Tag Archives: Eritrean-American Community

“ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ” ናይ መወዳእታ ሽርሒ ወያነ!

ካብ ቆርበት በጊዕ ዝተጎልበቡ ተዃሉ  ደቂ ትግራይ ተጠንቀቑ
ካብ ቆርበት በጊዕ ዝተጎልበቡ ተዃሉ ተጠንቀቑ። ብናይ መቐለ በርበረን ሽሮን ዝተጠበሩ ዑሱባትን፡ ብስም ኤርትራዊ ካብ ትግራይ ዝፈለሱን፡ ኤርትራዊ ተመሲሎም ኣንጻር ህዝቢ ካብ ዝንቀሳቀሱ ተወላድቲ ደቂ ትግራይን ተጠንቀቑ።

ካብ መንእሰያት ህግደፍ (ላስ ቬጋስ)፡

ናይ ከዳሚ ስርዓት ወያነ ላዕለዎት ሓለፍቲ “ኤርትራዊያን ውሻጤኦም ጹቡቅ ጌርና ስለ እንፈልጦም ልክዕ ከም ሶማል ፋሕ ከነብሎም ኢና።” “ኤርትራዊያን እታ ኤርትራ ትብል ቃል ረሲዖም ብእንዳን ቀቢላን ኣዉራጃን ከም ዝዛረቡ ክንገብሮም ኢና” ክብሉ ብተደጋጋሚ ክፍኩሩ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ዘይግሃድ ጠፋሽ ሕልሞም ግብራዊ ክገብሩ ድማ ሓድነት ኤርትራዊያን ክብትኑ ስለ ዝነበሮም እቲ ዝልዓለ ባጀት ሰሊዖም ክንቀሳቀሱ ካብ ዝጅሙሩ ድሮ ዓሰርተታት ዓመታት እኳ እንተቁጸሩ ብዘይካ በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ዑሱባት ምዉዳብ ካልእ ዘፍረይዎ ነገር ኣይነበረን።

ሎሚ እዉን እንተኾነ ከደምቲ መራሕቲ ወያነ ንኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ሓድነቱ ንምዝራግ ሓድሽ ሜላ ብምኽታል ለይትን ቀትርን ክሰርሑ ይርኣዩ ኣሎ። እዚ ድማ ነቶም ብስም ኤርትራዊያን ካብ ትግራይ ናብ ዲያስፖራ መጺኦም ከም ኤርትራዊያን ተመሲሎም ኣንጻር ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ በቶም በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ዑሱባት ኣቢሎም ነቲ ናይ ኤርትራዊያን ሓድነት ምብታን እከይ ተግባራቶም ንምቅጻል ሽፋን ዝኾኖም ናይ “ኤርትራዊያን ማሕበረ ኮም” ምምስራት ዝብል እዩ። ነዚ ሓቂ ዘግህድ ተርእዮ ድማ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ላስ ቬጋስ ተጌሩ ዝተባህለ ብኣዝማሪኖን ኣሰናን ዝተሓበረ ወረ እዩ። Continue reading “ኤርትራን ኣሜሪካን ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ” ናይ መወዳእታ ሽርሒ ወያነ!