Tag Archives: Frankfurt Conference

ዓወታት ወርሒ ሚያዝያ፡ ሽግ ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ 70 ብዘይበዝሑ መንእሰያት ዝጀመረ ምንቅስቃስ ሎሚ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ ኣስታት 700 ዋዕለኛታት መንእሰያት
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ 70 ብዘይበዝሑ መንእሰያት ዝጀመረ ምንቅስቃስ ሎሚ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ ኣስታት 700 ዋዕለኛታት መንእሰያት ዝሳተፍዎ ውራይ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ንቶም ክሳብ ሕጂ ነዚ ቃልሲ ዝመርሑ ቅሰኑ ዝብል መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ።

መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ

እቲ ነዊሕ ጠሚቱ ብኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዝተዓጥቀ ምንቅስቓስ መንእሰይ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኤውሮጳ፡ ካብ ዝወረሶን ዝተኸተሎን ቅኑዕ መስመሩ ነቕ እንከይበለ፡ ተጻብኦታት እናኣምከነን ብኤርትራዊ ጽንዓት እናተደርዐን፡ እንሆ መበል 11 ዋዕላኡ ኣብ ምክያድ ይርከብ። እዚ ኣብ ጀርመን ፈሊሙ፡ ብካልኦት ኤውሮጳውያን ከተማታት እናተበራረየ ክካየድ ዝጸንሐ ዋዕላ፡ ናይ ዓመተ 2015 ዙር፡ ዋዕልኡ ኣብ ጀርመን የካየድ ኣሎ። ጀርመናዊት ከተማ ፍራንክፈርት፡ ዋርሳ ኣሓታ ከተማታት ኤውሮጳ ተቐኒታ፡ “ህንጸት ሃገርን ቃልሲ ኣንጻር ፍልሰት ደቂ ሰብን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ንኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሓደ ቅርዓት ኣዒዂኻ ሜዳ ኤርትራ ተቐይራ ትርከብ ኣላ።  Continue reading ዓወታት ወርሒ ሚያዝያ፡ ሽግ ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ