልህ ኢና። ኣብ’ዚ ከም ፍሉይ ሕታም ጌርና እነቕርቦ ዘለና ናይ ምቅላዕን ምግላጽን ጽሑፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን፡ ካብ ቅድሚ ነጻነት ኣትሒዞም ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ኩነት፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን፡ ህዝብን መንግስትን ሃገርን ኤርትራ ዝሰግርዎ ዘለዉ ኩርዃህ፡ እንታይ ይመስል? ጥራይ ዘይኮነ፡ ውዲታቶምን ኩሉ ናይ ጠነግ ምትእስሳራቶምን፡ ብውሽጥን ብግዳምን ንዘለዎም ናይ ገመድ ርክባትን ነዚ ገመድ እዚ ንምብንጣስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይሓልፎ ንዘሎ ጽንኩርነትን፡ ኪኖ እቲ ናይ ደቂቕ፡ ዝደቐቐ ጉዳያት ኣመልኪትና፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከነቅርብ ኢና።  Continue reading ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ!

ተኣኪብካ ገዛኻ ትሃንጽ እምበር ገዛኻ ከተፍርስዶ ትእከብ!

ተካል ውላድ መጕሃይ ዘመዱ ሕማቕ ዜጋ መባላሸዊ ዓዱ ። ነዞም ከዳዓት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ንጠንቀቐሎም ።

ተስፋማርያም ሓጎስ:

ብ ታሪኽ ኤርትራ ንድሕሪት ምልስ ኢልና መዛግብቲ ታሪኽ ምስ እንፍትሽ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ነንብብ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወረርቲ ሓይልታት ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ይወርዶ ምንባሩን ፣ ይኹን እምበር ኣሜን ኢሉ ንመግዛእቲ ዘይቅበልን ጭራሽ ዘይምብርከክ ህዝቢ ምዃኑ ንርዳእ። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ነጻነቱን ክብረቱን ሓያል መኸተ ዘካየደን ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈለን ሓርበኛ ህዝቢ እዩ ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ገማግም ባሕሪ መግዛእቲ ቱርኪ ንነዊሕ ዓመታት ይግዛእ እምበር ካብ ግብሪ ምእካብን ምምሕዳርን ሓሊፉ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ሰፊሩ ባህሉን ቋንቍኡን ከተኣታቱን መሬት ክወስድን ግን ኣይከኣለን። እዚ ጸሊኡ ዘይኮነስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎኡ ከስፍሮ ከም ዘይክእል ስለ ዝፈለጠ እዩ። Continue reading ተኣኪብካ ገዛኻ ትሃንጽ እምበር ገዛኻ ከተፍርስዶ ትእከብ!