Tag Archives: Family Law

ኣብ ሓድሽ ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ካብ ዝተኣታተዉ ገለ ዓበይቲ ለውጥታት

Penal-and-Civil-Codes-of-Eritrea
ኣብ ሓድሽ ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ንጉዳይ መሰል ተጠቃምነት ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ፡ ረብሓ ቆልዑ ምሕላው ፡ ከምኡውን ኣህጉራዊ ክሊ ስልጣን ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ኣብዝብሉ ካብ ዝተኣታተዉ ገለ ዓበይቲ ለውጥታት

ሚኒስትሪ ፍትሒ

መሰል ተጠቃምነት ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ

ሕሪ ሞት መጻምድቱ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ኣብቲ ምስ መጻምድቲ ክግልገሉሉ ዝጸንሑ ንብረት ናይ ተጠቃምነት መሰሉ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክድረት ጸኒሑ። ንኣብነት መጻምድቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ገዛ ውልቃዊ ንብረት መዋቲ ምስ ዝኸውን ወረስቱ ነቲ መሰል ዋንነት ዘይብሉ መጻምድቲ ካብቲ መንበሪ ገዛ ከውጽእዎ ይረኣዩ። እቲ ንብረት ናይ ሓባር ኣብ ዚኾነሉ እዋን‘ውን ወረስቲ መዋቲ ብጽሒትና ክንረክብ ብዚብል ምኽንያት መጻምድቲ መዋቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ንብረት ንዘለዎ ናይ ተጠቃምነት መሰል የጻብቡ። Continue reading ኣብ ሓድሽ ሕጊ ሃገረ ኤርትራ ካብ ዝተኣታተዉ ገለ ዓበይቲ ለውጥታት

ኣብ ሓድሽ ሕጊ ስድራ-ቤት ኤርትራ ካብ ዝተኣታተዉ ዓበይቲ ለውጥታት

ኣብ ሓድሽ ሕጊ ስድራ-ቤት ኤርትራ ንጉዳይ ብዘይ ውዕል መርዓ ብሓደ ምንባር፡ ምርግጋጽ ትውልዲ (ኣቦነት)፡ ከምኡውን ደረጃ ወራስነት መጻምድቲ መዋቲ ንዝኣመሰሉ ካብ ዝተኣታተዉ ዓበይቲ ለውጥታት

ሚኒስትሪ ፍትሒ

ብዘይ ውዕል መርዓ ብሓደ ምንባር

ምእላይ ብዘይ ሕጋዊ ውዕል መርዓ ብሓደ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ካብቶም ብግብሪ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ጸገማት ክፈጥሩ ዝጸንሑ ጉዳያት እዮም።

ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይ ሕጋዊ ውዕል መርዓ ንልዕሊ 20 ዓመት ብሓደ ጸኒሖም፡ ድሕሪ ሞት ሓደ ካብኦም ወይ ርክቦም ብዝኾነ ካልእ ምኽንያት ምስ ዝብተኽ መሰል ናይቲ ብህይወት ዝጸንሐ ወይ ናይ ክልቲኦም እንታይ ይኹን ዝብል ዓቢ ብድሆ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። Continue reading ኣብ ሓድሽ ሕጊ ስድራ-ቤት ኤርትራ ካብ ዝተኣታተዉ ዓበይቲ ለውጥታት